ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ኣብ ፓሪስ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋኦም ኣካፊሎም

ኣብ ፓሪስ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋኦም ኣካፊሎም

ኣብቲ ኻብ 30 ሕዳር ክሳዕ 12 ታሕሳስ 2015 እተኻየደ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ለውጢ ኽሊማ (COP21)፡ ንጥፈታት ሰባት ኣብ ዓለምለኻዊ ኽሊማ ዜስዕቦ ጽልዋ ብኸመይ ኪንከ ኸም ዚከኣል ንምምይያጥ ካብ 195 ሃገራት ዝመጹ ልኡኻት ኣብ ፓሪስ፡ ፈረንሳ ተኣኪቦም ነይሮም። ሰበ ስልጣን መንግስትን ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ሰብ ሞያ ኣከባብን ፍሉጣት ነጋዶን ዚርከብዎም ኣስታት 38,000 ሰባት ኣብቲ ዋዕላ ተኣኪቦም እዮም። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ኻልኦት ድማ ብዛዕባ ለውጢ ኽሊማ ብዝያዳ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ኣብቲ ኸባቢ ናብ ዚርከብ ህዝባዊ ሓበሬታ ዚውሃበሉ ቦታ በጺሖም እዮም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ዋዕላ እኳ እንተ ዘይተሳተፉ፡ ብኣከባቢ ግና ይግደሱ እዮም። ብኣማእታት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻብ ብከላ ናጻ ኣብ ዝዀነት ፕላነት ኪነብሩ ዘለዎም ተስፋ ንምክፋል፡ ኣብቲ ኣብ ፓሪስ እተኻየደ ፍሉይ ወፈራ ተሳቲፎም እዮም።

ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ብህዝባዊ መጓዓዝያ እናተጓዕዘት ከላ ምስ ሓደ ባህላዊ ኽዳን እተኸድነ ወዲ ፐሩ ተዘራረበት። እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ምሉእ ጥዕና ዘለዎን ኣብ ውቁብ ኣኽራን ዚነብር ብምዃኑ ሕጕስን እኳ እንተዀነ፡ መጻኢ ፕላነትና ኸም ዜተሓሳስቦ ገለጸ። በቲ እተነግሮ ዜተባብዕ ተስፋ ስለ እተተንከፈ ኸኣ፡ ምስ ድሙቕ ፍሽኽታ ነታ ናብቲ www.jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና እትመርሖ ካርድ ኣድራሻ ወሰደ።

ኣብ ባቡር፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓደ ኣመሪካዊ ተመራማሪ ስነ ኣከባቢ ኣዘራረባኦ። እቲ ሰብኣይ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ህንጸት እተን ኣብ ዎልኪል፡ ኒው ዮርክ ዚርከባ ኽልተ ሓደስቲ ህንጻታት ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ንዕቃበ ኣከባቢ ኣበርክቶ ዚገብር ንድፍን ኣሰራርሓን ህንጻ ስለ እተጠቕሙ ኻብ ግሪን ብዩልዲንግ ኢኒሼቲቭ ክልተ ሳዕ ሽልማት ፎር ግሪን ግሎብስ ከም እተሸለሙ ምስ ፈለጠ ኣዝዩ እዩ ተገሪሙ። ንሱ እውን ተሓጒሱ ካርድ ኣድራሻ ወሲዱ እዩ።

ብዙሓት ሰባት በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣከባቢ ዘለዎም ተገዳስነት ስለ እተመሰጡ፡ ንወብ ሳይትና ኺርእይዎ ምዃኖም ቃል ኣትዮም እዮም። ካብ ካናዳ ዝመጸት ልእኽቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኣብ ዎርዊክ፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ሓድሽ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቶም ነቲ ኢስተርን ብሉ በርድ ዚብሃላ ኣዕዋፍ ዚሰፍራሉ ቦታ ኼዕቍቡ ኸም ዝጸዓሩ ምስ ሰምዐት፡ “ተጣባቒት ኣከባቢ ቕድሚ ምዃነይ፡ ተመራማሪት ስነ ኣዕዋፍ እየ ነይረ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እንስሳታት መሮር ብዙሕ ከም ዚግደሱ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ብዛዕባኹም ዝያዳ ምእንቲ ኽፈልጥ ንጽሑፋትኩም ከንብቦን ንወብ ሳይትኩም ክርእዮን እየ” በለት።