ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ሰብዓ ዓመት ዝገበረ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ

ሰብዓ ዓመት ዝገበረ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ

ኣብ 1 ለካቲት 1943፡ ኣብ ኒው ዮርክ፡ ቀዳማይ ክፍሊ ሓደ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ተጀሚሩ። እቲ ሕጂ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ ተባሂሉ ዘሎ ቤት ትምህርቲ፡ ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ ልዕሊ 8,000 ሰብኡትን ኣንስትን ፍሉይ ስልጠና ሂቡ እዩ።

ላዕሊ፦ ኣፍ ደገ ቤት ትምህቲ ጊልዓድ፡ ሳውዝ ላንሲንግ፡ ኒው ዮርክ። ታሕቲ፦ ሓደ ኻብ መምሃራን ጊልዓድ ንተምሃሮ መበል 31 ክፍሊ ኣብ ኣምፊቲያትር መደረ ይህቦም

ካብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ ቀረባ እዋን እተመረቐ ጆናታን፡ “እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ እተዋህበና ትምህርቲ፡ ኣብ ዝዀነ ኽሊ ኸነስልጥ ወይ ዝዀነ ባህሊ ንዘለዎም ክንምህር ዚሕግዘና እዩ” ኢሉ እዩ። ብዓልቲ ቤቱ ማርኒ ድማ፡ “ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ፡ ንሰባት ካብቲ ፈጣሪና ዝሓለነልና ህይወት ዚበልጽ ነገር ከም ዘየልቦ ምእንቲ ኺርእዩ ኽሕግዞም ተሃንጥየ ኣለኹ። ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጡ ምስ እንሕግዞም፡ ህይወቶም ከም ዚመሓየሽ ርግጸኛ እየ” ኢላ እያ።

ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ብዘይ ክፍሊት ንሓሙሽተ ወርሒ ስልጠና ይህብ እዩ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ኣገዳስነት ዕዮ ወንጌላውነትን ከኣ እዩ ዜተኵር። ዕላማ እቲ ስልጠና፡ እቶም ተምሃሮ ንህዝቢ ኣምላኽ ኬበራትዕዎምን ኬጽንዕዎምን ከምኡ እውን ንዜጋጥሞም ብድሆታት ኪሰግርዎ ዜኽእሎም መንፈሳዊ ባህርያት ምእንቲ ኼጥርዩ ኺሕግዝዎምን እዩ። ኣብ እዋን ስልጠና፡ እቶም ተምሃሮ ምስ ኣምላኾም የሆዋ ዘለዎም ርክብ ንምድልዳል ዚሕግዞም ቅዱስ ጽሑፍዊ ስርዓታት ይምሃሩ እዮም።

ላዕሊ፦ 1958፡ ኣልበርት ሽሮደር ብሞዴል ቤተ መቕደስ ገይሩ ንተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ይምህሮም። ታሕቲ፦ 1968፡ ዩሊሰዝ ግላስ ንመበል 46 ክፍሊ ጊልዓድ ይምህር

እቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዚምሃሩ ሰብ ሓዳር ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ እዮም። ምስ ተመረቑ ድማ ናብቲ ዝነበርዎ ምድብ ይምለሱ ወይ ናብ ካልእ ዓዲ ይምደቡ። ገሊኦም ድማ ናብ ሓንቲ ኻብተን ልዕሊ 90 ዚዀና ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይምደቡ። መብዛሕትኦም ከኣ ኣብ ዕዮ ስብከት ብዝያዳ ምእንቲ ኺድግፉ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ቦታታት እዮም ዚምደቡ።

ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ፈለማ ኣብ ሳውዝ ላንሲንግ፡ ኒው ዮርክ ኣብ ዝነበረ ኪንግደም ፋርም ዚብሃል ቦታ እዩ ነይሩ። ብ1961 ድማ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ናብ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግዒዙ። ካብ 1988 ክሳዕ 1995፡ ኣብ ዎልኪል፡ ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ዋችታወር ፋርምስ እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ ብ1995 ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ግዒዙ። ኣብ መጋቢት 2013 ድማ መበል 134 ክፍሊ ተመሪቖም

ላዕሊ፦ 2003፡ ተምሃሮ መበል 116th ክፍሊ ጊልዓድ ይምሃሩ። ታሕቲ፦2011፡ ተምሃሮ፡ ኣብ ቤተ መጽሓፍቲ ጊልዓድ የጽንዑ

ኣብ ዝሓለፈ 70 ዓመት ካብ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ እተመረቑ ተምሃሮ፡ ብዛዕባ የሆዋ ብተኣማንነት ብምምስካር፡ ጽቡቕ ኣብነት ኰይኖም እዮም።