ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዜሕዝን ነገር እኳ እንተ ኣጋጠማ ጸንዐት

ዜሕዝን ነገር እኳ እንተ ኣጋጠማ ጸንዐት

 ቨርጂንያ፡ ሓንቲ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እያ፣ ሎክድ-ኢን ሲንድሮም ዚብሃል ሕማም ከኣ ኣለዋ። ሰብነታ ለሚሱ እዩ። ክትርእን ክትሰምዕን፡ ኣዒንታ ኽትዕምትን ቋሕ ከተብልን ከምኡ እውን ርእሳ ቝሩብ ከተንቀሳቕስ ትኽእል እያ። ክትዛረብ ወይ ክትበልዕ ግና ኣይትኽእልን እያ። ኣብ ሓደ እዋን ምሉእ ጥዕና ዘለዋን ድልድልትን እያ ነይራ። እንተዀነ ግና፡ ብ1997፡ ሓደ ንግሆ ብድሕሪት ርእሳ፡ ሓያልን ዘየቋርጽን ቃንዛ ተሰምዓ። ስለዚ፡ ሰብኣያ ናብ ሆስፒታል ወሰዳ፣ ሽዑ ምሸት ከኣ ሃለዋታ ኣጥፍአት። ድሕሪ ኽልተ ሰሙን፡ ጽዑቕ ሕክምና ኣብ ዚግበረሉ ኽፍሊ ኸላ ሃለዋታ ተመልሰ፣ እንተዀነ ግና፡ ለሚሳን ንምስትንፋስ ዚሕግዝ ማሽን ተገጢሙላን ነበረ። ንሒደት መዓልቲ፡ ኵሉ ነገር መን ምዃና እውን ከይተረፈ፡ ረሲዓ ነይራ።

 ቨርጂንያ ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዝዀነ ነገር ከምዚ ዚስዕብ ኢላ ተዘንቱ። “በብቍሩብ ተዘክሮታተይ ተመሊሱ። ኣበርቲዓ ድማ እጽሊ ነይረ። ወደይ ንእሽቶ ኸሎ ብዘይ ኣደ ገዲፈዮ ኽመውት ኣይደለኹን። ምእንቲ ኽተብዕ ብእተኻእለኒ መጠን ብዙሕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክዝክር እፍትን ነይረ።

 “ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ እቶም ሓካይም ካብቲ ጽዑቕ ሕክምና ዝግበረሉ ኽፍሊ ኣውጺኦምኒ። ንሹድሽተ ወርሒ ኣብ እተፈላለየ ሆስፒታላትን ማእከል ሕክምናን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ገዛይ ተመሊሰ። ምሉእ ብምሉእ ለሚሰ ስለ ዝነበርኩ፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ንምግባር ሓገዝ የድልየኒ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣመና ተስፋ ቘሪጸ ነይረ። ንኻልኦትን ንየሆዋን ከም ዘይጠቅም ኰይነ ተሰማዓኒ፣ ንወደይ ክከናኸኖ ዘይምኽኣለይ እውን የጨንቐኒ ነይሩ።

 “ከም ናተይ ዓይነት ኵነታት ብዛዕባ ዘለዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመክሮ ኸንብብ ጀሚረ፣ በቲ ንየሆዋ ኺገብርዎ ዝኸኣሉ ነገራት ድማ ኣዝየ ተገረምኩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብቲ ኽገብሮ ዝኽእል ነገራት ብምትኳር ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸማዕብል ፈተንኩ። ቅድሚ ምሕማመይ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ብዙሕ ግዜ ኣይነበረንን። ሕጂ ግና፡ ምሉእ መዓልቲ ግዜ ኣሎኒ። ስለዚ፡ ተስፋ ኣብ ክንዲ ዝቐብጽ፡ ንየሆዋ ውፍይቲ ክኸውን ወሲነ።

 “ኮምፒዩተር ምጥቃም ተማሂረ። ናይ ርእሰይ ምንቅስቓስ ኬንብብ ዚኽእል ሶፍትዌር ተጠቒመ ድማ እጽሕፍ እየ። ከምኡ ምግባር ኣድካሚ እዩ፣ እንተዀነ ግና ሳላ ተክኖሎጂ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕን ብደብዳበን ብኢ-መይልን ገይረ ብዛዕባ ተስፋይ ንኻልኦት ክነግርን ክኢለ እየ። ኣብ ጥቓይ ምስ ዘለው ሰባት ንምርድዳእ፡ ፊደላት ዝሓዘ ሰሌዳ ኣሎኒ። ሓደ ሰብ ናብቲ ፊደላት በብሓደ የመልክተኒ። ኣብ ጌጋ ፊደል ከመልክተኒ ኸሎ ኣዒንተይ ቋሕ አብሎ፣ ኣብ ቅኑዕ ፊደል ከመልክተኒ ኸሎ ድማ ኣዒንተይ እዕምቶ። ነዚ፡ እቲ ፊደላት ቃላት ከምኡ እውን ምሉእ ሓሳባት ክሳዕ ዚኸውን ንደጋግሞ ኢና። ገለ ኻብተን ምሳይ ብዙሕ ግዜ ዜሕልፋ ኣሓት ነቲ ኽብሎ ዝደለኹ ነገር ቀልጢፈን እየን ዚርድኣኦ። ሓድሓደ ግዜ ጌጋ ቓላት ኪግምታ ኸለዋ ንስሕቕ ኢና።

ፊደላት ብዝሓዘ ሰሌዳ ትዛራረብ

 “ምስ ጉባኤይ ኣብ ዚግበር ንጥፈታት ምስታፍ የሐጕሰኒ እዩ። ኣኼባታት ወትሩ እካፈል እየ፣ ሕጂ ድማ ብቪድዮ ኮንፈረንስ እካፈል እየ። ንሓሳባተይ እጽሕፎ እሞ ድሓር፡ ሓደ ሰብ ሕቶን መልስን ኣብ ዘለዎ ኽፍሊ ነቲ መልሰይ የንብቦ። ምስ ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነ ድማ መደብ ፈነወ JW እርኢ እየ። a

 “ሕጂ፡ ካብ ዝሓምም 23 ዓመት ኰይኑ ኣሎ። ሓድሓደ ግዜ እሓዝን እየ። እንተዀነ ግና፡ ነዚ ግዝያዊ ስምዒት እዚ ብጸሎትን ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ግዜ ብምሕላፍን ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ንጥፍቲ ብምዃንን አሰንፎ እየ። ሳላ ሓገዝ ጉባኤይ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት፡ ሓጋዚት ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ክኢለ እየ። ነቲ ብዓል ሓዳርን ሽማግለ ጉባኤን ዝዀነ ወደይ ኣልሳንድሮ፡ ጽቡቕ ኣብነት ክዀኖ ጽዒረ እየ። ሎሚ፡ ንሱን በዓልቲ ቤቱን ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

 “መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብታ ናይ መጻኢ ገነት ብዛዕባ ዝገብሮ ነገራት አስተንትን እየ። ኣብኡ እቲ መጀመርታ ኽገብሮ ዝደሊ ነገር፡ ብድምጸይ ብዛዕባ የሆዋ ምዝራብ እዩ። ኣብ ሃገረ ሰብ ውቁብ ቦታ እናረኣኹ ኣብ ጥቓ ውሒዝ ብእግረይ ክጓዓዝ እደሊ እየ። ንዝሓለፈ ዕስራ ዓመት፡ ፈሳሲ ምግቢ ብትቦ ምውሳድ ስለ ዝሰልከየኒ፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ካብ ኦም ቱፋሕ ቀንጢበ፡ ሓይኸ ኽሳዕ ዝበልዕ እህንጠ እየ። ጣልያናዊት ከም ምዃነይ መጠን ከኣ፡ ከም ፒሳ ዝኣመሰለ ዝፈትዎ ናይ ጥልያን ምግቢ ሰሪሐ ኽበልዕ እህንጠ እየ።

 “‘ተስፋ ድሕነት’ ንኣእምሮይ ሓልዩለይ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:8) ብኣእምሮይ ንርእሰይ ኣብ ሓዳስ ዓለም ኣእትየ ስለ ዝስእላ፡ ኣካላዊ ዓቕመይ ድሩት ክነሱ፡ ሕጕስቲ እየ። እወ፡ ነቲ የሆዋ ብመንግስቱ ኣቢሉ ኸም ዚህበና ቓል ዚኣተዎ ናይ ሓቂ ህይወት ክሳዕ ዝረክብ ተሃንጥየ እየ ዝጽበ።”—1 ጢሞቴዎስ 6:19፣ ማቴዎስ 6:9, 10

a ናብ ፈነወ JW ዚወስድ ሊንክ ኣብ jw.org ይርከብ።