ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዩ፧

ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዩ፧

ኣመሓዳሪ ኣካል ብብሱላት ክርስትያናት ዝቘመ ንእሽቶ ጕጀለ ዀይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መምርሒ ይህብ። ዕዮኡ ድማ ኣብ ክልተ ይኽፈል፦

  • ንምድላው እቲ ብጽሑፋትን ብኣኼባታትን ብኣብያተ ትምህርቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ኣቢሉ ዚውሃብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መምርሒታት ብሓላፍነት ይከታተል።—ሉቃስ 12:42

  • ንህዝባዊ ኣገልግሎትና ብምምራሕን ንኣጠቓቕማ እተወፈየ ገንዘብ ብምቍጽጻርን ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓላፍነት ይከታተል።

ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብነት እቶም ምእንቲ መላእ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣገዳሲ ውሳነታት ዚገብሩ ዝነበሩ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ “ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን” እዮም ዚስዕቡ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:2, 6) ልክዕ ከምዞም እሙናት ሰብኡት እዚኦም፡ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል እውን መራሕቲ ውድብና ኣይኰኑን። የሆዋ ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ርእሲ እታ ጉባኤ ገይሩ ኸም ዝሸሞ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ መምርሒ ንምርካብ ንመጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዚውከሱ።—1 ቈረንቶስ 11:3፣ ኤፌሶን 5:23

ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል መን እዮም፧

ክሳዕ መጋቢት 2016 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል እዞም ዚስዕቡ እዮም፦ ማርክ ሳንደርሰን፡ ሳሙኤል ሀርድ፡ ስቲቨን ለት፡ ኣንቶኒ ሞሪስ ሳልሳይ፡ ዴቪድ ስፕለይን፡ ጀፍሪ ጃክሰን፡ ከምኡ ድማ ገራት ሎሽ። ኣብቲ ኣብ ዎርዊክ፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትና ዀይኖም ድማ እዮም ዚዓይዩ።

ኣመሓዳሪ ኣካል ብኸመይ እዩ ዚውደብ፧

ኣመሓዳሪ ኣካል ንእተፈላለየ መዳያት ዕዮና ንምክትታል ሽዱሽተ ኮሚተ ኣቚሙ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ድማ ኣብ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ እዚ ኮሚተታት እዚ የገልግል።

  • ኮሚተ ኣተሓባበርቲ፦ ሕጋዊ ጕዳያት ይከታተል፣ ሓደጋታት ኬጋጥም ከሎን ኣባላትና ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም መስጐጕቲ ኺወርዶም ከሎን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጸሉ ኻልእ ህጹጽ ጕዳያት ኪህሉ ኸሎን ድማ ቅልጡፍ ምላሽ ይህብ።

  • ኮሚተ ፐርሶነል፦ ንኣባላት ስድራ ቤት-ኤል እተገብረ መሰናድዎ ይከታተል።

  • ኮሚተ ሕትመት፦ ንዕዮ ሕትመትን ምልኣኽን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ከምኡ ድማ ንህንጸት መአከቢ ቦታታትን ኣብያተ ጽሕፈት ትርጉምን መሳለጥያታት ጨንፈርን ይከታተል።

  • ኮሚተ ኣገልግሎት፦ ንዕዮ ስብከት “ብስራት መንግስቲ” ይከታተል።—ማቴዎስ 24:14

  • ኮሚተ ትምህርቲ፦ ንምድላው እቲ ብኣኼባታትን ብኣብያተ ትምህርትን ብመደባት ድምጽን ቪድዮን ኣቢሉ ዚውሃብ መንፈሳዊ መምርሒ ይመርሕ።

  • ኮሚተ ጽሕፈት፦ ንምድላው እቲ ብእተሓትመ ጽሑፋትን ብወብ ሳይትናን ኣቢሉ ዚውሃብ መንፈሳዊ መምርሒ ይመርሕ፣ ንዕዮ ትርጉም ድማ ይከታተል።

ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ርእሲ እቲ በዚ ኮሚተታት እዚ ኣቢሉ ዚዓዮ ዕዮ፡ ነቲ ውድብ ብዛዕባ ዜድልዮ ነገራት ንምምይያጥ ኣብ ሰሰሙን ይእከብ እዩ። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ፡ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ከም ዚብል ይመያየጡ፣ ኵላቶም ኣብ ዚሰማምዑሉ ሓደ ውሳነ ምእንቲ ኺበጽሑ ድማ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኪመርሖም ይፈቕዱ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:25

ሓገዝቲ ኣመሓዳሪ ኣካል መን እዮም፧

እዚኣቶም ንኮሚተታት ኣመሓዳሪ ኣካል ዚሕግዙ እሙናት ክርስትያናት እዮም። (1 ቈረንቶስ 4:2) እቲ እተመደቡሉ ኮሚተ ኣብ ዚከታተሎ ዕዮ፡ ክእለትን ተመክሮን ኣለዎም፣ ኣብቲ ኣብ ሰሰሙን ዚግበር ኣኼባኡ ድማ ይእከቡ እዮም። እዞም ሓገዝቲ እዚኦም፡ ውሳነታት ኣብ ምግባር ዘይካፈሉ እኳ እንተዀኑ፡ ኣገዳሲ ምኽርን ድሕረ ባይታዊ ሓበሬታን ይህቡ፣ ውሳነታት እቲ ኮሚተ የተግብሩ፣ ንውጽኢት እዚ ውሳነታት ድማ ብቐጻሊ ይከታተሉ። ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ንዚርከቡ ኣሕዋት ኪበጽሑን ኣብ ከም ዓመታዊ ኣኼባታት ወይ ስነ ስርዓት ምረቓ ጊልዓድ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ክፍሊ ኬቕርቡን እውን ብኣመሓዳሪ ኣካል ኪምዘዙ ይኽእሉ እዮም።

ዝርዝር ስማት ሓገዝቲ ኣመሓዳሪ ኣካል

ኮሚተ

ስም

ኣተሓባበርቲ

  • ጆን ኢክራን

 

ፐርሶነል

  • ጀራልድ ግሪዝል

  • ፓትሪክ ላፍራንካ

  • ዳንየል ሞልቻን

  • ራልፍ ዎልስ

 

ሕትመት

  • ዶን ኣዳምስ

  • ሮበርት በትለር

  • ሃሮልድ ኮርከርን

  • ጋዩስ ግሎከንቲን

  • ዶናልድ ጎርደን

  • ሮበርት ሊስዮኒ

  • ኣሌክስ ራይንሙለር

  • ዴቪድ ሲንክለር

 

ኣገልግሎት

  • ጌሪ ብሮ

  • ጆኤል ደሊንገር

  • ሰት ሃየት

  • ክሪስቶፈር ሜቨር

  • ባልታሳር ፐርላ ጁንየር

  • ዊልያም ተርነር ጁንየር

  • ሊዮን ዊቨር ጁንየር

 

ትምህርቲ

  • ሮናልድ ከርዘን

  • ከነት ፍሎዲን

  • ዊልያም ማለንፎንት

  • ማርክ ኑማር

  • ዴቪድ ሼፈር

 

ጽሕፈት

  • ሮበርት ሲራንኮ

  • ከነት ኩክ

  • ጄምስ ማንትስ

  • ኢሳክ ማሬስ

  • ጂን ስማሊ

  • ሄርማኑስ ቫን ሰልም