ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምምሕልላፍ ደም ዘይቅበሉ ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምምሕልላፍ ደም ዘይቅበሉ ስለምንታይ እዮም፧

ግጉይ ምርዳእ

ጌጋ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመድሃኒት ወይ ብሕክምና ኣይኣምኑን እዮም።

ቅኑዕ፦ ንርእስናን ንስድራ ቤትናን ዝበለጸ ሕክምና ኽንረክብ ንጽዕር ኢና። ክንሓምም ከለና፡ ብዘይ ደም ሕክምና ኺህቡን መጥባሕቲ ኺገብሩን ክእለት ናብ ዘለዎም ሓካይም ንኸይድ ኢና። ኣብ ዓውዲ ሕክምና ንእተገብረ ምዕባለታት ድማ ነማስወሉ ኢና። ብዘይካዚ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕሙማት ተባሂሉ ዝማዕበለ ብዘይ ደም ዚውሃብ ሕክምናታት፡ ሕጂ ንዅሉ ማሕበረሰብ ይጠቅም ኣሎ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዚነብሩ ሕሙማን ከም እኒ ብደም ዚመሓላለፍ ሕማማትን ነድሪ ስርዓተ ምክልኻልን ናይ ሰባት ጌጋን ዝኣመሰለ ብሰንኪ ምምሕልላፍ ደም ዚመጽእ ሓደጋታት ኬወግዱ ይኽእሉ እዮም።

ጌጋ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እምነት ንሓደ ሰብ ካብ ሕማሙ ኸም ዜሕውዮ ይኣምኑ እዮም።

ቅኑዕ፦ ብተኣምር ኣይነሕውን ኢና።

ጌጋ፦ ብዘይ ምምሕልላፍ ደም ዚግበር ሕክምና ኣዝዩ ኽቡር እዩ።

ቅኑዕ፦ ብዘይ ምምሕልላፍ ደም ዚግበር ሕክምና ብዋጋ ዜዋጽእ እዩ። *

ጌጋ፦ በብዓመቱ፡ ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ሕጻናትን ደም ምውሳድ ብምእባዮም ይሞቱ እዮም።

ቅኑዕ፦ እዚ ሓሳብ እዚ፡ መሰረት ዘይብሉ እዩ። ሓካይም መጥባሕቲ፡ ከም መጥባሕቲ ልቢ፡ ምስ ኣዕጽምትን ጭዋዳታትን ዚተሓሓዝ መጥባሕቲ፡ ምስግጋር ኣካላት ሰብነት ዝኣመሰለ እተሓላለኸ ሕክምና ብዘይ ምምሕልላፍ ደም ኣዘውቲሮም የካይዱ እዮም። * መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብዘይ ምምሕልላፍ ደም ሕክምና ዝገበሩ ሕሙማት፡ እንተላይ ሕጻናት ይሓውዩ እዮም፣ ወረግ ካብቶም ምምሕልላፍ ደም እተቐበሉ ሕሙማት ዝሓሹ እዮም ዚዀኑ። * ዝዀነ ዀይኑ፡ ሓደ ሕሙም ምምሕልላፍ ደም ብዘይ ምቕባሉ ከም ዚመውት ወይ ብምቕባሉ ኸም ዚጥዒ ኣፉ መሊኡ ኺዛረብ ዚኽእል የልቦን።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምምሕልላፍ ደም ዘይቅበሉ ስለምንታይ እዮም፧

እዚ ምስ ሃይማኖት ዚተሓሓዝ ደኣ እምበር፡ ምስ ሕክምና ዚተሓሓዝ ጕዳይ ኣይኰነን። ብሉይን ሓድሽን ኪዳን ካብ ደም ክንርሕቕ ብንጹር ይእዝዘና እዩ። (ዘፍጥረት 9:4፣ ዘሌዋውያን 17:10፣ ዘዳግም 12:23፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) ኣምላኽ ድማ ንደም፡ ንህይወት ከም ዚውክል ገይሩ እዩ ዚርእዮ። (ዘሌዋውያን 17:14) ስለዚ፡ ደም ዘይንወስድ፡ ንኣምላኽ ስለ እንእዘዞ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ወሃብ ህይወት ኣኽብሮት ስለ ዘሎና እውን እዩ።

ናይ ኣረኣእያ ለውጢ

ብዘይ ምምሕልላፍ ደም እተሓላለኸ መጥባሕትታት ኪግበር ይከኣል እዩ

ቀደም፡ ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ብዘይ ምምሕልላፍ ደም ንዚውሃብ ሕክምናን መድሃኒትን ምሕራይ፡ ከም ጥሩፍ ኣተሓሳስባን ርእሰ ቕትለት ከም ምፍታንን ገይሮም ይርእይዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ግና እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ተቐይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ብ2004 ኣብ ሓደ መጽሔት ትምህርቲ ሕክምና ዝወጸት ዓንቀጽ፡ “ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕሙማት ተባሂሉ ዝማዕበለ ሓያሎ ሜላታት፡ ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት ልሙድ ሕክምና ኪኸውን እዩ” በለት። * ኣብ 2010 ኣብ ዝወጸት መጽሔት ሃርት፡ ላንግ ኤንድ ሰርክለይሽን ዝነበረት ዓንቀጽ፡ “ብዘይ ደም ዚግበር መጥባሕቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ዚግበር ዘይኰነስ፡ ቀዋሚ ኽፋል እቲ መዓልቲ መዓልቲ ዚግበር መጥባሕቲ እውን ኪኸውን ኣለዎ” በለት።

ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሓካይም፡ ብዘይ ምምሕልላፍ ደም እተሓላለኸ መጥባሕትታት ኪገብሩ ዜኽእሎም ደም ዚዕቅብ ሜላታት ይጥቀሙ ኣለዉ። እዚ ኣማራጺታት እዚ፡ ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት እውን ይስራሓሉ ኣሎ፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት እውን ከይተረፈ ይመርጽዎ ኣለዉ።

^ ሕ.ጽ. 8 ትራንስፍዩዥን ኣፈሪሰስ ሳይንስ፡ ጥራዝ 33፡ ቍ. 3፡ ገጽ 349 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 10 ዘ ጆርናል ኦቭ ቶራሲክ ኤንድ ካርድዮቫስኩላር ሰርጀሪ፡ ጥራዝ 134፡ ቍ. 2፡ ገጽ 287-288፣ ቴክሳስ ሃርት ኢንስቲትዩት ጆርናል፡ ጥራዝ 38፡ ቍ. 5፡ ገጽ 563፣ ቤዚክስ ኦቭ ብለድ ማናጅመንት፡ ገጽ 2፣ ኮንቲንዩዊንግ አጁከይሽን ኢን ኣንስተዥያ፡ ክርቲካል ኬር ኤንድ ፐይን፡ ጥራዝ 4፡ ቍ. 2፡ ገጽ 39 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 10 ዘ ጆርናል ኦቭ ቶራሲክ ኤንድ ካርድዮቫስኩላር ሰርጀሪ፡ ጥራዝ 89፡ ቍ. 6፡ ገጽ 918፣ ሃርት፡ ላንግ ኤንድ ሰርክለይሽን፡ ጥራዝ 19፡ ገጽ 658 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 14 ኮንቲንዩዊንግ አጁከይሽን ኢን ኣንስተዥያ፡ ክርቲካል ኬር ኤንድ ፐይን፡ ጥራዝ 4፡ ቍ. 2፡ ገጽ 39 ርአ።