ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣመሪካውያን ኑፋቐ ዲኹም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣመሪካውያን ኑፋቐ ዲኹም፧

ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈትና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እዩ ዚርከብ። እንተዀነ ግና: ኑፋቔ ኣመሪካውያን ኣይኰንናን። ከምኡ እንብለሉ ምኽንያታት ድማ እዚ ዚስዕብ እዩ፦

  • ገሊኦም ሰባት፡ ኑፋቐ ኻብ ሓደ ሃይማኖት ንእተፈንጨለ ጕጅለ ኸም ዜመልክት ይዛረቡ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ ገሊኡ ሃይማኖታዊ ጕጅለ እተፈንጨሉ ኣይኰኑን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ዓይነት ክርስትና ኸም እንስዕብ ኢና እንኣምን።

  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ልዕሊ 230 ዓድታትን ሃገራትን ኣብ ኣገልግሎቶም ንጡፋት እዮም። እንነብረሉ ቦታ ብዘየገድስ፡ ተኣማንነትና ንየሆዋ ኣምላኽን ንየሱስ ክርስቶስን ደኣ እምበር፡ ንመንግስቲ ኣመሪካ ዀነ ንኻልእ ሰብኣዊ መንግስቲ ኣይኰነን።—ዮሃንስ 15:19፣ 17:15, 16

  • ኵሉ ትምህርትታትና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዚነብሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት ዘይኰነስ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሰረት እዩ።—1 ተሰሎንቄ 2:13

  • ንየሱስ ክርስቶስ እምበር፡ ንኻልእንዋላ ሓደ ሰብኣዊ መራሒ ኣይንስዕብን ኢና።—ማቴዎስ 23:8-10