ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ኣኼባታት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ብዛዕባ ሰሙናዊ ኣኼባታትና ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ መአከቢ ቦታ ድለ።

ዚቐርበካ ቦታ ድለ

ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታትና እንታይ እዩ ዚግበር፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ንኣምልኾ ይእከቡ እዮም። (እብራውያን 10:24, 25) ኣብዚ ንህዝቢ ኽፉት ዝዀነ ኣኼባታት እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህርን ነቲ ትምህርቲ ብኸመይ ኣብ ህይወትና ኸነተግብሮ ኸም እንኽእልን ንምሃር ኢና።

መደባትና ኣብ ክፍሊ ምስ ዚግበር ምይይጥ ዚመሳሰል ተሳትፎ ሰማዕቲ እውን ዜጠቓልል እዩ። ኣኼባታትና ዚኽፈትን ዚዕጾን ብመዝሙርን ብጸሎትን እዩ።

ኣብ ኣኼባታትና ኽትካፈል እንተ ደሊኻ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውን ኣየድልየካን እዩ። ኵሉ ሰብ ምሳና ኺእከብ ኢና እንዕድም። መእተዊ ብናጻ እዩ፣ እናዞርካ ድማ ገንዘብ ኣይእከብን እዩ።

 

ዝያዳ ፍለጥ

ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ይመስል፧

ኣብ ኣኼባታትና እንታይ ከም ዚግበር ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ኣብ ኣኼባታትና ምስ ተኣከብካ፡ ብጽፈት እቲ ኣብኡ እትረኽቦ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትምሰጥ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ እየን ዚውደባ፧

መምርሒታትን ትምህርትታትን ብኸመይ ከም እንረክብ ኣንብብ።