ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት

ንደቅኻ ፍሽለት ኪቕበሉ ብኸመይ ትሕግዞም፧

ንደቅኻ ፍሽለት ኪቕበሉ ብኸመይ ትሕግዞም፧

 ውዒሉ ሓዲሩ ደቅኻ፡ ኣብ ህይወቶም ፍሽለት ወይ ዕንቅፋት ኬጋጥሞም እዩ። ከምኡ ምስ ዜጋጥሞም፡ ነዚ ምእንቲ ኺዋጽኡሉ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

 ክትፈልጦ ዘሎካ

 ፍሽለት ክፍሊ ህይወት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵላትናስ . . . . ንስሕት ኢና” ይብል እዩ። (ያእቆብ 3:2) ውሉዳት እውን ይስሕቱ እዮም። ይኹን እምበር፡ ዕንቅፋታት ኣወንታዊ ሸነኽ እውን ኣለዎ፡ ንውሉዳት ሓቦኛታት ኪዀኑ ይሕግዞም እዩ። ሓቂ እዩ፡ ቈልዑ ሓቦኛታት ኰይኖም ኣይውለዱን እዮም፡ ኪምሃርዎ ግና ይኽእሉ እዮም። ሓንቲ ሎራ ዝስማ ኣደ፡ “ኣነን ሰብኣየይን፡ ቈልዑ ዝሓሰብዎ ምስ ዚፈሽሎም፡ ነቲ ነገር ዕሽሽ ካብ ዚብልዎ፡ ኪቕበልዎ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ኣስተብሂልና ኢና። ከምኡ ምግባሮም ነገራት ምስ ዚበላሾ፡ ብኸመይ ኪዋጽኡሉ ኸም ዚኽእሉ ይምህሮም እዩ” ትብል።

 ብዙሓት ቈልዑ ንፍሽለት ብግቡእ ኣይሕዝዎን እዮም። ገሊኦም ቈልዑ፡ ወለዶም ካብ ተሓታትነት ኬናግፍዎም ስለ ዚጽዕሩ፡ ንፍሽለት ብኸመይ ከም ዚዋጽኡሉ ኣይፈልጡን እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ቘልዓ ኣብ ትምህርቲ ሕማቕ ነጥቢ እንተ ኣምጺኡ፡ ገሊኦም ወለዲ ቐልጢፎም ነቲ መምህር ይነቕፍዎ እዮም። ሓደ ቘልዓ ምስ ዓርኩ እንተ ተባኢሱ ድማ ነቲ ዓርኩ በደለኛ ይገብርዎ እዮም።

 ወለዲ ንደቆም ካብ ሳዕቤናት ጌጋታቶም ዜዕቍብዎም እንተ ዀይኖም፡ ከመይ ገይሮም እዮም እሞ እቶም ደቆም ሓላፍነት ምውሳድ ኪምሃሩ፧

 ክትገብሮ እትኽእል

  •   ተግባራቶም ሳዕቤን ከም ዘለዎ ምሃሮም።

     መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ።”—ገላትያ 6:7

     ኵሉ እንገብሮ ነገራት፡ ሳዕቤናት ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኣቕሓ እንተ ሰቢርና፡ ንኸፍሎ ኢና። ጌጋታት ድማ፡ ሕማቕ ሳዕቤናት የስዕበልና እዩ። ቈልዑ፡ ተግባራቶም ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኺፈልጡን ብኸፊል ተሓተትቲ ምዃኖም ኪግንዘቡን ኣለዎም። ስለዚ፡ ንኻልኦት ተሓተትቲ ኣይትግበር፡ ወይ ንውሉዳትካ ኣይተመኻንየሎም። ኣብ ክንዳኡስ ከከም ዕድመኦም ንጌጋታቶም ሓላፍነት ከም ዚወስዱ ግበር። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ ግና፡ ውሉድካ እቲ ጌጋኡ ዜስዓቦ ሕማቕ ሳዕቤን ብንጹር ኪርኣዮ ኸም ዘለዎ ኣይትረስዕ።

  •   ፍታሕ ኪረኽቡ ሓግዞም።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ጻድቕሲ ሸውዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ መሊሱ ይትንስእ።”—ምሳሌ 24:16

     ፍሽለት ንስምዒትና ይጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፡ መወዳእታ ዓለም ከም ዝዀነ ግና ኺስምዓና የብሉን። ስለዚ፡ ውሉዳትካ ኣብ ዘይፍትሓውነት እቲ ጕዳይ ዘይኰነስ፡ ፍታሕ ኣብ ምርካብ ኬተኵሩ ሓግዞም። ንኣብነት፡ ወድኻ ኣብ ፈተና እንተ ተሪፉ፡ ኣብ ዚቕጽል ብኸመይ ኣበርቲዑ ኼጽንዕን ነጥቡ ኼመሓይሽን ከም ዚኽእል ኣርእዮ። (ምሳሌ 20:4) ጓልካ ምስ መሓዛኣ እንተ ተባኢሳ፡ እቲ ጌጋ ናይ መን ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ክትዕረቕ እትኽእለሉ መገድታት ሓብራ።—ሮሜ 12:18፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:24

  •   ትሑታት ኪዀኑ ምሃሮም።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ መንጎኹም ዘሎ፡ ብዛዕባ ርእሱ ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓስብ፡ . . . . እብሎ ኣለኹ።”—ሮሜ 12:3

     ንውሉድካ ኣብ ገሊኡ መዳይ “ብሉጽ ኢኻ” ምባል፡ ሓቅነት ኰነ ጥቕሚ የብሉን። ከመይሲ፡ እቶም ኣብ ትምህርቲ ንፉዓት ዝዀኑ ቘልዑ እኳ፡ ኵሉ ሳዕ ጽቡቕ ነጥቢ ኣየምጽኡን እዮም። እቶም ኣብ ሓደ ዓይነት ስፖርት ብሉጻት ዝዀኑ እውን፡ ወትሩ ኣይዕወቱን እዮም። ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ሚዛናዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ቈልዑ ንፍሽለታትን ንዕንቅፋታትን ብዝሓሸ ኺገጥሙሉ ይኽእሉ እዮም።

     መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጸገም ኬበርትዓናን ተጻዋርነት ንምምዕባል ኪሕግዘናን ከም ዚኽእል ይገልጽ እዩ። (ያእቆብ 1:2-4) ስለዚ ፍሽለታትን ዕንቅፋታትን ዜጕሂ እኳ እንተ ዀነ፡ ውሉዳትካ ብዛዕባኡ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምእንቲ ኺሕዙ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ።

     ንውሉዳትካ ሓቦ ምምሃር፡ ከም ዝዀነ ይኹን ካልእ ክእለት፡ ግዜን ጻዕርን ይሓትት እዩ። እዚ ኣብ እዋን ብጽሕና ስለ ዚሕግዞም ግና ጻዕርኻ ጻማ ኣለዎ። ነዚ ብዚምልከት ሌቲንግ ጎ ዊዝ ላቭ ኤንድ ኮንፊደንስ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል፦ “ሓቦ ዘለዎም መንእሰያት፡ ጸገም ምስ ዜጋጥሞም ቅልጡፍ ፍታሕ ንምርካብ ኢሎም ሓደገኛ ውሳነ ኣይገብሩን እዮም። ሓድሽን ዘይተጸበይዎን ኵነታት ምስ ዜጋጥሞም፡ ይዋጽኡሉ እዮም።” እወ፡ ሓቦ ምስ ዓበኻ እውን ኪጠቕመካ እዩ።

 ምኽሪ፦ ኣብነት ኩን። እቲ ንስኻ ንዕንቅፋታት እትሰግረሉ ኣገባብ፡ ውሉዳትካ ዕንቅፋታት ብኸመይ ከም ዚሰግሩ ኣብ ምስልጣን ኪሕግዘካ እዩ።