ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ቘልዑ
ከም ወላዲ መጠን ንውሉድካ ብኸመይ መምርሒ ትህቦ፧
ክትፈልጦ ዘሎካ ነገር
ሎሚ ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ውሉዳት ምስ ወለዶም ጥቡቕ ርክብ ኣለዎም፡ መምርሒ ወለዶም እውን ይደልዩ እዮም። ኣብ ገሊኡ ባህልታት ግና፡ ውሉዳት መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ መዛኑኦም እዮም መምርሒ ዚደልዩ።
ውሉዳት ካብ መዛኑኦም መምርሒ ኺደልዩ ኸለዉ፡ ንመምርሒ ወለዶም ሸለል ከም ዚብልዎ ይገብሮም። ከም ሓቂ፡ ወለዲ ውሉዳቶም መንእሰያት ምስ ኰኑ፡ ኣብ ደቆም ዝነበሮም ጽልዋ ኸም ዝጠፍአ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ዜገርም ኣይኰነን! ከመይሲ፡ ሓደ ቘልዓ ምስ ካልኦት ቈልዑ ዝያዳ ግዜ ብዘሕለፈ መጠን፡ ብወለዱ ዘይኰነስ፡ ብኻልኦት ቈልዑ እዩ ዚጽሎ።
ቈልዑ ነቲ ምስ ወለዶም ዝነበሮም ርክብ ኣላሕሊሖም ምስ መዛኑኦም ጥቡቕ ርክብ ዚምስርቱ ስለምንታይ እዮም፧ ነዚ ዚስዕብ ረቛሒታት ርአ።
ቤት ትምህርቲ። ቈልዑ መብዛሕትኡ ግዜኦም ምስ ካልኦት ቈልዑ ዜሕልፍዎ እንተ ዀይኖም፡ ምስ መዛኑኦም ፍሉይ ርክብ ይፈጥሩ እዮም። በዚ ምኽንያት፡ ካብ ናይ ወለዶም ንላዕሊ ናይ መዛኑኦም ተቐባልነት ኪረኽቡ ድሌት ይሓድሮም ይኸውን። እዚ ስምዒት እዚ ድማ መንእሰያት ምስ ኰኑ እናሓየለ ኪኸይድ ይኽእል እዩ።
ውሉዳት ካብ ናይ መማህርቶም ንላዕሊ ናይ ወለዶም ተቐባልነት ክብ ኣቢሎም ኪርእይዎ ኣለዎም
ብሓባር እኹል ግዜ ዘይምሕላፍ። ኣብ ብዙሓት ስድራ ቤታት፡ ወለዲ ስራሕ ስለ ዚወፍሩ ይኸውን፡ ውሉዳት ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተመልሱ ኣብ ገዛ ሰብ ኣይጸንሖምን እዩ።
ኰተቴነት። ንኣሽቱ ኺባጽሑ ኸለዉ፡ ብናይ ካልኦት መንእሰያት ኣከዳድና፡ ኣዘራርባ፡ ኣካይዳ ይጽለዉ እዮም። ካብቲ ወለዶም ንዕኦም ዘለዎም ኣረኣእያ ብዝይዳ መዛኑኦም ንዕኦም ዘለዎም ኣረኣእያ እዩ ዜገድሶም።
ናይ ንግዲ ዓለም። ናይ ንግዲ ዓለም ንመንእሰያት ዚኸውን ፍርያትን መዘናግዕን የቕርብ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ወለድን መንእሰያት ደቆምን ሰፊሕ ጋግ ፈጢሩ እዩ። ዶክተር ሮበርት አፒስቴን ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “መንእሰያት ከምዚ ዓይነት ዝንባለ ደው እንተ ዜብሉ ነይሮም፣ ቢልዮናት ዶላራት ዜንቀሳቕሳ ትካላት ብቕልጡፍ ምጠፈሻ ነይረን።” a
ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
ምስ ውሉድካ ዘሎካ ርክብ ኣደልድል።
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን፣ ንደቅኻ ድማ ቅረጸሎም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከለኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረብ።”—ዘዳግም 6:6, 7።
መዛኑ ኣዕሩኽ ውሉድካ ኪዀኑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፣ ነቲ ኸም ወላዲ መጠን ዘሎካ ግደ ግና ፈጺሞም ኪትክእዎ የብሎምን። እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ ምሁራት ከም ዚብልዎ፡ መብዛሕትኦም ቈልዑን ኰተቴታትን ንወለዶም የኽብርዎምን ኬሐጕስዎም ይደልዩን እዮም። ስለዚ፡ ምስ ውሉድካ ድልዱል ርክብ እንተ ኣልዩካ፡ ካብ መዛኑኡ ንላዕሊ ኣብ ህይወቱ ዓብዩ ጽልዋ ኺህልወካ እዩ።
“መዓልታዊ ኸም ምኽሻን፡ ጽሬት፡ ዕዮ ገዛ ዝኣመሰለ ነገራት ብሓባር ብምዕያይ ምስ ደቅኹም ግዜ ኣሕልፉ። ሓቢርኩም ብምጽዋት፡ ፊልም ወይ ተሌቪዥን ብምርኣይ ክትዘናግዑ ትኽእሉ ኢኹም። ኣድላዪ ኢልኩም እትሓስብዎ እተወሰነ ግዜ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሓባር ብዙሕ ግዜ ኣሕልፉ። ከመይሲ፡ ብሓባር እኹል ግዜ ዘይተሕልፉ እንተ ዄንኩም ድልዱል ርክብ ክትምስርቱ ኣይትኽእሉን ኢኹም።”—ሎረይን።
ደቅኻ ኣብ እተፈላለዩ ኽሊ ዕድመ ምስ ዘለዉ ሰባት ከም ዚተዓራረኹ ግበር።
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ዕሽነት ኣብ ልቢ መንእሰይ ተኣሲሩ ኣሎ።”—ምሳሌ 22:15፡ እግረ ጽሑፍ።
ገሊኦም ወለዲ፡ ውሉዶም ብዙሓት ኣዕሩኽ ከም ዘለዎ ምፍላጦም የዕግቦም እዩ። ይኹን እምበር፡ ውሉድካ ብሱል ኪኸውን ዚሕግዞ ምስ ብዙሓት መዛንኡ ምትዕርራኹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ እተፈላለየ ኽሊ ዕድመ ምስ ዘለዉ ሰባት ምትዕርራኹ እዩ። ሓደ መንእሰይ ካብ መዛኑኡ ዘይኰነስ፡ ካብ ፈቃራት ወለዱ እዩ ብሉጽ መምርሒ ዚረክብ።
“መዛኑ ውሉድካ ብዛዕባ ገሊኡ ነገራት ፍልጠት ይህልዎም ይኸውን፡ ናይ ህይወት ተመክሮን ክእለትን ንኻልኦት መንእሰያት ብሉጽ ውሳነ ኺገብሩ ዚሕግዝ ጥበብን ግና የብሎምን። መንእሰያት ናይ ወለዶም መምርሒ ዚስዕቡ እንተ ዀይኖም፡ እናዓበዩን እናበሰሉን እዮም ዚኸዱ።”—ናድያ።
ጥበባዊ መምርሒ ሃብ።
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን።”—ምሳሌ 13:20።
ውሉዳትካ ምስ ዓበዩ እውን ከይተረፈ ምሳኻ ግዜ ምሕላፎም ብዙሕ ይጠቕሞም እዩ። ስለዚ፡ ጽቡቕ ኣብነት ኩኖም።
“ንውሉዳት ልዕሊ ዅሉ ኣብነት ዚዀንዎም ወለዶም እዮም። ውሉዳት ንወለዶም ኬሐጕሱን ኬኽብሩን እንተ ተማሂሮም፡ ምስ ዓበዩ ኸምኦም ኪዀኑ እዮም ዚደልዩ።”—ካትሪን።
a ካብታ ቲን 2.0—ሴቪንግ ኣወር ችልድረን ኤንድ ፋሚሊስ ፍሮም ዘ ቶርመንት ኦፍ ኣዶለሰንስ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።

