ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ዙኪኒ ባሕሪ ዘለዎ ዜስተንክር ቈርበት

ዙኪኒ ባሕሪ ዘለዎ ዜስተንክር ቈርበት

 ዙኪኒ ባሕሪ ኣብ ባይታ ባሕርን ኣብ ከርከስ መርጀንን (ኮራል ሪፍ) ዚነብር ዓይነት እንስሳ እዩ። ኣካላቱ ዓንኳር፡ ሓባጥ፡ ወይ እውን ኣሻዅ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ተዓጻጻፍነቱ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ወይ ኣብ ውሽጢ ኻልኢታት፡ ካብ ከም ስምዒ ልምሉም ናብ ከም ሉሕ ደረቕ ኪቕየር ይኽእል እዩ። ክንድዚ ተዓጻጻፊ ምዃኑ ኸኣ ብጸቢብ ነቓዓት ኪሓልፍን ሃደንቲ ምእንቲ ኸይሕዝዎ ኣካላቱ ኼዐጽቕን የኽእሎ እዩ። ከምዚ ኺገብር ዜኽእሎ ድማ እቲ ዜስተንክር ቈርበቱ እዩ።

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ቈርበት ዙኪኒ ባሕሪ ሰለስተ ዓይነት እዩ፦ ዓጺቕ፡ ማእከላይ፡ ልምሉም። ዙኪኒ ባሕሪ ንጽሕጎታት ቈርበቱ ንሓድሕዱ ብምትእስሳር ወይ ብምፍትታሕ፡ ንቘርበቱ ኪቐያይር ይኽእል እዩ። ነዚ ዚገብሮ ድማ ንእተፈላለየ ፕሮቲናት ብምዕጻቕ ወይ ብምልምላም እዩ።

 ዜዐጽቕ ዓይነት ፕሮቲናት ኣብ መንጎ ኣካሊት ኣብ ዚርከብ ጽሕጎታት ንኣሽቱ ድልድላት ወይ ሰንሰለታት ብምስራሕ ነቲ ቘርበት ብዝያዳ የትርሮ። ዜለምልም ዓይነት ፕሮቲናት ድማ ነቲ ጽሕጎታት ሰሪሕዎ ዝነበረ ሰንሰለታት ብምፍታሕ ነቲ ቘርበት የለምልሞ። ቈርበት ዙኪኒ ባሕሪ ዚመክኽ ዘሎ ኽሳዕ ዚመስል ኣመና ኺልምልም ይኽእል እዩ።

 ተመራመርቲ ነቲ ቘርበት ዙኪኒ ባሕሪ ዘለዎ ተዓጻጻፍነት ብምቕዳሕ መሳርሒታት ይምህዙ ኣለዉ። ሓደ ኻብቲ ኺሰርሕዎ ዚሓስቡ ዘለዉ መሳርሕታት ኣብ መጥባሕቲ ሓንጐል ዜገልግል ኰይኑ ኣብቲ ዜድሊ ቦታ ኽሳዕ ዚኣቱ ዚተርር ጸኒሑ ድማ ዚልምልም ዓይነት ኤሌክትሮድ እዩ። እቲ ኤሌክትሮድ ከምዚ ዝኣመሰለ ተዓጻጻፍነት ዘለዎ ምዃኑ፡ ሰብነትና ምእንቲ ኸይነጽጎ ይሕግዝ እዩ።

 እንታይ ይመስለካ፧ እዚ ዜስተንክር ቈርበት ዙኪኒ ባሕሪ እዚ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧