ትግርኛ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓከምቲ ምምሕልላፍ ደም ብምእባዮም ዝሓሸ ጥዕና ይረኽቡ
https://cms-imgp.jw-cdn.org/img/p/702012018/univ/art/702012018_univ_sqr_xl.jpg

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዝሓሸ ጥዕና ይረኽቡ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዝሓሸ ጥዕና ይረኽቡ

ኣውስትራልያ፦ ናይ 2 ጥቅምቲ 2012 ሕታም ዘ ሲድኒ ሞርኒንግ ሄራልድ፡ “ብሃይማኖታዊ ምኽንያት ምምሕልላፍ ደም ዚኣብዩ ኣብ ሆስፒታል ዚኣትዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓከምቲ፡ ከም ሓቂ ኻብ ካልኦት ብዝሓሸ ጥዕና ይረኽቡ” ኢላ ጸብጺባ።

እታ ጋዜጣ ኣብ ጸብጻባ፡ ካብ ዘረባ እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ኣብ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ሲድኒ ዜገልግል ናይ ሕክምና ፕሮፌሰር ጄምስ ኢስቢስተር ጠቒሳ ኸምዚ ትብል፦ “ሓካይም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር [ተሓከምቲ] ደሞም ኪዕቅቡሎም ብምፍታኖም፡ ዝሓሸ ሕክምና ኸም ዝረኸቡ ፕሮፌሰር ኢስቢስተር ገሊጹ። ከም ውጽኢቱ፡ ህይወቶም ንምድሓን ዝሓሸ ዕድል ረኺቦም፣ ካብቶም ኣብ መጥባሕቲ ምምሕልላፍ ደም እተቐበሉ ሰባት ከኣ ኣብ ሆስፒታልን ኣብ ጽዑቕ ክንክንን ዝሓጸረ ግዜ ጸኒሖም።”

ዶክተር ኢስቢስተር ዝሃቦ ርእይቶ ዘይተለምደ ኣይኰነን። ኣርካይቭስ ኦቭ ኢንተርናል መዲስን፡ 13-27 ነሓሰ 2012፡ ናይ ልቢ ሕክምና ብዛዕባ ዝገበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓከምቲ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቶም ምምሕልላፍ ደም እተቐበሉ ኻልኦት ተሓከምቲ ኺነጻጸሩ ኸለዉ፡ ዝወሓደ ኸቢድ ሕልኽላኻት እዩ ኣጋጢምዎም፡ ኣብ ሆስፒታል ዝጸንሑሉ ግዜ እውን ዝሓጸረ እዩ” ትብል።