መንእሰያት ዚሓትትዎ
ብኸመይ እየ ምስ መምህረይ ክሳነ ዝኽእል፧
ሓያል መምህር
ይውዓል ይሕደር እምበር፡ ዚገፍዕ፡ ካብ ተምሃሮኡ ብዙሕ ዚጽበ፡ ወይ ተሪር ዚመስል መምህር ዳርጋ ንዅሉ ተምሃራይ የጋጥሞ እዩ።
ሉዊስ ዝስሙ 21 ዝዕድሚኡ መንእሰይ፡ “ሓንቲ መምህር ንተምሃሮኣ ትጻረፍን ትንዕቕን እኳ እንተ ነበረት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ጥሮታ ስለ እትወጽእ ግና ከም ዘይትስጐግ ኰይኑ ይስምዓ ነይሩ” ይብል።
ሜላን ዝስማ 25 ዝዕድሚኣ መንእሰይ፡ መምህራ ኻብ ካልኦት ተምሃሮ ብእተፈልየ መገዲ ትገፍዓ ኸም ዝነበረት ትዝክር። “ትገፍዓኒ ዝነበረት ከኣ ካብ ካልኦት ተምሃሮ እተፈልየ ሃይማኖት ስለ ዝነበረኒ እዩ። ‘ምስ ዓበኺ ንዜጋጥመኪ ግፍዒ ምእንቲ ኽትለማመዲ ኢለ እየ’ ትብለኒ ነይራ” ትብል።
ተሪር መምህር ምስ ዜጋጥመካ፡ እታ ዓመት ትምህርቲ እቲኣ ኣጸጋሚት ምእንቲ ኸይትዀነካ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣሎ። ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ፈትኖ።
ሓጋዚ ምኽርታት
ተዓጻጻፊ ኹን። ኵሎም መምህራን ካብ ተምሃሮኦም ሕደ ነገር ኣይጽበዩን እዮም። ስለዚ፡ መምህርካ ኻባኻ እንታይ ከም ዚጽበ ፍለጥ፡ ነቲ ኻባኻ ዚደልዮ ኸተማልእ እውን ጽዓር።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ጥበበኛ ሰሚዑ ትምህርቲ ይውስኽ።”—ምሳሌ 1:5።
“ምስ ምርጫታት መምህረይ ተዓጻጻፊ ክኸውን ከም ዘሎኒ ተገንዚበ እየ፡ ስለዚ፡ ከምቲ ንሳ እትደልዮ ኽገብር ዝከኣለኒ ዅሉ እገብር እየ። እዚ ድማ ምስ መምህረይ ኽሳነ ኣኽኢሉኒ እዩ።”—ክሪስቶፈር።
ኣኽብሮት ኣርኢ። ንመምህራንካ ብኣኽብሮት ክትዛረቦም ጽዓር። ኣፍ ኣፎም ኣይትመልሰሎም፡ ዋላ እውን ዚግብኦም ኰይኑ እንተ ተሰምዓካ። ከም መሰታኦም ዘይኰነስ፡ ከም ተምሃራዮም ገይሮም ከም ዚርእዩኻ ኣይትረስዕ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንነፍሲ ወከፍ ከመይ ጌርኩም ክትምልሱ ኸም ዚግብኣኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ፡ ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን።”—ቈሎሴ 4:6።
“መምህራን ካብ ተምሃሮኦም ኵሉ ሳዕ ኣይኰኑን ኣኽብሮት ዚረኽቡ፣ ስለዚ፡ መምህራንካ ንምኽባር እትገብሮ ጻዕሪ ኣብቲ ንዓኻ ዚሕዝሉ መገዲ ዓብዪ ለውጢ ኸምጽእ ይኽእል እዩ።”—ስያራ።
ተረድኣሎም። መምህራን እውን ከማና ሰባት እዮም። እዚ ማለት ከም ኵሉ ሰብ ጸቕጥን ጭንቀትን የጋጥሞም እዩ። ስለዚ፡ ‘መምህረይ ተሪር እዩ’ ወይ ‘መምህረይ ይጸልኣኒ እዩ’ ኢልካ ኣይትደምድም።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኵላትናስ ብዙሕ ሳዕ ንስሕት ኢና።”—ያእቆብ 3:2።
“መምህራን ከቢድ ዕዮ እዩ ዘለዎም። ንተምሃሮ ስርዓት ኬትሕዙን ኪምህሩን ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ንመምህረይ ተወሳኺ ጭንቀት ምእንቲ ኸይኰና ብወገነይ ጾራ ከቕልለላ ኽጽዕር ከም ዘሎኒ ይስምዓኒ እዩ።”—ኣለክሲስ።
ንወለድኻ ኣዘራርቦም። ካብ ወለድኻ ዝበለጸ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ትምህርትኻ ዕውት ክትከውን ይደልዩ እዮም፣ ምኽሮም ድማ ምስ ተሪር መምህር ብኸመይ ከም እትረዳዳእ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ምኽሪ ኣብ ዘይብሉ፡ ውጥናት ይፈሽል።”—ምሳሌ 15:22።
“ወለዲ ኻብ መንእሰያት ብዝበለጸ ጸገማት ናይ ምፍታሕ ብዙሕ ተመክሮ ኣለዎም። ስለዚ፡ ምኽሮም እንተ ሰሚዕካ ኽትዕወት ትኽእል ኢኻ።”—ኦሊቭያ።
ንመምህርካ ብኸመይ ተዘራርቦ፧
ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ብዛዕባ እቲ ዘሎ ጸገማት ምስ መምህርካ ኽትዘራረብ የድልየካ ይኸውን። ቀሪብካ ምዝርራብ ዜፍርሃካ እንተ ዀይኑ፡ ኣይትጨነቕ። ከመይሲ፡ ትካታዕ ዘይኰንካስ፡ ትመያየጥ ኢኻ ዘለኻ። እዚ ምይይጥኩም ብዜምጽኦ ውጽኢት ድማ ክትግረም ኢኻ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሰላም ዜስፍን . . . ነገር ንስዓብ።”—ሮሜ 14:19።
“መምህርካ ትተረካ ኸም ዘላ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ገለ ዜሕርቓ ነገር ጌርካ ኸይትኸውን ሕተትታ። እቲ እትህበካ መልሲ፡ ኣብ ምንታይ መዳይ ምምሕያሻት ከም እትገብር ክትፈልጥ ኪሕግዘካ እዩ።”—ጁልያና።
“ምስ መምህርካ ብብሕትኹም እትዀኑሉ ግዜ መሪጽካ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እንታይ ከም ዚስምዓካ ብህድኣት ክትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ምግባርካ ድማ፡ እቲ መምህር ሚዛናዊ ኪኸውን፡ ነቲ ጕዳይ ዝሓዝካሉ መገዲ ድማ ብኣድናቖት ይርእዮ ይኸውን።”—በንጃሚን።
ናይ ሓቂ ታሪኽ
“መምህረይ ስለ ዘይሓገዘትኒ ሕማቕ ነጥቢ ኣምጺአ። ትተረኒ ስለ ዝነበረት ድማ ትምህርቲ ኸቋርጽ ሓሲበ ነይረ።
“ሽዑ ኻልእ መምህር ኣማኺረ። ንሱ ድማ፡ ‘ንሓድሕድክን ጽቡቕ ጌርክን ስለ ዘይትፋለጣ እዩ። ትሽገሪ ኸም ዘለኺ ንገርያ። ከምዚ እንተ ጌርኪ ኸማኺ ተሸጊሮም ክነሶም ምዝራባ ንዝፈርሁ ኻልኦት ተምሃሮ ኺጠቕሞም ይኽእል እዩ’ ኢሉኒ።
“ከምዚ ምግባር ከቢዱኒ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ነቲ ዝበለኒ ነገር ሓሲበሉ፡ ሓቁ ድማ እዩ ነይሩ። እቲ ዅነታት ኪቕየር እንተ ዀይኑ ተበግሶ ኽወስድ ነይሩኒ።
“ንጽብሒቱ፡ ናብታ መምህር ቀሪበ ነቲ እትምህሮ ኸም ዝፈትዎን ካብኡ ብዙሕ ክምሃር ከም ዝደልን ግናኸ፡ ብዙሕ ከም ዘቃልሰንን ብኸመይ ከም ዘመሓይሽ ከም ዘይፈልጥን ብኣኽብሮት ነጊረያ። ንሳ ድማ ሓጋዚ ሓሳባት ሂባትኒ፡ ወረግ ድሕሪ ፍደሳ ወይ ብኢመይል ክትሕግዘኒ ኸም እትኽእል ነጊራትኒ።
“ብጣዕሚ እየ ተገሪመ! ሳላ እዚ ምይይጥ፡ ነቲ ኣብ መንጎና ኸም ሓጹር ኰይኑ ጋሪዱና ዝነበረ ጸገም ኣሊናዮ ኢና። ድሕሪኡ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሕልፎ ግዜ ዝቐለለ ዀይኑለይ እዩ።”—ማርያ።
ምኽሪ፦ ምስ መምህርካ ዘሎካ ርክብ በዳሂ እንተ ዀይኑካ፡ ንእዋን ብጽሕና ዚኸውን ስልጠና ጌርካ ርኣዮ። ካትያ ዝስማ ጓል 22 ዓመት መንእሰይ፡ “ትምህርቲ ምስ ወዳእካ እውን ሕሱም ሓለቓ ኼጋጥመካ ይኽእል እዩ። ሕጂ ምስ ኣሸጋሪ መምህር ክትሳነ እንተ ኽኢልካ፡ ኣብ መጻኢ ምስ ዜጋጥሙኻ ኣሸገርቲ ሰባት ምስናይ ኣይኬጸግመካን እዩ።”

