ኣብ ራእይ ምዕራፍ 13 ተጠቒሱ ዘሎ ሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት ንመን የመልክት፧
መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
እቲ ኣብ ራእይ 13፡1 ተጠቒሱ ዘሎ ሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት፡ ንዓለምለኻዊ ፖለቲካዊ ስርዓት የመልክት።
እቲ ኣራዊት፡ ስልጣን፡ ሓይሊ፡ ዙፋን ስለ ዘለዎ፡ ንፖለቲካዊ ውድብ የመልክት።—ራእይ 13:2።
“ኣብ ልዕሊ ዅሎም ነገድን ህዝብን ቋንቋን ኣህዛብን” ስለ ዚገዝእ ድማ፡ ንሓደ መንግስቲ ጥራይ ዜመልክት ኣይኰነን።—ራእይ 13:7።
እቲ ኣራዊት፡ ትርኢት ነብሪ፡ ኣእጋር ድቢ፡ ኣፍ ኣንበሳ ከምኡ እውን ዓሰርተ ቐርኒ ኣለዎ። እቶም ኣብ ዳንኤል 7:2-8 ዚርከቡ ኣርባዕተ ኣራዊት እውን እዚ ትርኢታት እዚ ኸም ዘለዎም ተገሊጹ ኣሎ። እዞም ኣራዊት እዚኦም፡ ብተኸታታሊ ናብ ስልጣን ንዝመጹ ነገስታት ወይ ፖለቲካዊ መንግስትታት የመልክቱ። (ዳንኤል 7:17, 23) ስለዚ፡ እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 13 ተጠቒሱ ዘሎ ኣራዊት፡ ንብዙሓት ፖለቲካዊ ሓይልታት ዚውክል እዩ።
እቲ ኣራዊት ካብ “ባሕሪ” እዩ ወጺኡ። እዚ ድማ፡ ሰብኣውያን መንግስትታት ካብቶም ንኣምላኽ ብምንጻጎም ምኽንያት እተናወጹ ህዝብታት ከም ዚወጹ የመልክት።—ራእይ 13:1፣ ኢሳይያስ 17:12, 13።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቍጽሪ ወይ ስም እቲ ኣራዊት፡ “ቍጽሪ ሰብ” ማለት 666 ከም ዝዀነ ይገልጽ። (ራእይ 13:17, 18) እዚ መግለጺ እዚ፡ እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 13 ተጠቒሱ ዘሎ ኣራዊት፡ ሰብኣዊ ውድብ እምበር መንፈሳዊ ወይ ኣጋንንታዊ ውድብ ከም ዘይኰነ ይሕብር።
መንግስትታት ኣብ ብዙሕ ጕዳያት ዘይሰማምዑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም መትከል ግና ሕደ እዩ፣ ነታ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ዚግዝኡ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ስልጣን ንምዕቃብ ይተሓባበሩ። (መዝሙር 2:2) ብዘይካዚ፡ ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ዚመርሖ ውግእ ኣርማጌዶን፡ ሰራዊቶም ሒዞም ምስ ሰራዊት ኣምላኽ ኪዋግኡ ኺእከቡ እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ ኪጠፍኡ እዮም።—ራእይ 16:14, 16፣ 19:19, 20።
“ዓሰርተ ቐርንን ሸውዓተ ርእስን”
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኡ ቝጽርታት ምሳልያዊ እዩ። ንኣብነት፡ ቍጽሪ ዓሰርተን ቍጽሪ ሸውዓተን ምሉእነት የመልክት። ኣብ ራእይ ምዕራፍ 13 ተጠቒሱ ዘሎ “ዓሰርተ ቐርንን ሸውዓተ ርእስን” እቲ ኣራዊት፡ እንታይ ከም ዜመልክት ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ነዚ ንምርዳእ ንመንነት እቲ ጸኒሑ ኣብ ራእይ እተጠቕሰ “ምስሊ እቲ ኣራዊት” ክንፈልጥ ኣሎና። እቲ ምስሊ፡ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ ቐይሕ ኣራዊት ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 13:1, 14, 15፣ 17:3) መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ ሸውዓተ ዝርእሱ ቐይሕ ኣራዊት፡ ን“ሸውዓተ ነገስታት፡” ወይ መንግስትታት ከም ዜመልክት ይገልጽ።—ራእይ 17:9, 10።
ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣብ ራእይ 13:1 ተገሊጹ ዘሎ ሸውዓተ ርእሲ እቲ ኣራዊት፡ ንሸውዓተ መንግስትታት የመልክት። እዞም መንግስትታት እዚኦም ሓይሊ ዓለም ዝዀኑን ንህዝቢ ኣምላኽ ዚጭቈኑን እዮም፣ እዚኣቶም ከኣ ግብጺ፡ ኣሶር፡ ባቢሎን፡ ሜዶንን ፋርስን፡ ግሪኽ፡ ሮሜ፡ ኣንግሎ-ኣመሪካ እዮም። እቲ ዓሰርተ ቐርኒ ንዅለን ዓበይትን ንኣሽቱን መንግስትታት ዜመልክት ካብ ኰነ፡ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀርኒ ዘሎ ዘውዲ ድማ፡ ሓደ ሓይሊ ዓለም እናገዝአ ኸሎ፡ ካልኦት መንግስትታት ነናይ ርእሰን ስልጣን ከም ዘለወን የርኢ።

