ካማል ፊሪ | ታሪኽ ህይወት

“ፍትሒ ወትሩ የገድሰኒ ነይሩ”

“ፍትሒ ወትሩ የገድሰኒ ነይሩ”

 ብነሓሰ 1973፡ ኣነን ክልተ ኣሓተይን ኣብ ትዊንክሃም፡ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ እተገብረ “መለኮታዊ ዓወት” ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣኼባ ተኻፊልና። ኣብኡ ኸኣ ምስቲ ካብ 1926 ኣትሒዙ ኣብ ህንዲ ሚስዮናዊ ዀይኑ ዘገልግል ዝነበረ ሓውና ኢድዊን ስኪነር ተራኺብና። ቋንቋ ፑንጃቢ ኸም እንዛረብ ምስ ፈለጠ ድማ፡ “ኣብዚ እንታይ ትገብራ ኣለኽን፧ ናብ ህንዲ ኽትመጻ ኣሎክን” ኢሉና። ከምቲ ዝበሎ ድማ ጌርና። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ ክሊ ፑንጃቢ ኽዓዪ ጀሚረ። ፈለማ ግና፡ ቅድሚ እዚ ዝነበረ ታሪኽ ህይወተይ ክነግረኩም።

 ኣብ ሚያዝያ 1951፡ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ተወሊደ። ወለደይ ካብ ህንዲ ዀይኖም፡ ሰዓብቲ ሃይማኖት ሲክ እዮም ነይሮም። ኣቦይ ነታ ሰብኣያ ዝሞታ ዘማኡ ስለ እተመርዓወ፡ ክልተ ኣንስቲ እየን ነይረናኦ። እታ ቐዳመይቲ ሰበይቱ ማለት ኣደይ፡ ብዛዕባ እዚ ኽትገብሮ እትኽእል ነገር ኣይነበረን። ኣደይን ሰበይቲ ኣቦይን ዳርጋ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን እየን ቈልዑ ዚወልዳ ነይረን። ስለዚ፡ ምስ ብዙሓት ኣሕዋተይን ደቂ ኣቦይን ከምኡ እውን ምስ ወዲ ሓወቦይ ጠቕላላ ሸውዓተ ቘልዑ ዄንና ኢና ዓቢና። ብ1964፡ ጓል 13 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣቦይ ሞይቱ።

ፍትሒ ምንዳይ

 ባእስን ኣድልዎን ኣብ ዝመልኦ ቤት እየ ዓብየ። ደሓር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽናዕኩ፡ ናብራ ስድራ ቤትና ምስ ዛንታ ልያን ራሄልን ዚመሳሰል ኰይኑ እየ ረኺበዮ። እቶም ኣብ ገዛና ዝነበሩ ኬንያውያን ሰራሕተኛታት ብሕማቕ እዮም ዚትሓዙ ነይሮም፣ ኣትሒትና ኽንርእዮም እውን ንምሃር ኔርና። ኣቦይ ካብቶም ኤውሮጳውያን ጐረባብትና ክንምሃር ከም እንኽእል ይሓስብ ስለ ዝነበረ፡ ምሳታቶም ክንመሓዞ ይደልየና ነይሩ። ካብቶም ኣፍሪቃውያን ጐረባብትና ግና እንምሃሮ ዋላ ሓንቲ ነገር የሎን ኢሉ ይሓስብ ስለ ዝነበረ፡ ምሳታቶም ክንቀራረብ ኣይደልየናን እዩ ነይሩ። ብተወሳኺ ምስቶም ዘርኢ ፓኪስታን ዘለዎም ሰባት ከይንተዓራረኽ፡ እኳ ደኣስ ከም ጸላእትና ጌርና ኽንርእዮም ይነግረና ነይሩ። ኣነ ግና ፍትሒ ወትሩ የገድሰኒ ነይሩኒ፡ ስለዚ፡ ነቲ ናይ ኣቦይ ኣተሓሳስባ ኣይቅበሎን እየ ነይረ።

 ሃይማኖት ሲክ፡ ኣብ መወዳእታ መበል 15 ዘመን ብጉሩ ናናክ ተመስሪቱ። ንትምህርትታት ናናክ እንተላይ ነቲ ሓደ ኣምላኽ ከም ዘሎ ዚገልጽ ትምህርቱ ተቐቢለዮ። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣመንቲ ሲክ ኣብ ንሓድሕዶም ዚገብርዎ ዝነበሩ ዘይፍትሓውነት እርኢ ብምንባረይ፡ ኣብቲ ሃይማኖት ገለ ሽግር ኣሎ ኢለ ኽሓስብ ጀሚረ።

 እዚ ጥራይ ግና ኣይኰነን ዜተሓሳስበኒ ነይሩ። ሃይማኖት ሲክ ኻብ ዚምስረት ሒደት ዘመናት እዩ ገይሩ ነይሩ። ስለዚ፡ ‘ቅድሚኡኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣምላኽ ዚቕበሎ ናይ መጀመርታ ኣምልኾ እንታይ እዩ ነይሩ፧’ ኢለ እሓትት ነይረ። ወለድና ታሪኻዊ ስእልታት ናይቶም ዓሰርተ ጉሩታት ሲክ ዝሓዘ ዓውደ ኣዋርሕ ኣብ ገዛና ይሰቕሉ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ‘እንታይ ይመስሉ ኸም ዝነበሩ ብኸመይ ንፈልጥ፧ እቶም ጉሩታት ነቲ ሓደ ሓቀኛ ኣምላኽ ጥራይ ከነምልኽ ከም ዚግብኣና እናመሃሩ ኽነሶም፡ ስለምንታይ ደኣ እዮም ወለደይን ካልኦትን ንምስልታት እቶም ጉሩታት ዚሰግዱ፧’ ኢለ እሓስብ ነይረ።

 ብ1965፡ ጓል 14 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ስድራ ቤትና ናብ ህንዲ ግዒዛ። እኹል ገንዘብ ስለ ዘይነበረና፡ ኣብኡ ናብራ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ግና፡ በብኽልተ ዄንና ናብ ዓዲ እንግሊዝ ግዒዝና፡ ኣብ ለስተር ክንነብር ድማ ጀሚርና።

 ጓል 16 ዓመት ምስ ኰንኩ እተፈላለየ ናይ ጕልበት ስራሕ ክሰርሕ ጀሚረ፡ ከምኡ እውን ኣቋሪጸዮ ዝነበረኩ ትምህርተይ ንምቕጻል ምሸታዊ ትምህርቲ እምሃር ነይረ። ኣብ ስራሕ ኣድልዎ እርኢ ነይረ። ንኣብነት፡ እንግሊዛውያን ሰራሕተኛታት ካብቶም ስደተኛታት ንላዕሊ ይኽፈሉ ነይሮም። እቲ ንፍትሒ ዝነበረኒ ድሌት ተቓላሲት መሰል ሰራሕተኛታት ክኸውን ደሪኹኒ። ስለዚ፡ ነተን ስደተኛታት ኣንስቲ ብምውዳብ፡ ማዕረ እቶም እንግሊዛውያን ክሳዕ ዚኽፈላ ኣድማ ንኺገብራ ኣለዓዒለየን። ዓለም ፍትሒ ዘለዋ ቦታ ኽትከውን እየ ዚምነ ነይረ።

መልሲ ረኺበ

 ብ1968 ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገዛይ መጺኦም ምስ ዃሕኵሑ፡ንፈለማ እዋን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኺበ። እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ደቂ ሰባት ማዕርነት ከተምጽእ ምዃና ዚገልጽ ተስፋ፡ ብሓቂ እዩ ተንክዩኒ። ሓደ ኻብቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሰበይቱ ተመሊሱ መጺኡኒ። ኣነ፡ ጃስዊንደር ሓብተይ፡ ብኣቦይ ሓብተይ ዝዀነት ቻኒ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ጀሚርና። ሽዱሽተ ትምህርትታት ምስ ኣጽናዕና፡ የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃሉ ምዃኑ፡ ከምኡ እውን ናይ ሓቂ ፍትሒ ኸተምጽእ እትኽእል መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ኣሚንና።

 ይኹን እምበር፡ ካብ ስድራ ቤትና ኸቢድ ተቓውሞ ኣጋጢሙና። ድሕሪ ሞት ኣቦይ፡ እቲ ብኣቦ ዚብጽሓኒ ሓወይ ርእሲ ስድራ ቤትና ዀነ። በቲ ሰይቲ ኣቦይ እትገብረሉ ድፍኢት ተላዓዒሉ ድማ ኪቃወመና ጀመረ። ነተን ምንኣሰይ ዝዀና ጃስዊንደርን ቻንን፡ ይሃርመንን በቲ ሓጺን ዘለዎ ጫማኡ ገይሩ ይቐልዐንን ነይሩ። ኣነ ጓል 18 ዓመት ስለ ዝነበረኩ፡ ሕጋዊ መሰል ከም ዘሎኒ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፡ እተን ኣሓተይ ግና ንኣሽቱ ስለ ዝነበራ ኣብ ዝበጽሓኦ የብለንን ዚብል ስምዒት እዩ ነይርዎ። ሓደ መዓልቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣልዒሉ ነቲ ገጻት ሓዊ ኣንዲድዎ፡ ናብ ገጽ ኣሓተይ ኣቕሪቡ ድማ፡ “የሆዋኽን ነዚ ሓዊ ኼጥፍኦ ዚኽእል እንተ ዀይኑ እስከ ሕተታኦ” ኢልወን። ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ሒደት ኣኼባታት ብሕቡእ ተኻፊልና ኔርና። ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኸነገልግሎ ሓያል ድሌት ኔርና። እንተ ዀነ ግና፡ ኵነታትና ኸምኡ ኽንገብር ዜኽእለና ኣይነበረን። ስለዚ፡ ካብ ገዛ ወጺእና ናብ ውሑስ ቦታ ኣርሒቕና ኽንከይድ ወሲንና። እሞ ደኣ ብኸመይ ኢና ኸምኡ ጌርና፧

 ካብ ናይ ምሳሕናን ካብ ናይ ኣውቶቡስናን ከምኡ እውን ካብቲ ንሰበይቲ ኣቦይ ዝህባ ዝነበርኩ ደሞዘይ፡ እተወሰነ ሓቢእና ኸነዋህልል ጀሚርና። ሰለስተ ባልጃ ዓዲግና ኣብ ካልእ ቦታ ኣቐሚጥናዮ፡ በብቝሩብ ድማ ክዳውንትና መሊእናዮ። ኣብ ግንቦት 1972፡ ጃስዊንደር ዳርጋ ጓል 18 ዓመት ምስ ኰነትን 100 ፓውንድ (250 ናይ ኣመሪካ ዶላር) ምስ ኣዋህለልናን፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ እትርከብ ፐንዛዝ ብባቡር ኬድና። ኣብ ፐንዛዝ ምስ በጻሕና ናብቶም ኣብኡ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሌፎን ደዊልና። እቶም ኣሕዋት ከኣ ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐቢሎምና። ኣብኡ ኽንነብረሉ እንኽእል ገዛ ምእንቲ ኽንካረ ዓሳ ምጽራይ ሓዊስካ እተፈላለየ ዓይነት ስራሕ ክንሰርሕ ጀሚርና።

 ሃሪ ብሪግሰን ቤቲ ብሪግሰን ምስ ዚብሃሉ ብዕድመ ዚደፍኡ ሰብ ሓዳር መጽናዕትና ቐጺልና። ኣብ መስከረም 1972 ገና ተሓቢእና ኸለና፡ ኣብ ቱሩሮ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ንእሽቶ መጠመቒ ተጠሚቕና። ድሕሪኡ፡ ቻን ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና፡ ኣነን ጃስዊንደርን ድማ ብገንዘብ ንሕግዛ ኔርና።

ዝያዳ ኣገልገልቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ምግልጋል

 ሃሪን ቤቲን ኣብ መወዳእታ 80ታት ዕድመኦም እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣይልስ ኦፍ ሲሊ ናብ ዚብሃል ገማግም ደቡባዊ ምዕራብ ዓዲ እንግሊዝ እናኸዱ ይሰብኩ ነይሮም። ኣብነቶም፡ ንሕና እውን ተመሳሳሊ ነገር ክንገብር ባህጊ ሓዲሩና። ስለዚ ብ1973 ከምቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ፡ ምስ ሓውና ስኪነር ድሕሪ ምዕላልና፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ወሲንና።

 ኣብ ጥሪ 1974 ናይ መኸዲ ጥራይ ትኬት ዓዲግና ናብ ኒው ደልሂ፡ ህንዲ ኼድና። ኣብኡ ምስ በጻሕና ድማ ሓውና ዲክ ካታረል ኣብ ቤት ሚስዮናውያን ንግዜኡ ኸነዕርፍ ፈቒዱልና። ቻኒ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ቐጺላ፡ ኣነን ጃስዊንደርን ድማ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ኸነሕልፍ ጀሚርና።

 ጸኒሑ፡ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ህንዲ ናብ እትርከብ ፑንጃብ ክንከይድ መምርሒ ተዋሂቡና። ኣብ ከተማ ቻንዲጋር ኣብ ቤት ሚስዮናውያን ንእተወሰነ እዋን ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፡ ኣፓርታማ ተኻሪና። ኣብ መስከረም 1974፡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጀሚረ፡ ብ1975 ድማ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጻውዒት ቀሪቡለይ። ዕዮ ስብከት፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ፍቕርን ፍትሕን የሆዋ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ጽሑፋት ብቛንቋ ፑንጃቢ ኽትርጐም ከም ዜድሊ ኽግንዘብ ሓጊዙኒ። ብ1976፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ህንዲ፡ ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ፑንጃቢ ኣብ ምትርጓም ክንሕግዝ ንሰለስቴና ዕድመ ኣቕሪቡልና። ብዘይ ማካይን ጽሕፈትን ኮምፕዩተራትን እቲ ዕዮ ኣዝዩ ኣድካሚ እዩ ነይሩ። ነቲ እተተርጐመ ቓላት ብዘይ ሓገዝ ኮምፕዩተር ብኢድና ጽሒፍና ነንብቦን ንእርሞን ኔርና። ጸኒሕና ምስ ሓደ ናይ ቀደም መሳርሒት ዘላቶ ቤት ሕትመት ክንሰርሕ ጀሚርና። ኣብታ መሕተሚት ነቲ ፊደላት በብሓደ ኣሪና ንሰርዖ ኔርና።

ኣብ ቻንዲጋር፡ ፑንጃብ፡ ህንዲ ዝነበረት ጉባኤና

ጸገማት ጥዕና እናሃለወኒ ሕጕስቲ ነይረ

 ነዊሕ ከይጸንሐ ዅነታትና ተቐያይሩ። ጃስዊንደር ምስ ሓደ ሓው ተላልያ፡ ተመርዕዮም ድማ ናብ ካናዳ ግዒዞም። ቻኒ ኸኣ ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኺበጽሕ ምስ ዝመጸ ጀርመናዊ ሓው ተመርዕያ ናብኡ ግዒዛ። ኣነ ድማ ኣዝየ ስለ ዝሓመምኩ፡ ኣብ ጥቅምቲ 1976 ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተመሊሰ። እቶም ንሓቂ ዘይቃወሙ ዝነበሩ ኣደይን ሓወይን፡ ኣብ ለስተር ምሳታቶም ክቕመጥ ፈቒዶምለይ። ሓካይም ንቐያሕቲ ዋህዮታት ዜዳኽም ሳሕቲ ዜጋጥም ዓይነት ሕማም ስርዓተ ምክልኻል ከም ዝሓዘኒ ነጊሮምኒ። ስለዚ፡ እተፈላለየ ዓይነት ሕክምና ገይረ፡ ብመጥባሕቲ ድማ ንላልሸይ ኣምጺኦምዋ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ፈላምነት ኣቋሪጸ።

  ‘ጥዕናይ እንተ ተመሓይሹ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎተይ ክቕጽሎ እየ’ ኢለ ኻብ ልበይ ናብ የሆዋ ጸልየ። ከምኡ ኸኣ ገይረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ሕማመይ ይደግሰኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ብ1978 ብዙሓት ተዛረብቲ ፑንጃቢ ናብ ዚቕመጥዋ ኸተማ ውልቨርሃምፕተን ግዒዘ ፈላምነት ኰይነ። መዐደሚ ኣኼባ ብኢድና ጽሒፍና፡ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዘሎ ድኳናት ነባዝሖ ኔርና። በቲ መዐደሚ ጌርና ድማ ነቶም ፑንጃቢ ዚዛረቡ ሰባት ናብ ህዝባዊ መደረ ንዕድሞም ኔርና። ሕጂ ኣብ ብሪጣንያ ሓሙሽተ ጉባኤታትን ሰለስተ ጕጅለታትን ፑንጃቢ ኣለዋ።

 ጨንፈር ብሪጣንያ፡ ኣብ ህንዲ ተርጓሚት ቋንቋ ፑንጃቢ ዀይነ እዓዪ ኸም ዝነበርኩ ፈሊጦም። ስለዚ፡ ኣብ መወዳእታ 1980ታት ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣዛራሪቦምኒ፡ ኣብ ለንደን ናብ ዚርከብ ቤት-ኤል ድማ ክመላለስ ጀሚረ። ንፊደላት ጉሩሚክ ዚኸውን ሜላታት ኣጸሓሕፋ ወይ ፎንትን ሶፍትዌርን ኣብ ምድላው ሓጊዘ። ኣዝዩ ጽዑቕ መደብ እዩ ነይሩኒ። ከመይሲ፡ እሰርሕ፡ ኣብ ርሑቕ ቦታ ንእትነብር ኣደይ እከናኸና፡ ከምኡ እውን ቤት-ኤል እመላለስ ነይረ። ኣብ ቤት-ኤል ምስራሐይ ዓብዪ በረኸት እዩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ 1980ታት ኣብ ለንደን ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ክስልጥን ከለኹ

 ኣብ መስከረም 1991፡ ኣባል ስድራ ቤት ቤት-ኤል ኰይነ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ፑንጃቢ ኣብ ምትርጓም እሕግዝ ነይረ። እዚ ፈጺመ ዘይተጸበኽዎ ዕድመ እዩ ነይሩ። ነቲ ስራሕ ዘይበቅዕ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ ነይሩ፡ ብዘይካዚ ናይ ጥዕና ጸገም ነይሩኒ፡ ከምኡ እውን ሓዳስ ቤት-ኤላዊት ኰይነ ንምእታው ዕድመይ ሓሊፉ ነይሩ። የሆዋ ግና ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ሂቡኒ እዩ። ኣብ ቤት-ኤል ሕጕስቲ ዀይነ አገልግል ነይረ፡ ኰይኑ ግና ኵነታት ጥዕናይ ኣይተመሓየሸን። ምስ ኬሞተራፕን ካልእ ሕክምናታትን ብእተተሓሓዘ ናይ ደም ሕቶ ብተደጋጋሚ ይልዓል ነይሩ። ሓኻይም ደም፡ በቲ ዝገበርክዎ ለውጢ ኣዝዮም ስለ እተገረሙ፡ ልዕሊ 40 ሰብ ሞያ ሕክምና እተሳተፉሉ፡ ኣብ ለንደን ዚርከብ ዓብዪ ሆስፒታል ኣብ እተገብረ ሰሚናር ክካፈል ዕድመ ቐሪቡለይ። ኣብኡ ኸኣ ደም ዘይወስደሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ን10 ደቒቕ ተዛሪበ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ክፍሊ ሓበሬታ ሆስፒታል ምስ ዚሰርሕ ሓው ብሕቶን መልስን ምይይጥ ተገይሩ።

 ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋናት እዚ፡ ኣሓተይ ጃስዊንደርን ቻኒን ብፍቕሪ ደጊፈናኒ እየን። ነቲ ስድራ ቤት-ኤልን ካልኦት ፈተውተይን ዝገበሩለይ ሓገዝን ዘርኣዩኒ ለውሃትን ኣዝየ እየ ዘማስወሉ። እዚ ዅሉ ፈተናታት እናኣጋጠመኒ፡ ኣገልግሎተይ ንኽቅጽል የሆዋ ኣበርቲዑኒ እዩ።—መዝሙር 73:26

በረኸት የሆዋ የሀብትም

 እቲ ኣብ ቤት-ኤል ዘሕለፍክዎ 33 ዓመታት፡ ‘የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ኽጥዕምን ክርእን’ ኣኽኢሉኒ እዩ። (መዝሙር 34:8፣ ምሳሌ 10:22) ኣብነት እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ኣሕዋት፡ ንተግባር ኣለዓዒሉኒ እዩ። እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃርክዎም ብዙሓት ተዛረብቲ ቛንቋ ፑንጃቢ፡ ሕጂ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዀይኖም ክርእዮም ከለኹ፡ ሓጐስ ይስምዓኒ እዩ። ምስ ኣባላት ስድራ ቤተይ ጽቡቕ ርክብ ኣሎኒ። ኣደይን ሓወይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይኰኑን፡ ኰይኑ ግና ኣደይ፡ “ንኣምላኽ ብሓቂ ውፍይቲ ኢኺ” ትብለኒ እያ። ነታ ብዕድመ ዝደፍአት ኣደይ ንምክንኻን ካብ ቤት-ኤል ክወጽእ ሓሳብ ምስ ኣቕረብኩ፡ ሓወይ፡ “እትዓይዮ ዘለኺ ዕዮ ሰናይ ዕዮ እዩ። ኣብኡ ጽንሒ” ኢሉኒ። ኣደይ ካብ ቤት-ኤል ርሒቑ ኣብ ዚርከብ መእለዪ ኣረጋውያን እያ እትነብር፡ ብእተኻእለኒ መጠን ግና ከይደ እበጽሓ እየ።

 ኣብ ህይወተይ ፈተናታት ኬጋጥመኒ ኸሎ፡ ንርእሰይ ‘ከማል ኣይትፍርሂ፡ የሆዋ ዋልታኺ እዩ። ዓስብኺ ብዙሕ ኪኸውን እዩ’ እብላ እየ። (ዘፍጥረት 15:1) እቲ “ኣምላኽ ፍትሒ” ዝዀነ የሆዋ፡ ካብ ንእስነትይ ኣትሒዙ ስለ ዘስተብሃለለይን ንህይወተይ ትርጉም ብዘለዎ ዕዮ ስለ ዝመልኦን፡ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። (ኢሳይያስ 30:18) ነቲ “ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ ‘ሓሚመ’ ” ዘይብለሉ እዋን ብሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ።—ኢሳይያስ 33:24

ኣብ ቸልምስፎርድ ኣብ ቤት-ኤል