ኢባያ ባታ | ታሪኽ ህይወት
ንሰብኣየይ “ብዘይ ቃል” ማሪኸዮ
ናብ የሆዋ ኺስሕበኒ ዝኸኣለ ብዙሕ ሰናይ ነገራት ነይሩ። በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም ምዉቕ ፍቕርን ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሩሉ መገድን ኣዝየ እየ ተማሪኸ። ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ብሓቂ ኸም ዚሓልየሎምን ዜደንቕ መጻኢ ኸም ዘዳለወሎምን ምፍላጠይ መሲጡኒ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሰብኣየይ ከም ናተይ ዓይነት ስምዒት ኣይነበሮን። እዚ ኸኣ ብዙሕ ጸገማት እዩ ፈጢሩለይ።
መዓልቲ መርዓና
ብ1952 ኣብ ሩማንያ ተወሊደ። ኣደይ እተጠምቀት ናይ የሆዋ ምስክር እኳ እንተ ነበረት፡ ኣብ ሓቂ ግና ንጥፍቲ ኣይነበረትን። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ተኣኪበ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ብዘይካዚ፡ ሩማንያ ኣብ ትሕቲ ኮሚኒስታዊ ስርዓት ብምንባራ፡ ንጥፈታት ሕትመትን ስብከትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣጊዱ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣብተን ናይ መጀመርታ 36ን ዓመታት ህይወተይ፡ የሆዋ መን ምዃኑን መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህርን ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ይኹን እምበር፡ ብ1988 ኣብ ከተማ ሳቱ ማረ ምስ ብዓል ቤተይ ኢሽቫን እናተቐመጥኩ ኸለኹ ንህይወተይ ዚቕይር ኵነታት ኣጋጠመ።
ክነጽጎ ዘይከኣልኩ ዕድመ
ሓደ መዓልቲ ኣደይ ክትበጽሓኒ መጺኣ። ንሳ ድማ፡ “ንሓትኖኺ ኽርእያ እኸይድ ኣለኹ እሞ፡ ምሳይ ዘይትኸዲ፧ ድሕሪኡ፡ ብሓደ ንዕዳጋ ንኸይድ” በለትኒ። ካልእ ስራሕ ስለ ዘይነበረኒ ምስኣ ኸድኩ።
ሽዑ መዓልቲ፡ ኣብ እንዳ ሓትኖይ ትሽዓተ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባ ኺገብሩ ጸኒሖምና። ኣደይ እንደገና ንጥፍትን ቀናእን ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀነት ከኣ ፈለጥኩ። እቲ ሽዑ ንግሆ ዝሰማዕክዎ ነገራት ዓሚቝን ነባርን ጦብላሕታ ኣሕደረለይ።
እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ፡ እቲ ዚመርሕ ዝነበረ መጺኡ ተላለየኒ። “ስመይ ያናሽ እብሃል፡ ጽቡቕ ተቕልቢ ኸም ዝነበርኪ ኣስተብሂለ፣ ነቲ ትምህርቲ ፈቲኽዮዶ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባ ርእየ ኸም ዘይፈልጥን እንደገና ኽመጽእ ከም ዝደልን ነገርክዎ። ንሱ ድማ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዒ ትደልዪዶ፧” በለኒ። እዚ ኽነጽጎ ዘይክእል ዕድመ እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ናብዞም ሰባት እዚኦም ከም ዝሰሓበኒ ፈለጥኩ።
ንጽብሒቱ፡ ያናሽ ምስ ኢዳ ኣፋለጠኒ፣ ንሳ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚራትለይ። እንተዀነ ግና፡ ‘ኢሽቫን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕ ከም ዘለኹ እንተ ፈሊጡ፡ እንታይ ይስምዖ ይኸውን’ ብምባል ፈሪሀ ነይረ። ብዛዕባ እቲ ዝምሃሮ ዝነበርኩ ብተደጋጋሚ ኽነግሮ እኳ እንተ ፈተንኩ፡ ንሱ ግና ተገዳስነት ኣይነበሮን። በቲ ዝገብሮ ዝነበረኩ ሕጉስ ከም ዘይነበረ እፈልጥ ነይረ።
ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዐይ ቀጺለ ኣብ ነሓሰ 1989 ተጠሚቐ። ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ፡ ኮምዩኒስታዊ መንግስቲ ሩማንያ ወዲቑ። እቲ መራሒ ድማ ተቐቲሉ።
ተቓውሞ ገዲዱ
እቲ ስርዓት ብምውዳቑ ብዙሕ ናጽነት ረኺብና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብግህዶ ኺእከቡን ኪሰብኩን ተፈቒዱሎም። ንዓይ ግና፡ እዚ ናጽነት እዚ ዝያዳ ተቓውሞ እዩ ኣምጺኡለይ። ኢሽቫን፡ “ኣብ በቤት ክሳዕ ዘይሰበኽኪ፡ ድሌትኪ ኽትኣምኒ ትኽእሊ ኢኺ” ኢሉኒ።
ንዓይ ስብከት ደው ምባል ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:20) ስለዚ፡ ብእተኻእለኒ መጠን እናተጠንቀቕኩ ኣገልግሎተይ ቀጸልኩ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ በቤት ክሰብኽ ከለኹ፡ ኣዕሩኽ ኢሽቫን ርእዮምኒ፡ ንኢሽቫን ከኣ ነጊሮምዎ። ናብ ገዛ ምስ ተመልስኩ፡ “ንዓይን ንስድራ ቤትናን ተዋርድና ኣለኺ” ብምባል ጨዲሩለይ። ካራ ኣብ ክሳደይ ገይሩ ድማ ምስባኽ እንተ ዘየቋሪጸ፡ ከም ዚቐትለኒ ኣፈራሪሁኒ።
ንኢሽቫን ከረድኦ ፈቲነ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሮ እውን ገሊጸሉ። እቲ ቓላተይ ንእተወሰነ እዋን ኣህዲእዎ። ኰይኑ ግና ሓደ መዓልቲ፡ ናብ ሃይማኖታዊ ስርዓት መርዓ ሓንቲ ዘመድ ምኻድ ምስ ኣበኹ፡ ኣዝዩ ተቘጢዑ ብዙሕ ሃሳዪ ዘረባ ተዛሪቡኒ።
እቲ ዜሕዝን፡ ቍጥዓ ኢሽቫን ን13 ዓመታት ክጻወሮ ነይሩኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ‘ክፈትሓኪ እየ’ እናበለ የፈራርሃኒ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ማዕጾ ዓጽዩ ገዛ ምእታው ይኸልኣኒ ነይሩ። ካልእ ግዜ ኸኣ፡ ‘ንብረትኪ ጠርኒፍኪ ውጺ’ ይብለኒ ነይሩ።
ነዚ ኸቢድ ኵነታት ብኸመይ ክጻወሮ ኽኢለ፧ ንየሆዋ ኺሕግዘንን ኬህድኣንን ብጸሎት ለሚነዮ፡ ንሱ ኸኣ ደጊፉኒ። (መዝሙር 55:22) እታ ጉባኤ እውን ብዙሕ ሓጊዛትኒ እያ። ሽማግለታትን ገለ ምኩራት ኣሓትን ኣገልግሎተይ ከየቋርጽ ኣተባቢዖምኒ። ኣንስቲ ጽኑዓትን ንየሆዋ እሙናትን እንተ ዀይነን፡ “ብዘይ ቃል” ንሰብኡተን ኪማርኻ ኸም ዚኽእላ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምህር ኣዘኻኺሮምኒ። (1 ጴጥሮስ 3:1) ድሕሪ ግዜ፡ እዘን ቃላት እዚአን ኣባይ ተፈጺመን እየን።
ነጥበ መቐይሮ
ብ2001 ኢሽቫን ወቕዒ ስለ ዘጋጠሞ ኺንቀሳቐስ ኣይከኣለን። ንሓደ ወርሒ ኣብ ሆስፒታል ደቂሱ፡ ንእተወሰነ ሰሙናት ድማ ኣብ ማእከል ሕክምና ጸኒሑ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብ ጐድኑ ኣይተፈለኹን። አብልዖ፡ አዕልሎ፡ ዜድልዮ ዘበለ ዅሉ ድማ አማልኣሉ ነይረ።
ኣባላት ጉባኤ እውን እናመጹ ይበጽሕዎ ነይሮም። ኢሽቫን፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዜፍቅርዎን ከም ዚሓልዩሉን ክርኢ ኽኢሉ እዩ። ብዙሓት ኣብ ዕዮ ገዛ ሓጊዞምና እዮም። ሽማግለታት ድማ ኬጸናንዑናን ኪሕግዙናን ወትሩ ድሉዋት እዮም ነይሮም።
እቶም ኣሕዋት ዝገበርዎ ጽቡቕ ነገር ንኢሽቫን ተንክይዎ፣ በቲ ኣባይ ዜውርዶ ዝነበረ ሕማቕ ነገራት ድማ ሕፍረት ተሰሚዕዎ። ዋላ ሓደ ኻብ ኣዕሩኹ ኺበጽሕዎ ኸም ዘይመጹ ኣስተብሂሉ። ካብ ሆስፒታል ምስ ወጸ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዐ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን እደሊ እየ” ኢሉኒ። ሽዑ ኻብ ሓጐስ እተላዕለ ንብዓተይ ክቈጻጸር ኣይከኣልኩን።
ኣብ ግንቦት 2005 ኢሽቫን ተጠሚቑ። ብእግሩ ኪኸይድ ስለ ዘይክእል፡ እቶም ኣሕዋት ኣብ ዓረብያ ስንኩላን ገይሮም ኣብ ጫፍ እቲ መጠመቒ ድሕሪ ምብጻሕ ሓቚፎም ናብ ማይ ኣእትዮም ኣጠሚቖምዎ። ድሕሪኡ፡ ኢሽቫን ቀናእ ሰባኺ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ። ምስኡ ኣብ ኣገልግሎት ዘሕለፍክዎ ጽቡቕ ተዘክሮታት ኣሎኒ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ኰን እዩ! ሕስብ እሞ ኣብልዎ፡ እቲ ሓደ እዋን ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ብምስባኸይ ዚቃወመኒ ዝነበረ ሰብ፡ ሕጂ ኣብ ጐድነይ ኰይኑ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ኪሰብኽ ጀሚሩ።
ኢሽቫን ንየሆዋ ዓሚቝ ፍቕሪ እዩ ነይርዎ። መብዛሕትኡ ግዜኡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕን ጥቕስታት ንምዝካርን እዩ ዚጥቀመሉ ነይሩ። በዘን ጥቕስታት ገይሩ ኸኣ ምስ ካልኦት ኣባላት ጉባኤ ይመያየጥን ንኣሕዋቱን ኣሓቱን የተባብዕን ነይሩ።
ምስ ኣዕሩኽና ኣብ ኣኼባ ዞባ
ጸኒሑ ኢሽቫን ጥዕናኡ እናጐደለ ኸደ። ብተደጋጋሚ ወቕዒ ምስ ኣጋጠሞ ድማ፡ ናይ ምዝራብ ክእለቱ ስኢኑ፡ ካብ ዓራት እውን ዘይትንስእ ኰይኑ። እሞ ደኣ እዚ ዅነታት እዚ ንመንፈሳውነቱ ኣድኪምዎዶ፧ ፈጺሙ ኣየድከሞን። ብእተኻእሎ መጠን የንብብን የጽንዕን ነይሩ። ኣሕዋትን ኣሓትን ኪበጽሕዎ ኺመጹ ኸለዉ፡ ስክሪን ዘላታ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒት ተጠቒሙ፡ የዛራርቦምን የበራትዖምን ነይሩ። ነዚ ብዚምልከት ሓደ ሓው ከምዚ በለ፦ “ንኢሽቫን ምብጻሕ የሐጕሰኒ እዩ፡ ምኽንያቱ ምስኡ ጸኒሐ ናብ ገዛይ ክምለስ ከለኹ እሕደሰን እበራታዕን እየ።”
እቲ ዜሕዝን፡ ኣብ ታሕሳስ 2015 ኢሽቫን ሞይቱ። ንዕኡ ብምስኣነይ ኣዝየ ሓዚነን ጕህየን እየ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም ረኺበ እየ። ከመይሲ፡ ኢሽቫን ቅድሚ ሙማቱ ዓርኪ የሆዋ ዀይኑ ነይሩ እዩ። በዚ ኸኣ ኣዝየ እየ ተሓጕሰ። ሕጂ፡ ኢሽቫንን ኣደይን ኣብ ተዘክሮ የሆዋ እዮም ዘለዉ። ኣብታ የሆዋ ዘዳለዋ ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም፡ ንኽልቲኦም ሓንጐፋይ ኢለ ክቕበሎም ተሃንጥየ እየ ዘለኹ።
ነቲ ቕድሚ 35 ዓመት ኣነን ኣደይን ናብ እንዳ ሓትኖይ ዝገበርናዮ ምብጻሕ፡ ክሳዕ ሎሚ ኣይርስዖን እየ። ሕጂ ዕድመይ ልዕሊ 70 ዓመት ኰይኑ ኣሎ፣ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይነ ድማ አገልግል ኣለኹ። ንየሆዋ ስለቲ ዅሉ ዝገበረለይ ሰናይ፡ ከመስግነሉ ዝኽእል ካልእ ዝሓሸ መገዲ የሎን። (መዝሙር 116:12) ከመይሲ፡ እምንቲ ክኸውንን ነቲ ዘጋጥመኒ ዝነበረ ተቓውሞ ብህድኣት ክዋጽኣሉን ሓጊዙኒ እዩ። ኣብ ህይወተይ፡ ተቓውሞ እናሃለወ ኽነሱ፡ ኵነታት ኪቕየር ከም ዚኽእል ተማሂረ እየ። ዋላ እኳ እጽበዮ እንተ ዘይነበርኩ፡ ንብዓል ቤተይ ብዘይ ቃል ክማርኾ ኽኢለ እየ።

