ካብ ግጉይ ሓበሬታ ተሓሎ

ካብ ግጉይ ሓበሬታ ተሓሎ

 ሎሚ፡ ሓበሬታ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ፡ ብቐሊሉ ይርከብ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ንድሕንነትካን ጥዕናኻን ክትሕሉ ዚሕግዝ ሓበሬታ የጠቓልል። ይኹን እምበር፡ ሓበሬታ ኸተናዲ ኸለኻ፡ ካብዚ ዚስዕብ ግጉይ ሓበሬታ ተጠንቀቕ፦

  •   ዜደናግር ዜና

  •   ናይ ሓሶት ጸብጻብ

  •    ሽርሒ

 ንኣብነት፡ ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ ግጉይ ሓበሬታ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። እቲ ዋና ጸሓፊ፡ “ንጥዕና ዚጐድእ ምኽርን ሓኪም ዘይኣዘዞ መድሃኒታትን ልሙድ ተርእዮ ዀይኑ ኣሎ” ድሕሪ ምባሉ፡ “ብረድዮን ብተለቪዥንን ብዙሕ ናይ ሓሶት ዜና ይፍኖ፡ ሰባት ኣዝዩ ሓደገኛ ሽርሒ ኣብ ኢንተርነት ይዝርግሑ፡ ኣብ ውልቀ ሰባትን ጕጅለታትን ዚርአ ጽልእን ጸለመን እውን ኣስፋሕፊሑ ኣሎ” ብምባል ይገልጽ።

 ከም ሓቂ፡ ግጉይ ሓበሬታ ምንዛሕ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ‘እኩያትን ኣምሰሉታትን እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ኸም ዚበጽሑ’ ገሊጹ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 13) ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣብ ኢንተርነት ዚፍኖ ሓበሬታ፡ ሓቂ መሲሉና ብዘይፍላጥ ክንዝርግሖ ንኽእል ኢና። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኢመይልናን እንጥቀመሉ ማሕበራዊ መራኸብን ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ዚመጸና ዜናን ዝምቡዕን ሓቅነት ዝጐደሎን ሓበሬታ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

 ካብ ግጉይ ሓበሬታን ሽርሕን ክትሕሎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሕግዘካ ዚኽእል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ርአ።

  •   ንዅሉ እትርእዮ ወይ እትሰምዖ ዘበለ ኣይትእመን

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ገርሂ፡ ኵሉ ቓል ይኣምን፣ ጐራሕ ግና ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን።”—ምሳሌ 14:15

     እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ብቐሊሉ ኽንታለል ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ኦንላይን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዚዝርጋሕ፡ መግለጺ ዘለዎ ስእልታት ወይ ሓጸርቲ ቪድዮታት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስእልታት ወይ ቪድዮታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንመስሓቕ ተባሂሉ እዩ ዚቐርብ። ይኹን እምበር፡ ቍንጽል ስእልታትን ቪድዮታትን ነቲ መልእኽቲ ብቐሊሉ ኸም ዚቕየር ወይ ከም ዚጥወ ኺገብሮ ይኽእል እዩ። አረ ገሊኡ ቪድዮታትሲ፡ ሰባት ዘይገበርዎ ወይ ዘይበልዎ ኽነሶም፡ ከም ዝገበርዎ ወይ ከም ዝበልዎ መሲሉ ይቐርብ እዩ።

     “መብዛሕትኡ ኻብቲ ተመራመርቲ ዝረኸብዎ ግጉይ ሓበሬታ፡ ተጠውዩ ወይ ተቐዪሩ ዚቐርብ ሓበሬታ እዩ።”—ኣክሲዮስ ሚድያ።

     ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘እቲ ሓበሬታ ርጡብ ድዩ፧’

  •   ምንጪ እቲ ሓበሬታ ገምግም

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ንዅሉ መርምርዎ።”—1 ተሰሎንቄ 5:21

     ሓደ ሓበሬታ ኣብ ኵሉ ዘስፋሕፍሐ ወይ ኣብ ዜና እተደጋገመ ይኹን ብዘየገድስ፡ ቅድሚ ምእማንካ ወይ ናብ ካልኦት ቅድሚ ምምሕልላፍካ፡ ሓቅነቱ ኣረጋግጽ። ብኸመይ፧

     ሓቅነት ምንጪ እቲ ሓበሬታ ገምግም። ትካላት ማዕከናት ዜናን ካልኦት ውድባትን፡ ንሓደ ሓበሬታ ንንግዳዊ ወይ ንፖለቲካዊ ረብሓአን ኢለን ኺጠዋውያኦ ይኽእላ እየን። ሓደ ትካል ማዕከን ዜና ንዝበሎ፡ ምስ ካልእ ትካል ማዕከን ዜና ዝበሎ ኣነጻጽሮ። ሓድሓደ ግዜ፡ ፈተውትና ወይ ኣዕሩኽና ንሓደ ሓበሬታ ግርህ ኢሎም ብኢመይል ኪልእኽዎ፡ ወይ ከኣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኺልጥፍዎ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ምንጪ ሓደ ሓበሬታ ኻበይ ምዃኑ ኸተረጋግጽ እንተ ዘይክኢልካ፡ ነቲ ሓበሬታ እቲ ኣይትእመኖ።

     እቲ ትሕዝቶ እዋናውን ልክዕን ምዃኑ ኣረጋግጽ። ብዛዕባ እቲ ዚውረ ነገር፡ እተፈጸመሉ ዕለትን እተረጋገጸ ጭብጥታትን ድልዱል መርትዖን ክትረክብ ጽዓር። ብፍላይ፡ ሰባት ንሓደ እተሓላለኸ ሓበሬታ ኣቕልል ኣቢሎም ምስ ዜቕርብዎ፡ ወይ ከኣ ሓደ ጸብጻብ ንምርስሳን ተባሂሉ ምስ ዚቐርብ ተጠንቀቐሉ ኢኻ።

     “ከምቲ ኢድካ ምሕጻብ ኣገዳሲ ዝዀነ፡ ንሓደ ሓበሬታ ምርግጋጽ እውን ማዕሪኡ ኣገዳሲ እዩ።”—ሽሪዳር ዳርማፑሪ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ክኢላ ንጽህናን መኣዛታትን ምግቢ።

     ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ እዚ ሓበሬታ እዚ፡ ኣብ መንጎ ሓቅነትን ርእይቶን የነጽር ድዩ፧ ወይ ከኣ ሓደ ሸነኽ ታሪኽ ጥራይ ድዩ ዜቕርብ፧

  •   ብብሕታዊ ኣማራጺታት ዘይኰነስ፡ ብሓቅታት ተመራሕ

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ብልቡ ዚእመን፡ ዓሻ እዩ።”—ምሳሌ 28:26

     ብባህርይና፡ ነቲ እንኣምኖ ዚድግፍ ሓበሬታ ኽንሰምዕ ኢና እንደሊ። ዓበይቲ ትካላት ኢንተርነት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ኣዘውቲርካ እትጥቀመሉን እትርእዮን ነገራት ተመርኲሶም፡ ዜገድሰካ ነገራት የቕርቡልካ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኵሉ እቲ ኽንሰምዖ እንደልዮ ዘበለ ነገራት፡ ወትሩ የድልየና ማለት ኣይኰነን።

     “ከም ሰብ መጠን፡ ከነመዛዝንን ኣብ ርትዓዊ ነገራት ተመርኲስና ኽንኣምንን ክእለት እኳ እንተ ኣለና፡ ትምኒትናን ተስፋናን ፍርህናን ድራኸናን ግና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኽንኣምኖ እንደልዮ ነገራት፡ ከም ሓቂ ጌርና ኸም እንቕበሎ ኺገብረና ይኽእል እዩ።”—ፒተር ዲቶ፡ ብዓል ሞያ ማሕበራዊ ስነ ኣእምሮ።

     ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ነዚ ሓበሬታ እዚ፡ ክኣምኖ ስለ ዝደለኹ ጥራይ ድየ ዚቕበሎ፧

  •   ግጉይ ሓበሬታ ኣይትንዛሕ

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ወረ ሓሶት ኣይትንዛሕ።”—ዘጸኣት 23:1

     እቲ እተመሓላልፎ ሓበሬታ ንኣተሓሳስባን ተግባራትን ካልኦት ኪጸሉ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ። ብግርህነት እውን እንተ ዀነ፡ እቲ እተመሓላልፎ ግጉይ ሓበሬታ ጐዳኢ ሳዕቤን ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

     “ንሓደ ሓበሬታ ናብ ካልኦት ቅድሚ ምምሕልላፍካ፡ ‘ብዛዕባ እዚ ኸመሓላልፎ ደልየ ዘለኹ ሓበሬታ ኽሳዕ ክንደይ እየ ርግጸኛ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ኽትሓትት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኵሉ ሰብ ከምኡ ኢሉ እንተ ዚሓትት ነይሩ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዚዝርጋሕ ግጉይ ሓበሬታ ብብዝሒ ኣይምሃለወን።”—ፒተር ኣዳምስ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኒውስ ሊትረሲ ፕሮጀክት።

     ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ነዚ ሓበሬታ እዚ ሓቂ ምዃኑ ፈሊጠ ድየ ዘመሓላልፎ ዘለኹ፧’