ትምህርቲ 8

ዮስያስ፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ ነበርዎ

ዮስያስ፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ ነበርዎ

ቅኑዕ ዘበለ ምግባር ከቢድ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧— እወ፡ ብዙሓት ሰባት ከምኡ እዩ ዚስምዖም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብፍላይ ነቲ ዮስያስ ዚብሃል ወዲ፡ ቅኑዕ ዘበለ ምግባር ከቢድዎ ኸም ዝነበረ ይነግረና። ይኹን እምበር፡ ንዕኡ ዝሓገዝዎ ጥዑያት ኣዕሩኽ ነበርዎ። ብዛዕባ ዮስያስን ብዛዕባ ኣዕሩኹን እስከ ንምሃር።

ኣቦ ዮስያስ፡ ኣሞን ዚብሃል ንጉስ ይሁዳ ነበረ። ኣሞን ኣዝዩ ኽፉእ ነበረ፣ ንጣኦታት ዜምልኽ እውን ነበረ። ኣቦ ዮስያስ ምስ ሞተ፡ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ዀነ። ግናኸ፡ ሽዑ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ጥራይ ነበረ! ንሱኸ ኸም ኣቦኡ ኽፉእ ድዩ ነይሩ፧— ከምኡ ኣይነበረን!

ጸፎንያስ ነቶም ህዝቢ፡ ንጣኦታት ከየምልኹ ኣጠንቀቖም

ዮስያስ፡ ገና ቘልዓ ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ንየሆዋ ኺእዘዞ ደለየ። ስለዚ፡ ምስቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩ ሰባት ጥራይ ተዓራረኸ። ንሳቶም ከኣ፡ ቅኑዕ ዘበለ ኺገብር ሓገዝዎ። ኣዕሩኽ ዮስያስ መነመን ከም ዝነበሩ ትፈልጥዶ፧

ሓደ ኻብቶም ኣዕሩኹ፡ ጸፎንያስ ነበረ። ጸፎንያስ ነብዪ ነበረ፣ ንህዝቢ ይሁዳ ድማ፡ ንጣኦታት እንተ ኣምሊኾም፡ ሕማቕ ከም ዜጋጥሞም ኣጠንቀቖም። ዮስያስ ከኣ ንጸፎንያስ ሰምዖ፣ ስለዚ፡ ንጣኦታት ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኣምለኸ።

እቲ ኻልእ ዓርኪ ዮስያስ ድማ፡ ኤርምያስ ነበረ። ንሱ መሰታ ዮስያስ እዩ ነይሩ፣ ክልቲኦም ድማ ኣብ ሓደ ኸባቢ እዮም ዓብዮም። ጥዑያት ኣዕሩኽ ስለ ዝነበሩ፡ ዮስያስ ምስ ሞተ፡ ኤርምያስ ብሞት ዮስያስ ስለ ዝሓዘነ፡ ኣልቀሰሉ። ኤርምያስን ዮስያስን፡ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባርን ንየሆዋ ንምእዛዝን ይተሓጋገዙ ነበሩ።

ዮስያስን ኤርምያስን ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ይተሓጋገዙ ነበሩ

ካብ ዮስያስ እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧— ዮስያስ ገና ቘልዓ ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ቅኑዕ ዘበለ ገበረ። ምስቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩ ሰባት ኪተዓራረኽ ከም ዘለዎ ድማ ይፈልጥ ነበረ። ንስኻ እውን፡ ምስቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩን ቅኑዕ ዘበለ ኽትገብር ኪሕግዙኻ ዚኽእሉን ሰባት ተዓራረኽ!

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ