ትምህርቲ 3

ረሃብ ብየሆዋ ኣመነት

ረሃብ ብየሆዋ ኣመነት

ኣብ ከተማ ያሪኮ ኸም ዘለና ጌርና እሞ ንሕሰብ። እታ ኸተማ ኣብ ምድሪ ከነኣን እያ ነይራ፣ እቶም ነበርታ ድማ ብየሆዋ ኣይኣምኑን እዮም ነይሮም። ረሃብ እትብሃል ሰበይቲ ኸኣ ኣብኣ ትነብር ነበረት።

ረሃብ ንእሽቶ ጓል ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ሙሴ ንእስራኤላውያን ከመይ ገይሩ ኻብ ግብጺ መሪሑ ኸም ዘውጽኦም፡ ንቐይሕ ባሕሪ ድማ ከመይ ገይሩ ኸም ዝመቐሎ ኺዝንቶ ሰሚዓ ነበረት። ኣብቲ ምስ ጸላእቶም ዝገበርዎ ውግእ ምእንቲ ኺስዕሩ፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም እውን ሰሚዓ ነበረት። ምስ ዓበየት ድማ፡ እስራኤላውያን ኣብ ጥቓ ያሪኮ ኸም ዝሰፈሩ ሰምዐት።

ረሃብ ብየሆዋ ስለ ዝኣመነት፡ ነቶም ሰለይቲ ሓብኣቶም

ሓደ ምሸት፡ ክልተ እስራኤላውያን ነታ ኸተማ ኺስልዩ ናብ ያሪኮ ኸዱ። ናብ ቤት ረሃብ ድማ መጹ። ንሳ ኸኣ፡ ኪኣትዉን ምስኣ ኺጸንሑን ዓደመቶም። በታ ምሸት እቲኣ፡ ንጉስ ያሪኮ፡ ሰለይቲ ናብ ከተማ ኸም ዝኣተዉን ናብ ቤት ረሃብ ከም ዝኸዱን ሰምዐ። ኬምጽእዎም ኢሉ ኸኣ ሰባት ለኣኸ። ረሃብ ግና ነቶም ክልተ ሰለይቲ ኣብ ናሕሲ ቤታ ሓብኣቶም፣ ነቶም ልኡኻት ንጉስ ከኣ፡ ‘እቶም ሰለይቲ ኣብዚ ነይሮም፣ ካብዛ ኸተማ ግና ወጺኦም ከይዶም እዮም። ሕጂ እንተ ኼድኩም፡ ክትሕዝዎም ኢኹም!’ በለቶም። ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ስለምንታይ ከም ዝሓብኣቶም ትፈልጥዶ፧— ብየሆዋ ስለ ዝኣመነት፡ ንሱ ምድሪ ከነኣን ንእስራኤላውያን ከም ዚህቦም ከኣ ስለ ዝፈለጠት እያ።

የሆዋ ንረሃብን ንቤተ ሰባን ኣድሓኖም

እቶም ሰለይቲ ኻብ ቤት ረሃብ ቅድሚ ምኻዶም፡ ያሪኮ ኽትጠፍእ ከላ፡ ንሳን ቤተ ሰባን ከም ዚድሕኑ ቓል ኣተዉላ። እንታይ ክትገብር ከም ዝነገርዋ ትፈልጥዶ፧— ‘ነዚ ቐይሕ ገመድ እዚ ኣብ መስኰትኪ ኣንጠልጥልዮ። ከምኡ እንተ ጌርኪ፡ ኣብ ቤትኪ ዚህሉ ዅሉ ኺድሕን እዩ’ በልዋ። ረሃብ ከኣ ከምቲ እቶም ሰለይቲ ዝበልዋ ገበረት። ድሕሪኡ እንታይ ከም ዝዀነ ትፈልጥዶ፧—

ድሕሪ ሒደት መዓልትታት፡ እስራኤላውያን ብጸጥታ ነታ ኸተማ ዞርዋ። ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ፡ ነታ ኸተማ ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ዞርዋ። ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፡ ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሳዕ ዞርዋ። ድሕሪኡ፡ ኵሎም ዓው ኢሎም ጨደሩ። የሆዋ ኸኣ ንመካበብያ እታ ኸተማ ኣፍረሶ። እታ ቐይሕ ገመድ ተንጠልጢሉላ ዝነበረት ቤት ግና ኣይፈረሰትን! ኣብዚ ስእሊ እዚ ኽትርእያዶ ትኽእል፧— ረሃብን ቤተ ሰባን ድሒኖም እዮም።

ካብ ረሃብ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧— ረሃብ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ዜደንቕ ነገራት ምስ ፈለጠት፡ ብየሆዋ ኣመነት። ንስኻ እውን ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ዜደንቕ ነገራት ትምሃር ኣለኻ። ንስኻኸ ኸም ረሃብ ብእኡ ትኣምን ዲኻ፧— ከም እትኣምን ኣይንጠራጠርን ኢና!

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ