ዳዊት—ኣብነት ንንኣሽቱ
ኣራግፍ፦
1. ዳዊት ገና ቘልዓ ኸሎ፡
ይጽሊ፡ ይዝምር ነይሩ።
ኣምላኽ ድማ ሰሚዕዎ፡
ኪነግስ’ውን መሪጽዎ።
ተቓሊሱ ምስ ኣንበሳን ድብን፣
ኣይፈርሀን፣ ጉዳም!
(ኣዝማች)
ዳዊት ኣብ ያህ ’ወ ተወኪሉ፡
የሆዋ ደገፉ ሂብዎ ኣብ ኵሉ።
ኣነ’ውን ክጸንዕ እየ ብጸሎት፣
ብየሆዋ ኽእመን፡ ’ወ ኸም ዳዊት።
2. ዳዊት ጓሳ’ዩ ነይሩ እምበር፡
ኣይነበረን ወተሃደር።
ጐልያድ ግና ምስ ጸረፎ፡
ንየሆዋ ምስ ዘለፎ፡
ገጢሙሉ ብእምኒ ብትብዓት፡
ሽዑ ኣሰኒፋ እምነት።
(ኣዝማች)
ዳዊት ኣብ ያህ ’ወ ተወኪሉ፡
የሆዋ ደገፉ ሂብዎ ኣብ ኵሉ።
ኣነ’ውን ክጸንዕ እየ ብጸሎት፣
ብየሆዋ ኽእመን፡ ’ወ ኸም ዳዊት።
ኣነ’ውን ክጸንዕ እየ ብጸሎት፣
ብየሆዋ ኽእመን፡ ’ወ ኸም ዳዊት።

