መዝሙር 140
ገደብ ኣልቦ ህይወት!
-
1. ይርኣየኩም ደሎ፧
ሰብ ኪነብር ብስኒት፣
ሰላም፡ ራህዋ ኺሰፍን፡
ብዘይ ቃንዛ፡ ንብዓት።
(ኣዝማች)
ሓቢርና ንዘምር፡
ንርአ ናብቲ ስግር፣
ኣማዕዲና ንጠምት፡
ገደብ ኣልቦ ህይወት!
-
2. ኣሪጎም ዝነበሩ፡
ይዀኑ መንእሰያት፣
ሽዑ ጸገም ኣይህሉን፡
ሓዘን ኰነ ብኽያት።
(ኣዝማች)
ሓቢርና ንዘምር፡
ንርአ ናብቲ ስግር፣
ኣማዕዲና ንጠምት፡
ገደብ ኣልቦ ህይወት!
-
3. ንገነት ምስ ወረስና፡
ንዝምር ንኣምላኽና፣
ኣብ ዘለና ኣሊና፡
ወትሩ ’ናመስገንና።
(ኣዝማች)
ሓቢርና ንዘምር፡
ንርአ ናብቲ ስግር፣
ኣማዕዲና ንጠምት፡
ገደብ ኣልቦ ህይወት!
(እዮ. 33:25፣ መዝ. 72:7፣ ራእ. 21:4 እውን ርአ።)

