ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ሓለቓ ሚእቲ ኣብ ሰራዊት ሮሜ እንታይ ሓላፍነት እዩ ነይርዎ፧

ሓወልቲ ሓለቓ ሚእቲ ማርኩስ ፋቮኒዩስ ፋሲሊስ

ሮማውያን ሓላቑ ሚእቲ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ብዙሕ ግዜ ተጠቒሶም ኣለዉ። እቲ ንቕትለት የሱስ ብሓላፍነት ዚከታተል ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊትን እቲ ኻብ ኣህዛብ ናይ መጀመርታ ክርስትያን ዝዀነ ቆርኔሌዎስን እዚ መዓርግ እዚ ነበሮም። ብተወሳኺ፡ እቲ ንመግረፍቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዚከታተል ዝነበረ ብዓል ስልጣንን እቲ ንጳውሎስ ናብ ሮሜ ኪኸይድ ከሎ ዘሰነዮ ዩልዮስን ሓላቑ ሚእቲ እዮም ነይሮም።—ማርቆስ 15:39፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:1፣ 22:25፣ 27:1

ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ኸም ልሙድ ካብ 50 ኽሳዕ 100 ዝዀኑ ኣጋር ወተሃደራት ዝሓዘ ጭፍራ ሰራዊት እዩ ዚመርሕ ነይሩ። ሓላፍነቱ ድማ ንሰራዊቱ ምስልጣንን ስርዓት ምትሓዝን፡ ንኽዳውንቶምን ንናውቶምን ምቍጽጻር፡ ንውግእ ኪወፍሩ ኸለዉ ምእዛዝ የጠቓልል።

ሓደ ተራ ወተሃደር ኪበጽሖ ዚኽእል ዝነበረ ዝለዓለ ስልጣን፡ ሓለቓ ሚእቲ ምዃን እዩ ነይሩ። ነዚ መዓርግ እዚ ዚረኽቡ ድማ ንፉዓት መራሕቲ ኪዀኑ ዚኽእሉ ኽኢላታት ወተሃደራት እዮም። ስነ ስርዓትን ውጽኢታውነትን ሓደ ሓያል ሰራዊት ሮሜ፡ ኣብቶም ሓላቑ ሚእቲ እዩ ዚምርኰስ ነይሩ። ብመሰረት ሓደ መወከሲ፡ ሓላቑ ሚእቲ “መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ሰራዊት፡ እቶም ኣዝዮም ምኩራትን ንዕዮኦም ኣብ ዚምልከት ጕዳያት ጽቡቕ ኣፍልጦ ዝነበሮምን እዮም ነይሮም።”

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ መስትያት ኣብዚ ግዜና ኻብ ዘሎ ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

ጥንታዊ መስትያት ግብጺ

ኣብዚ ግዜና ዘሎ መስትያት ካብ ጥርሙዝ ዚስራሕ እኳ እንተዀነ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ መስትያት ግና መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ከም ብሮንዞ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ገይሩ እተወልወለ ብረት እዩ ዚስራሕ ነይሩ፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ካብ ነሓሲ፡ ብሩር፡ ወርቂ፡ ከምኡ እውን ኤለክትሩም (ሕዋስ ወርቅን ብሩርን) ይስራሕ ነበረ። መስትያት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንፈለማ ግዜ እተጠቕሰ፡ ኣብ ምህናጽ እቲ ናይ መጀመርታ ማእከል ኣምልኾ እስራኤላውያን ዝነበረ ማሕደር እዩ። እስራኤላውያን ኣንስቲ ንህንጸት እቲ ብኣስራዚ እተሰርሐ ቕዱስ ገበራን ደው መበሊኡን ዚኸውን መስትያታት ወፈያ። (ዘጸኣት 38:8) ኣብዚ መዓላ እዚ ንኺውዕል፡ ምናልባት እቲ መስትያታት ኪመክኽ የድልዮ ነይሩ ይኸውን።

ኣብ ውሽጥን ከባብን እስራኤል ብስነ ጥንታዊ ፍሕረት እተረኽበ መስትያታት፡ መብዛሕትኡ ምስ ክቡር ኣዕናቝ ወይ ካልእ ስልማት ደቂ ኣንስትዮ እዩ ተረኺቡ። እዚ መስትያታት እዚ፡ ከቢብ ቅርጺ ዝነበሮ ዀይኑ፡ መትሓዚኡ ድማ ምስሊ ሰበይቲ እተቐርጾ እተሰለመ ዕንጨይቲ፡ ሓጺን ወይ እውን ስኒ ሓርማዝ እዩ ነይሩ። እቲ ዘይተወልወለ ዳሕረዋይ ገጽ እቲ መስትያት ግና መብዛሕትኡ ግዜ ስልማት ኣይግበረሉን እዩ ነይሩ።

ናይ ምንጽብራቕ ተኽእሎ እቲ ጥንታዊ መስትያታት፡ ምስዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ኻብ ጥርሙዝ እተሰርሐ መስትያታት ኪነጻጸር ከሎ፡ ኣዝዩ ትሑት እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ከይኰነ ኣይተርፍን ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሕጅስ ብመስትያት ብረት ዘይንጹር ምስሊ ንርኢ ኣለና” ዝበለ።—1 ቈረንቶስ 13:12