ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ድዩ ዚሰምዖ፧

ኣምላኽ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ንዚዀኑ ሰባት ይሰምዖም እዩ። (መዝሙር 145:18, 19) እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ዜገድሰና ነገራት ንኣምላኽ ክንዛረቦ የተባብዓና እዩ። (ፊልጲ 4:6, 7) ገሊኡ ጸሎት ግና ንኣምላኽ የጕህዮ እዩ። ንኣብነት፡ እተሸምደደ ጸሎት ንኣምላኽ ኣየሐጕሶን እዩ።—ማቴዎስ 6:7 ኣንብብ።

ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ነቲ እቶም ደይመደይ ኢሎም ሕጉ ዚጥሕሱ ሰባት ዜቕርብዎ ጸሎት ይጸልኦ እዩ። (ምሳሌ 28:9) ንኣብነት፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ነቶም ብቕትለት ምኽንያት ገበነኛታት ዝነበሩ እስራኤላውያን ከይሰምዖም ኣብዩ እዩ። ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰምዓና፡ ገለ ብቕዓታት ከነማልእ ከም ዘሎና እምበኣር ንጹር እዩ።—ኢሳይያስ 1:15 ኣንብብ።

ኣምላኽ ንኺሰምዓና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ብጸሎት ክንቀርቦ ኣይንኽእልን ኢና። (ያእቆብ 1:5, 6) ኣምላኽ ከም ዘሎን ከም ዚሓልየልናን ክንኣምን ይግባእ። ናይ ሓቂ እምነት ኣብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መርትዖን መረጋገጽን እተመርኰሰት ስለ ዝዀነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ እምነትና ኸነደልድል ንኽእል ኢና።—እብራውያን 11:1, 6 ኣንብብ።

ብቕንዕናን ብትሕትናን ክንጽሊ ይግባእ። እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ እውን ከይተረፈ ብትሕትና እዩ ዚጽሊ ነይሩ። (ሉቃስ 22:41, 42) ስለዚ፡ ንኣምላኽ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ኣብ ክንዲ እንነግሮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ፡ ከነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታት እንታይ ምዃኑ ንኽንርዳእ ክንጽዕር ኣሎና። ድሕሪኡ፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ኽንጽሊ ንኽእል።—1 ዮሃንስ 5:14 ኣንብብ።