ሓቂ
ኣበይ ክትረኽባ ትኽእል፧
ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ብኸመይ ክትጠቕመኩም ትኽእል፧
ናብቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚካየድ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣኼባ ኣውራጃ መጺእኻ፡ መልሱ ኽትረክብ ብኽብሪ ንዕድመካ።
ፍረ ነገር፦
‘ቃል ኣምላኽ ሓቂ እዩ!’
ኣብቲ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 17:17 እተዛረቦ ቓላት እተመስረተ።
ዚጐልሕ ነጥብታት፦
እቲ፡ “ሓቂ እንታይ እዩ፧” ዘርእስቱ መደረ፡ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ክንምርምሮ ኸም ዘሎና ኺገልጽ እዩ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ ታሪኻትን ዜመሓላልፎ ትምህርትን ዜጕልሕ ክልተ ድራማ ኪቐርብ እዩ።
መን ኪመጽእ ይኽእል፧
ኵሉ ሰብ። መእተዊ ብናጻ እዩ፣ እናዞርካ ገንዘብ ኣይእከብን።
ሰዓትን ቦታን፦
ኣብ ጥቓ እቲ እትነብረሉ ኸባቢ ዚካየድ ኣኼባ ኣውራጃ እንተ ኣልዩ ኽትፈልጥ፡ ብዛዕባ ኣኼባታት ኣውራጃ ዚገልጽ ቪድዮ ድማ ክትርኢ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ www.jw.org ርአ። (ኣብ ትሕቲ ABOUT US/CONVENTIONS ዚርከብ)
ነቲ መደብ ኣኼባ ኣውራጃ ንኽትርእዮ፡ ኣብ www.jw.org ርአ። (ኣብ ትሕቲ PUBLICATIONS/BOOKS & BROCHURES ዚርከብ)