የሱስ፡ መፍትሕ ትርጕም ዘለዎ ህይወት
የሱስ ብሓቂዶ ትርጕም ዘለዎ ህይወት እዩ ነይርዎ፧ ትሑት መነባብሮ ኣብ ዘለዎ ኸባቢ እዩ ዓብዩ፣ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ኸኣ ብዙሕ ዓለማዊ ጥሪት ኣይነበሮን። ከም ሓቂ፡ ‘ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ ኣይነበሮን።’ (ሉቃስ 9:57, 58) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ተጸሊኡን ስሙ ተኻፊኡን ብጸላእቱ ተቐቲሉን እዩ።
‘ከምዚ ዝበለ ህይወት፡ ትርጕም ዘለዎ ዀይኑ ኣይስምዓንን እዩ’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ክንምርምሮ ዚግባእ ካልእ መዳያት ህይወት የሱስ ግና ኣሎ። ኣርባዕተ መዳያት ህይወቱ እስከ ንመርምር።
1. የሱስ ኣብ ህይወቱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ናይ ምግባር ዕላማ ነበሮ።
“ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር . . . እዩ።”—ዮሃንስ 4:34።
የሱስ ብቓሉን ብግብሩን፡ ፍቓድ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ የሆዋ * ኺፍጽም ይደሊ ነበረ። ፍቓድ ኣቦኡ ምግባር ድማ፡ ብዙሕ የሐጕሶ ነበረ። አረ ኸምቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕብሮስ፡ ከምኡ ምግባር ምስ ብልዒ ኣነጻጺርዎ እዩ። ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝበለ ዅነታት ከምኡ ኸም ዝበለ እስከ ንርአ።
የሱስ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ እዩ ነዘን ቃላት እዚአን ተዛሪቡወን። (ዮሃንስ 4:6) ምሉእ ንግሆ፡ በቲ ዅድዅዶታት ሰማርያ ኪጐዓዝ ድሕሪ ምውዓሉ፡ ጠምዩ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ደቀ መዛሙርቱ እኳ፡ “መምህር፡ ብላዕ” ኢሎም ለሚኖምዎ እዮም። (ዮሃንስ 4:31) የሱስ ግና፡ ዕዮ ኣምላኽ ብምዕያዩ ኸም ዝዓገበን ከም ዝበርትዐን ዚሕብር መልሲ እዩ ሂብዎም። እዝስ፡ ህይወቱ ትርጕም ዘለዎ ምንባሩ ዚሕብርዶ ኣይኰነን፧
2. የሱስ ንኣቦኡ ሓያል ፍቕሪ ነበረቶ።
‘ኣነ ንኣቦ አፍቅሮ እየ።’—ዮሃንስ 14:31።
የሱስ ምስቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ኣዝዩ ጥብቂ ርክብ እዩ ነይርዎ። ንኣምላኽ ዝነበረቶ ሓያል ፍቕሪ፡ ንስምን ንዕላማን ንባህርያትን ኣቦኡ ኼፍልጥ ደሪኻቶ እያ። ብቓሉን ብግብሩን ብኣረኣእያኡን ኣቢሉ፡ ንኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኻብ ምንጽብራቑ እተላዕለ፡ በቲ የሱስ ዝገበሮ ነገራት ንኣቦኡ ኸም ዝረኣና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና። ስለዚ፡ ፊልጶስ ንየሱስ፡ “ንኣቦ ኣርእየና” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ የሱስ፡ “እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።—ዮሃንስ 14:8, 9።
የሱስ ንኣቦኡ ኣዝዩ የፍቅሮ ስለ ዝነበረ፡ ክሳዕ ሞት እኳ ኺእዘዞ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። (ፊልጲ 2:7, 8፣ 1 ዮሃንስ 5:3) እዛ ሓያል ፍቕሪ እዚኣ፡ ንህይወት የሱስ ትርጕም ከም ዚህልዋ ገይራታ እያ።
3. የሱስ፡ ሰባት የፍቅር ነበረ።
“ንነፍሱ ምእንቲ ኣዕሩኹ ኣሕሊፉ ኻብ ዚህባ ሰብ፡ ዚዓቢ ፍቕሪ ዘለዎ የልቦን።”—ዮሃንስ 15:13።
ከም ዘይፍጹማት ሰባት መጠን ዘሎና መጻኢ ተስፋ ጽልሙት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ብሓደ ሰብ [ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ” ይብል። (ሮሜ 5:12) ብርእስና ኻብቲ ሓጢኣት ዜስዕቦ ሳዕቤን፡ ማለት ካብ ሞት ከነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና።—ሮሜ 6:23።
እቲ ዜሐጕስ ግና፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንዅነታት ደቂ ሰብ ፍታሕ ገይሩ ኣሎ። እቲ የሱስ ተባሂሉ ዚፍለጥ ፍጹምን ሓጢኣት ኣልቦን ወዱ፡ ንደቂ ሰብ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ንምድሓን ዜድሊ በጃ ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ኪስቀን ኪመውትን ፈቐደ። የሱስ በታ ንኣቦኡን ንደቂ ሰብን ዘላቶ ፍቕሪ ተደሪኹ፡ ብፍታው ተኣዘዘ፡ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ ኸኣ ምእንታና ኣሕሊፉ ሃበ። (ሮሜ 5:6-8) ከምዚኣ ዝበለት ንጽህቲ ፍቕሪ ንህይወቱ ትርጕም ከም ዚህልዋ ገበረት። *
4. የሱስ፡ ኣቦኡ ኸም ዜፍቅሮን ከም ዚሰምሮን ይፈልጥ ነበረ።
“ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ።”—ማቴዎስ 3:17።
ኣብ እዋን ጥምቀት የሱስ፡ የሆዋ ኻብ ሰማይ ነዘን ቃላት እዚአን ተዛረበ። በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ንወዱ የሱስ ከም ዜፍቅሮን ከም ዚሰምሮን ብግህዶ ተዛረበ። የሱስ፡ ‘ኣቦ የፍቅረኒ እዩ’ ኢሉ ምዝራቡ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። (ዮሃንስ 10:17) ፍቕርን ስምረትን ኣቦኡ ኸም ዘለዎ ስለ ዝፈለጠ ኸኣ፡ ነቲ ዘጋጠሞ ምጽራርን ነቐፌታን ብምትእምማን ሰገሮ። ምስ ሞት ኣብ እተፋጠጠሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ፡ ሚዛኑን ስምዒቱን ኪሕሉ ኸኣለ። (ዮሃንስ 10:18) የሱስ፡ ኣቦኡ ኸም ዜፍቅሮን ከም ዚሰምሮን ምፍላጡ፡ ንህይወቱ ዝያዳ ትርጕም ከም ዝሃቦ ኣየጠራጥርን እዩ።
እምበኣር፡ የሱስ ብርግጽ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ነይርዎ እዩ። ህይወትና ናይ ሓቂ ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ብኸመይ ከም እንመርሕ፡ ካብኡ ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ገለ ኻብቲ የሱስ ንሰዓብቱ ብኸመይ ህይወቶም ኪመርሑ ኸም ዚግባእ ዝሃቦም ምኽሪ ሒዛ ኣላ።
^ ሕ.ጽ. 6 የሆዋ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።