የሆዋ ንሓዳርካ ኼደልድሎን ኬዕቍቦን ፍቐደሉ
“እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋ፡ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ።”—መዝ. 127:1።
1, 2. (ሀ) 24,000 እስራኤላውያን ዜደንቕ በረኸት ዘይረኸቡ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) እቲ ጥንታዊ ፍጻመ ንዓና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ቐቅድሚ ምእታዎም፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰብኡት ‘ምስ ኣዋልድ ሞኣብ መንዘሩ።’ ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ 24,000 ሰባት ብኢድ የሆዋ ጠፍኡ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! እስራኤላውያን ናብቲ ንነዊሕ እዋን ዚጽበይዎ ዝነበሩ ርስቲ ኺኣትዉ ቝሩብ ምስ ተረፎም ንፈተና ኢዶም ስለ ዝሃቡ፡ ነቲ ዜደንቕ በረኸት ኣይረኸብዎን።—ዘሁ. 25:1-5, 9።
2 እዚ ዜሕዝን ፍጻመ እዚ፡ “ንዓና እቲ መወዳእታ ስርዓት ዓለም ንዘርከበና እውን ንመጠንቀቕታ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ።” (1 ቈረ. 10:6-11) ኣብ መወዳእታ ኽፋል እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚነብሩ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ድርኵኺት እታ ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም እዮም ዘለዉ። (2 ጢሞ. 3:1፣ 2 ጴጥ. 3:13) እቲ ዜሕዝን ግና፡ ገሊኦም ኣምለኽቲ የሆዋ ይብዕዝዙ ኣለዉ። ብርኽሰት ይፍንጠሩን መሪር ሳዕቤን ይዓጽዱን ኣለዉ። ከምዚኦም ዓይነት ሰባት፡ ነቲ ናይ ዘለኣለም በረኸት ኪስእንዎ ይኽእሉ እዮም።
3. ሰብ ሓዳር፡ መምርሒ የሆዋ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)
3 ሎሚ ዓለምና ብርኽሰት ኣዕለቕሊቓ ስለ ዘላ፡ ሰብኡትን ኣንስትን መዝሙር 127:1 ኣንብብ።) ሰብ ሓዳር፡ ንልቦም ብምሕላውን ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ብምቕራብን ሓድሽ ሰብነት ብምልባስን ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ብምዝርራብን ንሓድሕዶም ዚግብኦም ብምግባርን ብኸመይ ንሓዳሮም ኬደልድልዎ ኸም ዚኽእሉ ኽንምርምር ኢና።
ንሓዳሮም ንምዕቋብ ዚገብሮ ጻዕሪ ምእንቲ ኸይፈሽል፡ መምርሕን ዕቝባን የሆዋ የድልዮም እዩ። (ልብኻ ሓሉ
4. ንገሊኦም ክርስትያናት ኣበሳ ኸም ዚፍጽሙ ዚገብሮም እንታይ እዩ፧
4 ሓደ ክርስትያን ኣብ ርኽሰት ኪወድቕ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ርኽሰት መብዛሕትኡ እዋን ብዓይኒ እዩ ዚጅምር። የሱስ፡ “ንሰበይቲ ብፍትወት ዚጥምታ ዅሉ፡ ብልቡ ድሮ ምስኣ ዘመወ” ኢሉ ገሊጹ ነይሩ። (ማቴ. 5:27, 28፣ 2 ጴጥ. 2:14) ብዙሓት ክርስትያናት ምስ ርኽሰት ብዚተሓሓዝ ኣበሳ ዚፍጽሙ፡ ኣቐዲሞም ንስነ ምግባራዊ መትከሎም ዜዳኽም ነገራት ስለ ዚገብሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ፡ ስምዒት ዜለዓዕል ጽሑፋት ምንባብ፡ ወይ ከኣ ኣብ ኢንተርነት ኣዝዩ ዜሕፍርን ዜስካሕክሕን ነገራት ምዕዛብ የጠቓልል። ገሊኣቶም ከኣ ጾታዊ ርኽሰት ብዜርኢ ፊልምታት፡ ትያትራት፡ ወይ መደባት ተለቪዥን ይዘናግዑ። ናብ ለይታዊ ትልሂት፡ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ነብሰን ናብ ዚስዕስዓሉ ቦታታት፡ ወይ ከኣ ጾታዊ ስምዒት ብዜለዓዕል መገዲ ነብስኻ ናብ እትድረዘሉ ቦታታት ዝኸዱ እውን ኣለዉ።
5. ልብና ኽንሕሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
5 ገሊኦም ክርስትያናት፡ መጻምድቶም ካብ ዘይኰነ ሰብ ኣቓልቦ ኺረኽቡ ስለ ዚጽዕሩ፡ ኣብ ፈተና ይወድቁ። ኣብዛ ርእሰ ግትኣት ዘይብላን ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ርኽሰት ዝጠሓለትን ዓለም፡ ብሰንኪ እቲ ዘይፍጹምን መታለልን ልብና፡ መጻምድትና ንዘይኰነ ሰብ ብቐሊሉ ፍቕራዊ ስምዒት ኪሓድረና ይኽእል እዩ። (ኤርምያስ 17:9, 10 ኣንብብ።) የሱስ፡ “ካብ ልቢ፡ ክፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝርና . . . ይወጽእ እዩ” በለ።—ማቴ. 15:19።
6, 7. (ሀ) እቲ መታለሊ ዝዀነ ልቢ፡ ንሓደ ሰብ ናብ ሓጢኣት ኪመርሖ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ንገዛእ ርእስና ኻብ ሓጢኣት ክንሰትራ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
6 ንሓድሕዶም ዚቐራረቡ ኽልተ ሰባት ኣብቲ መታለሊ ዝዀነ ልቦም ዘይግቡእ ትምኒት ሱር ንኺሰድድ እንተ ፈቒዶም፡ ከይተፈለጦም ንመጻምድቶም ጥራይ ኪነግርዎ ዚግባእ ነገራት ኪዛረቡ ይኽእሉ እዮም። ነዊሕ ከይጸንሑ ድማ፡ ገለ ምኽንያት ፈጢሮም ኪራኸቡ ይጅምሩ፣ እቲ ሓሓሊፍካ ዚግበር ዝነበረ ብግርህነት እተጀመረ ርክብ ከኣ፡ ኪደጋገም ይጅምር። ስምዒቶም እናሓየለ ኪኸይድ ከሎ፡ እቲ ምስ ስነ ምግባር ዚተሓሓዝ ቈራጽነቶም ግና እናደኸመ ይኸይድ። ነቲ ተግባሮም እንተ ቀጺሎምሉ ኸኣ፡ ዋላ እቲ ዚገብርዎ ዘለዉ ነገር ጌጋ ምዃኑ እንተ ፈለጡ፡ ንኼቋርጽዎ ኣዝዩ ይኸብዶም።—ምሳ. 7:21, 22።
7 መንፈሳዊ ዕርዶም ኪፈርስ ስለ ዚጅምር፡ እቲ ዘይግቡእ ትምኒትን ዘረባን፡ ኢድ ንኢድ ናብ ምትሕሓዝን ናብ ምስዕዓምን ናብ ምትንኻፍን ስምዒት ናብ ዜለዓዕል ምድርራዝን ናብ ካልእ መግለጺታት ፍቕርን ኪዓቢ ይኽእል እዩ፣ እዚ ዅሉ ግና፡ ምስ መጻምድትኻ ጥራይ እዩ ኺግበር ዚግብኦ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ‘ብገዛእ ትምኒቶም ይስሓቡን ይሕበሉን።’ ትምኒት ምስ ጠነሰት ከኣ፡ “ንሓጢኣት ትወልዶ፣” ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እቲ ሓጢኣት ንጾታዊ ርኽሰት እዩ ዜመልክት። (ያእ. 1:14, 15) ከምዚ ኼጋጥምሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዜሕዝን እዩ! እቶም ክልተ ውልቀ ሰባት ንየሆዋ፡ ንቕድስና ሓዳር ዘለዎም ኣኽብሮት ንኼደልድለሎም እንተ ዚፈቕዱሉ፡ ካብዚ ዅሉ ምተሰትሩ ነይሮም። ሓደ ሰብ፡ ከምኡ ዓይነት ኣኽብሮት ኬማዕብል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
ወትሩ ናብ ኣምላኽ ቅረብ
8. ዓርኪ የሆዋ ምዃን፡ ካብ ርኽሰት ኬዕቍበና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
8 መዝሙር 97:10 ኣንብብ። ንገዛእ ርእስና ኻብ ርኽሰት ከነዕቍባ እንተ ደሊና፡ ኣዕሩኽ የሆዋ ኽንከውን ኣሎና። ብዛዕባ እቲ ዚፍቶ ባህርያት ኣምላኽ ብምፍላጥ፡ ‘ከም ፍቑራት ውሉዳት፡ ንኣምላኽ ክንመስሎን ብፍቕሪ ኽንመላለስን’ ክንጽዕር ከለና፡ ካብ “ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን” ንኽንርሕቕ ክንድረኽ ኢና። (ኤፌ. 5:1-4) ሰብ ሓዳር፡ ‘ኣምላኽ ንኣመንዝራታትን ንዘመውትን ከም ዚፈርዶም’ ምፍላጦም፡ ንሓዳሮም ክቡርን ዘይረኸሰን ንኺገብርዎ ኸም ዚጽዕሩ እዩ ዚገብሮም።—እብ. 13:4።
9. (ሀ) ዮሴፍ ነቲ ዘጋጠሞ ጾታዊ ፈተና ኺቃወሞ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ካብቲ ዮሴፍ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
9 ገሊኦም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ድሕሪ ስራሕ ምስቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ መሳርሕቶም ግዜ ብምሕላፍ፡ ንስነ ምግባራዊ መትከሎም ኣዳኺሞም እዮም። ኣብ እዋን ስራሕ እውን እንተ ዀነ፡ ፈተና ኼጋጥም ይኽእል እዩ። እቲ መልክዐኛ መንእሰይ ዝነበረ ዮሴፍ፡ ሰበይቲ ኣስራሒኡ ዓይና ኸም ዘውደቐትሉ ዝፈለጠ፡ ኣብ እዋን ስራሕ እዩ ነይሩ። በብመዓልቱ ድማ ከተስድዖ ትፍትን ነበረት። ኣብ መወዳእታኡ፡ “ብኽዳኑ ቀጥ ኣቢላ ሒዛ፡ . . . ምሳይ ደቅስ፡ በለቶ።” ዮሴፍ ግና ካብኣ ሃደመ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ፈታኒ ዅነታት፡ መንፈሳዊ መትከሉ ንኺሕሉ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ንጽህናኡ ንኺሕሉ ኺሕግዞ ዝኸኣለ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ንኸየበላሹ ዝገበሮ ቘራጽነት እዩ። ሓቂ እዩ፡ እቲ ጽኑዕ መትከሉ፡ ካብ ስራሕ ከም ዚስጐጕን ብዘይፍትሓዊ መገዲ ኸም ዚእሰርን ገይርዎ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ባሪኽዎ እዩ። (ዘፍ. 39:1-12፣ 41:38-43) ክርስትያናት ኣብ ቦታ ስራሕ ወይ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት፡ መጻምድቶም ምስ ዘይኰነ ሰብ ኣብ ፈተና ምእንቲ ኸይወድቁ ኺጥንቀቑ ኣለዎም።
ሓድሽ ስብእና ልበስ
10. እቲ ሓድሽ ስብእና ብስነ ምግባራዊ መዳይ ዜዕቍበና ብኸመይ እዩ፧
10 እቲ ሓድሽ ስብእና “ብናይ ሓቂ ጽድቅን ተኣማንነትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ እተፈጥረ” ስለ ዝዀነ፡ ንሰብ ሓዳር ኣብ ጾታዊ ርኽሰት ንኸይወድቁ ኼዕቍቦም ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 4:24) እቶም ነቲ ሓድሽ ስብእና ዚለብሱ ሰባት፡ ነቲ “ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወተ ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዐ” ዜጠቓልል ኣካላቶም ‘ይቐትልዎ’ እዮም። (ቈሎሴ 3:5, 6 ኣንብብ።) እታ “ቕተሉ” እትብል ቃል፡ ነቲ ርኽሰት ዝመልኦ ትምኒት ስጋ ኣበርቲዕና ኽንቃለሶ ኸም ዘሎና እትሕብር እያ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ መጻምድትና ንዘይኰነ ሰብ፡ ጾታዊ ትምኒት ኣይኪሓድረናን እዩ። (እዮ. 31:1) ህይወትና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዚወሃሃድ እንተ ጌርና፡ ‘ንእከይ ክንፍንፍኖ፡ ናብ ሰናይ ከኣ ክንለግብ’ ኢና።—ሮሜ 12:2, 9።
11. እቲ ሓድሽ ስብእና ንሓዳር ኬደልድሎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
11 እቲ ሓድሽ ስብእና፡ “ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ፡” ማለት ምስሊ የሆዋ እዩ ዜንጸባርቕ። (ቈሎ. 3:10) ሰብ ሓዳር፡ “ልባዊ ርሕራሐ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ልእመት፡ ዓቕሊ” ብምልባስ፡ ንስነ ምግባራዊ መትከሎም ኬደልድልዎ ኸለዉ፡ ብዙሕ እዮም ዚባረኹ። (ቈሎ. 3:12) ብዘይካዚ፡ ‘ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልቦም ንኺገዝእ’ ኪፈቕዱሉ ኸለዉ፡ ሓዳሮም ስኒት ይህልዎ። (ቈሎ. 3:15) ሰብ ሓዳር ‘ንሓድሕዶም ካብ ልቢ ኺፋቐሩ’ ኸለዉ፡ ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ። ብዘይካዚ፡ ‘ንሓድሕዶም ኣብ ምክብባር ቀዳሞት ኪዀኑ ኸለዉ፡’ ሓጐስ ይረኽቡ እዮም።—ሮሜ 12:10።
12. ንሕጉስ ሓዳር ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርካ እትርእዮ ባህርያት ኣየናይ እዩ፧
12 ሲድ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ንሓዳሮም ዜሐጕስ ዝገበሮ ባህርያት እንታይ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “ወትሩ ፍቕሪ ኸነርኢ ንጽዕር ኢና። ልእመት እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዀይኑ ረኺብናዮ ኢና” በለ። ሶንያ ሰበይቱ እውን ምስዚ ትሰማማዕ እያ፣ ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ለውሃት ኣዝያ ኣገዳሲት ባህርይ እያ። ኵሉ ሳዕ ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ትሕትና ኸነርኢ ኸኣ ንጽዕር ኢና” በለት።
ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ተዘራረብ
13. ንሓዳር ዜደልድሎ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧
13 ሓደ ኻብቲ ንሓዳር ድልዱል ዚገብሮ ረቛሒታት፡ ለውሃት ዝመልኦ ዘረባ እዩ። ሰብ ሓዳር ካብቲ ንዘይፈልጥዎም ሰባት ወይ ንዚፈትውዎም እንስሳታት ዚዛረቡሉ መገዲ ንታሕቲ፡ ንሓድሕዶም ኣኽብሮት ብዘይብሉ መገዲ ኺዘራረቡ ኸለዉ ኣዝዩ ዜሕዝን እዩ። ሰብ ሓዳር፡ “ምረትን ቍጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን” ዝመልኦ ዘረባ ዚዛረቡ እንተ ዀይኖም፡ ንሓዳሮም ንፋስ እዮም ዜእትዉሉ። (ኤፌ. 4:31) ስለዚ፡ ኣብ ክንዲ ብነቐፌታ ወይ ብሕጫጨ ብምዝራብ ንሓዳሮም ዜዳኽምዎ፡ ብለውሃትን ብርሕራሐን ብድንጋጽን ብምዝራብ ንርክቦም ኬደልድልዎ ኣለዎም።—ኤፌ. 4:32።
14. ካብ ምንታይ ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧
14 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ስቕ ንምባል ግዜ ኣለዎ’ ይብል። (መክ. 3:7) ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ክንስጕደም ኣሎና ማለት ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ ከምኡ ምግባር፡ ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ንኸይትዘራረብ እዩ ዚዓግት። ኣብ ጀርመን እትነብር ሓንቲ ብዓልቲ ሓዳር፡ “ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንመጻምድትኻ ኽትጐድኦ ትኽእል ኢኻ” በለት። ይኹን እምበር፡ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ውጥረት ኬጋጥመካ ኸሎ ህድእ ምባል ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብቝጥዓ ኽትግንፍል እውን ጽቡቕ ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ከይተፈለጠካ ንመጻምድትኻ ዚጐድእ ዘረባ ኽትዛረብ ወይ ገለ ነገር ክትገብር ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ዅነታት መሊሱ እዩ ዜጋድዶ” በለት። ሰብ ሓዳር፡ ዓው ዓው ብምባል ወይ ከኣ ብምስጕዳም ንጸገማቶም ኪፈትሕዎ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ዜጋጥም ዘይምስምማዕ ቀልጢፎም ብምፍታሕ ወይ ከኣ እቲ ዘይምስምማዕ ናብ ቈየቋ ንኸየምርሕ ብምክልኻል፡ ንሓዳሮም ኬደልድልዎ ይኽእሉ እዮም።
15. ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ምዝርራብ ንሓዳር ኬደልድሎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
15 ሰብኣይን ሰበይትን ሓዳሮም ኪድልድል ዚኽእል፡ ስምዒቶምን ርእይቶኦምን ዚገልጹሉ ግዜ ምስ ዚረኽቡ እዩ። እንብሎ ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ከም እንብሎ እውን ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን እንተ ዀነ፡ ዘረባኻ ለውሃት ዝመልኦ ይኹን፣ እዚ ኸኣ ኣብ ቃና ድምጽኻን ኣብ ኣመራርጻ ቓላትካን ኪርአ ቈሎሴ 4:6 ኣንብብ።) ሰብኣይን ሰበይትን፡ ንመጻምድቶም ‘ዚጠቅምን ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለን ጽቡቕ ቃል’ ብምዝራብ ጽቡቕ ገይሮም ሓሳብ ንሓሳብ ዚለዋወጡ እንተ ዀይኖም፡ ሓዳሮም ኪድልድል ይኽእል እዩ።—ኤፌ. 4:29።
ኣለዎ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ መጻምድትኻ እውን እንተ ዀነ ብቐሊሉ ጽን ኢሉ ኺሰምዓካ እዩ። (ኣብ ሓዳርካ፡ ግቡእኻ ፈጽም
16, 17. ሰብ ሓዳር፡ ነቲ መጻምድቶም ብስምዒታዊ ዀነ ብጾታዊ መዳይ ዜድልዮ ነገራት ንኼማልኡ ኺጽዕሩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
16 ሰብ ሓዳር ንጥቕሚ ርእሶም ዘይኰነስ፡ ንጥቕሚ መጻምድቶም ኬቐድሙ ኸለዉ፡ ሓዳሮም ኪድልድል ይኽእል እዩ። (ፊል. 2:3, 4) ነቲ መጻምድቶም ብስምዒታዊ ዀነ ብጾታዊ መዳይ ዜድልዮ ነገራት ኬማልኡ እውን ኪጽዕሩ ኣለዎም።—1 ቈረንቶስ 7:3, 4 ኣንብብ።
17 እቲ ዜሕዝን፡ ገሊኦም ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ንመጻምድቶም ፍቕሪ ኣየርእይዎን ወይ እውን ምስኡ ጾታዊ ርክብ ኣይፍጽሙን እዮም፣ ገሊኦም ሰብኡት ድማ፡ ለውሃት ምርኣይ ምልክት ስብነት ከም ዘይኰነ ገይሮም ይሓስቡ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ “ኣቱም ሰብኡት፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብፍልጠት ንበሩ” እዩ ዚብል። (1 ጴጥ. 3:7) ሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ ሓዳር ዚግባእ ምግባር ኪብሃል ከሎ፡ ንጾታዊ ርክብ ጥራይ ከም ዘየመልክት ኪፈልጥ ኣለዎ። ወትሩ ንሰበይቱ ብፍቕርን ብለውሃትን ኪሕዛ ኣለዎ፣ ከምኡ ዚገብር እንተ ዀይኑ፡ ሰበይቱ ምስኡ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ባህ ኬብላ እዩ። ሰብ ሓዳር ፍቕርን ሓልዮትን ዜርእዩ እንተ ዀይኖም፡ ነቲ መጻምድቶም ብስምዒታዊ ዀነ ብጾታዊ መዳይ ዜድልዮ ነገራት ኬማልኡሉ ይኽእሉ እዮም።
18. ሰብኣይን ሰበይትን ንሓዳሮም ኬደልድልዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
18 ኣብ ሓዳርካ ዘይእሙን ምዃን፡ መመኽነይታ ኸተቕርበሉ ዘይከኣል ነገር እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓዳሮም ለውሃት ዘየርእዩ እንተ ዀይኖም፡ ሓደ ኻብቶም መጻምድቲ፡ ካብ ካልእ ሰብ ፍቕርን ዕርክነትን ንኺረክብ ይጽዕር ይኸውን። (ምሳ. 5:18፣ መክ. 9:9) በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብ ሓዳር፡ “ንግዜኡ ብስምምዕ ክልቴኹም እምበር፡ ሓደ ነቲ ሓደ [እቲ ኣብ ሓዳር ዚግባእ] ኣይከልክሎ” ኢሉ ዚመኽሮም። ስለምንታይ፧ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ርእስኹም ብዘይምግታእኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም” ይብል። (1 ቈረ. 7:5) ሰብ ሓዳር ‘ርእሶም ዘይገትኡ’ እንተ ዀይኖም፡ ሰይጣን ነቲ ዅነታቶም ተጠቒሙ ንሓዲኦም ኣብ ፈተና ኸም ዚወድቕን ዝሙት ከም ዚፍጽምን ኪገብሮ ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣዝዩ ዜሕዝን እዩ ዚኸውን። ብኣንጻሩ ግና፡ ነፍሲ ወከፎም ‘ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሶም ዘይደልዩ’ እንተ ዀይኖም፡ ነቲ ኣብ ሓዳር ዚግባእ ነገር ድማ ግዴታ ዀይንዎም ዘይኰነስ፡ ብፍቕሪ ተደሪኾም ዚገብርዎ እንተ ዀይኖም፡ እቲ ኻብ ፍቕሪ ተበጊሶም ዚፍጽምዎ ጾታዊ ርክብ ንሓዳሮም ኬደልድሎ ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 10:24።
ወትሩ ንሓዳርካ ሓልዎ
19. እንታይ ቈራጽነት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧
19 ኣብ ድርኵኺት እታ ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ኢና ዘለና። ስለዚ፡ ልክዕ ከምቶም ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ዝነበሩ 24,000 እስራኤላውያን ንትምኒት ስጋ ኢድና እንተ ሂብና፡ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ንእስራኤላውያን ዘጋጠሞም ዜሕፍርን ዜሕዝንን ፍጻመ ድሕሪ ምግላጹ፡ “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ” ይብል። (1 ቈረ. 10:12) ስለዚ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦናን ንመጻምድትናን እሙናት ብምዃን፡ ንሓዳርና ኸነደልድሎ ኣገዳሲ እዩ። (ማቴ. 19:5, 6) ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ፡ ‘ብዘይ ርስሓትን ብዘይ ኣበርን ኴንና ብሰላም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንርከብ፡ ክንጋደል’ ኣሎና።—2 ጴጥ. 3:13, 14።