ንጓሶት የሆዋ ተኣዘዞም
“ንዚመርሑኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን፣ ከመይሲ፡ . . . ንነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ ኣለዉ።”—እብ. 13:17።
1, 2. የሆዋ ንርእሱ ምስ ጓሳ ዘመሳሰላ ስለምንታይ እዩ፧
የሆዋ ንርእሱ ምስ ጓሳ ኣመሳሲልዋ ኣሎ። (ህዝ. 34:11-14) እዚ ድማ ንባህርያቱ ንኽንርድኦ ይሕግዘና እዩ። ሓደ ፈቃር ሰብኣዊ ጓሳ፡ ንህይወት እተን ዚሓልየለን ኣባጊዕ ምሉእ ሓላፍነት እዩ ዚስከም። ሳዕርን ማይን ናብ ዚርከቦ ቦታ ይመርሐን (መዝ. 23:1, 2)፣ መዓልትን ለይትን ይሕልወን (ሉቃ. 2:8)፣ ካብ ኣራዊት የዕቍበን (1 ሳሙ. 17:34, 35)፣ ንዕያውተን ይስከም (ኢሳ. 40:11)፣ ንዝጠፍኣ ይደሊ፡ ንዝቘሰላ ድማ ይዝንን።—ህዝ. 34:16።
2 ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ የሆዋ ኣብቲ ብጕስነትን ብሕርሻን ዚመሓደር ሕብረተ ሰብ ይነብሩ ስለ ዝነበሩ፡ የሆዋ ኣምላኽ ምስ ሓደ ፈቃር ጓሳ ምምስሳሉ ብቐሊሉ ይርድኦም ነበረ። ኣባጊዕ ጥዑያት ንኪዀና ሓልዮትን ቈላሕታን ከም ዜድልየን ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ሰባት እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ከምኡ ዝኣመሰለ ሓልዮትን ቈላሕታን የድልዮም እዩ። (ማር. 6:34) ከመይሲ፡ ጽቡቕ መንፈሳዊ ሓልዮትን መሪሕነትን እንተ ዘይረኺቦም፡ ይጕድኡ እዮም። ኣደዳ መጥቃዕቲ ይዀኑ፡ ብስነ ምግባር ከኣ ፋሉል እዮም ዚኸዱ። እወ፡ “ጓሳ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ” ፋሕ ብትን እዩ ዚኣትዎም። (1 ነገ. 22:17) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንህዝቡ ዜድልዮም ዘበለ የማልኣሎም እዩ።
3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧
3 የሆዋ ንርእሱ ምስ ጓሳ ምምስሳሉ፡ ኣብዚ ግዜና እውን እንተ ዀነ ትርጕም ኣለዎ። ንሱ ነቶም ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ህዝቡ ዜድልዮም የማልኣሎም ኣሎ። ሎሚ ንኣባጊዑ ብኸመይ ከም ዚመርሐንን ዜድልየን ዘበለ ብኸመይ ከም ዜማልኣለንን ንርአ። ብዘይካዚ፡ እተን ኣባጊዕ ነቲ ፍቕራዊ ሓልዮት የሆዋ ብኸመይ ምላሽ ኪህባሉ ኸም ዚግባእ ክንምርምር ኢና።
እቲ ሕያዋይ ጓሳ፡ ንኡሳን ጓሶት ይህብ
4. የሱስ ንኣባጊዕ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚሓልየለን፧
4 የሆዋ ንየሱስ ርእሲ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪኸውን ሸይምዎ እዩ። (ኤፌ. 1:22, 23) እቲ “ሕያዋይ ጓሳ” ዝዀነ የሱስ፡ ንድሌትን ዕላማን ባህርይን ኣቦኡ እዩ ዜንጸባርቕ። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ‘ንነፍሱ ምእንቲ እተን ኣባጊዕ ኣሕሊፉ ሂቡ እዩ።’ (ዮሃ. 10:11, 15) መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ንደቂ ሰብ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ ዜምጽኣሎም! (ማቴ. 20:28) ዕላማ የሆዋ፡ “በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት” ንኺረክብ እምበር ‘ንኺጠፍእ’ ኣይኰነን።—ዮሃ. 3:16።
5, 6. (ሀ) የሱስ ንኣባጊዑ ኺጓስዩ ሓላፍነት ዝሃቦም ንመን እዩ፧ እተን ኣባጊዕ ካብዚ መሰናድዎ እዚ ምእንቲ ኺጥቀማኸ እንታይ ኪገብራ ኣለወን፧ (ለ) ንሽማግለታት ጉባኤ ንኽንእዘዝ ዚድርኸና ቐንዲ ምኽንያት እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧
5 እተን ኣባጊዕ ነቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብኸመይ እየን ዚቕበላኦ፧ የሱስ፡ “ኣባጊዐይ ድምጸይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ እፈልጠን፡ ንሳተን እውን ይስዕባኒ እየን” በለ። (ዮሃ. 10:27) ንድምጺ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ምስማዕ ኪብሃል ከሎ፡ ብዅሉ መዳያት ንመምርሒኡ ምስዓብ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ፡ ምስቶም ብእኡ እተሸሙ መንፈሳውያን ንኡሳን ጓሶት ምትሕብባር የጠቓልል። የሱስ፡ ሃዋርያቱን ደቀ መዛሙርቱን ነቲ ዝጀመሮ ዕዮ ኸም ዚቕጽልዎ ሓቢሩ ኣሎ። ‘ንኣባጊዕ የሱስ ኬብልዑን’ ኪምህሩን ሓላፍነት ተዋሂብዎም እዩ። (ማቴ. 28:20፣ ዮሃንስ 21:15-17 ኣንብብ።) እቲ ብስራት እናተዘርግሐ፡ ቍጽሪ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ እናወሰኸ ምስ ከደ፡ የሱስ ንጉባኤታት ዚጓስዩ ብሱላት ክርስትያናት ከም ዚህልዉ ገበረ።—ኤፌ. 4:11, 12።
6 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ዝነበሩ ሓለውቲ፡ ‘ንጉባኤ ኣምላኽ ምእንቲ ኺጓስዩ፡’ መንፈስ ቅዱስ ሓለውቲ ገይሩ ኸም ዝሸሞም ሓበሮም። (ግብ. 20:28) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሓለውቲ እውን ብመሰረት እቲ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ እተጻሕፈ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ስለ ዝሽየሙ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እዮም ዚሽየሙ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ስለዚ፡ ንክርስትያን ሓለውቲ እዙዛት ምዃንና ነቶም ዝዓበዩ ጓሶት ዝዀኑ የሆዋን የሱስን ከም እነኽብሮም ኢና እነርኢ። (ሉቃ. 10:16) ንሽማግለታት እንግዝኣሉ ቐንዲ ምኽንያት እውን እዚ እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተገዛእነት ጥበባዊ ምዃኑ ዚሕብር ካልእ ረቛሒታት እውን ኣሎ።
7. ሽማግለታት ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ጽቡቕ ርክብ ንኽትዕቅቦ ኺሕግዙኻ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
7 ሽማግለታት ንብጾቶም ክርስትያናት መምርሕን መተባብዕን ምኽርን ኪህብዎም ከለዉ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እዮም ዚምርኰሱ። ግናኸ፡ ንኣሕዋቶም ብኸመይ ኪነብሩ ኸም ዘለዎም ኪቈጻጸርዎምን ኣይደልዩን እዮም። (2 ቈረ. 1:24) ኣብ ክንዳኡስ፡ ንብጾቶም ክርስትያናት ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሶም ጥበባዊ ውሳነታት ኪገብሩ እዮም ዚደልይዎም። በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ጉባኤ ስርዓትን ሰላምን የስፍኑ። (1 ቈረ. 14:33, 40) እዞም ጓሶት እዚኦም፡ ‘ንነፍሳት ነቒሖም ይሕልዉ ኣለዉ።’ እዚ ኺብሃል ከሎ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ጽቡቕ ርክብ ንኺዕቅቦ ይሕግዝዎ ማለት እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ክርስትያን ናብ ‘ምስሓት’ ገጹ ይኸይድ ከም ዘሎ ወይ ከም ‘ዝሰሓተ’ እንተ ፈሊጦም፡ ቀልጢፎም ይሕግዝዎ እዮም። (ገላ. 6:1, 2፣ ይሁ. 22) እዝስ፡ ‘ንዚመርሑና ኽንእዘዞም’ ከም ዘሎና ዚድርኽ ብቑዕ ምኽንያትዶ ኸይኰነ፧—እብራውያን 13:17 ኣንብብ።
8. ሽማግለታት ንመጓሰ ኣምላኽ ብኸመይ እዮም ዜዕቍብዎ፧
8 እቲ መንፈሳዊ ጓሳ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ኣሕዋቱ፡ “ኣብ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ስርዓት ሰብን ኣብ መባእታዊ ነገራት ዓለምን እተመስረተ ፍልስፍናን ከንቱ ጥበራን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ቈሎ. 2:8) እዚ መጠንቀቕታ እዚ፡ ንመምርሒ ሽማግለታት ጉባኤ እንእዘዘሉ ኻልእ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ንኽንግንዘብ ይሕግዘና። ሽማግለታት ንኣሕዋቶም ካብቶም ንእምነቶም ኬድክሙ ዚጽዕሩ ሰባት የዕቍብዎም እዮም። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ንብጾቱ ክርስትያናት ካብቶም “ንዘይጸንዓ ነፍሳት፡” ኣበሳ ምእንቲ ኺፍጽማ ‘ዚሓብሉ’ “ናይ ሓሶት ነብያት”ን “ናይ ሓሶት መምህራን”ን ኪሕለዉ ኣጠንቂቕዎም እዩ። (2 ጴጥ. 2:1, 14) ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት እውን ኬድሊ ኸሎ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መጠንቀቕታ ኺህቡ ኣለዎም። ከመይሲ፡ ከም ብሱላት ክርስትያን ሰብኡት መጠን፡ ተመክሮ ኣለዎም። ብዘይካዚ፡ ሽማግለታት ኪዀኑ ቕድሚ ምሻሞም፡ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ንጹር ምርዳእ ከም ዘለዎምን ጥዑይ ትምህርቲ ኺምህሩ ብቑዓት ምዃኖምን ኣርእዮም እዮም። (1 ጢሞ. 3:2፣ ቲቶ. 1:9) ብስለቶምን ሚዛናውነቶምን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጥበቦምን ነቲ መጓሰ ብውሕልነት መምርሒ ንኺህብዎ የኽእሎም እዩ።
እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንኣባጊዑ ይምግበንን የዕቍበንን
9. የሱስ ሎሚ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ እዩ ዚመርሓን ዚምግባን ዘሎ፧
9 የሆዋ ብውድቡ ኣቢሉ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ኣሕዋት ኣኽል ታርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ይህቦም ኣሎ። ብሕታማትና ኣቢሉ ብዙሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ይውሃብ እዩ። ብተወሳኺ፡ ውድብ የሆዋ ብቐጥታ ንሽማግለታት ጥራይ ዚምልከት መምርሒ ዚህበሉ ግዜያት እውን ኣሎ። እዚ ኸኣ ብደብዳበታት ወይ ከኣ ብገየሽቲ ሓለውቲ ብዚውሃብ መምርሒታት ኣቢሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እተን ኣባጊዕ ንጹር መምርሒ ይውሃበን።
10. መንፈሳውያን ጓሶት ብዛዕባ እቶም ካብ መጓሰ ኣምላኽ ዝረሓቑ ሰባት እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧
10 ሓለውቲ ንኣባላት ጉባኤ ብመንፈሳዊ መዳይ ኬዕቍብዎምን ኪምግብዎምን ኪሓልዩሎምን ሓላፍነት ኣለዎም። ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጥዕና እቶም እተጐድኡ ወይ መንፈሳዊ ሕማም ዝሓመሙ ኣባላት ጉባኤ ይግደሱ እዮም። (ያእቆብ 5:14, 15 ኣንብብ።) ገሊኦም ኣባላት ጉባኤ ኻብቲ መጓሰ ርሒቖምን ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ካብ ምክፋል ኣቋሪጾምን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሓላዪ ሽማግለ ነቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዝወደቑ ኣባላት ጉባኤ ንምሕጋዝ እንታይ እዩ ዚገብር፧ ብእተኻእሎ መጠን ነታ ዝጠፍአት በጊዕ ብምድላይ ናብቲ መጓሰ፡ ማለት ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንኽትምለስ ኪሕግዛ እዩ ዚጽዕር። የሱስ፡ “እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ፡ ሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ” በለ።—ማቴ. 18:12-14።
ንጕድለት ንኡሳን ጓሶት ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧
11. ገሊኦም ክርስትያናት ንሽማግለታት ኪእዘዝዎም ዚኸብዶም ስለምንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧
11 የሆዋን የሱስን ፍጹማት ጓሶት እዮም። እቶም ንጉባኤ ኺሓልዩ ሕድሪ እተዋህቦም ንኡሳን ጓሶት ግና ፍጹማት ኣይኰኑን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ንሽማግለታት ምእዛዝ ይኸብዶም ይኸውን። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ‘ሽማግለታት ከማና ዘይፍጹማት እዮም። ስለምንታይ ኢና ምኽሮም እንሰምዕ፧’ ይብሉ ይዀኑ። ሽማግለታት ዘይፍጹማት ምዃኖም ዚከሓድ ኣይኰነን። ግናኸ፡ ኣብ ጕድለታቶምን ድኽመታቶምን ከነተኵር የብልናን።
12, 13. (ሀ) ብዛዕባ ጕድለታት እቶም የሆዋ ሓላፍነት ብምሃብ ዚጥቀመሎም ዝነበረ ሰባት እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ (ለ) ጕድለታት እቶም ሓላፍነት ዝነበሮም ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ ስለምንታይ እዩ፧
12 ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቶም የሆዋ ንህዝቡ ንምምራሕ ዚጥቀመሎም ዝነበረ ሰባት ዝፈጸምዎ ጕድለታት ከይሓብአ ይነግረና እዩ። ንኣብነት፡ ዳዊት ንጉስን መራሕን እስራኤል ኪኸውን ተቐቢኡ ነበረ። ግናኸ፡ ምስ ተፈተነ፡ ዝሙትን ቅትለትን ፈጸመ። (2 ሳሙ. 12:7-9) ብዛዕባ ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ንርአ። ንሱ ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዓብዪ ሓላፍነት ተዋሂብዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ከቢድ ጌጋታት ፈጺሙ እዩ። (ማቴ. 16:18, 19፣ ዮሃ. 13:38፣ 18:27፣ ገላ. 2:11-14) ካብ ኣዳምን ሄዋንን ንነጀው ሓጢኣት ዘይፈጸመ ሰብ፡ የሱስ ጥራይ እዩ።
13 የሆዋ ንጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጕድለታት እቶም መዝነት ዝሃቦም ሰባት ከም ዚጽሕፉ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት፡ ንህዝቡ ንምምራሕ ዘይፍጹማት ሰባት ኪጥቀም ከም ዚኽእል ንምሕባር እዩ። ወትሩ ኸኣ ዘይፍጹማት ሰባት ይጥቀም እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ብዘይፍጽምና እቶም ዚመርሑና ሰባት ኣመኻኒና ኸነጕረምርም ወይ ንስልጣኖም ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን። የሆዋ ንኸምዚኦም ዝበሉ ኣሕዋት ከነኽብሮምን ክንእዘዞምን ይጽበየና እዩ።—ዘጸኣት 16:2, 8 ኣንብብ።
14, 15. ካብቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንህዝቡ ንምዝራብ ዚጥቀመሉ ዝነበረ መገዲ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
14 ሎሚ እውን ንዚመርሑና ሰባት ክንእዘዞም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። የሆዋ ኣብ ጽንኩር ኵነታት ንህዝቡ ብኸመይ ይዛረቦም ከም ዝነበረ እሞ ሕሰብ። ህዝቢ እስራኤል ካብ ጥንታዊት ግብጺ ኣብ ዝወጹሉ እዋን፡ ኣምላኽ ስርዓታቱ ዚህቦም ዝነበረ ብሙሴን ብኣሮንን ኣቢሉ እዩ። እስራኤላውያን ካብታ ዓስረይቲ መዓት ኪድሕኑ ዚኽእሉ ዝነበሩ እውን፡ ነቲ ፍሉይ መኣዲ ኼዳልዉ፡ ንኣፍ ደጌታቶምን ንልዳውቲ ኣባይቶምን ከኣ ብደም ሕሩድ በጊዕ ኪለኽይዎ እተዋህቦም መምርሒ ምስ ዚእዘዙ ጥራይ እዩ ነይሩ። እቲ መምርሒ ኻብ ሰማይ ብእተዳህየ ድምጺ ዘይኰነስ፡ ብዓበይቲ እስራኤል ኣቢሉ እዩ ተዋሂብዎም። ንሳቶም ከኣ ካብ ሙሴ እዮም ተቐቢሎምዎ። (ዘጸ. 12:1-7, 21-23, 29) ኣብቲ ዅነታት እቲ፡ ሙሴን ዓበይቲ እስራኤልን ነቲ ህዝቢ፡ መምርሒታት የሆዋ ጾይሮምሉ ነይሮም ማለት እዩ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት እውን ምስዚ ዚመሳሰል ኣገዳሲ ዕዮ እዮም ዚፍጽሙ።
15 የሆዋ ህይወት ዜድሕን መምርሒታት ብሰባት ወይ ብመላእኽቲ ኣቢሉ ኸም ዘመሓላለፈ ዚገልጽ፡ ሓያሎ ኻልእ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ትዝክር ትኸውን። ኣብ ኵሉ እዚ ኣጋጣሚታት እዚ፡ ኣምላኽ ንኻልኦት ሓላፍነት ሂቡ እዩ። ልኡኻት ብስሙ ተዛሪቦም፡ ንህዝቡ ድማ ካብ ጥፍኣት
ንኺድሕኑ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ነጊሮምዎም እዮም። የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን እውን ምስዚ ዚመሳሰል ነገራት ኪገብር ከም ዚኽእል እንተ ተጸበናስ ርትዓዊዶ ኣይኰነን፧ ኵሎም እቶም ሎሚ ንየሆዋ ወይ ንውድቡ ኺውክሉ ሓላፍነት እተዋህቦም ሽማግለታት ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ንኸይጥቀሙሉ ኣዝዮም ኪጥንቀቑ ኸም ዘለዎም ፍሉጥ እዩ።‘ሓደ መጓሰ፡ ሓደ ጓሳ’
16. ነየናይ “ቃል” ኢና ኸነቕልበሉ ዘሎና፧
16 ህዝቢ የሆዋ በቲ ‘ሓደ ጓሳ’ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዚምርሑ፡ “ሓደ መጓሰ” እዮም። (ዮሃ. 10:16) የሱስ፡ “ክሳዕ መደምደምታ ስርዓት ዓለም ኵሉ መዓልቲ” ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ዚኸውን ተዛሪቡ ኣሎ። (ማቴ. 28:20) ከም ሰማያዊ ንጉስ መጠን፡ ንዅሉ እቲ ናብ ጥፍኣት እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዚመርሕ ፍጻመታት ምሉእ ብምሉእ ይቈጻጸሮ ኣሎ። ካብ መጓሰ ኣምላኽ ከይወጻእና ብሓድነትን ብደሓንን ምእንቲ ኽንነብር፡ ነቲ በየነይቲ መገዲ ኽንጓዓዝ ከም ዘሎና ዚሕብረና፡ ኣብ ‘ድሕሬና ዘሎ ቓል’ ክንሰምዖ ኣሎና። እዚ “ቓል” እዚ፡ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ዚግለጸልና ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስን ነቲ በቶም እተሸሙ ንኡሳን ጓሶት ኣቢሉ ዚመሓላለፈልና ቓላት የሆዋን የሱስን የጠቓልል።—ኢሳይያስ 30:21፣ ራእይ 3:22 ኣንብብ።
17, 18. (ሀ) ንመጓሰ ኣምላኽ ዜስግእ ከመይ ዝበለ ሓደገኛ ዅነታት እዩ ዘሎ፧ ብዛዕባ እንታይ ኢናኸ ኽንተኣማመን እንኽእል፧ (ለ) ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧
17 ሰይጣን፡ “ዚውሕጦ ደልዩ፡ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ” ይዘውር ከም ዘሎ ተገሊጹ ኣሎ። (1 ጴጥ. 5:8) ልክዕ ከም ሓደ ኣድብዩ ዜጥቅዕ ኣራዊት፡ ሰላሕ ኢሉ ናብተን መጓሰ ብምቕራብ፡ ነተን እተገርሃ ወይ ፍንትት ኢለን ዝረሓቓ ንኼጥቅዕ ይጸናቶ እዩ ዘሎ። ምስቲ መጓሰ ዀነ ምስቲ ‘ጓሳን ሓላውን ነፍሳትና’ ኣዚና ኽንጠብቕ ዜድልየና እውን በዚ ምኽንያት እዚ እዩ። (1 ጴጥ. 2:25) ራእይ 7:17፡ ብዛዕባ እቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚድሕኑ ሰባት፡ “እቲ . . . ገንሸል [የሱስ] ኪጓስዮምን ናብ ዓይኒ ማያት ማይ ህይወት ኪመርሖምን እዩ። ኣምላኽ እውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዝ እዩ” ትብል። ካብዚ ዚበልጽ መብጽዓ እሞ ኣበይ እዩ ኺርከብ ዚኽእል፧
18 ነቲ ንክርስትያን ሽማግለታት እተዋህቦም ኣዝዩ ኣገዳሲ ግደ፡ ማለት ከም መንፈሳውያን ንኡሳን ጓሶት ኰይኖም ኪዓይዩ እተዋህቦም ሓላፍነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ‘እዞም እተሸሙ ሰብኡት እዚኦም፡ ንኣባጊዕ የሱስ ብግቡእ ከም ዚሕዝወን ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንመያየጠሉ ኢና።