ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዝዀነ ይኹን ነገር ካብ የሆዋ ኼርሕቐካ ኣይትፍቀድ!

ዝዀነ ይኹን ነገር ካብ የሆዋ ኼርሕቐካ ኣይትፍቀድ!

“ንመን ከም እተገልግሉ፡ . . . ሎሚ ሕረዩ።”​እያ. 24:15

1-3. (ሀ) እያሱ ኣብ ህይወቱ ቕኑዕ ምርጫ ብምግባር ጽቡቕ ኣብነት ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ውሳነ ዜድልዮ ነገራት ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

እታ “ሕረ” እትብል ቃል፡ ሓያል መልእኽቲ እያ እተመሓላልፍ። ሓደ ኣማራጺታት ዘለዎ ሰብ፡ ንህይወቱ በየናይ ኣንፈት ኪመርሓ ኸም ዘለዎ ብምሕራይ፡ ብመጠኑ ኺቈጻጸራ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣብ መገዲ ዚኸይድ ዘሎ ሰብ፡ ብሃንደበት ቀራና መገዲ ረኺቡ ንበል። ሽዑ ነየነይቲ መገዲ እዩ ኺሓሪ፧ እቲ ሰብኣይ ኣበይ ከም ዚዓርፍ ኣቐዲሙ ሓሲቡሉ እንተ ነይሩ፡ ሓንቲ ኻብተን መገዲ ናብ ሸቶኡ ኸተብጽሖ ትኽእል እያ፣ እታ ሓንቲ ግና ካብ ሸቶኡ ተርሕቖ እያ።

2 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብዛዕባ ዘጋጠሞም ሰባት ዚገልጽ ብዙሕ ኣብነታት ሒዙ ኣሎ። ንኣብነት፡ ቃየል ንቝጥዓኡ ኼተግብር ወይ ኪቈጻጸሮ፡ ኪውስን ነበሮ። የሆዋ፡ “ጽቡቕ ናብ ምግባር እንተ ትምለስሲ፡ ሞገስዶ ኣይምረኸብካን፧ ጽቡቕ ናብ ምግባር እንተ ዘይተመሊስካ ግና፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ትቃጸወካ ኣላ” በሎ። (ዘፍ. 4:6, 7NW) እያሱ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንኼገልግል ወይ ከኣ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኼምልኽ፡ ኪሓሪ ነበሮ። (እያ. 24:15) ሸቶኡ ኸኣ ወትሩ ንየሆዋ ኪቐርቦ እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ፡ ናብቲ ኣንፈት እቲ ዚመርሖ መገዲ ሓረየ። ቃየል ግና ከምዚ ዓይነት ሸቶ ኣይነበሮን። ስለዚ ድማ፡ ካብ የሆዋ ዜርሕቖ መገዲ ሓረየ።

3 ንዓና እውን ኣብቲ ቕኑዕ መገዲ ንኽንመላለስ ውሳነ ዜድልዮ ኣገዳሲ ነገራት ዜጋጥመና ግዜያት ኣሎ። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ሸቶኻ፡ ኣይትረስዕ፣ ማለት ኣብ ኵሉ እቲ እትገብሮ ነገራት ንየሆዋ ኸተኽብሮ፡ ካብኡ ኼርሕቐካ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ከኣ ከተወግድ ከም ዘሎካ ኣይትረስዕ። (እብራውያን 3:12 ኣንብብ።) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን ካብ የሆዋ ኼርሕቐና ፈጺምና ኽንፈቕደሉ ዘይብልና ሸውዓተ ነገራት ክንርኢ ኢና።

ስራሕ

4. ስራሕ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ክርስትያናት ንርእሶምን ንስድራ ቤቶምን ኪናብዩ ግዴታ ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰብ ንስድራ ቤቱ ኪሓሊ ዘይደሊ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ዘይኣማኒ ዝገደደ ኸም ዝዀነ ይሕብር እዩ። (2 ተሰ. 3:10፣ 1 ጢሞ. 5:8) ዓለማዊ ስራሕ ኣገዳሲ ኽፍሊ ህይወትና ኪኸውን ከም ዚኽእል ንጹር እኳ እንተ ዀነ፡ እንተ ዘይተጠንቂቕና ግና፡ ካብ የሆዋ ኼርሕቐና ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧

5. ስራሕ ክንረክብ ከለና፡ እንታይ ረቛሒታት ኢና ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና፧

5 ንኣብነት፡ ስራሕ ተናዲ ኣሎኻ ንበል። ስራሕ ኣብ ዘይርከቦ ሃገር ትነብር እንተ ዄንካ፡ ዝዀነ ይኹን ስራሕ ምስ ረኸብካ፡ ንኽትቅበሎ ትፍተን ትኸውን። እቲ ስራሕ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ እንተ ዀይኑኸ፧ ሰዓታት ወይ ርሕቐት እቲ ስራሕ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታትካ ዕንቅፋት ዚፈጥረልካ፡ ወይ ካብ ስድራ ቤትካ ዚፈልየካ እንተ ዀይኑኸ፧ ብዘይ ስራሕ ካብ ምንባር ኣብ ዘይሰማማዓካ ስራሕ ምስራሕ ከም ዚሓይሽ ብምሕሳብ፡ ነቲ ስራሕ ክትቅበሎ ይግባእዶ፧ ግጉይ መገዲ ምምራጽ ካብ የሆዋ ኼርሕቐካ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ። (እብ. 2:1) ስራሕ ተናዲ ወይ ነቲ ዘሎካ ስራሕ ትግምግሞ እንተ ኣሊኻ፡ ጥበባዊ ውሳነታት ክትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

6, 7. (ሀ) ሓደ ሰብ ብዛዕባ ዓለማዊ ስራሕ እንታይ ሸቶታት እዩ ኺህልዎ ዚኽእል፧ (ለ) ኣየናይ ሸቶ እዩ ናብ የሆዋ ኬቕርበካ ዚኽእል፧ ስለምንታይከ፧

6 ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ ሸቶኻ ፈጺምካ ኣይትረስዕ። ንርእስኻ፡ ‘ሓደ ስራሕ ናበይ ኬብጽሓኒ እየ ዝደሊ፧’ ኢልካ ሕተትታ። ንዓለማዊ ስራሕ ንርእስኻን ንስድራ ቤትካን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸም ዚሕግዘካ ጌርካ ትርእዮ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ኺባርኸካ እዩ። (ማቴ. 6:33) ካብ ስራሕ እንተ ወጺእካ፡ ወይ ዘይተሓስበ ቝጠባዊ ዅነታት እንተ ኣጋጢሙካ፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ኣይሕርብቶን እዩ። (ኢሳ. 59:1) ከመይሲ፡ “ነቶም ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዘለዎም ሰባት ከመይ ገይሩ ኻብ ፈተና ኸም ዜናግፎም ይፈልጥ እዩ።”—2 ጴጥ. 2:9

7 ብኣንጻሩ ግና፡ ዕላማኻ ሃብታም ንኽትከውን ጥራይ እንተ ዀይኑኸ፧ ምናልባት ትዕወት ትኸውን። ይኹን እምበር፡ እንተ ሃብተምካ እውን፡ እዚ “ዓወት” እዚ፡ ሓደገኛ ሳዕቤን ሒዙ ኸም ዚመጽእ ኣይትረስዕ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10 ኣንብብ።) ኣብ ህይወትካ ቐንዲ ኣገዳሲ ነገር ሃብትን ስራሕን እንተ ዀይኑ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኻብ የሆዋ ኼርሕቐካ እዩ።

8, 9. ወለዲ ብዛዕባ ስራሖም ንርእሶም እንታይ ኢሎም እዮም ኪሓትትዋ ዘለዎም፧ ግለጽ።

8 ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ኣብነትካ ንደቅኻ ብኸመይ ኪጸልዎም ከም ዚኽእል ሕሰብ። ዝያዳ ኣገዳሲ ጌርካ እትርእዮ ንስራሕካ ኸም ዝዀነ ድዮም ዚዕዘቡ፡ ወይስ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ፧ ኣብ ህይወትካ ንደረጃን ንስምን ንሃብትን ቀዳማይ ቦታ ኸም እትህቦ እንተ ኣስተብሂሎም፡ ንሳቶም እውን ነዚ ሓደገኛ መገዲ እዚ ንኺስዕቡ ኣይድረኹንዶ፧ ነቲ ኸም ወላዲ መጠን ዚህቡኻ ኣኽብሮትከ ብመጠኑ እውን እንተ ዀነ ኣይንክዮንዶ፧ ሓንቲ መንእሰይ ክርስትያን ከምዚ በለት፦ “ብዛዕባ ኣቦይ ዚዝከረኒ፡ ብስራሕ ትሑዝ ምዃኑ እዩ። ኣብ መጀመርታ፡ ንስድራ ቤትና ብሉጽ ነገራት እተመነየላ እዩ ዚመስል ነይሩ። ከይተጸገምና ኽንነብር እዩ ዚደልየና ነይሩ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ግና፡ ኵነታት ተቐየረ። ምሉእ መዓልቲ ኺሰርሕ ይውዕል እሞ፡ ጸኒሑ ኣብ ክንዲ መሰረታዊ ነገራት፡ ኣቕሑ ምሾት እዩ ዜምጽኣልና። ውጽኢቱ ኸኣ፡ ንኻልኦት መንፈሳዊ ሸቶታት ንኺስዕቡ እነተባብዕ ስድራ ቤት ዘይኰንናስ፡ ብዙሕ ገንዘብ ዘለዎም ስድራ ቤት ከም ዝዀንና ንፍለጥ ነበርና። ኣቦይ ኣብ ክንዲ ብገንዘብ፡ ብመንፈሳዊ ነገራት ኪድግፈና እንተ ዚሓስብ መን ምሃበ!”

9 ኣቱም ወለዲ፡ ንስራሕኩም ካብ የሆዋ ኼርሕቐኩም ኣይትፍቀዱሉ። ንደቅኹም ብኣብነትኩም ጌርኩም፡ እቲ ኸነጥርዮ እንደሊ ዝበለጸ ሃብቲ፡ መንፈሳዊ ደኣ እምበር፡ ስጋዊ ኸም ዘይኰነ ኣርእይዎም።—ማቴ. 5:3

10. ሓደ መንእሰይ ምስ ዓበየ ዚሕዞ ስራሕ ቅድሚ ምምራጹ፡ እንታይ እዩ ኺሓስብ ዘለዎ፧

10 ምስ ዓበኻ እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም እትሕዝ ትሓስብ ዘለኻ መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ቅኑዕ መገዲ ኽትመርጽ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ከምቲ ኣቐዲምና እተመያየጥናሉ፡ ህይወትካ ናበይ ተምርሕ ከም ዘላ ኽትፈልጥ ኣሎካ። እቲ ኽትመርጾ እትሓስቦ ዘሎኻ ሞያን ስልጠናን፡ ብዝያዳ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትስዕብ ድዩ ዜተባብዓካ፡ ወይስ ካብ የሆዋ እዩ ዜርሕቐካ፧ (2 ጢሞ. 4:10) ከምቶም ገንዘብ ኪረኽቡ ኸለዉ ጥራይ ዚሕጐሱ ሰባት ክትከውን ዲኻ እትደሊ፡ ወይስ ነቲ “ንእሽቶ ነበርኩ፡ አሪገ ኸኣ እኔኹ፡ ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን፡ ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን” ዝበለ ዳዊት ብምምሳል እምንቶኻ ኣብ የሆዋ ኽትገብር፧ (መዝ. 37:25) ሓደ መገዲ ኻብ የሆዋ ኸም ዜርሕቐካ፡ እቲ ኻልእ ግና ናብ ዝበለጸ ህይወት ከም ዚመርሓካ ኣይትረስዕ። (ምሳሌ 10:22፣ ሚል. 3:10 ኣንብብ።) ነየናይ መገዲ ኢኻ ኽትሓሪ፧ *

መዘናግዒ

11. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መዘናግዒ እንታይ ይብል፧ ግናኸ፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

11 መጽሓፍ ቅዱስ ንመዘናግዒ ኸም ጌጋ ወይ ከም መጥፍኢ ግዜ ገይሩ ኣይገልጾን እዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ኣካላዊ ልምምድ ንቝሩብ እዩ ዚጠቅም” ኢሉ ጸሓፈሉ። (1 ጢሞ. 4:8) መጽሓፍ ቅዱስ “ንሰሓቕ . . . ጊዜ አለዎ። ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ” ይብል። ብመጠኑ ኸነዕርፍ እውን የተባብዓና እዩ። (መክ. 3:4፣ 4:6) ይኹን እምበር፡ እንተ ዘይተጠንቂቕካ መዘናግዒ ኻብ የሆዋ ኼርሕቐካ ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ ሕማቕ ዓይነት መዘናግዒ እንተ መሪጽካ ወይ ከኣ ኣብ መዘናግዒ ብዙሕ ግዜ እንተ ኣጥፊእካ እዩ።

ቅኑዕን መጠኑ ዝሓለወን መዘናግዒ ባህ እዩ ዜብል

12. መዘናግዒ ኽትመርጽ ከለኻ እንታይ ረቛሒታት ኢኻ ኣብ ግምት ከተእቱ ዘሎካ፧

12 መጀመርታ፡ ዓይነት መዘናግዒ ንመርምር። ጥዑይ ዓይነት መዘናግዒ ኽትረክብ ከም እትኽእል ፍሉጥ እኳ እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኡ ሎሚ ዘሎ መዘናግዒ፡ ከም ዓመጽን ሓተታ መናፍስትን ጾታዊ ብዕልግናን ዝኣመሰለ ኣምላኽ ዚጸልኦ ነገራት እዩ ዜተባብዕ። ስለዚ፡ መዘናግዒ ኽትመርጽ ከለኻ፡ ክትጥንቀቕ ኣሎካ። እቲ መዘናግዒ እቲ፡ እንታይ ጽልዋ እዩ ኼሕድረልካ፧ ዓመጽ፡ ውድድር፡ ወይ ሃገራውነት ድዩ ዜተባብዕ፧ (ምሳ. 3:31) ብዙሕ ገንዘብ ዚሓትት ድዩ፧ ንኻልኦት ዚዕንቅፍ ድዩ፧ (ሮሜ 14:21) ምስ መንከ እየ ዝዘናጋዕ፧ (ምሳ. 13:20) እቲ መዘናግዒ፡ ግጉይ ተግባራት ንኽትፍጽም ድራኸ የሕድረልካ ድዩ፧—ያእ. 1:14, 15

13, 14. ብዛዕባ እቲ ኣብ መዘናግዒ እተሕልፎ ግዜ፡ እንታይ ኢኻ ኣብ ግምት ከተእቱ ዘሎካ፧

13 ብዛዕባ እቲ ኣብ መዘናግዒ እተሕልፎ ግዜ እውን ሕሰብ። ንርእስኻ፡ ‘ኣብ መዘናግዒ ብዙሕ ግዜ ስለ ዘጥፍእ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ግዜ እስእን ድየ፧’ ኢልካ ሕተትታ። ኣብ መዘናግዒ ብዙሕ ግዜ ኸተጥፍእ እንተ መሪጽካ፡ ከምቲ ዚድለ ኣይክትሕጐስን ኢኻ። እቶም ብመጠኑ ጥራይ ዚዘናግዑ ሰባት ግና ዝያዳኻ ሓጐስ ኣለዎም። ስለምንታይ፧ ‘ዝሓሸ’ ኸም ዝገበሩ ስለ ዝፈልጡ፡ ጸጸት ዚብሃል የብሎምን።—ፊልጲ 1:10, 11 ኣንብብ።

14 ኣብ መዘናግዒ ብዙሕ ግዜ ኸተሕልፍ ደስ ዚብልካ እኳ እንተ ዀነ፡ በዚ መገዲ እዚ ምጓዓዝካ ኻብ የሆዋ ኼርሕቐካ ይኽእል እዩ። ኪም ዝስማ ጓል 20 ዓመት ዝዀነት ሓብቲ፡ ነዚ ብተመክሮ ተማሂራቶ እያ። ከምዚ ድማ በለት፦ “ናብ ኵሉ ፓርትታት እየ ዝኸይድ ነይረ። ኣብ መወዳእታ ሰሙን፡ ማለት ዓርቢ፡ ቀዳም፡ ሰንበት ወትሩ እየ ዝኸይድ ነይረ። ሕጂ ግና ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓያሎ ነገራት ከም ዘሎ ኽግንዘብ ክኢለ እየ። ንኣብነት፡ ፈላሚት ስለ ዝዀንኩ፡ ሰዓት 6:00 ቅ.ቐ. ተንሲአ ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ስለ ዝኸይድ፡ ክሳዕ ሰዓት ሓደ ወይ ክልተ ኽጸንሕ ኣይክእልን እየ። ገሊኡ ማሕበራዊ ንጥፈታት ሕማቕ ከም ዘይኰነ እፈልጥ እየ፣ ግናኸ፡ ዓብዪ ዕንቅፋት ኪፈጥር ይኽእል እዩ። እዚ እውን ልክዕ ከምቲ ኻልእ ነገራት፡ ካብ ልክዕ ኪሓልፍ የብሉን።”

15. ወለዲ ንደቆም ባህ ዜብል መዘናግዒ ንኺመርጹ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

15 ወለዲ ንርእሶምን ንኣባላት ስድራ ቤቶምን ብስጋውን ብመንፈሳውን ብስምዒታውን መዳያት ኪሓልዩ ሓላፍነት ኣለዎም። እዚ ኸኣ ንመዘናግዒ እውን ዜጠቓልል እዩ። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ንዅሉ መዘናግዒ ኣይትዀንኖ። ምስናይዚ ግና፡ ገሊኡ መዘናግዒ ሕማቕ ምዃኑ እውን ኣይትረስዕ። (1 ቈረ. 5:6) ተጠንቂቕካ እንተ ሓሲብካሉ፡ ንስድራ ቤትካ ባህ ዜብል፡ ሓቢርኩም ከኣ ጽቡቕ ግዜ ኸተሕልፉሉ እትኽእሉ መዘናግዒ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። * ከምዚ እንተ ጌርካ፡ ንዓኻን ንደቅኻን ናብ የሆዋ ዜቕርበካ መገዲ መሪጽካ ኣሎኻ ማለት እዩ።

ርክብ ስድራ ቤት

16, 17. ሓያሎ ወለዲ እንታይ ዜጕሂ ዅነታት እዩ ዜጋጥሞም፧ የሆዋ ነቲ ዚስምዖም ጓሂ ኸም ዚርድኦኸ ብኸመይ ንፈልጥ፧

16 እቲ ኣብ መንጎ ወላድን ውሉድን ዘሎ ማእሰር ኣዝዩ ሓያል ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ የሆዋ ነዚ ርክብ እዚ፡ ነታ ንህዝቡ ዘላቶ ፍቕሪ ንምግላጽ ተጠቒሙሉ እዩ። (ኢሳ. 49:15) ስለዚ፡ ሓደ እተፍቅሮ ኣባል ስድራ ቤትካ ንየሆዋ ምስ ዚሓድጎ፡ ኣዚኻ ኽትጕሂ ባህርያዊ እዩ። ሓንቲ ጓላ እተወገደታ ሓብቲ፡ “ተደቚሰ እየ፣ ‘ንምንታይ እያ ንየሆዋ ገዲፋቶ’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። ጸጸት ተሰምዓኒ፡ ንርእሰይ ከኣ ወቐስኩ” በለት።

17 የሆዋ ስለምንታይ ከም ዝጐሃኻ ይርድኦ እዩ። እቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ቐዳሞት ኣባላት ስድራ ቤቱን እቶም ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባትን ምስ ዓለዉ፡ የሆዋ ‘ብልቡ ጕህዩ’ እዩ። (ዘፍ. 6:5, 6) ከምዚ ዓይነት ኵነታት ዘየጋጠሞም ሰባት፡ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኪደቈስ ከም ዚኽእል ንኺርድእዎ የጸግሞም እዩ። ይኹን ደኣ እምበር፡ እቲ እተወገደ ኣባል ስድራ ቤትካ ዝወሰዶ ግጉይ መገዲ፡ ካብ የሆዋ ኼርሕቐካ ኣይትፍቀድ። ሓደ ኣባል ስድራ ቤትካ ንየሆዋ ምስ ዚሓድጎ፡ ነቲ ዚስምዓካ ጓሂ ብኸመይ ኢኻ ኽትጾሮ እትኽእል፧

18. ውሉድ ንየሆዋ እንተ ገዲፍዎ፡ ወለዲ ንርእሶም ኪወቕሱ ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧

18 በቲ ዘጋጠመ ዅነታት ንርእስኻ ኣይትውቀሳ። የሆዋ ንደቂ ሰብ ምርጫ ኣንቢሩሎም እዩ፡ ርእሱ ወፍዩ እተጠምቀ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ድማ ሓላፍነቱ ብምስካም “ጸጾሩ ኺጸውር” ይግባእ። (ገላ. 6:5) ኣብ መወዳእታ፡ የሆዋ ንዓኻ ዘይኰነስ፡ ነቲ ሓጥእ እዩ ዚጸባጸቦ። (ህዝ. 18:20) ንኻልኦት ሰባት እውን ኣይትውቀሶም። ነቲ የሆዋ ተግሳጽ ንምሃብ ዝገበሮ መሰናድዎ ኣኽብሮ። ንድያብሎስ ደኣ እምበር፡ ነቶም ንጉባኤ ኼዕቝቡ ስጕምቲ ዚወስዱ ጓሶት ኣይትቃወሞም።—1 ጴጥ. 5:8, 9

ሓደ እተፍቅሮ ሰብ ናብ የሆዋ ኸም ዚምለስ ጌርካ ምሓሳብ ጌጋ ኣይኰነን

19, 20. (ሀ) እተወገዱ ውሉድ ዘለውዎም ወለዲ ንጓሂኦም ንኺጾርዎ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧ (ለ) እዞም ወለዲ እዚኦም ብዛዕባ እንታይ እዮም ተስፋ ኺገብሩ ዚኽእሉ፧

19 ብኣንጻሩ ግና፡ ኣብ የሆዋ ኸተማርር እንተ መሪጽካ፡ ካብኡ ኽትርሕቕ ኢኻ። ስለዚ፡ እቶም ፈቃራት ኣባላት ስድራ ቤትካ፡ ንየሆዋ ኻብ ኵሉ፡ እንተላይ ካብ ኣባላት ስድራ ቤትካ ንላዕሊ ኸም እተፍቅሮ ኺርእዩ ኣለዎም። ነቲ ዅነታት ንኽትጾሮ እምበኣር፡ መንፈሳውነትካ ዓቅብ። ካብቶም እሙናት ክርስትያን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣይትፈለ። (ምሳ. 18:1) ንየሆዋ ስምዒትካ ብጸሎት ኣፍስሰሉ። (መዝ. 62:7, 8) ብዛዕባ እቲ ምስ እተወገዱ ንኸይንራኸብ እተዋህበና መምርሒ ንኽትጥሕስ ኢልካ ምስምስ ኣይትፍጠር። ንኣብነት ብተሌፎን ወይ ብኢ-መይል ክትራኸብ ኢልካ ኽትፍትን የብልካን። (1 ቈረ. 5:11) ንግዜኻ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ኣሕልፎ። (1 ቈረ. 15:58) እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ሓብቲ፡ “ጓለይ ናብ የሆዋ ምስ ተመልሰት ምእንቲ ኽሕግዛ፡ ወትሩ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሕዝቲ፡ ብመንፈስ ድማ ድልድልቲ ክኸውን ከም ዘሎኒ እፈልጥ እየ” በለት።

20 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍቕሪ . . . ኵሉ ተስፋ ትገብር” ይብል። (1 ቈረ. 13:4, 7) ስለዚ፡ እቲ እተፍቅሮ ሰብ፡ ሓደ መዓልቲ ኺምለስ ከም ዚኽእል ጌርካ ምሕሳብ ጌጋ ኣይኰነን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ሓያሎ ኣበሰኛታት ተነሲሖም ናብ ውድብ የሆዋ ይምለሱ እዮም። የሆዋ ንእተነስሑ ሰባት ኣይቅየሞምን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ “ንይቕሬታ ድልው” እዩ።—መዝ. 86:5

ጥበባዊ ምርጫ ግበር

21, 22. ናይ ምምራጽ ናጽነትካ ብኸመይ ንኽትጥቀመሉ ኢኻ ቘሪጽካ ዘሎኻ፧

21 የሆዋ ንደቂ ሰብ ኪፈጥሮም ከሎ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂብዎም እዩ። (ዘዳግም 30:19, 20 ኣንብብ።) ኰይኑ ግና፡ እዚ ናጽነት እዚ፡ ሓላፍነት እውን የሰክም እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ንገዛእ ርእሱ፡ ‘ነየናይ መገዲ እየ ዝስዕብ ዘለኹ፧ ስራሕ፡ መዘናግዒ፡ ወይ ርክብ ስድራ ቤት ካብ የሆዋ ኼርሕቐኒ ፈቒደሉ ድየ፧’ ኢሉ ኺሓትታ ኣለዎ።

22 እታ የሆዋ ንህዝቡ ዘላቶ ፍቕሪ ኣይትነቓነቕን እያ። ግጉይ መገዲ እንተ ሓሪና ጥራይ ኢና ኻብ የሆዋ ኽንርሕቕ እንኽእል። (ሮሜ 8:38, 39) ኰይኑ ግና፡ ከምዚ ኼጋጥመና ኣይንደልን ኢና! እምበኣር፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ካብ የሆዋ ኼርሕቐካ ንኸይትፈቅድ ቈራጽነት ግበር። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ቈራጽነትካ ኽትገልጸሉ እትኽእል ኣርባዕተ መዳያት ክንመያየጥ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 10 ብዛዕባ ስራሕ ምምራጽ ዝያዳ ፍልጠት ክትረክብ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 38 እታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 15 ንመዘናግዒ ዚምልከት ርእይቶታት፡ ኣብ ናይ ሕዳር 2011 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 17-19 ርአ።