ገበር | ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥም ከሎ ብኸመይ ከም እትጻወሮ

ዕንወት ንብረት

ዕንወት ንብረት

ዓርቢ 11 መጋቢት 2011፡ ኣብ ጃፓን 9.0 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጠመ። ልዕሊ 15,000 ህይወት ሰብ ጠፍአ፡ ልዕሊ 200 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ዜውጽእ ንብረት ከኣ ዓነወ። ወዲ 32 ዓመት ዝዀነ ከይ፡ ብዛዕባ እቲ ሱናሚ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ተዓቝበ። ከይ ከምዚ በለ፦ “ንጽባሒቱ ንግሆ፡ ዝረኸብክዎ ዘበለ ኽእክብ ኢለ ናብ ቤተይ ምስ ከድኩ፡ ኵሉ ንብረተይ፡ እንተላይ ኣፓርታማይ በቲ ማይ ተወሲዱ ጸንሓኒ። መሰረት ጥራይ እዩ ተሪፉ።

“ንኣሽቱ ውልቃዊ ንብረተይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዝነበረኒ ዅሉ ጥሪተይ ከም ዝሰኣንኩ ንኺውሓጠለይ እተወሰነ ግዜ ወሲዱለይ እዩ። ማኪናይ፣ ኣብ ስራሐይ ዝጥቀመሉ ዝነበርኩ ኮምፕዩተራት፣ ጠረጴዛታትን ወናብርን ንኣጋይሽ ዝጥቀመሉ ዝነበርኩ ሶፋን፣ ፕያኖይን ጊታረይን ይኩለለይን ሻምብቆይን፣ ንቕብኣ ዝጥቀመሉ ዝነበርኩ ፈሳስን ዘይትን ኵርሽን፣ ኵሉ ቕብኣታተይን ስእልታተይን ጠፍአ።”

ዜሕዝን ነገራት ምጽዋር

ኣብ ዝሰኣንካዮ ነገራት ዘይኰነስ፡ ኣብ ዘሎካ ነገራት ከተተኵር ጽዓር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብ ብዙሕ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብገንዘቡ ህይወት ኣይረክብን እዩ” ይብል። (ሉቃስ 12:15) ከይ ብዛዕባ ዅነታቱ ኸምዚ ብምባል የዘንቱ፦ “መጀመርታ፡ ንዝደልዮ ነገራት ብዝርዝር መዝገብክዎ፣ እዚ ግና ንዅሉ እቲ በቲ ማይ እተወስደ ነገራት ጥራይ እዩ ዜዘኻኽረኒ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣብቲ ዝርዝር፡ ዜድልየኒ ነገራት ጥራይ ንኽምዝግብ ወሰንኩ፣ ዜድልየኒ ነገራት ምስ ረኸብኩ ኸኣ ነቲ ዝርርዝ እንደገና ኣመሓይሸ እምዝግቦ ነበርኩ። እቲ ዝርዝር፡ እግሪ ንኽተክል ሓጊዙኒ እዩ።”

ብዛዕባ ርእስኻ ጥራይ ኣብ ክንዲ እትሓስብ፡ ንተመክሮኻ ንኻልኦት ንምጽንናዕ ተጠቐመሉ። ከይ፡ “ብህዝባዊ ዕዮ ረድኤትን ብውልቀ ሰባትን ብዙሕ ሓገዝ ተቐቢለ እየ፣ ምቕባል ምስ ለመድኩ ግና፡ ርእሰ ተኣማንነተይ ከጥፍእ ጀመርኩ” በለ። ኣስዒቡ እውን፡ “ሽዑ፡ ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20:35 ዚርከብ፡ ‘ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ’ ዚብል ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘከርኩ። ዓቕመይ ውሱን ስለ ዝነበረ፡ ብስጋዊ መገዲ ኽህብ ዘይክእል እኳ እንተ ነበርኩ፡ በዚ ሓደጋ እዚ ንእተጐድኡ ኻልኦት ሰባት ብቓላተይ ምትብባዕ ንኽህቦም ግና ቈራጽነት ገበርኩ። በዚ መገዲ እዚ፡ ዘርኣኽዎ ልግሲ ኣጸቢቑ ሓጊዙኒ እዩ።”

ንዅነታትካ ንኽትዋጽኣሉ ግብራዊ ጥበብ ምእንቲ ኺውሃበካ ናብ ኣምላኽ ጸሊ። ከይ፡ ኣብቲ፡ ‘ኣምላኽ ኣብ ጸሎት ሽጉራት ኬቕልብ እዩ’ ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳባት እምንቶ ኣሕዲሩ እዩ። (መዝሙር 102:17) ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።

ትፈልጥዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዋላ ሓደ እውን ይኹን ብዛዕባ ባህርያዊ ሓደጋ ዘይጭነቐሉ እዋን ከም ዚመጽእ ተነብዩ ኣሎ። aኢሳይያስ 65:21-23

a ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3 ርአ። ኣብ www.jw.org/ti ትርከብ እያ።