ገበር | ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥም ከሎ ብኸመይ ከም እትጻወሮ
ስእነት ጥዕና
ኣብ ኣርጀንቲና እትነብር ማርበል፡ ጽቡቕ ህይወት እትመርሕን ሓኪም ፊዝዮተራፒ (ኣካላዊ ምድራዝን ምጽላውን) ዀይና እትዓይን ንጥፍቲ ሰብ እያ ነይራ። ብ2007 ግና ፍሉይ ድኻም ኪስምዓን በብመዓልቱ ርእሳ ኼሕምማን ጀመረ። ማርበል፡ “ናብ እተፈላለዩ ሓካይም ከይደ፡ ኵሉ ዓይነት ሕክምና ድማ ፈቲነ እየ። እዚ ዅሉ ግና ኣይጠቐመንን” በለት። ኣብ መወዳእታ፡ ብኤም.ኣር.ኣይ (ማግኔቲክ ሪዞናንስ ኢሜጂንግ) ተመርመረት እሞ፡ ኣብ ሓንጎላ ጥረ ኸም ዘለዋ ተፈልጠ። ኣስዒባ ድማ፡ “እዚ ምስ ፈለጥኩ፡ ብስምባድ ቅዝዝ እየ ኢለ። ምስዚ ጸላኢ እዚ እነብር ምንባረይ ክኣምን ኣይክኣልኩን።
“ክሳዕ እቲ መጥባሕቲ ዝገበርኩሉ እዋን፡ ኵነታተይ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ከም ዝነበረ ኽርድኣኒ ኣይክኣለን። ኣብቲ ፍሉይ ምክትታል ዚግበረሉ ኽፍሊ ሕክምና ምስ ተበራበርኩ፡ ክንቀሳቐስ ከም ዘይክእል ተገንዘብኩ። ኣንቃዕሪረ ናብ ሰንቀ ኻብ ምጥማት ሓሊፈ ምንም ክገብር ኣይክእልን እየ ነይረ። ቅድሚ እቲ መጥባሕቲ፡ ንጥፍትን ርእሰይ ክኢለ ዝንቀሳቐስን እየ ነይረ። ሃንደበት ግና ምንም ክገብር ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጻሕኩ። ኣብቲ ፍሉይ ምክትታል ዚግበረሉ ኽፍሊ ሕክምና ዘሕለፍክዎ መዓልትታት፡ ተሓዋዊሱኒ እዩ ነይሩ፣ ድምጺ መሳርሒ ሕክምና፡ ድምጺ ድንገተኛ ዅነታት፡ ድምጺ ቃንዛ ሕሙማት ክሰምዕ ድማ እየ ዝውዕል ነይረ። ብቓንዛን ብስቓይን እተኸበብኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ ነይሩ።
“ሎሚ፡ ብእተወሰነ ደረጃ ሒሹኒ ኣሎ። ብዘይ ሓገዝ ክንቀሳቐስ እኽእል፡ ሓድሓደ ግዜ እውን በይነይ ካብ ገዛ ኽወጽእ እኽእል እየ። ይኹን እምበር፡ ናይ ምርኣይ ጸገም ኣሎኒ፣ ጭዋዳታተይ ምቍጽጻር እውን የጸግመኒ እዩ።”
ዜሕዝን ነገራት ምጽዋር
ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዓቅብ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሳሌ 17:22፡ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ” ይብል። ማርበል ኣስዒባ፡ “ኣብ ዝሓውየሉ ዝነበርኩ እዋን፡ እቲ ንተሓከምተይ ዜጋጥሞም ዝነበረ ብድሆታት ኣጋጠመኒ። ምውስዋስ ኣካላት ኣዝዩ ዜቐንዙ እዩ ነይሩ፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ከቋርጾ እሓስብ ነበርኩ። ጻዕረይ ውዒሉ ሓዲሩ ጽቡቕ ውጽኢት ከም ዘለዎ ስለ እተረድኣኒ ግና፡ ርእሰይ ኣገዲደ ነዚ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እዚ ኸወግዶ ኣድልዩኒ እዩ።”
ንኽትጻወር ስለ ዚሕግዘካ፡ ኣብ ተስፋታት ኣተኵር። ማርበል፡ “ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዜሕዝን ነገራት ስለምንታይ ከም ዜጋጥም እፈልጥ እየ። ብዘይካዚ፡ ሓንቲ መዓልቲ ብዝሓለፈት መጠን ናብቲ ስቓይ ንሓዋሩ ዜልግሰሉ እዋን ከም እንቐርብ እፈልጥ እየ” በለት። a
ኣምላኽ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም ዚሓልየልካ ሕሰብ። (1 ጴጥሮስ 5:7) ማርበል ነዚ ምዝካራ ብኸመይ ከም ዝሓገዛ ኸምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “መጥባሕቲ ንኽገብር ምስ ወሰዱኒ፡ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 41:10 ዚርከብ፡ ‘ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ’ ዚብል ኣምላኽ እተዛረቦ ቓላት ተመኪረዮ እየ። የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመኒ ዅነታት ከም ዚግደስ ብምፍላጠይ፡ ብዙሕ ሰላም ከም ዝረኸብኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ እዩ።”
ትፈልጥዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደቂ ሰብ ካብ ጸገማት ጥዕና ምሉእ ብምልኡ ናጻ ዚዀኑሉ እዋን ከም ዚመጽእ ይምህር እዩ።—ኢሳይያስ 33:24፣ 35:5, 6።
a ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 ርአ። ኣብ www.jw.org/ti ትርከብ እያ።