ንቕሑ! ሓምለ 2014 | ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥም ከሎ ብኸመይ ከም እትጻወሮ
ከቢድ መከራ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧
ካብ ከባቢ ዓለም
ተወሳኺ ዛዕባ፦ ሰታያት ደቂ ኣንስትዮ ኻብ ሰታያት ደቂ ተባዕትዮ ዚበዝሓሉ ቦታ፣ ህይወት ዝሰሰነሉ ዜደንቕ ከባቢ፣ ከምኡ እውን ክብደት ምእንቲ ኺንክዩ ኢላ ንህዝባ ወርቂ ዝኸፈለት ሃገር።
ገበር
ስእነት ጥዕና
ማርበል ሓኪም ፊዝዮተራፒ ዀይና ትዓዪ ነበረት። መጥባሕቲ ጥረ ሓንጐል ምስ ገበረት ግና፡ እቲ ንተሓከምታ ዜጋጥሞም ዝነበረ ብድሆታት፡ ንዓኣውን ኣጋጠማ።
ገበር
ሞት እተፍቅሮ ሰብ
16 ዓመት ይገብር፡ ሓሙሽተ ኣባላት ቤተ ሰብ ሮናልዶ ብሓደጋ ማኪና ሞቱ። ሮናልዶ ኣብ ህይወቱ ሃጓፍ ከም ዘሎ ዀይኑ ዚስምዖ እኳ እንተ ዀነ፡ ውሽጣዊ ሰላም ረኺቡ እዩ።
ንስድራ ቤት
ብሞባይል መልእኽቲ ኽትልእኽ ከለኻ፡ ብኸመይ ጽቡቕ ጠባይ ከም እተርኢ
ነቲ ብሞባይል እተላእከልካ መልእኽቲ ንምርኣይ ኢልካ ንዕላልካ ኸተቋርጾ ነውሪ ድዩ፧ ንዕላልካ ምእንቲ ኸይተቋርጾ ኢልካ ነቲ መልእኽቲ ሸለል ምባልከ ነውሪ ድዩ፧
ተነዲፉ ድዩ፧
ስርዓተ ምፍራይ እታ ንእንቋቝሖኣ ኣብ ከስዐኣ እትሓቝፎ እንቍርዖብ
ሓደ ኣብ ፍልቀት ዚኣምን ሰብ፡ እዛ እንቍርዖብ “ኣብቲ ምስ ስርዓተ ምፍራይ ዚተሓሓዝ ስነ ህይወት ቀስ ብቐስን በብደረጃኡን ለውጢ ኸም ዝገበረት ዚገልጽ ሓሳብ ዘይእመን እዩ” ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ተወሳኺ ዓንቀጻት
ሰባት ይሓምዩኒ እንተ ኣልዮምከ፧
ሕሜት ምእንቲ ኸይጐድኣካን ንስምካ ኸየበላሽዎን ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧