ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከመይ ይመስል ነበረ፧

ቂሮስ እቲ ዓብዪ

ቂሮስ እቲ ዓብዪ

ብመሰረት ዘመናዊ ዓውደ ኣዋርሕ፡ ኣብ 5/6 ጥቅምቲ 539 ቅ.ክ. ለይቲ፡ ነታ ርእሰ ኸተማ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ዝዀነት ከተማ ባቢሎን፡ ፈጺሙ ዘይከኣል ዚመስል ዝነበረ ነገር ኣጋጠማ። ኣብታ ኣገዳሲት ለይቲ እቲኣ፡ እቶም በቲ ፋርሳዊ ንጉስ ቂሮስ (ቂሮስ እቲ ዓብዪ እውን ዚብሃል) ዚምርሑ ሰራዊት ሜዶንን ፋርስን፡ ነታ ኸተማ ወረርዋ። እቲ ቂሮስ እተጠቕመሉ ስልቲ፡ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ ነይሩ።

ቂሮስ ንባቢሎን ብኸመይ ከም ዝሓዛ

ኤንሸንት ዎርልድ ሊደርስ—ሳይረስ ዘ ግሬት (መራሕቲ ጥንታዊት ዓለም—ቂሮስ እቲ ዓብዪ) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ቂሮስ ንባቢሎን ኪሕዛ ኣብ ዝወሰነሉ እዋን፡ ባቢሎን ድሮ ኻብ ከተማታት ማእከላይ ምብራቕ፡ ምናልባት እውን ካብ ኵለን ከተማታት ዓለም ኣዝያ እትኽበር ከተማ እያ ነይራ” በለት። ባቢሎን ብሩባ ኤፍራጥስ ተኸቢባ እያ ነይራ። ነቲ ዓበይቲ መናድቕ እታ ኸተማ ድማ፡ ብማይ ዝመልአ ጐዳጕዲ ሓጺርዎ ነበረ፣ እዚ ኽልቲኡ መከላኸሊ ኸኣ፡ ነታ ኸተማ ዘይትድፈር ከም እትመስል ገበራ።

ሰራዊት ቂሮስ ንሩባ ኤፍራጥስ ናብ ካልእ ሸነኽ ከም ዚፈስስ ምስ ገበሩ፡ መጠን እቲ ኣብቲ ኸተማ ዝነበረ ማይ ነከየ። ሽዑ እቶም ሰራዊት በቲ ሩባ ቐስ እናበሉ ናብ ማዕጾ እታ ኸተማ ኸዱ፣ እቲ ማዕጾ ኽፉት ስለ ዝነበረ ድማ፡ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ጸገም ንባቢሎን ሓዝዋ። እቶም ግሪኻውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ ዝነበሩ ሄሮዶተስን ዘኖፎንን ከም ዝገለጽዎ፡ ባቢሎናውያን በቲ መከላኸሊ እታ ኸተማ ኣመና ስለ እተኣማመኑ፡ ኣብታ ኸተማኦም እተታሕዘትሉ ምሸት፡ ብዙሓት ሰባትን እቲ ንጉሶምን ይበልዑን ይሰትዩን ነበሩ። (ነታ፡  “ኣብ መንደቕ እተጻሕፈ ጽሕፈት ኢድ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ቂሮስ ንባቢሎን ምሓዙ፡ ዜደንቕ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚፍጸም ገይሩ እዩ።

ቂሮስ ንባቢሎን ከም ዚስዕራ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተነጊሩ ነይሩ

ዜደንቕ ትንቢታት

እቲ ኢሳይያስ ዝጸሓፎ ትንቢታት፡ 200 ዓመት ይገብር፡ ማለት ምናልባት ቂሮስ ገና ኸይተወልደ ኸሎ ቕድሚ 150 ዓመት ስለ እተነግረ፡ ኣቓልቦ ዚስሕብ እዩ። ነዚ ዚስዕብ እስከ ንርአ፦

ተኣምራዊ ድሕነት

ኣቐድም ኣቢሉ ብ607 ቅ.ክ. ሰራዊት ባቢሎን ንየሩሳሌም ወረርዋ፣ ነቶም ካብቲ ወረራ ብህይወት ዝተረፉ ኸኣ ማሪኾም ወሰድዎም። እቶም ኣይሁድ ክሳዕ መዓስ እዮም ኣብ ምርኮ ጸኒሖም፧ ኣምላኽ፡ “እተን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ ድማ፡ ንንጉስ ባቢሎንን ነቲ ህዝቢ እትን ክቐጽዖም እየ፡ . . . ንሓዋሩ ኸባድማ እየ” ኢሉ ነበረ።—ኤርምያስ 25:12

ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ፡ ቂሮስ ብ539 ቅ.ክ. ንባቢሎን ሓዛ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ንኣይሁድ ሓራ ኣውጽኦም፣ ንሳቶም ከኣ ብ537 ቅ.ክ.፡ ማለት ካብ ዚማረኹ ድሕሪ 70 ዓመት ናብ ዓዶም ተመልሱ። (እዝራ 1:1-4) ባቢሎን ድማ ኣብ መወዳእታኡ ‘ባደመት፣’ እዚ ኸኣ ንልክዕነት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዜረጋግጽ እዩ።

እዚ ዜገድሰካ ስለምንታይ እዩ፧

ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ (1) ኣይሁድ ን70 ዓመት ኣብ ምርኮ ኸም ዚጸንሑ፡ (2) ቂሮስ ንባቢሎን ከም ዚስዕራን እንታይ ስልትታት ከም ዚጥቀምን፡ (3) ባቢሎን ከም እትባድም ተነብዩ ነይሩ እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለት፡ ካብ ሰብ ኪመጽእ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ “ትንቢትሲ ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እዩ” ኢልና ኽንድምድም ንኽእል ኢና። (2 ጴጥሮስ 1:21) ብርግጽ እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክንምርምሮ ዚግብኣና መጽሓፍ እዩ።

a እተን ቃላት፡ ንመለክዒ ገንዘብ እየን ዜመልክታ። ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 7 ርአ።