ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃለ መጠይቕ | ፓኦላ ክዮትሲ

ሓንቲ ባዮከሚከኛ ብዛዕባ እምነታ ዝገለጸቶ

ሓንቲ ባዮከሚከኛ ብዛዕባ እምነታ ዝገለጸቶ

ዶክተር ፓኦላ ክዮትሲ ንልዕሊ 20 ዓመት ኣብቲ ኣብ ኢጣልያ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ፈራራ ብዛዕባ ሞለክዩላት ዘጽንዐት ተመራማሪት ስነ ህይወት እያ። መጽሔት ንቕሑ! ብዛዕባ ስነ ፍልጠትን ብዛዕባ ኣብ ኣምላኽ ዘለዋ እምነትን ሓቲታታ ነበረት።

ብዛዕባ ኣተዓባብያኺ እስከ ንገርና።

ኣቦይ ሰራሕ ሳእኒ እዩ ነይሩ፣ ኣደይ ከኣ ኣብ ሕርሻ ትሰርሕ ነበረት። ኣነ ግና ተመራማሪት ስነ ፍልጠት እየ ክኸውን ዝደሊ ነይረ። ኣብ ከባቢ ቤትና ዝነበረ ምልኩዕ ዕምባባታት ይምስጠኒ ነበረ፣ ኣዕዋፍን ሓሸራታትን ከኣ የገርሙኒ ነበሩ። ልዕለ ሰብኣዊ ጥበብ ብዘለዎ ኣካል እተፈጥረ ዀይኑ ድማ ይስምዓኒ ነበረ።

ስለዚ፡ ኵሉ ሳዕ ኣብ ፈጣሪ ትኣምኒ ኔርኪ ማለት ድዩ፧

ኣይኰነን። ገና ቘልዓ ኸለኹ እውን፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እጠራጠር ነይረ እየ። ኣቦይ ብሕማም ልቢ ብሃንደበት ምስ ሞተ፡ ‘እዚ ዅሉ ጽቡቕ ነገራት ዝፈጠረ ፈጣሪ፡ መከራን ሞትን ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ።

እሞኸ እቲ ብዛዕባ ስነ ፍልጠት ዝገበርክዮ መጽናዕቲ፡ መልሲ ንኽትረኽቢ ሓጊዙኪዶ፧

ኣብ ፈለማ ኣይሓገዘንን። ተመራማሪት ስነ ህይወት ኰይነ ብዛዕባ ሞለክዩል እመራመር ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ብዛዕባ ንቡር ሞት እቶም ንኣካልና ዜቝሙ ዋህዮታት ከጽንዕ ጀመርኩ። እዚ ሞት እዚ፡ ካብቲ ብነድርን ብጋንግሪንን ዚመጽእ ክትቈጻጸሮ ዘይትኽእል ሞት እተፈልየ እዩ። እዚ ንንቡር ሞት ዋህዮታት ዚምልከት መስርሕ፡ ንጥዕናና ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ግና ቅድሚ ሒደት ዓመታት እዮም ኬቕልቡሉ ጀሚሮም።

ንቡር ሞት ዋህዮታት ኣገዳሲ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

ኣካላትና ትሪልዮናት ብዚዀኑ ብዓይኒ ዘይርኣዩ ዋህዮታት ዝቘመ እዩ። ዳርጋ ዅላቶም ድማ ኪሞቱን ኪትክኡን ኣለዎም። ነፍሲ ወከፍ ዓይነት ዋህዮ፡ ነናቱ ዕምሪ ኣለዎ፣ ገሊኣቶም ድሕሪ ሒደት ሰሙናት፡ ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት እዮም ዚትክኡ። እቲ ኣብ መንጎ ሙማትን ምትካእን ዋህዮ ዘሎ ተነቃፊ ሚዛን ከይተዘናበለ ምእንቲ ኪቕጽል፡ እቲ ንንቡር ሞት ዋህዮታት ዚከታተል ስርዓት ኣካላትና ዓብዪ ቝጽጽር እዩ ዜድልዮ።

እቲ መስርሕ እንተ ተዘናቢሉ፡ እንታይ ኬጋጥም ይኽእል፧

ገሊኡ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ሓደ ዋህዮ ኸምቲ ዚግብኦ እንተ ዘይሞይቱ፡ ዚቐራጥም ሪሕ ወይ መንሽሮ ኼጋጥም ይኽእል እዩ። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ሓደ ዋህዮ ኻብቲ ዚግብኦ እዋን ኣቐዲሙ እንተ ሞይቱ፡ ሕማም መትኒ ወይ ሕማም ረሲዕነት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። እቲ ዝገብሮ ምርምር፡ ነዚ ሕማም እዚ ዚኸውን መድሃኒት ምስ ምርካብ ዚተሓሓዝ እዩ።

እቲ ብዛዕባ ዋህዮታት ዝገበርክዮ መጽናዕቲ ዝጸለወኪ ብኸመይ እዩ፧

ሓቂ ይሓይሽ፡ ኣዝየ እየ ተደናጊረ። እዚ ዜደንቕ መስርሕ እዚ፡ ብሓደ ጥዑያት ክንከውን ዚደልየና ኣካል እዩ ተነዲፉ። ስለዚ፡ ‘ሰባት ስለምንታይ እዮም ዚሳቐዩን ዚሞቱን፧’ ኢለ እሓትት ነበርኩ። መልሲ ግና ክረክብ ኣይከኣልኩን።

ይኹን እምበር፡ ንቡር ሞት ዋህዮታት ከም እተነድፈ ትኣምንሉ ኢኺ ኔርኪ።

እወ። እቲ ሕልኽልኽ ዝበለ መስርሕ ንኽትኣምኖ ዜጸግም እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዜደንቕ ኣሰራርሓኡ ግና ጥበብ ዝመልኦ እዩ። እዚ ኸኣ ጥበብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ እየ ዝኣምን። ነቲ ንንቡር ሞት ዋህዮታት ዚቈጻጸሮ ሕልኽልኽ ዝበለ መስርሕ ንምጽናዕ፡ ሓያል ማይክሮስኮፓት እየ ዝጥቀም። ገሊኡ መስርሓት፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ሓደ ዋህዮ ኣብ ውሽጢ ኻልኢት ከም ዚመውት ኪገብር ይኽእል እዩ። ዋህዮታት ንገዛእ ርእሶም ኣብ ምጥፋእ ይካፈሉ እዮም። እቲ መስርሕ ብዚግባእ እተነድፈ ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ።

ዳርጋ ዅሉ ዋህዮታትና ወትሩ ዚትካእ ካብ ኰነ፡ ንዘለኣለም ምንባር ይከኣል እዩ

ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ መከራን ዝነበረኪ ሕቶ መልሲ ረኺብክሉዶ፧

ብ1991 ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤተይ ምስ መጹ፡ ስለምንታይ ከም እንመውት ሓተትክዎም። ንሳቶም ድማ ነቲ፡ “ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ . . . ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ” ዚብል መልሲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣዩኒ። (ሮሜ 5:12) እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ንኣምላኽ እንተ ዚእዘዞ፡ ንዘለኣለም ምነበረ ነይሩ። ሽዑ ንሽዑ ድማ፡ እቲ ሓሳብ ምስቲ ዚገብሮ ዝነበርኩ ምርምር ከም ዚሰማማዕ ተገንዘብኩ። ኣምላኽ፡ ሰባት ኪሞቱ ኸም ዘይዓለመ ድማ ነጸረለይ። ዳርጋ ዅሉ ዋህዮታትና ወትሩ ዚትካእ ካብ ኰነ፡ ንዘለኣለም ምንባር ይከኣል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዘእመነኪ እንታይ እዩ፧

ነቲ ኣብ መዝሙር 139:16 ዚርከብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጾ ሓሳብ ተምሃርኩ፣ እታ ጥቕሲ፡ “ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸሎኹ፡ ረአያኒ፡ . . . ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ” ትብል። ባዮከሚከኛ ስለ ዝዀንኩ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዋህዮታትና ኣብ ጂን እተጻሕፈ ሓበሬታ አጽንዕ እየ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እዚ ኺፈልጥ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ብእተመሃርኩ መጠን፡ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝነፈሶ ብዝያዳ ኽኣምን ከኣልኩ።

ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትርድእዮ ዝሓገዘኪ እንታይ እዩ፧

ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ከም እንኽእል ነገረኒ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ ምዃኑ ፈለጥኩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ ኣምላኽ “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ” ዓሊሙ ኣሎ። (ኢሳይያስ 25:8) ፈጣሪና ብቐሊሉ፡ ንዘለኣለም ምእንቲ ኽንነብር፡ እቲ ዜደንቕ ስርዓት ኣካላትና ብፍጹም መገዲ ኸም ዚዓዪ ኺገብር ይኽእል እዩ።

ነቲ ዘሎኪ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ እትጥቀምሉ ብኸመይ ኢኺ፧

ብ1995 ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዝኸውን ንነጀው፡ ብዝረኸብክዎ ኣጋጣሚ ተጠቒመ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ ነገራት እነግሮም እየ። ንኣብነት፡ ሓንቲ መሳርሕተይ ሓዋ ርእሱ ምስ ቀተለ፡ ኣመና ተደቚሳ ነበረት። እቲ እትኸዶ ቤተ ክርስትያን፡ ኣምላኽ ንርእሰ ቕትለት ፈጺሙ ይቕረ ኸም ዘይብሎ እዩ ዚምህር። ኣነ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዚገልጽ ነገርክዋ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ፈጣሪ ኸም ዚሓልየልና ምስ ፈለጠት ድማ፡ ኣዝያ ተጸናንዐት። ኣብ ከምዚ ዓይነት ህሞት፡ ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ምክፋል፡ ካብ ስነ ፍልጠት ንላዕሊ ዜዕግበኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።