ካብ ኣዕዋፍ ሰማያት ዚርከብ ትምህርቲ
“በጃኻ . . . ንኣዕዋፍ ሰማያት እውን ጠይቕ እሞ፡ ኪነግራኻ እየን። ካብዚኣቶም ኵሎምሲ፡ ኢድ የሆዋ ነዚ ኸም ዝገበረቶ ዘይፈልጥ መን እዩ፧” —እዮብ 12:7, 9።
ልዕሊ 3,000 ዓመት ይገብር እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበዋት ዝነበረ እዮብ፡ ኣዕዋፍ ሰማያት ብዛዕባ ግብርታት ኣምላኽ ብዙሕ ኪምህራና ኸም ዚኽእላ ይፈልጥ ነበረ። እቲ መለለዪአን ዝዀነ ባህሪአን ከም ተምሳል ወይ ከም ምሳሌ ጌርካ ኽትጥቀመሉ እውን ይከኣል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ኣዕዋፍ ሰማያት ዚገልጽ ብዙሕ መግለጺታት፡ ብዛዕባ ህይወትን ብዛዕባ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብን ኣገዳሲ ትምህርቲ ይምህረና እዩ። ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ።
ስፍራ ለዃዂቶ
ተቐማጦ የሩሳሌም፡ ብዛዕባ እተን ሰፈረን ብልምዲ ኣብ ቀጽቀጽ ህንጻ ዚሰርሓ ለዃዂቶ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ገሊኣተን ኣብታ ሰሎሞን ዝሃነጻ ቤተ መቕደስ ሰፊረን ነበራ። በብዓመቱ፡ ኣብ ከባቢ እታ ቤተ መቕደስ ዚሰፍራ ለዃዂቶ፡ ጨቓዊተን ሃዲአን ኬዕብያ ስለ ዚኽእላ ቕሳነት ይስምዐን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።
እቲ ንመዝሙር 84 ዝጸሓፋ ሓደ ኻብ ደቂ ቆራሕ፡ ኣብ ሸሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ቤተ መቕደስ ንሓንቲ ሰሙን የገልግል ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ከባቢ እታ ቤተ መቕደስ ዚርከብ ሰፈር ጨራሩ የስተብህለሉ ነይሩ እዩ። ከምተን ለዃዂቶ ወትሩ ኣብ ቤት የሆዋ ኺነብር ሃረር ይብል ካብ ምንባሩ እተላዕለ፡ “ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ዓብዪ ማሕደርካ ኽንደይ ኰን ይፍተወካ! ንኣጸዳት የሆዋ ሃረር እብሎ ኣለኹ፣ እወ፡ ብናፍቖት ተወዲአ ኣለኹ . . . ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ንጉሰይን ኣምላኸይን፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዓብዪ መሰውኢኻ ዑፍ እኳ ቤት ረኺባ፣ ለዃዂቶ እውን ጨቓዊታ እተንብረሉ ሰፈር ረኺባ!” ብምባል ጨደረ። (መዝሙር 84:1-3) ንሕናን መንእሰያትናንከ ምስ ጉባኤ ህዝቢ ኣምላኽ ብስሩዕ ንምሕባር ሃረር ንብልን ሞሳና ነርእን ዲና፧—መዝሙር 26:8, 12።
ራዛ ግዜኡ ይፈልጥ
ነብዪ ኤርምያስ፡ “ራዛ እኳ ኣብ ሰማይ ምዱብ ግዜኡ ይፈልጥ” ብምባል ጸሓፈ። ነቲ ራዛ ብምድሪ ተስፋ ሓሊፈን ዚገብራኦ ጕዕዞ ብርግጽ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ኣብ ጽድያ፡ ካብ ኣፍሪቃ ተበጊሰን ብስንጭሮ ዮርዳኖስ ኣቢለን ናብ ሰሜናዊ ኤውሮጳ ዚጐዓዛ ልዕሊ 300,000 ዚዀና ጸዓዱ ራዛ ተቘጺረን እየን። ኣብ ግዜ ሓጋይ ናብቲ ዚፋረያሉ ቦታ ምእንቲ ኺምለሳ፡ እቲ ዘለወን ተፈጥሮኣዊ መዐቀኒ ግዜ ይነግረን። ከምተን ካልኦት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዚንቀሳቐሳ ኣዕዋፍ፡ “ዚምለሳሉ ግዜ ይሕልዋ” እየን።—ኤርምያስ 8:7።
ኮሊንስ ኣትላስ ኦቭ በርድ ማይግሬሽን ዘርእስታ መጽሓፍ፦ “እቲ ንጕዕዞ ኣዕዋፍ ዚምልከት ዜገርም ሓቂ፡ ተፈጥሮኣዊ ድርኺት ምዃኑ እዩ” ትብል። የሆዋ ኣምላኽ ነተን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዚንቀሳቐሳ ኣዕዋፍ ንወቕትታት ዚምልከት ተፈጥሮኣዊ ጥበብ ኪህበን ከሎ፡ ንሰብ ግና ግዜያትን እዋናትን ናይ ምስትውዓል ክእለት እዩ ሂብዎ። (ሉቃስ 12:54-56) ራዛ ብተፈጥሮኣዊ ጥበብ ዚምርሓ እኳ እንተዀና፡ ሰባት ግና ንኣገዳስነት እቲ ኣብዚ ግዜና ዚፍጸም ዘሎ ፍጻመታት ምእንቲ ኼስተውዕልዎ ዜድልዮም ቀንዲ ነገር ፍልጠት ኣምላኽ እዩ። ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ እስራኤላውያን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምልክታት ኣየቕልብሉን እዮም ነይሮም። ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ቐንዲ ሽግሮም ኣመልኪቱ ኸምዚ በለ፦ “እንሆ፡ ንቓል የሆዋ ንዒቖምዎ ኣለዉ፣ እንታይ ጥበብ ደኣ ኣለዎም፧”—ኤርምያስ 8:9።
መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ኣብ ዚጽውዖ እዋን ንነብር ከም ዘለና ዜርኢ እኹል መርትዖ ኣሎና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ንስኻኸ፡ ኣብነት ራዛ ብምቕዳሕ ነዚ ‘ምዱብ ግዜ’ ኸተስተብህለሉ ዲኻ፧
ንስሪ ናብ ርሑቕ ይጥምት
ንስሪ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግዜ ተጠቒሱ ንረኽቦ ኢና፣ ኣብ ምድሪ ተስፋ ኸምዚኣቶም ዓይነት ኣዕዋፍ ምርኣይ ልሙድ እዩ ነይሩ። ንስሪ ኻብቲ ኣብ ነዊሕ ጸድፊ ዚርከብ ሰፈሩ ዀይኑ፡ “ምግቡ ይደሊ፣ ኣዒንቱ ናብ ርሑቕ ይጥምታ።” (እዮብ 39:27-29) እቲ ናይ ምርኣይ ክእለቱ ኣዝዩ ሓያል ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ካብኡ 1 ኪ.ሜ. ርሒቓ ንእትርከብ ማንቲለ ኺርእያ ይኽእል እዩ።
ልክዕ ከምቲ ንስሪ ‘ናብ ርሑቕ ዚጥምት፡’ የሆዋ እውን ብተመሳሳሊ ንመጻኢ ብዚምልከት ክሳዕ ርሑቕ ኪጥምት ይኽእል እዩ። በዚ ኸኣ እዩ የሆዋ፡ “ካብ መጀመርታ፡ መወዳእታኡ፡ ካብ ቀደም ከኣ፡ ገና ዘይተገብረ እነግር እየ” ብምባል ዝኣወጀ። (ኢሳይያስ 46:10) ምኽሪ የሆዋ ምስ እንሰምዕ፡ ካብቲ መዳርግቲ ዘይርከቦ ጥበቡን ምስትውዓሉን ክንጥቀም ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 48:17, 18።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቶም ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ ብኣኽናፍ ይድይቡ። ይጐይዩ እሞ ኣይሕለሉን” ብምባል ነቶም ኣብ ኣምላኽ ዚውከሉ ሰባት ምስ ንስሪ ኣመሳሲልዎም ኣሎ። (ኢሳይያስ 40:31) ንስሪ ንላዕሊ ንዚድይብ ዓንድታት ምዉቕ ኣየር ተጠቒሙ እዩ ዜንሳፍፍ። ሓንሳእ ምዉቕ ኣየር ምስ ረኸበ፡ ኣኽናፉን ጭራኡን ኣብ ውሽጢ እቲ ኣየር ይዝርግሕ እሞ፡ ንላዕሊ ኽብ እናበለ ይድይብ። ንስሪ ናብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታታት ምእንቲ ኼንሳፍፍ፡ ኣብ ሓይሉ ኣይኰነን ዚምርኰስ። ብተመሳሳሊ፡ እቶም ኣብ የሆዋ ዚውከሉ ሰባት፡ የሆዋ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ኸም ዚህቦም ስለ ዘተስፈዎም፡ ናብኡ ኺጥምቱ ይኽእሉ እዮም።—2 ቈረንቶስ 4:7, 8።
“ከምቲ ደርሆ ንጨቓዊታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም”
የሱስ፡ ቀቅድሚ ሞቱ ንርእሲ ኸተማ ኣይሁድ ኪርእያ ደው በለ። ሽዑ፡ “የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትልን ናብኣ ንእተላእኩ ብዳርባ እምኒ እትጭፍጭፍን፡ ከምቲ ደርሆ ንጨቓዊታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕ ኰን እየ ንደቅኺ ኽእክቦም ዝደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣቢኹም” ብምባል ጓሂኡ ገለጸ።—ማቴዎስ 23:37።
ሓደ ኻብቲ ኣዕዋፍ ዘለወን ቀንዲ ተፈጥሮኣዊ ባህርያት ንጨቓዊተን ኬዕቍባ ዘለወን ድሌት እዩ። ከም ደርሁ ዝኣመሰላ ሰፈረን ኣብ መሬት ዚሰርሓ ኣዕዋፍ፡ ሓደጋ ኸይመጽእ ኣዝየን ጥንቁቓት ኪዀና ኣለወን። ሓንቲ ደርሆ፡ ኣሞራ ኣብ ልዕሊኣ ኺዝምቢ እንተ ርእያ፡ ዓው ኢላ ናይ መጠንቀቕታ ጻውዒት ትገብር እሞ፡ እተን ጨቓዊታ ጐይየን ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ይዕቈባ። እዘን ዕኳኻት ጨቓዊት እዚአን፡ ኣብኡ ኻብ ብርቱዕ ጸሓይን ካብ ከቢድ ዝናምን እውን የጽልላ እየን። የሱስ እውን ብተመሳሳሊ፡ ንተቐማጦ የሩሳሌም መንፈሳዊ ዕቝባ ኺህቦም ይደሊ ነበረ። ሎሚ የሱስ፡ ካብቲ ዘሎና ጾርን ካብቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዜጋጥመና ጭንቀትን፡ ዕረፍትን ዑቝባን ምእንቲ ኽንረክብ ናብኡ ኽንመጽእ ይዕድመና ኣሎ።—ማቴዎስ 11:28, 29።
ብሓቂ እምበኣር፡ ካብ ኣዕዋፍ ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ባህርያቶም ክትዕዘብ ከለኻ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሳልያዊ መገዲ ገይሩ ብዛዕባኦም ዝገለጾ ነገራት ክትዝክሮ ፈትን። ኣብነት ለዃዂቶ ንቤት ኣምልኾ የሆዋ ኸተማስወሉ ይሓግዝካ። ከም ንስሪ ኸተንሳፍፍ ዜኽእለካ ተስፋ ምእንቲ ኺህልወካ፡ ናብ የሆዋ ጠምት። ከምቲ ሓንቲ ደርሆ ንጨቓዊታ እተዕቍቦም፡ ዜዕቍበካ መንፈሳዊ ሓቂ ምእንቲ ኽትረክብ፡ ናብ የሱስ ቅረብ። ኣብነት ራዛ ድማ ንኣገዳስነት እቲ ኣብዚ ግዜና ዚፍጸም ዘሎ ፍጻመታት ነቒሕካ ኽትከታተሎ የዘኻኽርካ።