ነቶም ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዎም ብኸመይ ንሕግዞም፧
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።”—ምሳሌ 17:17።
እንታይ ማለት እዩ፧
ሓደ ፈታዊና ናይ ኣእምሮ ሕማም ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ኣዚና ኸም እንጭነቕ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ፈታዊና ነቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ኣእምሮኣዊ ጸገም ኪዋጽኣሉ ብምሕጋዝ ክሳዕ ክንደይ ከም እንሓልየሉ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧
ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧
“ንምስማዕ ቅልጡፍ” ኩን።—ያእቆብ 1:19።
ንፈታዊኻ ኽትሕግዘሉ እትኽእል እቲ ዝበለጸ መገዲ፡ ኪዛረብ ከሎ ጽን ኢልካ ብምስማዕ እዩ። ንዅሉ እቲ ዚብሎ ኽትምልሰሉ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ትሰምዖ ኸም ዘለኻን ብዛዕባኡ ኸም እትሓልን ግለጸሉ። ናብ መደምደምታ ኣብ ክንዲ እትበጽሕ፡ ወይ ኣብ ክንዲ እተፈርዶ፡ ክትርድኣሉ ጸዓር። ገሊኡ ዚዛረቦ ነገራት ካብ ልቡ ኸም ዘይኰነን ጸኒሑ ኸም ዜጣዕሶን ኣይትረስዕ።—እዮብ 6:2, 3።
“ኣጸናንዕዎም።”—1 ተሰሎንቄ 5:14።
ፈታዊኻ ተጨኒቑ፡ ወይ ድማ ‘ኣይረብሕን እየ’ ምስ ብዚብል ስምዒት ይቓልስ ይህሉ ይኸውን። እንታይ ክትብል ከም ዘሎካ እኳ እንተ ዘይፈለጥካ፡ ከም እትሓልየሉ ብምርግጋጽ ከተጸናንዖን ከተተባብዖን ትኽእል ኢኻ።
“ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር።”—ምሳሌ 17:17።
ግብራዊ ሓገዝ ሃብ። ብኸመይ ከም እትሕግዞ ኣብ ክንዲ እትግምት፡ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ሕተት። ፈታዊኻ እንታይ ከም ዝደለየ ምግላጽ ዚኸብዶ እንተ ዀይኑ፡ ብሓንሳእ ገላትያ 6:2።
ክትገብርዎ እትኽእሉ ንጥፈታት ከም ሓሳብ ኣቕርብ፣ ንኣብነት፡ ብሓንሳብ ብእግሪ ኽትጐዓዙ ትኽእሉ ኢኹም። ወይ ድማ፡ ዚዕደግ ነገራት ክትዕድገሉ፡ ወይ ከተጽርየሉ፡ ወይ ካልእ ነገራት ክትገብረሉ ትኽእል ኢኻ።—“ተዓገስዎም።”—1 ተሰሎንቄ 5:14።
ፈታዊኻ ስቕ ኪብል ዚደልየሉ እዋን ይህሉ ይኸውን፣ ኪዛረብ ኪደሊ ኸሎ፡ ክትሰምዖ ድሉው ምዃንካ ኣረጋግጸሉ። ብሰንኪ ሕማሙ ብዚብሎ ወይ ብዚገብሮ ኺጐድኣካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ምሳኻ ዝሓዞ መደብ ኪስርዞ ወይ ቀጨውጨው ኪብሎ ይኽእል እዩ። ክትሕግዞ ኸለኻ ዕጉስን እትርድኣሉን ኩን።—ምሳሌ 18:24።
ሓገዝካ ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል እዩ
“መሓዛይ ብኣይ ክትተኣማመን ከም እትኽእል አረጋግጸላ እየ። ንጸገማ ዝኸውን መፍትሒ እኳ እንተ ዘየረኸብኩ፡ ንእትዛረቦ ወትሩ ጽን ኢለ እሰምዓ እየ። ሓድሓደ ግዜ፡ ጽቡቕ ምእንቲ ኺስምዓ ሰማዒ እዝኒ ጥራይ እያ እትደሊ።”—ፋራህ፡ a መሓዛኣ ብምምዝባል ኣመጋግባን ብሕዱር ጭንቀትን እትሳቐ።
“ሓንቲ ኻብ ፈተውተይ፡ ኣዝያ ለዋህን ኣወንታዊትን እያ። ንገዛኣ ዓዲማ ጥዑም ምግቢ ቐሪባትለይ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዉቕን ፍቕሪ ዝዓሰሎን ሃዋሁ ስምዒተይ ኪገልጽ ክኢለ እየ። እዚ ብሓቂ ኣተባብዒኑ እዩ።”—ሁዋን፡ ብሕዱር ጭንቀት እትሳቐ።
“ዓቕሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሰበይተይ ንዓይ ዜሕርቕ ገለ ነገር ክትገብር ከላ፡ ብሰንኪ ሕማማ ደኣምበር ኰነ ኢላ ኸም ዘይኰነት ንርእሰይ አዘኻኽራ እየ። እዚ ድማ ከይሓርቕን ንዓኣ ብዝያዳ ኽሓልየላን ሓጊዙኒ እዩ።”—ጃኮብ፡ ሰበይቱ ብሕዱር ጭንቀት እትሳቐ።
“ሰበይተይ ብዙሕ ትድግፈንን ተጸናንዓንን እያ። ብጭንቀት ኣብ ዚዋሓጠሉ እዋን ኪገብሮ ዘይደሊ ነገር ኪገብር ጸቕጢ ኣይትገብረለይን እያ። ሓድሓደ ግዜ፡ ምእንታይ ኢላ ኽትገብሮ ባህ ዚብላ ነገር ምግባር ትሓድጎ እያ። እቲ ጥቕሚ ርእሳ ናይ ምስዋእ መንፈስን ልግሳን መዳርግቲ የብሉን።”—ኤንሪኮ፡ ብምምዝባል ኣመጋግባ ዚሳቐ።
a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።