ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

2 | ‘ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መጸናንዒ’

2 | ‘ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መጸናንዒ’

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ብተጻዋርነትናን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ።”—ሮሜ 15:4

እንታይ ማለት እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንኣሉታዊ ሓሳባት ምእንቲ ኽንጻወሮ ዚሕግዘና ዜበርትዕን ዜጸናንዕን ሓሳባት ዝሓዘ እዩ። ብዘይካዚ፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስምዒታዊ ስቓይ ኣብ ቀረባ እዋን ነበረያ ነበረ ኸም ዚኸውን ተስፋ ይህብ እዩ።

ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

ኵላትና ሓድሓደ ግዜ ንጭነቕ ኢና፣ እቶም ምስ ሕዱር ጭንቀት ወይ ምስ ውጥረት ዚቓለሱ ሰባት ግና መዓልታዊ ስምዒታዊ ስቓይ የጋጥሞም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንኣሉታዊ ሓሳባት ዚትክእ ብዙሕ ኣወንታዊ ሓሳባት ሒዙ ኣሎ። (ፊልጲ 4:8) ከመይሲ፡ ንኣእምሮና ብዜጸናንዕን ብዜሐድስን ሓሳባት ይመልኦ፡ እዚ ድማ ስምዒትና ኽንቈጻጸር የኽእለና።—መዝሙር 94:18, 19

  • መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይንረብሕ ኰይኑ ኺስምዓና ኸሎ ነዚ ስምዒት ከነወግዶ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።—ሉቃስ 12:6, 7

  • ሓያሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ በይንና ኸም ዘይኰንናን ኣምላኽ እቲ ፈጣሪና ንስምዒትና ኸም ዚርዳኣልናን የረጋግጸልና እዩ።—መዝሙር 34:18፣ 1 ዮሃንስ 3:19, 20

  • መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ነቲ ዜሳቒ ተዘክሮታት ከም ዜወግዶ የተስፉ እዩ። (ኢሳይያስ 65:17፣ ራእይ 21:4) ብዜጨንቕ ሓሳባትን ስምዒትን ክንውሓጥ ከለና፡ እዚ ተስፋታት እዚ ኸም እንጸንዕ ኪገብረና ይኽእል እዩ።