3 | ካብ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ . . . ‘ከማና ዝስምዒቶም’ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ይገልጽ እዩ።—ያእቆብ 5:17።
እንታይ ማለት እዩ፧
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ታሪኽ ህይወት እተፈላለየ ስምዒታት ብዛዕባ እተሰምዖም ሰብኡትን ኣንስትን ንረክብ ኢና። ብዛዕባኦም ከነንብብ ከለና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ምስ ናትና ዚመሳሰል ተመክሮ ዘለዎ ሰብ ክንረክብ ንኽእል ኢና።
ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧
ኵላትና፡ ሰባት ስምዒትና ኺርድኡልና ንደሊ ኢና። ብፍላይ ድማ ምስ ኣእምሮኣዊ ጸገም ኣብ እንቃለሰሉ እዋን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ ካልኦት ከማና ዝሓሰቡን እተሰምዖምን ከም ዝነበሩ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ብጭንቀትን ብዚርብሽ ስምዒትን ክንወሓጥ ከለና፡ ከምዚ ዚስምዓና ንሕና ጥራይ ከም ዘይኰንና ንግንዘብ፡ እተገለልና ዀይኑ ድማ ኣይስምዓናን እዩ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዝጐሃዩን ተስፋ ዝቘረጹን ሰባት ዚገልጽ ብዙሕ ሓሳባት ንረክብ ኢና። ‘ሕጅስ በቃ ይኣኽለኒ’ ዝበልካሉ ግዜስ ኣሎዶ፧ ሙሴ፡ ዳዊት፡ኤልያስ ከምኡ ተሰሚዕዎም ይፈልጥ እዩ።—ዘሁልቍ 11:14፣ 1 ነገስት 19:4፣ መዝሙር 55:4።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣመና ተመሪራ” ብዛዕባ ዝነበረት ሃና ዝስማ ሰበይቲ ይገልጸልና እዩ፣ ከምዚ እተሰምዓ፡ ውላድ ስለ ዘይነበራን እታ መቐናቕንታ ዝነበረት ሰበይቲ ብዛዕባኡ ተባጭወላ ስለ ዝነበረትን እዩ።—1 ሳሙኤል 1:6, 10።
መጽሓፍ ቅዱስ ከማና ዓይነት ስምዒት ብዛዕባ ዝነበሮ እዮብ ዝስሙ ሰብኣይ ይገልጽ እዩ። ንሱ ናይ እምነት ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ ከቢድ ጭንቀት ምስ ኣጋጠሞ፡ ከምዚ ኢሉ ነይሩ፦ “ንህይወት ፈንፊነያ እየ፣ ብህይወት ክነብር ከኣ ኣይደልን እየ።”—እዮብ 7:16።
እዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት፡ ንጐዳኢ ሓሳባት ብኸመይ ከም ዘሰነፍዎ ብምምርማር፡ ንሕና እውን ንጭንቀትና ኽንዋጽኣሉ ዜኽእለና ብርታዐ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።