ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽልኢ ንሓዋሩ ዚውገደሉ እዋን!

ጽልኢ ንሓዋሩ ዚውገደሉ እዋን!

ዋላ እውን ንጽልኢ ኻብ ልብና እንተ መሓናዮ፡ ንተግባራትን ንኣረኣእያታትን ካልኦት ክንቈጻጸር ኣይንኽእልን ኢና። ንጹሃት ሰባት ግዳያት ጽልኢ ምዃኖም ኣይተርፎምን እዩ። እሞ ደኣ ንጽልኢ ነባሪ ፍታሕ ዚገብረሉ መን እዩ፧

ነዚ ሎሚ እንርእዮ ዓንኬል ጽልኢ ምሉእ ብምሉእን ንሓዋሩን ኪሰብሮ ዚኽእል፡ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ንሱ ብልክዕ ከምኡ ኸም ዚገብር እዩ ዜተስፍወና።—ምሳሌ 20:22

ኣምላኽ ንጠንቅታት ጽልኢ ኻብ ሱሩ ኼወግዶ እዩ

  1. 1. ሰይጣን ድያብሎስ። እቲ ዓለወኛ መልኣኽ፡ ማለት ሰይጣን በቲ ሎሚ ዘሎ ጽልኢ ቐንዲ ተሓታቲ እዩ። ኣምላኽ ንሰይጣንን ንዅሎም እቶም ከምኡ ጽልኢ ዘሕደሩ ዘበሉን ኪድምስሶም እዩ።—መዝሙር 37:38፣ ሮሜ 16:20

  2. 2. ጽልኢ ዝመልኣ ናይ ሰይጣን ዓለም። ኣምላኽ ንዅሉ እኩይ ባእታታት እዛ ዓለም፡ እንተላይ ነቶም ጽልኢ ዚቝስቍሱ ብልሹዋት ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ኪድምስሶም እዩ። ነቲ ስስዐ ዚመልኦ ስርዓተ ንግዲ እውን ምስ ኵሉ እቲ ብልሽውናኡን ምዝመዛኡን ኬጥፍኦ እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:13

  3. 3. ሰብኣዊ ዘይፍጽምና። ኵሎም ሰባት ዘይፍጽምና ኸም ዝወረሱ፡ ማለት ሓሳባቶምን ስምዒቶምን ተግባራቶምን ናብ ጌጋ ዝዘምበለ ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ሮሜ 5:12) ኣብ ልብኻ ጽልኢ ምሕዳርን ነዚ ጽልኢ እዚ ምግላጽን፡ ሓደ ኻብቲ ሓጥእ ዝንባለታት እዩ። ኵሉ ኣሰራት ጽልኢ ንሓዋሩ ምእንቲ ኺውገድ፡ ኣምላኽ ንሰባት፡ ንዅሉ ዘይፍጹም ዝንባለታቶም ኪስዕሩ ኺሕግዞም እዩ።—ኢሳይያስ 54:13

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጽልኢ ዘይብላ ዓለም የተስፉ

  1. 1. ዋላ ሓደ ኣደዳ ዘይፍትሓውነት ኣይኪኸውንን እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ንዓለም ክትገዝኣ እያ፣ እታ መንግስቲ እቲኣ ኸኣ ኣብ ሰማይ እተመስረተት ፍትሓዊትን ነባሪትን መንግስቲ እያ። (ዳንኤል 2:44) ኣቐዲምካ ፍርዲ ኣይኪህሉን እዩ። ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ሎሚ ንሰባት ዜጋጥሞም ዘሎ ዘይፍትሓውነት ኬዐርዮ እዩ።—ሉቃስ 18:7

  2. 2. ኵሉ ሰብ ሰላም ኬስተማቕር እዩ። ዋላ ሓደ ሰብ ግዳይ ዓመጻ ወይ ውግእ ኣይኪኸውንን እዩ። (መዝሙር 46:9) ሽዑ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዘበሉ ዅሎም ሰባት ፈተውቲ ሰላም ኪዀኑ ስለ ዚዀኑ፡ ምድሪ ኻብ ስግኣት ናጻ ኽትከውን እያ።—መዝሙር 72:7

  3. 3. ኵሉ ሰብ ኣብ ፍጹም ኵነታት ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። ኵሎም ነበርቲ ምድሪ ንብጻዮም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኼርእዩ እዮም። (ማቴዎስ 22:39) ዋላ ሓደ ሰብ ኣይኪጭነቕን እዩ። ሕማቕ ሓሳባት ወይ ተዘክሮታት ናብ ኣእምሮ ኣይኪመጽእን እዩ። (ኢሳይያስ 65:17) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ደቂ ሰብ ካብ ጽልኢ ናጻ ስለ ዚዀኑ፡ “ብብዝሒ ሰላም . . . ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:11

ኣብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ዓለም ክትነብርሲ ትህንጠዶ፧ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ብዙሓት ሰባት ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምትግባር ጽልኢ ብኸመይ ከም ዚሓድጉ ይምሃሩ ኣለው። (መዝሙር 37:8) ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምኡ እዮም ዚገብሩ ዘለዉ። ካብ በበይኑ ባህልን ድሕረ ባይታን እተኣኻኸቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ከም ናይ ስድራ ቤት ዝበለ ፍቕርን ሓድነትን ኣለዎም።—ኢሳይያስ 2:2-4

ንዘይፍትሓውነትን ንኣድልዎን ብኸመይ ክትጻወሮ ኸም እትኽእል ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዚፈልጥዎ ተሓጒሶም ኬካፍሉኻ ይኽእሉ እዮም። እቲ እትምሃሮ ኸኣ ንኣሰር ጽልኢ በብቝሩብ ብፍቕሪ ምእንቲ ኽትትክኦ ኺሕግዘካ እዩ። ንዅሎም ሰባት እንተላይ ነቶም ዘየመስግኑ ወይ ነቶም ጽልኢ ዜርእዩ፡ ከመይ ጌርካ ብለውሃት ከም እትሕዞም ክትፈልጥ ኢኻ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ሕጂ ዝያዳ ሓጐስ ክትረክብ፡ ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ እውን እናተመሓየሸ ኪኸይድ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽልኢ ንሓዋሩ ዘይህልወላ መንግስቲ ኣምላኽ ንምንባር እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ክትምሃር ኢኻ።—መዝሙር 37:29