ፈትዮም ይመጹ
ብዙሓት ዘይተመርዓዋ ኣሓት፡ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዜድልዩሉ ዓድታት የገልግላ ኣለዋ። ገሊኣተን ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ወጻኢ ሃገራት የገልግላ ኣለዋ። ኣብ ፈለማ፡ ናብ ካልእ ዓዲ ንምግዓዝ ኪውስና ዝደረኸን እንታይ እዩ፧ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይደን ብምግልጋለን እንታይ ተመክሮ ረኺበን፧ ህይወተንከ ኸመይ እዩ፧ ንገለ ኻብዘን ምኩራት ኣሓት፡ ቃለ መጠይቕ ጌርናለን ኣለና። ኣብዚ ዜዕግብ ኣገልግሎት ንምስታፍ ልባዊ ድሌት ዘሎኪ ዘይተመርዓኺ ሓብቲ እንተ ዄንኪ፡ ካብቲ ዝሃባኦ ሓሳባት ክትጥቀሚ ኢኺ። ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ እውን ካብ ኣብነተን ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።
ጥርጣረ ምስናፍ
‘ኣብ ወጻኢ ሃገር ንምግልጋል ዓቕሚ ኣሎኒዶ፧’ ኢልኪ እትሓስቢ ዘይተመርዓኺ ፈላሚት ዲኺ፧ ሕጂ ኣብ መፋርቕ 70ታት ዕድሚኣ እትርከብ ኣኒታ፡ ከምዚ ዓይነት ጥርጣረታት ነይርዋ እዩ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እያ ዓብያ፡ ጓል 18 ዓመት ምስ ኰነት ድማ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ጀሚራ። ብዛዕባኡ ኸምዚ ትብል፦ “ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ምምሃር እፈቱ ነይረ እየ፣ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይደ ኸገልግል ግና ሓሲበዮ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ካልእ ቋንቋ ተማሂረ ኣይፈልጥን እየ ነይረ፡ እንተ ዝምሃር እውን ዝመልኮ ኣይመስለንን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክምሃር ምስ ተዓደምኩ፡ ሰምቢደ እየ። ከማይ ዘይረብሕ ሰብ ከምዚ ዓይነት ዕድመ ምርካቡ ኣገሪሙኒ እዩ። ሽዑ ግና፡ ‘የሆዋ ትኽእሎ እያ እንተ ኢሉ፡ ክፍትኖ እየ’ ኢለ ሓሲበ። እዚ ቕድሚ 50 ዓመት እዩ ዀይኑ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዘ ኣብ ጃፓን ሚሲዮናዊት ኰይነ አገልግል ኣለኹ።” ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ ንመንእሰያት ኣሓተይ ዓይነይ እናጸቐጥኩ፡ ‘ርዖኽን ጠቕሊልክን ኣብ ብሉጽ ጕዕዞ ተጸምበራኒ!’ እብለን እየ። ብዙሓት ከምኡ ብምግባረን ሕጕስቲ እየ” ትብል።
ትብዓት ምርካብ
ናብ ወጻኢ ሃገር ከይደን ዜገልግላ ብዙሓት ኣሓት፡ ኣብ ፈለማ ይወላወላ ነይረን እየን። እሞ ደኣ ኸመይ ገይረን እየን ትብዓት ረኺበን፧
ሕጂ ኣብ መፋርቕ 60ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሞሪን፡ “ንእሽቶ ከለኹ፡ ንኻልኦት እናሓገዝኩ፡ ዕላማ ዘለዎ ህይወት እየ ኽመርሕ ዝደሊ ነይረ” ትብል። ጓል 20 ዓመት ምስ ኰነት፡ ዝያዳ ፈለምቲ ናብ ዜድልዩላ ኵበክ፡ ካናዳ ግዒዛ። ቀጺላ ኸምዚ ትብል፦ “ደሓር፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክምሃር ተዓዲመ፣ ፈተውተይ ሓዲገ ናብ ዘይፈልጦ ዓዲ ምኻድ ግና ኣፍሪሁኒ ነይሩ። ነታ ንዝሓመመ ኣቦይ እትኣልዮ ዝነበረት ኣደይ ሓዲገ ምኻድ እውን ኣጨኒቑኒ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እናነባዕኩ ብዙሕ ሳዕ ንየሆዋ ኽልምኖ እሓድር ነይረ እየ። ብዛዕባ እቲ ዜተሓሳስበኒ ዝነበረ ነገር ንወለደይ ምስ ነገርክዎም፡ ነቲ ዕድመ ክቕበሎ ኣተባቢዖምኒ። ጉባኤና እውን ብፍቕሪ
ተደሪኾም ንወለደይ ከም ዚሕግዝዎም ርእየ እየ። ነታ ሓላዪት ኢድ የሆዋ ብምርኣየይ፡ ንዓይ እውን ከም ዚከናኸነኒ ኽኣምን ሓጊዙኒ እዩ። ሽዑ፡ ክኸይድ ድልውቲ ዀይነ።” ሞሪን ካብ 1979 ኣትሒዛ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሚስዮናዊት ኰይና ንልዕሊ 30 ዓመት ኣገልጊላ እያ። ሎሚ፡ ንኣዲኣ እናኣለየት ኣብ ካናዳ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘገልገለቶ ዓመታት ምልስ ኢላ ኽትሓስብ ከላ፡ “የሆዋ ዅሉ ሳዕ ዜድልየኒ ነገራት፡ ኣብ ዜድልየኒ እዋን ሂቡኒ እዩ” ትብል።ሕጂ ኣብ መፋርቕ 60ታት ዕድሚኣ እትረክብ ወንዲ፡ ጐርዞ ኸላ እያ ኣብ ኣውስትራልያ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ጀሚራ። ብዛዕባኡ ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ኣዝየ ሓፋር ስለ ዝነበርኩ፡ ንዘይፈልጦም ሰባት ምዝርራብ የጸግመኒ ነይሩ እዩ። ፈላምነት ግና ምስ ኵሉ ዓይነት ሰብ ክዛራረብ ምሂሩኒ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ርእሰ ምትእምማነይ ክብ ኪብል ጀሚሩ። ጸኒሐ፡ ናይ ርእሰ ምትእምማን ሽግር ከም እተወገደለይ ተፈሊጡኒ። ኣገልግሎት ፈላምነት ኣብ የሆዋ ኽጽጋዕ እዩ ዚምህረኒ ነይሩ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ምግልጋል ዚብልዎ ሓሳብ እውን እናቐለለኒ ኪኸይድ ጀሚሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ሓንቲ ኣብ ጃፓን ንልዕሊ 30 ዓመት ሚስዮናዊት ኰይና ዘገልገለት ሓዳር ዘይብላ ሓብቲ፡ ንሰለስተ ወርሒ ምስኣ ኸገልግል ዓዲማትኒ። ምስኣ ምግልጋለይ ድማ፡ ነቲ ናብ ወጻኢ ንምግዓዝ ዝነበረኒ ትምኒት ኣጐሃሂርዎ።” ስለዚ፡ ወንዲ ኣብ መፋርቕ 1980ታት፡ ናብተን ካብ ኣውስትራልያ ብምብራቕ 1,770 ኪሎ ሜተር ርሒቐን ዚርከባ ቫኑዋቱ ዚብሃላ ደሴታት ገዓዘት።
ወንዲ ኽሳዕ ሕጂ ኣብ ቫኑዋቱ እያ ዘላ። ሕጂ ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ተገልግል ኣላ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ኣብ ግሉል ዞባታት ከመይ ኢለን ጕጅለታትን ጉባኤታትን ከም ዚቘማ ምርኣየይ፡ ልዕሊ ዅሉ የሐጕሰኒ እዩ። ኣብዘን ደሴታት እዚአን፡ ኣብ ዕዮ የሆዋ ንእሽቶ እጃም ምብርካተይ፡ ብቓላት ዘይግለጽ ፍሉይ ክብሪ ይስምዓኒ እዩ።”
ሕጂ ኣብ መፋርቕ 60ታት ዕድሚኣ እትርከብ ኩሚኮ፡ ኣብ ጃፓን ፈላሚት ኰይና ኸተገልገል ከላ፡ መገላግልታ ናብ ነፓል ኪግዕዛ ሓሳብ ኣቕረበትላ። ድሕሪኡ ብዛዕባ ዝዀነ ነገራት ከምዚ ኢላ ተዘንቱ፦ “ደጋጊማ እኳ እንተ ሓተተትኒ፡ ኣነ ግና እኣብያ ነይረ። ሓድሽ ቋንቋን ሓድሽ ከባብን ምልማድ፡ ዚኸብደኒ መሲሉኒ ነይሩ። ናብ ወጻኢ ሃገር ንምኻድ ዜድሊ ወጻኢታት ንምሽፋን እውን ገንዘብ ይሓጽረኒ ነይሩ። እዚ እናኣተሓሳሰበኒ ኸሎ፡ ብሽክለታ ሞተር እናዘወርኩ ኸለኹ ምስ ማኪና ተጋጭየ ሓደጋ ስለ ዘጋጠመኒ፡ ኣብ ሆስፒታል ደቂሰ። ኣብኡ ድማ፡ ‘ጽባሕ እንታይ ከም ዘጋጥመኒ መን ይፈልጥ፧ ምናልባት ከቢድ ሕማም እሓምም እሞ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይደ ፈላሚት ኰይነ ምግልጋል እስእን እኸውን። ዋላ ንሓንቲ ዓመትዶ ኽፍትኖ፧’ ኢለ ሓሲበ። ስጕምቲ ንምውሳድ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ድማ ናብ የሆዋ ብጽኑዕ ጸልየ።” ኩሚኮ ኻብ ሆስፒታል ምስ ወጸት፡ ናብ ነፓል ክትበጽሕ ከደት፣ ድሕሪኡ ምስ መገላግልታ ዀይና ናብኡ ገዓዘት።
ኩሚኮ ነቲ ኣብ ነፓል ዘሕለፈቶ ዳርጋ ዓሰርተ ዓመት ዚኸውን ኣገልግሎት ምልስ ኢላ ኽትርእዮ ኸላ ኸምዚ ትብል፦ “እቲ ዜጨንቐኒ ዝነበረ ጸገማት፡ ከም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ቅድመይ ተመቒሉ። ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ኸይደ ምግልጋለይ ብዙሕ እዩ ዜሐጕሰኒ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ናብ እንዳ ሓደ ስድራ ኸይደ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክነግሮም ከለኹ፡ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ጐረባብቲ እውን ኪሰምዑ ይመጹ እዮም። ንኣሽቱ ቘልዑ እውን ከይተረፉ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ትራክት ክህቦም ብኣኽብሮት ይሓትቱኒ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ምላሽ ዚህብ ክሊ ምግልጋል ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ።”
ብድሆታት ምስጋር
እዘን ቃለ መጠይቕ ዝገበርናለን ተባዓት ኣሓት፡ ብድሆታት ኣጋጢምወን ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ብኸመይ ሰጊረናኦ፧
ሕጂ ኣብ መጀመርታ 60ታት ዕድሚኣ እትርከብ ኣብ ኣይቮሪ ኮስት (ሕጂ ኮት ዲቭዋር) ን20 ዓመት ሚስዮናዊት ኰይና ዘገልገለት ዳያን ዝስማ ካናዳዊት ሓብቲ፡ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ፈለማ ኻብ ስድራ ቤተይ ርሒቐ ምንባር ከቢዱኒ ነይሩ። ነቶም ኣብቲ እተመደብኩሉ ዓዲ ዚነብሩ ሰባት ክፈትዎም ምእንቲ ኺሕግዘኒ ንየሆዋ ለሚነዮ። ሓደ ኻብቶም ኣብ ጊልዓድ መምህራነይ ዝነበረ ሓውና ጃክ ሬድፎርድ፡ ኣብቲ እተመደብናሉ ቦታ ዘሎ ዅነታት ብሕልፊ ኸኣ ክቱር ድኽነት፡ ኣብ መጀመርታ ኺርብሸና፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኬሰንብደና ኸም ዚኽእል ነጊሩና ነይሩ። ቀጺሉ ግና፡ ‘ኣብቲ ድኽነት ኣይተተኵሩ። የግዳስ፡ ኣብ ገጽን ኣዒንትን ሰባት ኣተኵሩ። ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ሰምዑ፡ ከመይ ከም ዚስምዖም ኣስተብህሉ’ ኢሉና ነይሩ። ኣነ እውን ከምኡ እየ ገይረ፡ በዚ እውን ብዙሕ ተባሪኸ እየ። ነቲ ዜጸናንዕ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክነግሮም ከለኹ፡ ኣዒንቲ ሰባት ኪበርህ እርኢ እየ።” ብዘይካዚ፡ ዳያን ኣብ ወጻኢ ሃገር ምእንቲ ኸተገልግል እንታይ ካልእ ተወሳኺ ነገር ሓጊዝዋ፧ ነዚ ምላሽ ክትህብ ከላ፡ “ምስቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮም ተምሃሮይ እቀራረብ እየ። እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኪዀኑ ምርኣየይ ድማ ልባዊ ሓጐስ ኣምጺኡለይ እዩ። እቲ እተመደብኩሉ ዓዲ ኸም ዓደይ እዩ ዀይኑለይ። ከምቲ የሱስ ቃል ዝኣተዎ፡ መንፈሳውያን ኣዴታትን ኣቦታትን ኣሕዋትን ኣሓትን ረኺበ እየ” ትብል።—ማር. 10:29, 30።
ሕጂ ኣብ መፋርቕ 40ታት ዕድሚኣ እትርከብ ኣን ኣብ ሓንቲ ዕዮና እተኣገደላ ኣብ እስያ እትርከብ ሃገር እያ እተገልግል። ከምዚ ኢላ ድማ ተዘንቱ፦ “ኣብዘን ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዘገልገልኩለን ዓመታት፡ ካብ ናተይ እተፈልየ መበቈልን ባህርያትን ምስ ዘለወን ኣሓት ተቐሚጠ እየ። ሓድሓደ ግዜ ብሰንኪ እዚ ዘይምርድዳእ ይፍጠር ነይሩ፣ ንጐዳዳእ እውን ኔርና። ከምዚ ኼጋጥም ከሎ፡ ብዛዕባ ባህለን ብዝያዳ ምእንቲ ኽፈልጥ ምስተን መናብርተይ ክቀራረብ እፍትን ነይረ። ብዝያዳ ኽፈትወንን ክርድአንን እውን እጽዕር ነይረ። እዚ ጻዕርታተይ ፍረ ብምፍራዩ ሕጕስቲ እየ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ምድበይ ጸኒዐ ኸገልግል ዝሓገዘኒ ድልዱልን ነባርን ምሕዝነት ከጥሪ ኽኢለ እየ።”
ሕጂ ኣብ መጀመርታ 50ታት ዕድሚኣ እትርከብ ኡተ ዝስማ ጀርመናዊት ሓብቲ፡ ብ1993 ኣብ ማዳጋስካር ሚስዮናዊት ኰይና ኸተገልግል ተመደበት። ንሳ ኸኣ ከምዚ ኢላ ተዘንቱ፦ “ኣብ ፈለማ ምስቲ ቛንቋን ምስቲ ዳህሪ ዘለዎ ክሊማን ክላመድ፡ ምስ ዓሶን ኣሜባን ጽግዕተኛ ሓሳኹን እውን ክቃለስ ከቢዱኒ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ብዙሕ ሓገዝ ረኺበ እየ። እተን ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀና ኣሓትን ደቀንን መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮም ተምሃሮይን ነቲ ቛንቋ ኽመልኮ ብትዕግስቲ ሓጊዞምኒ እዮም። ክሓምም ከለኹ፡ እታ መገላግልተይ ሚስዮናዊት ብፍቕሪ ትኣልየኒ ነይራ። ካብ ኵሉ ንላዕሊ ግና የሆዋ ሓጊዙኒ እዩ። ዜጨንቐኒ ነገራት ኣዘውቲረ ብጸሎት ናብኡ አፍስሶ ነይረ። ድሕሪኡ፡ ንጸሎተይ ምላሽ ክሳዕ ዝረኽበሉ፡ ሓድሓደ ግዜ ንመዓልትታት፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ንኣዋርሕ ብትዕግስቲ እጽበ ነይረ። የሆዋ ድማ ንዅሉ ጸገማተይ ፈቲሑለይ እዩ።” ኡተ ኣብዚ ዝሓለፈ 23 ዓመት ኣብ ማዳጋስካር ተገልግል ኣላ።
በረኸት ዘለዎ ህይወት
ኣብ ወጻኢ ዜገልግላ ዘይተመርዓዋ ኣሓት፡ ከምቶም ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልይዎ ቦታታት ዜገልግሉ ኻልኦት ሰባት፡ ህይወተን ከም እተባረኸ እየን ዚገልጻ። ገለ ኻብቲ ዚረኽባኦ በረኸት እንታይ እዩ፧
ሕጂ ኣብ መጀመርታ 70ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሃይዲ ዝስማ ጀርመናዊት፡ ካብ 1986 ኣትሒዛ ኣብ ኣይቮሪ ኮስት (ሕጂ ኮት ዲቭዋር) ሚስዮናዊት ኰይና ተገልግል ኣላ። ንሳ ኸኣ ከምዚ ትብል፦ “ኣነ ዝረኸብክዎ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ሓጐስ፡ መንፈሳውያን ደቀይ ‘በታ ሓቂ ኺመላለሱ’ ምርኣየይ እዩ። ገለ ኻብቶም ቀደም መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃርክዎም ተምሃሮይ፡ ሕጂ ፈለምትን ሽማግለታት ጉባኤን ኰይኖም ኣለዉ። መብዛሕትኦም ከኣ ኣደይ ወይ ዓባየይ ኢሎም እዮም ዚጽውዑኒ። ሓደ ኻብዞም ሽማግለታት እዚኦምን ሰበይቱን ደቁን ከም ኣባል ስድራ ቤቶም ገይሮም እዮም ዚርእዩኒ። ስለዚ፡ የሆዋ፡ ወድን ሰበይቲ ወድን ሰለስተ ደቂ ደቅን ሂቡኒ ኣሎ።”—3 ዮሃ. 4።
ሕጂ ኣብ መጀመርታ 70ታት ዕድሚኣ እትርከብ ካረን ዝስማ ካናዳዊት፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንልዕሊ 20 ዓመት ኣገልጊላ እያ። ንሳ ድማ ከምዚ ትብል፦ “ህይወት ሚስዮናውነት፡ ዝያዳ ጥቕሚ ርእሰይ ዝስውእን ፈቃርን ዕግስትን ክኸውን ምሂሩኒ እዩ። ምስ ደቂ እተፈላለየ ዓዲ ሓቢረ ምዕያየይ እውን፡ ንኣረኣእያይ ኣስፊሕዎ እዩ። ሓደ ነገር ብእተፈላለየ መገዲ ኺዕየ ኸም ዚከኣል ተማሂረ እየ። ኣብ ብዘላ ዓለም ፍቑራት ፈተውቲ ምርካበይ ዓብዪ በረኸት እዩ። ህይወትናን እተመደብናሉ ምድብን እኳ እንተ ተቐያየረ፡ ምሕዝነትና ግና ቀጻሊ እዩ።”
ሕጂ ኣብ 70ታት ዕድሚኣ እትርከብ ማርጋሬት ዝስማ እንግሊዛዊት፡ ኣብ ላኦስ ሚስዮናዊት ኰይና ኣገልጊላ እያ። ከምዚ ኢላ ኸኣ ተዘንቱ፦ “ኣብ ወጻኢ ሃገር ምግልጋለይ፡ የሆዋ ኻብ ኵሉ ዓሌትን ድሕረ ባይታን ናብ ውድቡ ኸመይ ገይሩ ሰባት ከም ዚስሕብ ብዓይነይ ክርኢ ኽኢለ እየ። እዚ ኸኣ ንእምነተይ ብዙሕ ኣደልዲልዋ እዩ። የሆዋ ንውድቡ ይመርሓ ኸም ዘሎ፡ ዕላማኡ ድማ ከም ዚፍጸም ምሉእ እምንቶ ኸሕድር ክኢለ እየ።”
እወ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዜገልግላ ዘይተመርዓዋ ኣሓት፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ጽቡቕ ስም እየን ኣጥርየን። ስለዚ፡ ብዙሕ ናእዳ ይግብአን እዩ። (መሳ. 11:40) ኣብ ርእሲኡ እውን፡ እናበዝሓ እየን ዚኸዳ ዘለዋ። (መዝ. 68:11) እሞኸ ዅነታትካ ብምትዕርራይ ኣብነት እዘን ኣብዛ መጽሔት ቃለ መጠይቕ እተገብረለን ቀናኣት ኣሓት ክትስዕብ ትኽእልዶ፧ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ‘የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ኽትጥዕምን ክትርእን’ ኢኻ።—መዝ. 34:8።