ንቕሑ! ቍ. 6 2016 | ሕማም—ከመይ ጌርካ ኽትከላኸሎ ትኽእል፧
እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ብሓደገኛ ሕማማት ዝመልአት እያ። ከመይ ጌርና ኢና ንርእስና ኸነዕቍባ እንኽእል፧
ሓደ ጥበብ ዝሓዘለ ጥንታዊ መጽሓፍ፡ “ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ” ይብል።—ምሳሌ 22:3።
እዛ ሕታም “ንቕሑ!” እዚኣ፡ ንርእስና ኻብ ሓደጋ ንምሕባእ፡ ማለት ንሕማም ምእንቲ ኽንከላኸሎ ኽንወስዶ እንኽእል ስጕምትታት ትገልጽ።
ተነዲፉ ድዩ፧
ዓለባ ማስል ባሕሪ
ማስል ባሕሪ፡ ዓለባ ተጠቒሞም ይጣበቑ እዮም። እዚ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ምርዳእ፡ ንገለ መሳርሒታት ምስ ህንጻታት ወይ ንጅማት ምስ ዓጽሚ ኣብ ምልጋብ፡ ሓድሽን ዝሓሸን መገዲ ንምርካብ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ንስድራ ቤት
ኣኽብሮት ብኸመይ ከም እተርኢ
ኣብ ሓዳር፡ ኣኽብሮት ኣብ ቃሕ ዝበለካ እዋን እተርእዮ ነገር ኣይኰነን፣ መሰረታዊ ነገር እዩ። ንመጻምድትኻ ኸም እተኽብሮ ኸተርኢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
ፍሉያት ዓሳ ባህሌላ
እዚ ዚማርኽ ሕብርታት ዘለዎ ዓሳ ምስ ኣኒሞን ዜገርም ሽርክነት ይምስርት እዩ። ነዚ ርክብ እዚ ፍሉይ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ እዩ ዚምስረት፧
ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ
ሰዓት ምኽባር
ሰዓትካ ምኽባር ወይ ዘይምኽባር ንስምካ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ባህርይ እንታይ ይብል፧ ሰዓት ምኽባር ክትምሃር እትኽእልከ ብኸመይ ኢኻ፧
መሐበሪ ርእሰ ነገር ንቕሑ! 2016
ብርእሰ ነገር እተሰርዐ መሐበሪ እቲ ኣብ 2016 እተሓትመ ዓንቀጻት ንቕሑ!
ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ተወሳኺ ዓንቀጻት
ጽፉፍን ጽሩይን ኩን
የሆዋ ንዅሉ ኣብ ቦቦታኡ እዩ ዚገብሮ። ንስኻ እውን ብኸመይ ጽፉፍን ጽሩይን ክትከውን ከም እትኽእል ተምሃር።

