ትምህርቲ 2
ብኸመይ ትሑት ከም ዚኸውን
ትሕትና እንታይ እያ፧
ትሑታት ንሰብ የኽብሩ እዮም። ትዕቢት የብሎምን፣ ካልኦት ፍሉይ ኣተሓሕዛ ኺገብሩሎም እውን ኣይጽበዩን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ትሑት ሰብ ንኻልኦት ብሓቂ ይግደሰሎም እዩ፣ ካባታቶም ኪምሃር እውን ፍቓደኛ እዩ።
ሓድሓደ ግዜ፡ ትሕትና ኸም ድኽመት ጌርካ ይርአ እዩ። ከም ሓቂ ግና፡ ሰባት ንጕድለታቶም ኬለልዩን ዓቕሞም ኪፈልጡን ዚሕግዞም ብርታዐ እዩ።
ትሕትና ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
-
ትሕትና ንርክባት ትጠቅም። ዘ ናርሲስዝም ኢፒደርሚክ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ብሓፈሻኡ፡ ትሑታት ሰባት ምስ ካልኦት ብዝያዳ ርክባት ኪህልዎም ይኽእል” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ ትሑት ሰብ እንተ ዄንካ፡ “ምስ ካልኦት ሰባትን ምስ ዝሰፍሐ ዓለምን ዝምድና ንምምስራት ይቐልለካ እዩ” ትብል።
-
ትሕትና ንውሉድካ፡ ኣብ ናይ መጻኢ ህይወቱ ትጠቕሞ። ውሉድካ ትሕትና እንተ ተማሂሩ፡ ሕጂ ዀነ ኣብ ናይ መጻኢ ህይወቱ፡ ንበል ስራሕ ኪደሊ ኸሎ፡ ይጥቀም እዩ። ዶ/ር ሌናርድ ሳክስ፡ “ንርእሱ እምብዛ ኣኽቢሩ ዚርኢ መንእሰይ፡ ጕድለታቱ ስለ ዘይፈልጥ፡ ንስራሕ ኣብ ዚግበረሉ ቓለ መጠይቕ ናይ ምዕዋት ተኽእሎኡ ጸቢብ እዩ። ቈጻሪኡ እንታይ ይብሎ ኸም ዘሎ ብሓቂ ዚግደስ መንእሰይ ግና ስራሕ ንምርካብ ዝሓሸ ዕድል ኣለዎ” a ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።
ትሕትና ብኸመይ ትምህር፧
ብዛዕባ ገዛእ ርእሲ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኣተባብዕ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሓደ ሰብ ማንም ክነሱ፡ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ እንተ መሲልዎ፡ ንርእሱ እዩ ዜታልል ዘሎ።”—ገላትያ 6:3።
-
ዜጋጊ ዘረባ ኣይትዛረብ። “ኵሉ እትምነዮ ኽትረክብ ኢኻ” ወይ “ዝደለኻዮ ዅሉ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ” ዝኣመሰለ ዘረባ ዜተባብዕ ኪመስል ይኽእል እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ከምኡ ኣይከውንን እዩ። ደቅኻ ሚዛናዊ ሸቶታት እንተ ገይሮምን ነዚ ንምውቃዑ ኣበርቲዖም እንተ ዓይዮምን ግና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣሳልጦ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
-
ንተግባራት ብንጹር ጠቒስካ ንኣድ። ንቘልዓ ብድብድቡ “ንፉዕ” እናበልካ ምንኣድ፡ ትሕትና ኣየተባብዕን እዩ። ዚንኣደሉ ነጥቢ ብንጹር ንገሮ።
-
ነቲ ውሉድካ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዜሕልፎ ግዜ ደረት ግበረሉ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ንርእስኻ ኽብ ምስ ምባል፡ ማለት ንኽእለታትን ንዕማማትን ሰብ ምስ ምቅላሕ እተተሓሓዘ እዩ፣ እዚ ድማ ምስ ትሕትና ብቐጥታ ይጻረር እዩ።
-
ንውሉድካ ብቕልጡፍ ይቕረታ ኺሓትት ኣተባብዓዮ። ውሉድካ ኣበይ ከም እተጋገየን ንጌጋኡ ኺእመንን ሓግዞ።
ምስጋና ኣተባብዕ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣመስገንቲ እውን ኩኑ።”—ቈሎሴ 3:15።
-
ምስጋና ንፍጥረት። ቈልዑ ንተፈጥሮ ዜድንቑን ብህይወት ንምንባር ኣብኡ ኸም እንምርኰስ ዚርድኡን ኪዀኑ ኣለዎም። እነስተንፍሶ ኣየርን እንሰትዮ ማይን እንበልዖ ምግብን የድልየና እዩ። በዚ ኣብነታት እዚ ጌርካ፡ ኣብ ተፈጥሮ ንዘሎ ድንቂ ነገራት ኣድንቖትን ኣኽብሮትን ምስጋናን ትኸለሎም።
-
ምስጋና ንሰባት። ንውሉድካ፡ ኵሉ ሰብ እንተ በዚ ወይ እንተ በቲ ኸም ዚበልጾ ኣዘኻኽሮ፣ ብብልሓትን ብኽእለትን ካልኦት ኣብ ክንዲ ዚቐንእ፡ ካባታቶም ኪምሃር ከም ዚኽእል እውን ንገሮ።
-
ምስጋና ምግላጽ። ንውሉድካ፡ ምስጋናኡ ብኣፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ልቡ ኺገልጽ ምሃሮ። ኣመስገንቲ እንተ ዄንና፡ ትሑታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
ንኻልኦት ምግልጋል ዋጋ ኸም ዘለዎ፡ ንደቅኻ ምሃሮም።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ብትሕትና . . . ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ። ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።”—ፊልጲ 2:3, 4።
-
ንውሉድካ ኣብ ገዛ ኺዓዪ ትጽቢት ግበረሉ። ንውሉድካ ኻብ ዕዮ ገዛ ናጻ እንተ ጌርካዮ፡ ‘ንስኻ ላዕሊ ብምዃንካ፡ ነዚ ኽትዓዪ የብልካን!’ ዚብል መልእኽቲ ኼመሓላልፈሉ ይኽእል እዩ። ብቐዳምነት፡ ኣብ ስድራ ቤት ዘለዎ ግዴታ፡ ድሕሪኡ ጸወታ ኪኸውን ኣለዎ። ዕዮ ገዛ ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዚጠቅም ሓብሮ፣ ከምኡ ብምግባሩ እውን ካብ ካልኦት ምስጋናን ኣኽብሮትን ከም ዚርከብ ኣርእዮ።
-
ንኻልኦት ምግልጋል ጽቡቕ ምዃኑ ኣጕልሓሉ። ውሉድ ናብ ብስለት ኪዓብየሉ ዚኽእል ቀንዲ መገዲ፡ ንኻልኦት ብምግልጋል እዩ። ስለዚ፡ ንውሉድካ ሓገዝ ንዜድልዮም ኼለሊ ኣተባብዓዮ። ንምሕጋዞም እንታይ ኪገብር ከም ዚኽእል ኣመያይጦ። ንኻልኦት ኬገልግል ከሎ፡ ንኣዶን ደግፎን።
a ዘ ኮላፕስ ኦቭ ፓረንቲንግ ካብ ዘርእስታ መጽሓፍ።

