መገዲ ሓጐስ
ተስፋ
“ኣነ ዝሓስበልኩም ዘለኹ ሓሳብሲ . . . ብሩህ መጻእን ተስፋን ክህበኩም፡ ሓሳብ ሰላም እምበር፡ ናይ መዓት ኣይኰነን።”—ኤርምያስ 29:11።
“ተስፋ ንመንፈሳዊ ህይወትና ኣገዳሲ ባእታ እዩ። ንስምዒታት ረዳኢ ኣልቦነትን ተነጽሎን ፍርህን ፍቱን መድሃኒት እዩ።”—ሆፕ ኢን ዘ ኤጅ ኦቭ ኣንዛየቲ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተስፋ ኸም ዜድልየና ይገልጽ እዩ፣ ብዘይካዚ ድማ፡ ካብ ናይ ሓሶት ተስፋ የጠንቅቐና እዩ። መዝሙር 146:3፡ “ብመሳፍንቲ ዀነ፡ በቲ ኼድሕን ዘይክእል ወዲ ሰብ ኣይትተኣመኑ” ትብል። ድሕነት ንምርካብ ብሰባት ኣብ ክንዲ እንእመን፡ ኣብቲ ኸምቲ ዘተስፈዎ ኺገብር ሓይሊ ዘለዎ ፈጣሪና ኽንውከል ኣሎና። እሞኸ ንሱ እንታይ ኣተስፍዩና ኣሎ፧ ነዚ ዚስዕብ እስከ ንርኣዮ።
እከይ ይውገድ፣ ንጻድቃን ከኣ ሰላም ይበዝሓሎም፦ መዝሙር 37:10, 11፡ “ድሕሪ ቝሩብ፡ እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም፣ . . . ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ” ትብል። ፍቕዲ 29 ከኣ፡ ‘ጻድቃን ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም’ ትብል።
ንውግእ መወዳእታ ይግበረሉ፦ “የሆዋ . . . ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ። ንቐስቲ ይሰብሮ፡ ንዂናት ድማ ይቐራስሞ፣ ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ።”—መዝሙር 46:8, 9።
ሕማም፡ መከራ፡ ወይ ሞት ኣይህሉን፦ “ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ . . . ኪኸውን እዩ። ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:3, 4።
እኹል ምግቢ ንዅሉ፦ “ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ከኣ ኣኺሉ ኺተርፍ እዩ።”—መዝሙር 72:16።
ክርስቶስ ዝገዛኢኣ ፍትሒ ዝሰፈና ሓንቲ ዓለምለኻዊት መንግስቲ፦ “ኵሎም ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ፡ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን [ንየሱስ ክርስቶስ] ተዋህቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፣ መንግስቱ እውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ።”—ዳንኤል 7:14።
እዚ ተስፋታት እዚ ኸም ዚፍጸም ብኸመይ ርግጸኛታት ንኸውን፧ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንጉስ ኪኸውን ብቕዓት ከም ዘለዎ ብግህዶ ኣርእዩ እዩ። ከመይሲ፡ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ድኻታት መጊቡ፡ ምውታት እውን ኣተንሲኡ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ትምህርትታቱ ሰባት ብሰላምን ብሓድነትን ንዘለኣለም ኪነብሩ ዜኽእሎም ስርዓታት ዝሓዘ እዩ። የሱስ ብዛዕባ መጻኢ እውን ተነብዩ እዩ፣ ገለ ኻብኡ ድማ ምልክት እዘን እንነብረለን ዘለና ዳሕሮት መዓልትታት ይርከቦ።
ቅድሚ እቲ ራህዋ ዘሎ ጸበባ
የሱስ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ሰላምን ደሓንን ዘይኰነስ፡ ብኣንጻሩ ኸም ዚኸውን እዩ ተነብዩ ነይሩ። ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” እተዛረቦ ብዙሕ መዳያት ዝሓቘፈ ምልክት፡ ዓለምለኻዊ ውግእ፡ ጥሜት፡ ለበዳ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተዘርዚሩ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:3, 7፣ ሉቃስ 21:10, 11፣ ራእይ 6:3-8) ብዘይካዚ የሱስ፡ “ጥሕሰት ሕጊ ስለ ዚበዝሕ ድማ፡ ናይ መብዛሕትኦም ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ” ኢሉ ነይሩ እዩ።—ማቴዎስ 24:12።
ናይ መብዛሕትኦም ፍቕሪ ኸም ዝዘሓለት ብእተፈላለየ መገዲ ይርአ እዩ፣ ካልእ ጸሓፊ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ነዚ ዘርዚርዎ ኣሎ። ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፡ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት፡” ሰባት ብሓፈሻኡ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ፈተውቲ ተድላ፡ ዕቡያት፡ ጨካናት ከም ዚዀኑ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ መንጎ ስድራ ቤት ዘላ ፍቕሪ ኸም እትጠፍእ፡ ውሉዳት ንወለዶም ዘይእዘዙ ኸም ዚዀኑ፡ ሃይማኖታዊ ግብዝና ኸኣ ከም ዜስፋሕፍሕ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።
እዚ ዅሉ፡ ዓለምና ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዘላ የረጋግጽ። እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ ራህዋ ኸም ዚቐረበ እውን የረጋግጽ። የሱስ ነቲ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት እተነበዮ ትንቢት ኺድምድም ከሎ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” ኢሉ መረጋገጺ ሂቡ ነይሩ እዩ።—ማቴዎስ 24:14።
እዚ ብስራት እዚ ንገበርቲ ኽፉእ መጠንቀቕታ፡ ንጻድቃን ድማ ተስፋ እዩ ዚዀኖም፣ እወ፡ ጻድቃን ነቲ በረኸት ኣብ ቀረባ ግዜ ኸም ዚረኽብዎ መረጋገጺ ይዀኖም እዩ። ብዛዕባ እዚ በረኸት እዚ ብዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ገጽ እዛ መጽሔት እዚኣ ርአ።