ንቕሑ! ቍ. 1 2018 | መገዲ ሓጐስ
ብሓጐስ ክንነብር ዜኽእለና ዜተኣማምን መምርሒ ኣበይ ክንረክብ ንኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብመገዶም መንቅብ ዘይብሎም . . . ሕጉሳት እዮም” ይብል።—መዝሙር 119:1።
እዘን ሸውዓተ ዓንቀጻት እዚአን፡ ንሓጐስ ብዙሕ ኣበርክቶ ብዛዕባ ዚገብር ዜተኣማምንን ፍቱንን ነገራት ይገልጻ።
መገዲ ሓጐስ
ዕግበትን ልግስን
ብዙሓት ሰባት ንሓጐስን ንኣሳልጦን ብጥሪትን ብሃብትን እዮም ዚልክዕዎ። ገንዘብን ጥሪትን ነባሪ ሓጐስ የምጽእ ድዩ፧ መርትዖታት እንታይ ይሕብር፧
መገዲ ሓጐስ
ብዛዕባ መገዲ ሓጐስ ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ
ንሓጐስ ወይ ንጓሂ ሓደ ሰብ ብዙሕ ረቛሒታት ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። ኣብ ህይወትካ ኣገዳሲ ብዛዕባ ዝዀነ መዳያት ከመይ ጌርካ ሓበሬታ ኽትረክብ ከም እትኽእል ርአ።