ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

1924—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት

1924—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት

ናይ ጥሪ 1924 ሕታም ቡለቲን፡ “ኵሉ ጥሙቕ ክርስትያን . . . ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሰፊሕ ናይ ኣገልግሎት ኣጋጣሚታት ንምንዳይ፡ መጀመርታ እዛ ዓመት ጽቡቕ ግዜ ኪኸውን ይኽእል እዩ” ዚብል ቃላት ሒዛ ነበረት። a እታ ዓመት እቲኣ ምስ ጀመረት ከኣ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብትብዓት ተበግሶታት ብምውሳድን ብዘይ ፍርሂ ብምስባኽን ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ተግባር ኣውዒሎምዎ እዮም።

ፈነወ ረድዮ ብትብዓት ጀመሩ

ኣብ ቤት-ኤል ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ፡ ኣብ ስታተን ኣይላንድ፡ መደበር ረድዮ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. ንምቛም ንልዕሊ ዓመት ሰርሑ። ነቲ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ኣግራብ ምስ ቈረጽዎ፡ ንሰራሕተኛታት ዚኸውን ዓብዪ ገዛ ሰርሑ፡ ንመሳርሒ ዚኸውን ካልእ ህንጻ እውን ሃነጹ። እቲ ዕዮ ምስ ተወድአ፡ እቶም ኣሕዋት ንፈነወ ዚኸውን ኣድላዪ ናውቲ ኺእክቡ ጀመሩ። ብዙሕ ዕንቅፋታት ግና ኪሰግሩ ነበሮም።

እቶም ኣሕዋት ነቲ ናይቲ መደበር ቀንዲ ኣንቴና ምትካል ከበዶም። እቲ 91 ሜተር ዝቝመቱ ኣንቴና፡ ኣብ መንጎ 61 ሜተር ዝንውሓቱ ኽልተ ናይ ዕንጨይቲ ዓንዲ ኺስቀል ነበሮ። እቲ ናይ መጀመርታ ፈተነ ፈሸለ። ሳላ ሓገዝ የሆዋ ግና ኣብ መወዳእታ ተዓወቱ። ኣብቲ ዕዮ እተሳተፈ ካልቪን ፕሮሰር፡ “እቲ ናይ መጀመርታ ፈተነና እንተ ዚዕወት ነይሩ፡ ‘ዝሰራሕናዮ ርኢኹምዎዶ፧’ እናበልና ብርእስና ምተመካሕና ኔርና” ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ። ሳላ የሆዋ ኸም እተዓወቱ ኣይሰሓትዎን። ጸገማቶም ግና በዚ ኣየብቅዐን።

ሓደ ኻብ ኣዕኑድ ኣንቴና ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ር. ኪትከል ከሎ

ፈነወ ረድዮ ገና ኣብ ምጅማሩ እዩ ነይሩ፣ ብትካላት ንግዲ ዚፈሪ ናውቲ እውን ብቐሊሉ ኣይርከብን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እቶም ኣሕዋት ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ናይ 500 ዋት ትራንስሚተር ኣብቲ ኸባቢ ረኸቡ። ማይክሮፎን ኣብ ክንዲ ዚዕድጉ ድማ ካብ ሓንቲ ተሌፎን ወሰዱ። ሓደ ምሸት ኣብ ለካቲት ከኣ፡ ነቲ ሰኒዖም ዝሰርሕዎ ኺፍትንዎ ወሰኑ። ንፈነወ ዚኸውን መደብ ስለ ዘድለዮም፡ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ዘመሩ። አርነስት ሎ ናይቲ ሽዑ ዘጋጠመ ዜስሕቕ ነገር ተዘክሮኡ ገሊጹ ኣሎ። እቶም ኣሕዋት እናዘመሩ ኸለው፡ “ዳኛ” ብዚብል መዓርግ ዚጽዋዕ ዝነበረ ሓውና ራዘርፎርድ b ደወለ፣ ኣብቲ 25 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ብሩክሊን ኰይኑ እዩ ነቲ መዝሙር ብረድዮ ሰሚዕዎ።

ሓውና ራዘርፎርድ፡ “ያዕያዕ ኣይትበሉ! ደማሙ ኢኹም ትጥዕሙ ዘለኹም” በሎም። እቶም ኣሕዋት እናሓፈሩ ነቲ ትራንስሚተር ብቕልጡፍ ኣጥፍእዎ፣ ነቲ ናይ መጀመርታ ፈነወኦም ድሉዋት ምዃኖም ግና ኣረጋገጹ።

ብ24 ለካቲት 1924፡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ወግዓዊ ፈነወ፡ ሓውና ራዘርፎርድ፡ እቲ መደበር ረድዮ “ንረብሓታት መንግስቲ እቲ መሲሕ” ከም እተወፈየ ዚሕብር መደረ ኣቕረበ። ዕላማ እቲ መደበር ከኣ፡ “ሰባት ሃይማኖቶም ብዘየገድስ ንመጽሓፍ ቅዱስን ንትርጉም እቲ እንነብረሉ ዘለና ግዜን ኪርድኡ ንምሕጋዝ እዩ” ብምባል ገለጸ።

ጸጋም፦ ሓውና ራዘርፎርድ ኣብቲ ቐዳማይ ስቱድዮ

የማን፦ እቲ ትራንስሚተርን ናውቲ ፈነወን

እቲ ናይ መጀመርታ ፈነወ ዕዉት ነበረ። ንዚቕጽል 33 ዓመት ከኣ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. ማእከል እቲ በቲ ውድብ ዚግበር ፈነወ ረድዮ ዀነት።

ንመራሕቲ ሃይማኖት ብትብዓት ኰነኑ

ኣብ ሓምለ 1924፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኮለምበስ፡ ኦሃዮ፡ ኣኼባ ዞባ ገበሩ። ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣኼበኛታት ከኣ ኣብኡ ተኣከቡ። ነቲ መደረታት ድማ ብሃንጋርኛ፡ ብሊትወይንኛ፡ ብሩስያኛ፡ ብቛንቋታት ሃገራት ስካንዲነቭያ፡ ብእንግሊዝኛ፡ ብዓረብኛ፡ ብዩክረይንኛ፡ ብጀርመንኛ፡ ብግሪኽኛ፡ ብጣልያንኛ፡ ብፈረንሳይኛ፡ ብፖላንድኛ ተኸታተልዎ። ገሊኡ ኽፋል እቲ ኣኼባ ብረድዮ ተመሓላለፈ፣ ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ዚገልጽ መዓልታዊ ጸብጻብ ኣብ ኦሃዮ ስቴት ጆርናል እትብሃል ጋዜጣ ኺወጽእ እውን ምድላዋት ተገብረ።

ብ1924 ኣብ ኮለምበስ፡ ኦሃዮ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ

ሓሙስ 24 ሓምለ፡ ልዕሊ 5,000 ኣኼበኛታት ኣብ ስብከት ተሳተፉ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ዳርጋ 30,000 መጻሕፍቲ ኣበርከቱ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸር መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣጀመሩ። መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ነታ መዓልቲ እቲኣ፡ “ካብተን ኣኼባ እተገብረለን መዓልትታት፡ ልዕሊ ዅሉ እተሐጕስ መዓልቲ” ኢላ ጸውዓታ።

ዓርቢ 25 ሓምለ፡ ሓውና ራዘርፎርድ ኣብ ሓደ ኻብቲ መደረታቱ ንኻህናት ዚዅንን ሰነድ ብትብዓት ኣንበበ። እቲ ብመልክዕ ሕጋዊ ሰነድ እተዳለወ ጽሑፍ፡ ኣብ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ንግዳውን ዓውዲ ዚነጥፉ መራሕቲ “ንሰባት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘሰናደዎ በረኸት ህይወት ከይፈልጡ ኣደንቊሮምዎም” ከም ዘለዉ ዚነቅፍ ነበረ። ብተወሳኺ ድማ፡ እዞም ሰባት እዚኦም “ንእተኣሳሰራ መንግስትታት ደጊፎም እዮም፡ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ብፖለቲካዊ መዳይ ዚውክል’ ኢሎም እውን ኣዊጆም እዮም” ዚብል ቃላት ኣብቲ ሰነድ ሰፊሩ ነበረ። እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ መልእኽቲ እዚ ናብ ሰባት ንምብጻሕ ትብዓት የድልዮም ነበረ።

መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ንጽልዋ እቲ ኣኼባ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ገሊጻቶ ኣላ፦ “እዚ ኣብ ኣኼባ ኮለምበስ እተኣከበ ንእሽቶ ሰራዊት ጐይታ ብእምነት በርቲዑ እዩ ተመሊሱ፡ . . . ብዝዀነ ይኹን ሓይሊ ወይ በቲ ጸላኢ ዚውርውሮ ዜንበልብል ፍላጻታት ዘይሰዓር ኰይኑ እዩ ተመሊሱ።” ኣብቲ ኣኼባ እቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ሊዮ ክላውስ፡ “ካብቲ ኣኼባ ኽንምለስ ከለና፡ ነቲ መልእኽቲ ኣብ ክልና ንምዝርጋሕ ተሃንጢና ኢና ኔርና” ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ።

ቅዳሕ እታ ኤክለሲያስቲክስ ኢንዲክትድ ዘርእስታ ትራክት

ኣብ ጥቅምቲ፡ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሚልዮናት ቅዳሓት እታ ኤክለሲያስቲክስ ኢንዲክትድ ዘርእስታ ትራክት ዓደሉ፣ እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ነቲ ሓውና ራዘርፎርድ ኣብ መደረኡ ዘቕረቦ መልእኽቲ ዝሓዘት እያ ነይራ። ፍራንክ ጆንሰን ኣብ ክሊቭላንድ፡ ኦክላሆማ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ፡ ካብቲ ኻልኦት ኣስፋሕቲ ብማኪና ኺወስድዎ ዚመጹሉ እዋን 20 ደቒቕ ኣቐዲሙ ነቲ ትራክትታት ዓዲሉ ወድአ። ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ብስብከቱ እተቘጥዑ ሰባት የናድይዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ቃልዕ ቦታ ዀይኑ ኺጽበ ኣይከኣለን። ስለዚ፡ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ኪሕባእ ወሰነ። ኣብታ ቤተ ክርስትያን ዋላ ሓደ ሰብ ስለ ዘይነበረ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሰባኽን ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኮፍ መበልን ቅዳሓት እታ ኤክለሲያስቲክስ ኢንዲክትድ ዘርእስታ ትራክት ሓደገ። ካብታ ቤተ ክርስትያን ከኣ ከምታ ኣመጻጽኣኡ ብቕልጡፍ መሰስ ኢሉ ወጸ። ገና ግዜ ተሪፍዎ ብምንባሩ፡ ናብ ክልተ ኣብያት ክርስትያን ከይዱ ተመሳሳሊ ነገር ገበረ።

ድሕርዚ፡ ፍራንክ ናብታ ብማኪና ኺወስድዎ ዚመጹሉ ቦታ ተቐላጢፉ ኸደ። እቶም ዚደልይዎ ዝነበሩ ሰባት ከይረኽብዎ እናተቛመተ ብድሕሪ ሓደ መዐደሊ ነዳዲ ተሓብአ። እቶም ሰባት እቲኦም በቲ ቦታ እቲ ብማኪና ሓለፉ፣ ንዕኡ ግና ኣይረኣይዎን። ንሳቶም ምስ ሓለፉ ግና ኣብቲ ኸባቢ ኺሰብኩ ዝጸንሑ መገላግልቱ መጺኦም ብማኪና ወሰድዎ።

ሓደ ኻብቶም ኣሕዋት ከምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ገሊጹ እዩ፦ “ካብታ ኸተማ ኽንወጽእ ከለና፡ በተን ሰለስተ ኣብያተ ክርስትያን ኢና ሓሊፍና። ኣስታት 50 ዚዀኑ ሰባት ኣብ መንጽር ሰለስቲኡ ቤተ ክርስትያን ደው ኢሎም ነይሮም እዮም። ገሊኦም ነታ ትራክት እዮም ዜንብብዋ ነይሮም፣ ገሊኦም ከኣ ንሰባኺኦም የርእይዎ ነይሮም። መሸም ንስክላ ኢና ኣምሊጥና! ዕቝባ የሆዋ ኣምላኽና ስለ ዘይተፈልየና፡ ንጸላእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከነሽክዓሉ እንኽእል ፍልጠት እውን ስለ ዝረኸብና ኣመስጊና ኢና።”

ኣብ ኣገልግሎት ብትብዓት ሰበኹ

ዮሰፍ ክረት

እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ብትብዓት ሰቢኾም እዮም። ንኣብነት፡ ዮሰፍ ክረት ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፡ ካብ ፖላንድ ንዝመጹ ዓደንቲ ሰበኸሎም። “ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ትንሳኤ ምዉታት ኪኸውን እዩ” ዘርእስቱ መደረ ኬቕርብ መደብ ኣውጽአ። ወረቐት ዕድመ ንነበርቲ እታ ንእሽቶ ኸተማ ምስ ተዓደለ፡ ኣብቲ ዓዲ ዚርከብ ካህን ንምእመናኑ ናብቲ ኣኼባ ኸይከዱ ኣጠንቀቖም። እቲ መጠንቀቕታ ግና መዋዓውዒ እዩ ዀይኑ። ልዕሊ 5,000 ሰባት፡ እንተላይ እቲ ኻህን፡ ነቲ መደረ ሰምዕዎ! ሓውና ክረት ነቲ ኻህን፡ ንእምነቱ ኺማጐተሉ ሓተቶ፣ ንሱ ግና ኣበየ። ድሕሪ እቲ መደረ፡ እቶም ተኣከብቲ ንቓል ኣምላኽ ጽምኢ ስለ ዝነበሮም፡ ሓውና ክረት ሒዝዎ ዝኸደ ጽሑፋት ብምሉኡ ኣበርከተሎም።—ኣሞ. 8:11

ክሎድ ብራውን

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ክሎድ ብራውን ነቲ ብስራት ናብታ ሕጂ ጋና ተባሂላ እትፍለጥ ጎልድ ኮስት ኣብጽሖ። መደረታቱን እቲ ዝዓደሎ ጽሑፋትን፡ ኣብታ ሃገር እቲኣ ሓቂ ብቕልጡፍ ኪዝርጋሕ ኣኽኣለ። ፋርማሰኛ ንምዃን ዜጽንዕ ዝነበረ ጆን ብላንክሰን፡ ኣብ ሓደ ኻብ መደረታት ሓውና ብራውን ተረኽበ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ሓቂ ኸም ዝረኸበ ተፈለጦ። ጆን ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሓቂ ምስ ረኸብኩ ብሓጐስ ተሰራሲረ እየ፣ ኣብቲ ናይ ፋርማሲ ቤት ትምህርትና ኸኣ ብዛዕባ ሓቂ ብዙሕ እዛረብ ነይረ” ይብል።

ጆን ብላንክሰን

ትምህርቲ ስላሴ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይኰነ ጆን ፈለጠ። ድሕርዚ ሓደ መዓልቲ፡ ንሓደ ኻህን ብዛዕባ ስላሴ ንምሕታት ናብ ቤተ ክርስትያን ኣንግሊካን ከደ። እቲ ኻህን ድማ፡ “ንስኻ ክርስትያን ኣይኰንካን፣ ካብ ድያብሎስ ኢኻ። ውጻእ!” ኢሉ እናጨደረ ሰጐጎ።

ጆን ናብ ገዛኡ ምስ ተመልሰ፡ ናብቲ ኻህን ደብዳበ ጸሓፈ፣ ኣብታ ደብዳበ ኸኣ ንስላሴ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ኺጣበቐሉ ሓተቶ። እቲ ኻህን ድማ ንጆን ናብ ቤት ጽሕፈት ርእሰ መምህራን ኣጸውዖ፣ እቲ መምህር ከኣ ንጆን፡ ነታ ደብዳበ ብሓቂ እንተ ጽሒፍዋ ሓተቶ።

ሽዑ ጆን፡ “እወ ጐይታይ” ኢሉ መለሰ።

እቲ መምህር ድማ ንጆን፡ ናይ ይቕረታ ደብዳበ ናብቲ ኻህን ኪጽሕፍ ኣዘዞ። ስለዚ ጆን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦

“ጐይታይ፡ ናይ ይቕረታ ደብዳበ ኽጽሕፈልኩም መምህረይ ሓቲቶምኒ፣ ንስኹም ናይ ሓሶት ትምህርቲ ኸም እትምህሩ እንተ ኣሚንኩም፡ ናይ ይቕረታ ደብዳበ ንምጽሓፍ ድሉው እየ።”

እቲ መምህር በዚ ተገሪሙ፡ “ብላንክሰን፡ ከምዚ ኢልካ ኢኻ ኽትጽሕፍ፧” ኢሉ ሓተቶ።

ንሱ ድማ፡ “እወ ጐይታይ። ከምኡ ኢለ ጥራይ እየ ኽጽሕፍ ዝኽእል” በሎ።

እቲ መምህር ከኣ፡ “ክትስጐጕ ኢኻ። ንኻህን ናይ መንግስቲ ቤተ ክርስትያን ዚጻረር ነገር እናተዛረብካ፡ ከመይ ጌርካ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኽትከውን ትጽበ፧” በሎ።

ንሱ ድማ፡ “ግናኸ ጐይታይ፡ . . . ክትምህሩና ኸለኹም እንተ ዘይተረዲኡና፡ ሕቶታት ንሓትተኩም ደይኰንናን፧” በለ።

“እወ” ኢሉ መለሰ እቲ መምህር።

“ሕጂ እውን እኮ ኸምኡ እዩ ዀይኑ። እዞም ሰብኣይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህሩና ነይሮም፡ ኣነ ኸኣ ሕቶ ሓቲተዮም። ኪምልስዎ እንተ ዘይክኢሎም፡ ስለምንታይ እየ ይቕረታ ዝሓትት፧” በለ።

ዝዀነ ዀይኑ፡ ብላንክሰን ካብ ትምህርቲ ኣይተሰጕጐን። ይቕረታ እውን ኣይሓተተን።

ናብ መጻኢ ይጥምቱ ነበሩ

መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ንንጥፈታት እታ ዓመት ከምዚ ብምባል ኣሕጽር ኣቢላ ገሊጻቶ ኣላ፦ “ከም ዳዊት፡ ‘ንውግእሲ ሓይሊ ኣዕጢቕካኒ’ ኽንብል ንኽእል ኢና። (መዝሙር 18:39) ኢድ ጐይታ . . . ስለ ዝረኣና፡ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ተተባቢዕና ኢና። ኵሎም እሙናት . . . ብታሕጓስ ኪምስክሩ ጸኒሖም እዮም።”

ኣብ ኣጋ መወዳእታ እታ ዓመት፡ ኣሕዋት ነቲ ብረድዮ ዚቐርብ ኣገልግሎት ኬስፍሕዎ መደቡ። ኣብ ጥቓ ሺካጎ ኣብ እትርከብ ካልእ መደበር ረድዮ ዕዮ ተጀመረ። እቲ ሓድሽ መደበር፡ WORD (“ቃል” ዝትርጉሙ) ዚብል ጽቡቕ ስያመ ነበሮ። በቲ ናይ 5,000 ዋት ትራንስሚተር ኣቢልካ ኸኣ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት፡ ክሳብ ሰሜናዊ ካናዳ ተዘርግሐ።

ኣብ ዓመት 1925፡ ነቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሽ መንፈሳዊ ብርሃን በርሃሎም፡ ንራእይ ምዕራፍ 12 እውን ኪርድእዋ ኸኣሉ። በዚ ግና ገሊኦም ተዓንቀፉ። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰማይ ብዛዕባ ዝዀነ ነገራትን እዚ ኣብ ምድሪ ንዚርከቡ ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ ዜሕድሮ ጽልዋን ኪርድኡ ብምኽኣሎም ተሓጐሱ።

a ሕጂ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ።

b እቲ ኣብ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሕ ግደ ዝነበሮ ጆሴፍ ራዘርፎርድ፡ ዳኛ ብዚብል መዓርግ ይጽዋዕ ነበረ። ኣብ ቤት-ኤል ቅድሚ ምእታዉ፡ ኣብ ሻምናይ ቤት ፍርዲ ሚዙሪ ፍሉይ ዳኛ ዀይኑ ኣገልጊሉ ነይሩ እዩ።