ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 41

መዝሙር 13 ክርስቶስ ኣርኣያና

ካብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዘሕለፎ ናይ መወዳእታ 40 መዓልቲ እንረኽቦ ትምህርቲ

ካብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዘሕለፎ ናይ መወዳእታ 40 መዓልቲ እንረኽቦ ትምህርቲ

“40 መዓልቲ እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናነገሮምን፡ . . . ገዛእ ርእሱ ኣርኣዮም።”—ግብ. 1:3

ኣትኵሮ

ነቲ የሱስ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ 40 መዓልቲ ዝገደፎ ኣብነት ብኸመይ ከም እትስዕብ።

1-2. ንኽልተ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ናብ ኤማሁስ ኪኸዱ ኸለዉ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧

 እዋኑ 16 ኒሳን 33 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብሓዘን ደንዚዞም፡ ብፍርሂ እውን ለሚሶም እዮም ነይሮም። ክልተ ኻባታቶም ካብ የሩሳሌም 11 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ናብ እትርሕቕ ኤማሁስ እትብሃል ቍሸት ይኸዱ ነበሩ። እዞም ክልተ ሰብኡት፡ እቲ ዚስዕብዎ ዝነበሩ የሱስ ስለ እተቐትለ፡ ተደቚሶም እዮም ነይሮም። እቲ መሲሕ ኪፍጽሞ ዚጽበይዎ ዝነበሩ ተስፋ ኸኣ ዝጠፍአ እዩ ዚመስል ነይሩ። ቍሩብ ጸኒሑ ግና ዘይተጸበይዎ ነገር ኣጋጠመ።

2 ሓደ ጋሻ ረኸቦም እሞ ምስኦም ኪኸይድ ጀመረ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ንየሱስ ዘጋጠሞ ዜሕዝን ፍጻመታት ነገርዎ። ሽዑ እቲ ጋሻ፡ ፈጺሞም ዘይርስዕዎ ነገራት ኪነግሮም ጀመረ። “ካብ ሙሴን ካብ ኵሎም ነብያትን ጀሚሩ፡” መሲሕ ስለምንታይ ኪሳቐን ኪመውትን ከም ዝነበሮ ገለጸሎም። እዞም ሰለስተ ሰብኡት ኣብ ኤማሁስ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ እቲ ጋሻ መንነቱ ኣግሃደሎም፣ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ እዩ ነይሩ! እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ እቲ መሲሕ ህያው ምዃኑ ምስ ፈለጡ እተሰምዖም ሓጐስ እሞ ገምቶ!—ሉቃ. 24:13-35

3-4. ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንታይ እዩ ኣጓኒፍዎም፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ እንታይ ኢና ኽንምሃር፧ (ግብሪ ሃዋርያት 1:3)

3 የሱስ ኣብተን ኣብ ምድሪ ዝጸንሓለን ናይ መወዳእታ 40 መዓልቲ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ሳዕ ተራእዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:3 ኣንብብ።) እቶም ብጓህን ብፍርህን ተዀርምዮም ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ ከኣ ናብ ሕጉሳትን ተባዓትን ሰበኽትን መምህራንን መንግስቲ ኣምላኽ ተቐየሩ። a

4 ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወት የሱስ መሳጢ ዝነበረ እዋን ምስ እንምርምር ንጥቀም ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሱስ (1) ንደቀ መዛሙርቱ ንምትብባዕ፡ (2) ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘለዎም ርድኢት ንምስፋሕ፡ (3) ዓበይቲ ሓላፍነታት ኪስከሙ ንምስልጣን፡ ንግዜኡ ብኸመይ ከም እተጠቕመሉ ኽንምርምር ኢና። ንሕና እውን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዳያት ንየሱስ ብኸመይ ክንመስሎ ኸም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

ንሰባት ኣተባብዕ

5. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምትብባዕ ዜድልዮም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

5 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምትብባዕ የድልዮም ነበረ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ገሊኦም ኣባይቶም፡ ገሊኦም ስድራ ቤቶም፡ ገሊኦም ከኣ ስራሖም ሓዲጎም፡ ብምሉእ ግዜኦም ንየሱስ ይስዕብዎ እዮም ነይሮም። (ማቴ. 19:27) ገሊኦም ከኣ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ስለ ዝዀኑ፡ ካብ ማሕበረ ሰብ ተሰጒጐም እዮም ነይሮም። (ዮሃ. 9:22) የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ስለ ዝኣመኑ፡ መስዋእቲ ኪኸፍሉ ፍቓደኛታት እዮም ነይሮም። (ማቴ. 16:16) የሱስ ምስ ተቐትለ ግና ተስፋኦም ጸልመተ፡ ልቦም እውን ተሰብረ።

6. የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ እንታይ ገበረ፧

6 የሱስ፡ ናይ ደቀ መዛሙርቱ ጓሂ ኸም ምልክት መንፈሳዊ ድኽመት ገይሩ ኣይኰነን ርእይዎ፡ ንቡር ሓዘን ምዃኑ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። ስለዚ ኸኣ ኣብታ ኻብ ሞት ዝተንስኣላ መዓልቲ ኣትሒዙ ኼተባብዖም ጀመረ። ንኣብነት፡ ንማርያም መግደላዊት ኣብ ጥቓ እቲ መቓብር ኰይና ኽትበኪ ኸላ ተራእያ። (ዮሃ. 20:11, 16) ከምቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ ዝረኣናዮ ኸኣ ንኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ተራእዮም። ንሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ተራእዮ። (ሉቃ. 24:34) ካብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ንምሃር፧ ንማርያም መግደላዊት ምስ ተራእያ እንታይ ከም ዘጋጠመ እስከ ንመርምር።

7. ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 20:11-16 ተሓቢሩ ዘሎ፡ ኣብ ወጋሕታ 16 ኒሳን፡ ማርያም እንታይ ክትገብር ከላ እዩ የሱስ እተዓዘበ፧ እዚኸ እንታይ ንምግባር ኣለዓዓሎ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

7 ዮሃንስ 20:11-16 ኣንብብ። ኣብ ወጋሕታ 16 ኒሳን፡ እተወሰና እሙናት ኣንስቲ ናብቲ ሬሳ የሱስ ተነቢሩሉ ዝነበረ መቓብር ከዳ። (ሉቃ. 24:1, 10) ኣብ ሓንቲ ኻባታተን፡ ማለት ኣብ ማርያም መግደላዊት እሞ ነተኵር። ማርያም ናብቲ መቓብር ምስ መጸት፡ እቲ መቓብር ጥራዩ ነበረ። ስለዚ፡ ጐይያ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ነገረቶም፣ ንሳቶም ከኣ ናብቲ መቓብር ጐየዩ፡ ንሳ እውን ሰዓበቶም። እቲ መቓብር ጥራዩ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጹ፡ እቶም ሰብኡት ነናብ ቤቶም ተመልሱ። ማርያም ግና ኣይከደትን። ኣብኡ እናበኸየት ደው በለት። የሱስ ይርእያ ኸም ዝነበረ ግና ኣይፈለጠትን። ናይዛ እምንቲ ሰበይቲ ንብዓት ተዓዘበ፡ ልቡ ድማ ተተንከየ። ስለዚ፡ ንማርያም ተራእያ፡ ኣዝዩ ዜተባብዕ ቀሊል ነገር ድማ ገበረላ። እወ፡ ተዛረባ፡ ኣገዳሲ ዕዮ እውን ሃባ፣ ናብ ኣሕዋቱ ኸይዳ ኻብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ኸተበስሮም ነገራ።—ዮሃ. 20:17, 18

ኣስተብሃሊ ብምዃንን ነቶም እተደቝሱ ብምድንጋጽን ንየሱስ ምሰሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)


8. ንየሱስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

8 ንየሱስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧ ንሕና እውን ከም የሱስ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ጭንቀት ንርድኣሎምን ብርሕራሐ ንዛረቦምን እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ብቐጻሊ ኼገልግልዎ ኸነተባብዖም ንኽእል ኢና። ተመክሮ ጆሰሊን እትብሃል ሓብታ ብሓደጋ ዝሞተታ ሓብቲ እሞ ንርአ። ንሳ፡ “ንብዙሕ ኣዋርሕ ብቐጻሊ ኣብ ከቢድ ሓዘን እየ ነይረ” ትብል። ሓደ ሓው ምስ ብዓልቲ ቤቱ ናብ ቤቶም ምስ ዓደምዋ ግና ብርሕራሐ ሰምዕዋ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽብርቲ ምዃና ድማ ኣረጋገጹላ። ቀጺላ ኸምዚ ትብል፦ “ብርቱዕ ማዕበል ካብ ዘለዎ ባሕሪ ምእንቲ ኼውጽኡኒ የሆዋ ዝለኣኾም ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ነቲ ንየሆዋ ወትሩ ኸገልግሎ ዝነበረኒ ድሌት ኪምለስ እዮም ሓጊዞምኒ።” ንሕና እውን፡ ኣሕዋትና ናይ ልቦም ኬፍስሱልና ኸለዉ ጽን ኢልና ብምስማዕን ብርሕራሐ ብምዝራብን ከነተባብዖም ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ኪጸንዑ ኸነበራትዖም ንኽእል።—ሮሜ 12:15

ብቕዱሳት ጽሑፋት ጌርካ ኣረድእ

9. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንታይ ዕንቅፋት ኣጋጠሞም፧ የሱስከ ብኸመይ ሓገዞም፧

9 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንቓል ኣምላኽ ተቐቢሎምዎ እዮም፣ ኣብ ህይወቶም ኬውዕልዎ እውን ዚከኣሎም ገይሮም እዮም። (ዮሃ. 17:6) ይኹን እምበር፡ የሱስ ከም ገበነኛ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቒሉ ሙማቱ ኪቕበልዎ ኣይከኣሉን። እዚ ጥርጣረታቶም እዚ ኻብ ምጕዳል እምነት ዝነቐለ ዘይኰነስ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ካብ ዘይምርዳኦም ዝነቐለ ምዃኑ የሱስ ኣስተብሃለ። (ሉቃ. 9:44, 45፣ ዮሃ. 20:9) ስለዚ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ኪርድእዎ መሃሮም። ኣብዚ መዳይ እዚ ነቶም ናብ ኤማሁስ ዚኸዱ ዝነበሩ ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ንርአ።

10. የሱስ ንሱ እቲ መሲሕ ምዃኑ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ኣእመኖም፧ (ሉቃስ 24:18-27)

10 ሉቃስ 24:18-27 ኣንብብ። የሱስ ብኡብኡ መንነቱ ኸም ዘይገለጸሎም ኣስተብህል። ኣብ ክንዳኡስ ሕቶታት ሓተቶም። ስለምንታይ፧ ብልቦም ዚሓስብዎ ዝነበሩ ኺገልጹ ስለ ዝደለዮም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሳቶም ድማ ከምኡ ገበሩ። እቲ ንእስራኤላውያን ካብ መግዛእቲ ሮማውያን ሓራ ዜውጽኦም የሱስ ከም ዝዀነ ይጽበዩ ምንባሮም ነገርዎ። የሱስ ከኣ ሓሳባቶም ገሊጾም ምስ ወድኡ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ እንታይ ከም ዚብል ኣረድኦም። b ጸኒሑ ኣብታ ምሸት እቲኣ ኸኣ፡ ነቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ሓቅታት እዚ ገለጸሎም። (ሉቃ. 24:33-48) ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ንምሃር፧

11-12. (ሀ) ካብቲ የሱስ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃረሉ መገዲ እንታይ ንምሃር፧ (ስእልታት እውን ርአ።) (ለ) እቲ ንኖርቴ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃሮ ሓው ብኸመይ እዩ ሓጊዝዎ፧

11 ንየሱስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧ ፈለማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምህር ከለኻ ኣብ ልቢ እቶም ተምሃሮ ዘሎ ንምፍላጥ ዚሕግዝ ሕቶታት ብሜላ ሕተት። (ምሳ. 20:5) ሓሳባቶም ምስ ፈለጥካ፡ ምስ ኵነታቶም ዚሰማማዕ ጥቕሲ ብኸመይ ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ኣርእዮም። እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ኣይትንገሮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪምርምሩን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወቶም ኪትግብሩን ሓግዞም። ተመክሮ ሓደ ኖርቴ ዝስሙ ኣብ ጋና ዚነብር ሓው እሞ ንርአ።

12 ኖርቴ ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰነ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ። ብኡብኡ ግና ስድራ ቤቱ ተቓወምዎ። ኪጸንዕ ዝሓገዞ ግና እንታይ እዩ፧ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ዝነበረ ሓው፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ዚስጐጉ ብማቴዎስ ምዕራፍ 10 ገይሩ ኣረዲእዎ ነበረ። ኖርቴ ስምዒቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ መስጐጕቲ ምስ ጀመረ፡ ንሓቂ ኸም ዝረኸብክዋ እየ ኣረጋጊጸ” ይብል። ብዘይካዚ፡ መምህሩ ኣብ ቤት ንሃይማኖት ዚምልከት ጕዳይ ኪልዓል ከሎ ብጥንቃቐን ብኣኽብሮትን ምእንቲ ኺዛረብ ንማቴዎስ 10:16 ኺሓስበላ ሓገዞ። ኖርቴ ድሕሪ ጥምቀቱ ፈላሚ ኪኸውን ደለየ፡ ኣቦኡ ግና ናብ ዩኒቨርሲቲ ኺኣቱ እዩ ዚደልዮ ነይሩ። እቲ መምህሩ፡ ሕጂ እውን እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ኣብ ክንዲ ዚውስነሉ፡ ቅኑዕ ውሳነ ንምግባር ዚሕግዞ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኪዝክር ሕቶታት ሓተቶ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኖርቴ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪጅምር ወሰነ። ኣቦኡ ድማ ካብ ቤት ሰጐጎ። ኖርቴ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም እተሰምዖ ኺገልጽ ከሎ፡ “ቅኑዕ ውሳነ ኸም ዝገበርኩ ርግጸኛ እየ ነይረ” ይብል። ንሕና እውን ግዜ ወሲድና ንሰባት ብቕዱሳት ጽሑፋት ኪሓስቡ እንተ ደጊፍናዮም፡ ድልዱላት ክርስትያናት ኪዀኑ ኢና እንሕግዞም።—ኤፌ. 3:16-19

ሰባት ንቕዱሳት ጽሑፋት ኪርድእዎ ብምሕጋዝ ንየሱስ ምሰሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) e


ኣሕዋት “ውህበት ሰባት” ምእንቲ ኪዀኑ ሓግዞም

13. የሱስ እቲ ኣቦኡ ዝሃቦ ዕዮ ብቐጻሊ ኸም ዚዕየ ንምግባር እንታይ እዩ ገይሩ፧ (ኤፌሶን 4:8)

13 የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ነቲ ኣቦኡ ዝሃቦ ዕዮ ብግቡእ ፈጺምዎ እዩ። (ዮሃ. 17:4) እንተዀነ ግና፡ ‘ሓደ ነገር ብልክዕ ኪስራሕ እንተ ደሊኻ፡ ባዕልኻ ኽትገብሮ ኣሎካ’ ዚብል ኣተሓሳስባ ኣይነበሮን። ኣብቲ ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ኣገልግሎቱ፡ ነቲ ዕዮ ምእንቲ ኺዓይዩ ንኻልኦት ኣሰልጢኑ እዩ። ናብ ሰማይ ቅድሚ ምምላሱ ኸኣ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነተን ክቡራት ኣባጊዕ የሆዋ ኺኣልይወንን ኣብ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ መሪሕነት ኪወስዱን ሓላፍነት ሃቦም። ኣብቲ እዋን እቲ ገሊኦም ኣብ 20ታት ዕድሚኦም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ኤፌሶን 4:8 ኣንብብ።) የሱስ ነቶም ውፉያትን እሙናትን ጻዕራማትን ዝነበሩ ሰብኡት፡ ብቑዓት “ውህበት ሰባት” ምእንቲ ኪዀኑ ኣብ ምሕጋዝ፡ ነተን ናይ መወዳእታ 40 መዓልቲ እተጠቕመለን ብኸመይ እዩ፧

14. የሱስ ኣብተን ኣብ ምድሪ ዝነበረለን ናይ መወዳእታ 40 መዓልቲ፡ ንደቀ መዛሙርቱ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

14 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብግልጺ ግናኸ ብፍቕራዊ መገዲ ምኽሪ ሂብዎም እዩ። ንኣብነት፡ ገለ ኻባታቶም ከም እተጠራጠሩ ምስ ኣስተብሃለ፡ ምኽሪ ሂብዎም እዩ። (ሉቃ. 24:25-27፣ ዮሃ. 20:27) ካብ ዓለማዊ ስራሖም ንላዕሊ ንጕስነት እተን ኣባጊዕ ብዝያዳ ኼስተብህሉሉ መዓዶም። (ዮሃ. 21:15) ንርእሶም ምስቲ ኻልኦት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚገብርዎ እጃም ብዘየድሊ ኸየወዳድሩ ኣጠንቀቖም። (ዮሃ. 21:20-22) ብተወሳኺ፡ ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነበሮም ግጉይ ኣተሓሳስባ ኣሪምዎም፡ ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ ኬተኵሩ ኸኣ ሓጊዝዎም እዩ። (ግብ. 1:6-8) እምበኣር፡ ሽማግለታት ካብ የሱስ እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

ሰብኡት ናብ ተወሳኺ ሓላፍነት ምእንቲ ኺበቕዑ ብምሕጋዝ ንየሱስ ምሰሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)


15-16. (ሀ) ሽማግለታት በየናይ መገድታት እዮም ንየሱስ ኪመስልዎ ዚኽእሉ፧ ግለጽ። (ለ) ፓትሪክ ካብቲ እተዋህቦ ምኽሪ ብኸመይ እዩ ተጠቒሙ፧

15 ሽማግለታት ንየሱስ ብኸመይ ኪመስልዎ ይኽእሉ፧ ንመንእሰያት ኣሕዋት ናይ ጉባኤ ሓላፍነት ምእንቲ ኺስከሙ ኼሰልጥንዎምን ኪሕግዝዎምን ኣለዎም። c ሽማግለታት ካብቶም ሰልጠንቲ ፍጽምና ኣይጽበዩን እዮም። ነቶም መንእሰያት ኣሕዋት፡ ትሑታትን እሙናትን ብፍታዎም ዜገልግሉን ንምዃን ዜድልዮም ተመክሮ ኽሳዕ ዜጥርዩ ፍቕራዊ ምኽሪ ይህብዎም እዮም።—1 ጢሞ. 3:1፣ 2 ጢሞ. 2:2፣ 1 ጴጥ. 5:5

16 ፓትሪክ ዝስሙ ሓው ካብቲ እተዋህቦ ምኽሪ ብኸመይ ከም እተጠቕመ ንርአ። ፓትሪክ ብግዜ ንእስነቱ፡ ንኻልኦት ሰባት፡ ዋላ እውን ንኣሓት፡ ተሪር ቃላት ይዛረብን ጐዳኢ ተግባር ይገብርን ነበረ። ሓደ ብሱል ሽማግለ ሓው ነዚ ናይ ፓትሪክ ድኽመት ኣስተብሃለሉ እሞ ብሕያውነት ቀጥታዊ ምኽሪ ሃቦ። ብዛዕባ እዚ ፓትሪክ ከምዚ ይብል፦ “ከምኡ ብምግባሩ ተሓጒሰ እየ። ካልኦት ኣሕዋት እቲ ኣነ ዝምነዮ ዝነበርኩ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ኪረኽቡ ኽርኢ ኸለኹ ተስፋ እቘርጽ ነይረ እየ። ናይቲ ሽማግለ ምኽሪ ግና ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ኣብ ምርካብ ዘይኰነስ፡ ንኣሕዋተይን ንኣሓተይን ብትሕትና ኣብ ምግልጋል ከተኵር ሓጊዙኒ እዩ።” ከም ውጽኢቱ ኸኣ ፓትሪክ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድመኡ ሽማግለ ዀይኑ ተሸመ።—ምሳ. 27:9

17. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዚኣምኖም ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

17 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺሰብኩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኪምህሩ እውን ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። (ማቴ. 28:20) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ዕዮ ዘይበቕዑ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ግና ነቲ ዕዮ ኺፍጽምዎ ኸም ዚኽእሉ ጥርጣረ ዚብሃል ኣይነበሮን። ብኣታቶም ከም ዚተኣማመን ኪገልጸሎም ከሎ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ከምቲ ኣቦ ንዓይ ዝለኣኸኒ፡ ኣነ እውን ንዓኻትኩም እልእከኩም ኣለኹ።”—ዮሃ. 20:21

18. ሽማግለታት ንየሱስ ብኸመይ ኪመስልዎ ይኽእሉ፧

18 ሽማግለታት ንየሱስ ብኸመይ ኪመስልዎ ይኽእሉ፧ ምኩራት ሽማግለታት፡ ንኻልኦት ሓላፍነታት የካፍሉ እዮም። (ፊል. 2:19-22) ንኣብነት፡ ሽማግለታት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምጽራይን ኣብ ምጽጋንን ንመንእሰያት ኬሳትፍዎም ይኽእሉ እዮም። ሓደ ዕዮ ምስ ሃብዎም፡ ስልጠና ብምሃብን ነቲ ዕዮ ብግቡእ ከም ዚዓምምዎ ብምእማንን፡ በቶም ነቲ ዕዮ እተመዘዙ ኸም ዚተኣማመኑ ኼርእዩ ይኽእሉ እዮም። ማቲው ዝስሙ ሓደ ሓድሽ ሽማግለ፡ ነቶም ዘሰልጠንዎ ምኩራት ሽማግለታት ናይ ሓቂ ኸም ዜማስወሎም ይገልጽ እዩ። እቶም ሽማግለታት ንእተዋህቦ ዕዮ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ብግቡእ ኣሰልጢኖምዎን ኣብ መፈጸምታኡ ኸም ዜብጽሖ ኣሚኖምዎን እዮም። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ንጌጋታተይ ክፋል እቲ ናይ ምምሃር መስርሕ ገይሮም ስለ ዝረኣይዎን ምምሕያሽ ክገብር ስለ ዝሓገዙንን ተጠቒመ እየ።” d

19. እንታይ ንምግባር ኢና ቘራጽነት ክንገብር ዘሎና፧

19 የሱስ ነተን ኣብ ምድሪ ዝጸንሓለን ናይ መወዳእታ 40 መዓልቲ፡ ንኻልኦት ንምትብባዕን ንምምሃርን ንምስልጣንን እዩ ተጠቒሙለን። ንሕና ኸኣ ኣብነቱ ንምስዓብ ቈራጽነት ንግበር። (1 ጴጥ. 2:21) ንሱ እውን ከምኡ ኽንገብር ኪሕግዘና እዩ። ከመይሲ፡ “ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩልና እዩ።—ማቴ. 28:20

መዝሙር 15 በዅሪ የሆዋ ይወደስ!

a የሱስ ምስ ተንስአ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ግዜ ኸም እተራእዮም ኣብ ወንጌላትን ኣብ ካልእ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ተገሊጹ ኣሎ። ንማርያም መግደላዊት (ዮሃ. 20:11-18)፣ ንኻልኦት ኣንስቲ (ማቴ. 28:8-10፣ ሉቃ. 24:8-11)፣ ን2 ደቀ መዛሙርቱ (ሉቃ. 24:13-15)፣ ንጴጥሮስ (ሉቃ. 24:34)፣ ቶማስ ኣብ ዘይነበረሉ ንሃዋርያቱ (ዮሃ. 20:19-24)፣ ቶማስ ኣብ ዝነበረሉ ንሃዋርያቱ (ዮሃ. 20:26)፣ ን7 ደቀ መዛሙርቱ (ዮሃ. 21:1, 2)፣ ንልዕሊ 500 ደቀ መዛሙርቱ (ማቴ. 28:16፣ 1 ቈረ. 15:6)፣ ንሓዉ ያእቆብ (1 ቈረ. 15:7)፣ ንዅሎም ሃዋርያት (ግብ. 1:4)፣ ንሃዋርያት ኣብ ጥቓ ቢታንያ ተራእይዎም እዩ። (ሉቃ. 24:50-52) ብዘይካዚ፡ ካልእ እተራእየሉ ኣጋጣሚታት ከይተመዝገበ ዝተረፈ ኺህሉ ይኽእል እዩ።—ዮሃ. 21:25

b ዝርዝር መሲሓዊ ትንቢታት ንምርካብ ኣብ jw.org፡ “መሲሓዊ ትንቢታት፡ የሱስ መሲሕ ምዃኑ የረጋግጽ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

c ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ካብ መፋርቕ ክሳዕ መወዳእታ 20ታት ዝዕድሚኦም ብቝዓት ሰብኡት፡ ሓላው ወረዳ ዀይኖም ኪሽየሙ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ እዞም ሰብኡት እዚኦም ፈለማ ሽማግለታት ኰይኖም ተመክሮ ኼጥርዩ ኣለዎም።

d ንንኣሽቱ ኣሕዋት ንሓላፍነት ኪበቕዑ ብኸመይ ከም እትሕግዞም ተወሳኺ ምኽሪ ንምርካብ፡ ናይ ነሓሰ 2018 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 11-12፡ ሕ.ጽ. 15-17፡ ከምኡ እውን ናይ 15 ሚያዝያ 2015 ገጽ 3-13 ተወከስ።

e መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ከም ዚብል ምስ ተረድኦ፡ ናይ በዓል ልደት ክርስቶስ ስልማታት ይጕሕፍ።