ዓንቀጽ መጽናዕቲ 42
መዝሙር 103 ውህበት ሰባት ዝዀኑ ጓሶት
ነቶም “ውህበት ሰባት” ዘሎካ ሞሳ ግለጽ
“ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ፡ . . . ውህበት ሰባት ሂቡ።”—ኤፌ. 4:8።
ኣትኵሮ
ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን ሓለውቲ ወረዳን ብኸመይ ከም ዚሕግዙና፡ ከምኡ እውን እዞም እሙናት ሰብኡት ንዚገብሩልና ሰናይ ብኸመይ ሞሳና ኸም እንገልጽ።
1. ገለ ኻብቲ ኻብ የሱስ እተቐበልናዮ ውህበታት እንታይ እዩ፧
ከም የሱስ ዝበለ ለጋስ ሰብ ኣይነበረን። ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብተኣምራዊ ሓይሉ ገይሩ ንኻልኦት ብናጻ ሓጊዙ እዩ። (ሉቃ. 9:12-17) ህይወቱ ምእንታና ብምሃብ ከኣ፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ውህበት ሂቡና እዩ። (ዮሃ. 15:13) ድሕሪ ትንሳኤኡ እውን ከይተረፈ ልግሱ ኣርእዩና እዩ። ከምቲ ቓል ዝኣተዎ፡ ንምምሃርን ንምጽንናዕን ዚኸውን መንፈስ ቅዱስ ኬፍስስ ንየሆዋ ለመኖ። (ዮሃ. 14:16, 17፡ እ.ጽ.፣ 16:13) ኣብ መላእ ዓለም ደቀ መዛሙርቲ ምእንቲ ኽንገብር ድማ፡ ብኣኼባታት ጉባኤ ኣቢሉ ስልጠና ይህበና ኣሎ።—ማቴ. 28:18-20።
2. እቶም ኣብ ኤፌሶን 4:7, 8 ተጠቒሶም ዘለዉ “ውህበት ሰባት” ንመን እዮም ዜጠቓልሉ፧
2 የሱስ ዝሃበና ኻልእ ውህበት እውን ንርአ። ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ፡ “ውህበት ሰባት” ከም ዝሃበ ሃዋርያ ጳውሎስ ጽሒፉ ኣሎ። (ኤፌሶን 4:7, 8 ኣንብብ።) የሱስ ነዞም ውህበት እዚኦም ዝሃበ፡ ነታ ጉባኤ ብእተፈላለየ መገዲ ምእንቲ ኺድግፍዋ ኢሉ ምዃኑ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። (ኤፌ. 1:22, 23፣ 4:11-13) ሎሚ እዞም “ውህበት ሰባት” እዚኦም ንኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ንሽማግለታት ጉባኤ፡ ንሓለውቲ ወረዳ የጠቓልሉ። a ልክዕ እዩ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ፡ ጌጋታት ይፍጽሙ እዮም። (ያእ. 3:2) ግናኸ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዓና ንምሕጋዝ ይጥቀመሎም እዩ፣ ምኽንያቱ ንዓና እተዋህቡ ውህበት እዮም።
3. ኵላትና ንዕዮ እቶም “ውህበት ሰባት” ብኸመይ ክንድግፍ ከም እንኽእል ኣብነት ሃብ።
3 የሱስ ነዞም “ውህበት ሰባት” እዚኦም፡ ነታ ጉባኤ ምእንቲ ኺሃንጽዋ እዩ መዚዝዎም። (ኤፌ. 4:12) እቶም ዝተረፍና ኸኣ፡ ነዚ ኣገዳሲ ሓላፍነት ምእንቲ ኺዋጽኡሉ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ገሌና ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጥታ ንሳተፍ ኢና። ገሌና ኸኣ ምግቢ ብምቕራብ፡ መጕዓዝያ ብምድላው፡ ወይ ካልእ ኣገልግሎት ብምሃብ ንድግፍ ኢና። ብተመሳሳሊ እውን፡ ኵላትና ነቲ ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታት ጉባኤን ሓለውቲ ወረዳን ዚገብርዎ ጻዕርታት ብቓልናን ብግብርናን ክንድግፍ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ካብ ጻዕርታቶም ብኸመይ ከም እንጥቀምን ንዓታቶምን ነቲ ነዞም “ውህበት ሰባት” እዚኦም ዝሃበና የሱስን ሞሳና ብኸመይ ክንገልጸሎም ከም እንኽእልን እስከ ንርአ።
ኣገልገልቲ ጉባኤ “ሓጋዚ ኣገልግሎት” ይህቡ
4. ገለ ኻብቲ ኣገልገልቲ ጉባኤ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝፈጸምዎ “ሓጋዚ ኣገልግሎት” እንታይ እዩ ነይሩ፧
4 ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ገሊኦም ኣሕዋት ኣገልገልቲ ጉባኤ ዀይኖም ተሸይሞም እዮም። (1 ጢሞ. 3:8) እዞም ኣገልገልቲ እዚኦም ከኣ፡ ነቲ ጳውሎስ፡ “ሓጋዚ ኣገልግሎት” ኢሉ ዝጠቐሶ ዚዓይዩ ዝነበሩ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረ. 12:28) ሽማግለታት ኣብቲ ናይ ምምሃርን ናይ ምጕሳይን ሓላፍነቶም ምእንቲ ኼተኵሩ፡ ነቲ ኻልእ ኣገዳሲ ነገራት ይዓይዩ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ምቕዳሕ፡ ወይ ከኣ ንምቕዳሕ ዜድሊ ናውቲ ኣብ ምዕዳግ ሓጊዞም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
5. ገለ ኻብቲ ኣገልገልቲ ጉባኤ ኣብዚ ግዜና ዚፍጽምዎ ዘለዉ ሓጋዚ ኣገልግሎት እንታይ እዩ፧
5 ገለ ኻብቲ ኣገልገልቲ ጉባኤ ኣብ ጉባኤኻ ዚፍጽምዎ ሓጋዚ ዕዮታት እሞ ሕሰብ። (1 ጴጥ. 4:10) ምስ ሕሳብ ጉባኤ ወይ ምስ ክሊ እታ ጉባኤ እተተሓሓዘ ዕዮ ኺዓይዩ፡ ጽሑፋት ኪእዝዙን ንኣስፋሕቲ ኬቕርቡሎምን፡ ናይ ድምጽን ቪድዮን መሳርሒ ኺቈጻጸሩ፡ ኣአንገድቲ ኪዀኑ፡ ወይ እውን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምጽጋን ምእንቲ ኺሕግዙ ኺምደቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ዅሉ ኣገልግሎታት እዚ፡ እታ ጉባኤ ብግቡእ ምእንቲ ኽትዓዪ ዜድሊ እዩ። (1 ቈረ. 14:40) ብተወሳኺ፡ ገሊኦም ኣገልገልቲ ጉባኤ ኣብ ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ክፍልታት የቕርቡ እዮም፡ ህዝባዊ መደረ እውን የቕርቡ እዮም። ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ሓጋዝ ሓላው ጕጅለ ዀይኑ ኼገልግል ይኽእል እዩ። ኣብ ገለ እዋናት ከኣ፡ ሽማግለታት ብቕዓት ንዘለዎም ኣገልገልቲ ጉባኤ ናብ ጕስነታዊ ምብጻሓት ኪማልእዎም ይኽእሉ እዮም።
6. ነቶም ህርኩታት ኣገልገልቲ ጉባኤና እነመስግነሉ ገለ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧
6 ኣገልገልቲ ጉባኤ ዚዓይይዎ ዕዮ ነታ ጉባኤ ዚጠቕማ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ቦሊቭያ እትነብር ቢበርሊ b ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ሳላ እቲ ኣገልገልቲ ጉባኤና ዚገብርዎ ጻዕሪ፡ ካብ ኣኼባታት ምሉእ ብምሉእ እጥቀም ኣለኹ። ክዝምር፡ ሓሳብ ክህብ፡ መደረታት ክሰምዕ፡ ብቪድዮን ብስእልን ክምሃር ክኢለ ኣለኹ። ንድሕንነት እቶም ተኣከብቲ ይሕልዉ፡ ነቶም ብቪድዮ ኮንፈረንስ ኣብቲ ኣኼባ ዚካፈሉ እውን ይከታተሉ እዮም። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኸኣ፡ ነቲ ኣዳራሽ ኣብ ምጽራይ ይሕግዙ፡ ኣብ ሕሳብ ይሕግዙ፡ ዜድልየና ጽሑፋት ከም እንረክብ እውን ይገብሩ እዮም። ኣዝየ እየ ዘመስግኖም።” ኣብ ኮሎምብያ እትነብር፡ ሰብኣያ ሽማግለ ዝዀነ፡ ለስሊ ዝስማ ሓብቲ ድማ ከምዚ ትብል፦ “ብዓል ቤተይ እተፈላለየ ዕዮታት ንምዕያይ ኣብ ኣገልገልቲ ጉባኤ እዩ ዚምርኰስ። ብዘይ ብኣታቶም ብዝያዳ ትሑዝ ምዀነ ነይሩ፡ ስለቲ ቕንኣቶምን ንምሕጋዝ ፍቓደኛታት ምዃኖምን ኣዝየ እየ ዘመስግኖም።” ንስኻ እውን ከምኡ ኸም ዚስምዓካ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—1 ጢሞ. 3:13።
7. ንኣገልገልቲ ጉባኤ ብኸመይ ምስጋናና ኽንገልጸሎም ንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
7 ንኣገልገልቲ ጉባኤ ብልብና ነመስግኖም እኳ እንተ ዀንና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና “ኣመስገንቲ . . . ኹኑ” ብምባል ምስጋናና ኽንገልጸሎም እውን የተባብዓና እዩ። (ቈሎ. 3:15) ኣብ ፊንላንድ ዚነብር ክሺሽቶፍ ዝስሙ ሽማግለ ምስጋናኡ ብኸመይ ከም ዚገልጽ ኪዛረብ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ብምጥቃስ፡ እቲ ኣገልጋሊ ጉባኤ ንዓይ ብኸመይ ከም ዘተባብዓኒ ወይ ንኣገልግሎቱ ስለምንታይ ከም ዘማስወሉ ኸኣ ፈልየ ብምጽሓፍ፡ ካርድ ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ እልእኽ እየ።” ኣብ ኒው ካልዶንያ ዚነብሩ ፓስካልን ጃኤልን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር እውን ምእንቲ ኣገልገልቲ ጉባኤ ይጽልዩ እዮም። ፓስካል፡ “ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ልማኖና፡ ምህለላና፡ ውዳሰና ብዛዕባ እዞም ኣብ ጉባኤና እተሸሙ ኣሕዋት እዩ ዀይኑ ዘሎ” ይብል። የሆዋ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ይሰምዖ እዩ፡ መላእ ጉባኤ እውን ትጥቀም እያ።—2 ቈረ. 1:11።
“ኣብ መንጎኹም ዚጽዕሩ” ዘለዉ ሽማግለታት ጉባኤ
8. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሽማግለታት ‘ይጽዕሩ’ ኸም ዝነበሩ ጳውሎስ ዝጸሓፈ ስለምንታይ እዩ፧ (1 ተሰሎንቄ 5:12, 13)
8 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሽማግለታት፡ ምእንቲ እታ ጉባኤ ይጽዕሩ ነበሩ። (1 ተሰሎንቄ 5:12, 13 ኣንብብ፣ 1 ጢሞ. 5:17) ኣኼባታት ብምክያድን ኣካል ሽማግለታት ኰይኖም ውሳነታት ብምግባርን ነታ ጉባኤ ‘ይመርሕዋ’ ነበሩ። ነታ ጉባኤ ንምዕቋብ ከኣ ንጹር ፍቕራዊ ምኽሪ ብምሃብ ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ‘ይምዕድዎም’ ነበሩ። (1 ተሰ. 2:11, 12፣ 2 ጢሞ. 4:2) ብተወሳኺ፡ እዞም ሰብኡት እዚኦም፡ ንስድራ ቤቶም ዜድሊ ምእንቲ ኼማልኡን መንፈሳውነቶም ኬደልድሉን ኣበርቲዖም ይዓይዩ ነይሮም እዮም።—1 ጢሞ. 3:2, 4፣ ቲቶ. 1:6-9።
9. ገለ ኻብቲ ሎሚ ብሽማግለታት ዚዕየ ዘሎ ዕዮታት እንታይ እዩ፧
9 ሎሚ እውን ሽማግለታት ብዕዮ ትሑዛት እዮም። ሽማግለታት፡ ወንጌላውያን እዮም። (2 ጢሞ. 4:5) ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብቕንኣት ይመርሑ፡ ዕዮ ስብከት ጉባኤኦም ይውድቡ፡ ብውጽኢታዊ መገዲ ኽንሰብኽን ክንምህርን ከኣ የሰልጥኑና እዮም። መሓርትን ኣድልዎ ዘይብሎምን ፈራዶ ብምዃን እውን የገልግሉ እዮም። ሓደ ክርስትያን ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዚፍጽም፡ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ዝምድና ምእንቲ ኼመሓይሽ ኪሕግዝዎ ይጽዕሩ እዮም። ንጽህና እታ ጉባኤ ንምዕቃብ እውን ተጊሆም ይዓይዩ እዮም። (1 ቈረ. 5:12, 13፣ ገላ. 6:1) ሽማግለታት ብቐዳምነት ጓሶት እዮም። (1 ጴጥ. 5:1-3) ብግቡእ እተዳለወ ቕዱስ ጽሑፋዊ መደረታት የቕርቡ፡ ኣብታ ጉባኤ ንዘሎ ዅሉ ሰብ ኪፈልጥዎን ጕስነታዊ ምብጻሕ ኪገብሩሉን እውን ይጽዕሩ እዮም። ገሊኦም ሽማግለታት ኣብ ህንጸትን ጽገናን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣኼባ ዞባ ኣብ ምውዳብ፡ ምስ ሆስፒታል ኣብ ዜረዳድእ ኮሚተን ኣብ ጕጅለ ምብጻሕ ሕሙማትን፡ ኣብ ካልእ ተወሳኺ ዕዮታትን ይሕግዙ እዮም። እወ፡ ሽማግለታት ምእንታና ብዙሕ ይጽዕሩ እዮም!
10. ገለ ኻብቲ ንጻዕራማት ሽማግለታትና እነመስግነሉ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧
10 ጓሶት ጽቡቕ ገይሮም ከም ዚኣልዩና፡ ንሕና እውን “ደጊም ከም ዘይንፈርህ ወይ ዘይንሽበር” የሆዋ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኤር. 23:4) ኣብ ፊንላንድ እትነብር ዮሃና ዝስማ ሓብቲ ኣዲኣ ኸቢድ ሕማም ምስ ሓመመት ንሓቅነት እዘን ቃላት እዚአን ርእያ እያ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ስምዒተይ ንኻልእ ሰብ ክነግር ዝኸብደኒ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደ ጽቡቕ ገይረ ዘይፈልጦ ሽማግለ ግና ተዓጊሱኒ፡ ምሳይ ጸልዩ፡ ፍቕሪ የሆዋ እውን ኣረጋጊጹለይ እዩ። እንታይ ከም ዝበለኒ ብልክዕ ኣይዝክሮን እየ፡ ድሕሪኡ ኸም ዘይተጨነቕኩ ግና እዝክሮ እየ። ኣብ ግቡእ ግዜኡ ምእንቲ ኼጸናንዓኒ ኢሉ የሆዋ ዝለኣኾ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።” ንዓኻኸ ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ሽማግለታት ብኸመይ ሓጊዞምኻ፧
11. ንሽማግለታት ሞሳና ኽንገልጸሎም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
11 የሆዋ ንሽማግለታት “ስለቲ ዕዮኦም” ካብ ልብና ኸነመስግኖም ይደልየና እዩ። (1 ተሰ. 5:12, 13) ኣብ ፊንላንድ እትነብር ሀንሪታ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ሽማግለታት ብፍቓዶም እዮም ንኻልኦት ዚሕግዙ። እዚ ግና ካብ ካልእ ሰብ ንላዕሊ ግዜን ጕልበትን ኣለዎም ወይ ከኣ ኣብ ህይወቶም ጸገማት የብሎምን ማለት ኣይኰነን። ሓድሓደ ግዜ፡ ‘ብሓቂ ንፉዕ ሽማግለ ኢኻ’ እብሎም እየ።” ኣብ ቱርኪየ c እትነብር ሰራ ዝስማ ሓብቲ ኸኣ ከምዚ ትብል፦ “ሽማግለታት ዕዮኦም ምእንቲ ኪቕጽሉ፡ ምትብባዕ የድልዮም እዩ። ስለዚ፡ ካርድ ክንጽሕፈሎም፡ ክንዕድሞም፡ ወይ ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ክንሓብሮም ንኽእል ኢና።” ስለቲ ጻዕርታቱ ብፍላይ እተማስወሉ ሽማግለዶ ኣሎ፧ ሞሳኻ ኽትገልጽ እትኽእለሉ መገድታት ኣናዲ።—1 ቈረ. 16:18።
ብመንፈሳዊ መዳይ ዚሃንጹና ሓለውቲ ወረዳ
12. ኣብ ቀዳማይ ዘመን እንታይ ምድላው እዩ ንጉባኤታት ዝሃነጸን፧ (1 ተሰሎንቄ 2:7, 8)
12 የሱስ ክርስቶስ ንክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ብኻልእ መገዲ ዚሕግዙ “ውህበት ሰባት” ሂብዋ እዩ። እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሽማግለታት ብመሪሕነት የሱስ፡ ንጳውሎስን ንበርናባስን ንኻልኦትን ገየሽቲ ሓለውቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ልኢኾምዎም እዮም። (ግብ. 11:22) ስለምንታይ፧ ልክዕ ከምቲ ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን ነታ ጉባኤ ንምህናጽ ዚሽየሙ፡ እዚኣቶም እውን ንጉባኤታት ንምህናጽ እዮም ዚሽየሙ። (ግብ. 15:40, 41) እዞም ሰብኡት እዚኦም ንኻልኦት ንምምሃርን ንምትብባዕን ምሾቶም ሓዲጎም እዮም፡ ህይወቶም እውን ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም እዮም።—1 ተሰሎንቄ 2:7, 8 ኣንብብ።
13. ገለ ኻብ ሓላፍነታት ሓለውቲ ወረዳ እንታይ እዩ፧
13 ሓለውቲ ወረዳ ብቐጻሊ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ይጓዓዙ እዮም። ገሊኦም ካብ ጉባኤ ናብ ጉባኤ ንኣማእታት ኪሎ ሜተራት ይጓዓዙ እዮም። ሓደ ሓላው ወረዳ ኣብ ሰሰሙን፡ መደረታት የቕርብ፡ ጕስነታዊ ምብጻሓት ይገብር፡ ከምኡ እውን ምስ ፈለምቲ ዚግበር ኣኼባን ምስ ሽማግለታት ዚግበር ኣኼባን ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍርን ይመርሕ እዩ። ኣብ ኣኼባታት ወረዳን ኣብ ኣኼባታት ዞባን መደረታት የቕርብ፡ ነቲ ኣኼባታት ከኣ ይውድብ እዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ፈለምቲ ይምህር፡ ምስቶም ኣብቲ ወረዳ ዘለዉ ፈለምቲ ፍሉይ ኣኼባ ይገብር፡ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር እተመደበሉ ህጹጽ ወይ ካልእ ጕዳያት ከኣ ይዓዪ።
14. ገለ ኻብቲ ነዞም ህርኩታት ሓለውቲ ወረዳ እነማስወሉ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧
14 ጉባኤታት ካብቶም ውህበት ዝዀኑ ሓለውቲ ወረዳ ብኸመይ ተጠቒመን፧ ኣብ ቱርኪየ ዚነብር ሓደ ሓው ብዛዕባ ምብጻሕ ገየሽቲ ሓለውቲ ኸምዚ ይብል፦ “ኵሉ ግዜ እቲ ዚገብርዎ ምብጻሓት ንኣሕዋተይን ንኣሓተይን ንምሕጋዝ ዝያዳ ግዜ ኼሕልፍ እዩ ዜተባብዓኒ። ብዙሓት ሓለውቲ ወረዳ ርእየ ኣለኹ፡ ዋላ ሓደ ኻባታቶም ግና ዘይቅረብ ወይ ብዕዮ እምብዛ ትሑዝ ኰይኑ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን እዩ።” እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ዮሃና ምስ ሓደ ሓላው ወረዳ ናብ ኣገልግሎት ወፈረት፡ ግናኸ ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ቤቱ ኣይረኸቡን። ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዘጋጠመ ኸምዚ ትብል፦ “ይኹን እምበር ነታ መዓልቲ እቲኣ ፈጺመ ኣይርስዓን እየ። ክልቲአን ኣሓተይ ናብ ካልእ ቦታ ስለ ዝገዓዛ፡ ኣዝየ ናፊቐየን ነይረ። እቲ ሓላው ወረዳ ኸኣ ብዙሕ ኣተባቢዑኒ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ርሕቀት ግዝያዊ ምዃኑ ኽርዳእ እውን ሓጊዙኒ፣ ኣብ ሓዳስ ዓለም ግና ብሓንሳእ ግዜ ንምሕላፍ መወዳእታ ዘይብሉ ኣጋጣሚታት ኪህልወና ምዃኑ ኽዝክር ሓጊዙኒ እዩ።” መብዛሕትና ብዛዕባ ሓለውቲ ወረዳ ተመሳሳሊ ባህ ዜብል ተዘክሮ እዩ ዘሎና።—ግብ. 20:37–21:1።
15. (ሀ) ምስ 3 ዮሃንስ 5-8 ብምስምማዕ ንሓለውቲ ወረዳ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ክንገልጽ ንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።) (ለ) ንኣንስቲ እቶም እተሸሙ ኣሕዋት ክንሓልየለን ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧ ነዚኸ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ (“ ንኣንስቶም ዘክርወን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)
15 ሃዋርያ ዮሃንስ ንጋይዮስ፡ ንገየሽቲ ኣሕዋት ብግሽነት ኪቕበል፡ ኣብ ርእሲኡ ኸኣ “ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርካ ኣፋንዎም” ብምባል ብግቡእ ኬፋንዎም ኣተባብዖ። (3 ዮሃንስ 5-8 ኣንብብ።) ንሕና ኸምዚ ኽንገብር እንኽእለሉ ሓደ መዳይ፡ ንሓላው ወረዳ እኽለ ማይ ኪጥዕም ብምዕዳም እዩ። ካልእ መዳይ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ናይ ምብጻሕ ሰሙን ዚግበር ናይ ኣገልግሎት ወፍሪ ምድላዋት ብምድጋፍ እዩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ለስሊ ብኻልእ መገዲ ኣድንቖታ ኸም እትገልጽ ተዛሪባ ኣላ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “የሆዋ ዜድልዮም ዘበለ ኼማልኣሎም እጽሊ እየ። ኣነን ሰብኣየይን ከኣ በቲ ዝገበሩልና ምብጻሓት ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓገዝና ዚገልጽ ደብዳበ ጽሒፍናሎም ኢና።” ሓለውቲ ወረዳ ሰብ ምዃኖም ንዘክር። ሓድሓደ ግዜ ይሓምሙ፡ ይጭነቑ፡ ተስፋ እውን ይቘርጹ እዮም። ምናልባት እቲ ጥዑም ቃላትካ ወይ እቲ ንእሽቶ ህያብካ፡ ነቲ ሓላው ወረዳኻ ሓገዝ ደልዩ ዝለመኖ ጸሎት ምላሹ ኪኸውን ይኽእል እዩ!—ምሳ. 12:25።
“ውህበት ሰባት” የድልዩና እዮም
16. ክርስትያናት ኣሕዋት ምስ ምሳሌ 3:27 ብምስምማዕ እንታይ ሕቶታት እዮም ንርእሶም ኪሓትቱ ዚኽእሉ፧
16 ከም “ውህበት ሰባት” ኰይኖም ዜገልግሉ ተወሰኽቲ ኣሕዋት የድልዩና ኣለዉ። እተጠመቕካ ሓው እንተ ዄንካ፡ ‘ክትሕግዝ ዓቕሚ ኣሎካዶ’፧ (ምሳሌ 3:27 ኣንብብ።) ኣገልጋሊ ጉባኤ ኽትከውን ፍቓደኛ ዲኻ፧ ሽማግለ ዄንካ ንኣሕዋትካ ኽትሕግዝ ክትመጣጠር ትኽእልዶ፧ d ኵነታትካ ኣተዓራሪኻ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትምሃር ከተመልክት ትኽእልዶ፧ እቲ ቤት ትምህርቲ፡ የሱስ ብዝያዳ ምእንቲ ኺጥቀመልካ ኼዕጥቐካ እዩ። ዘይትበቅዕ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ ኸኣ፡ ናብ የሆዋ ጸሊ። እተዋህበካ ዘበለ ዕዮ ብዕዉት መገዲ ምእንቲ ኽትዓዪ፡ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ለምን።—ሉቃ. 11:13፣ ግብ. 20:28።
17. “ውህበት ሰባት” ብዛዕባ ንጉስና የሱስ ክርስቶስ እንታይ መርትዖ እዮም ዚህቡና፧
17 እዞም የሱስ ከም “ውህበት ሰባት” ዝሸሞም ኣሕዋት፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት የሱስ ይመርሓና ኸም ዘሎ ዜርኢ መርትዖ እዮም። (ማቴ. 28:20) ብቕዓት ዘለዎም ሓለይቲ ኣሕዋት ዚህብ ፈቃርን ለጋስን ጽን በሃልን ንጉስ ስለ ዘሎናስ ኣይተመስግንንዶ፧ እምበኣር፡ ነዞም ህርኩታት ሰብኡት እተመስግነሉ ኣጋጣሚታት ኣናዲ። ነቲ ምንጪ “ዅሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን” ዝዀነ የሆዋ ምምስጋን ከኣ ከቶ ኣይትረስዕ።—ያእ. 1:17።
መዝሙር 99 ኣእላፋት ኣሕዋት
a ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካልን ሓገዝቲ ኣመሓዳሪ ኣካልን ኣባላት ኮሚተ ጨንፈርን ኣብ ካልእ ናይ ኣገልግሎት ምድብ ዜገልግሉ ሽማግለታትን እውን “ውህበት ሰባት” እዮም።
b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።
c ኣቐዲማ ቱርኪ እትብሃል ዝነበረት።
d ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ንምዃን ብኸመይ ከም እትመጣጠር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ ሕዳር 2024 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ፡ “ኣቱም ኣሕዋት፡ ኣገልገልቲ ጉባኤ ንምዃን ትመጣጠሩዶ ኣለኹም፧” ዚብል ዓንቀጽን “ኣቱም ኣሕዋት፡ ሽማግለታት ኴንኩም ንምግልጋል ትመጣጠሩዶ ኣለኹም፧” ዚብል ዓንቀጽን ርአ።