ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ገበላ ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ቍመቱ ኽንደይ እዩ ነይሩ፧
እቲ ገበላ ኽፍሊ እቲ ናብታ ቕድስቲ ናይታ ቤተ መቕደስ ዜእቱ መእተዊ ነበረ። ብመሰረት እቲ ቕድሚ 2023 እተሓትመ ሕታም መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ “እቲ ኣብ ቅድሚት ዝነበረ ገበላ ድማ፡ 20 እመት ዝንውሓቱ፡ ማዕረ ግፍሒ እታ ቤት ነበረ፣ ቍመቱ ኸኣ 120 ነበረ።” (2 ዜና 3:4) ካልእ ትርጉማት እውን እቲ ገበላ “120 እመት” ንውሓት ከም ዝነበሮ ይገልጽ እዩ፣ እዚ ኸኣ 53 ሜተር ዝቝመቱ ግምቢ ማለት እዩ።
እንተዀነ ግና፡ እቲ ናይ 2023 ሕታም ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብዛዕባ ገበላ ቤተ መቕደስ ሰሎሞን፡ “ቍመቱ ኸኣ 20 እመት ነበረ” ይብል ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ዳርጋ 9 ሜተር ማለት እዩ። a እዚ ምትዕርራይ እዚ እተገብረ ስለምንታይ ምዃኑ ገለ ምኽንያታት እስከ ንመርምር።
ቍመት እቲ ገበላ ኣብ 1 ነገስት 6:3 ኣይተጠቕሰን። ኣብታ ፍቕዲ እቲኣ፡ እቲ ጸሓፊ፡ ማለት ኤርምያስ ንንውሓትን ንግፍሕን እቲ ገበላ ጥራይ እምበር፡ ንቝመት እቲ ገበላ ኣይጠቐሰን። ቀጺሉ ኣብታ እትስዕብ ምዕራፍ ግና ነቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዚርከብ ጕሉሕ ነገራት፡ እንተላይ ነቲ ናይ ፍሲ ባሕርን ነቲ ዓሰርተ ዓረብያን ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ገበላ ዝቘመ ኽልተ ዓንዲ ነሓስን ብዝርዝር ጠቒስዎ ኣሎ። (1 ነገ. 7:15-37) እቲ ገበላ ልዕሊ 50 ሜተር እንተ ዚኸውን እሞ ልዕሊ እቲ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ዚርአ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ስለምንታይ ደኣ እዩ ኤርምያስ ብዛዕባ ቝመት እቲ ገበላ ዘይጸሓፈ፧ ድሕሪ ዘመናት እውን ጸሓፍቲ ኣይሁድ፡ ቍመት እቲ ገበላ ኻብታ ቤተ መቕደስ ከም ዘይነውሕ ሓቢሮም እዮም።
መናድቕ እታ ቤተ መቕደስ ን120 እመት ዝቝመቱ ገበላ ኺስከም ዚኽእል እንተ ነይሩ ምሁራን ሕቶ የልዕሉ እዮም። ከም ኣፍ ደገታት ቤተ መቕደስ ግብጺ ዝኣመሰለ፡ ኣብ ግዜ ጥንቲ ብኣእማንን ብሕጡብን ዚህነጽ ዝነበረ ኣዝዩ ነዊሕ ህንጻታት፡ ኣብ መሰረቱ ሰፊሕ ኰይኑ ናብ ላዕሊ ገጹ እናጸበበ እዩ ዚኸይድ ነይሩ። ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ግና ካብዚ ፍልይ ዝበለት እያ ነይራ። መናድቓ ኻብ 6 እመት፡ ወይ 2.7 ሜተር ንላዕሊ ርጕዲ ኸም ዘይነበሮ ምሁራት ይኣምኑ እዮም። ናይ ንድፊ ጸሓፍ ታሪኽ ቴዮዶር ብዩሲንክ ድማ ከምዚ ብምባል ይድምድም፦ “ብመሰረት ርጕዲ መንደቕ [መእተዊ እታ ቤተ መቕደስ]፡ ቍመት እቲ ገበላ፡ 120 እመት ኪኸውን ኣይክእልን እዩ ነይሩ።”
እቲ ኣብ 2 ዜና መዋእል 3:4 ዘሎ ጽሑፍ ብጌጋ ተቐዲሑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኡ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ “120” ዚብል እኳ እንተ ዀነ፡ ከም እኒ ናይ ሓምሻይ ዘመን ኮዴክስ እስክንድርያን ናይ ሻድሻይ ዘመን ኮዴክስ ኣምብሮሲያኑስን ዝኣመሰለ ዜተኣማምን ጽሑፋት ግና “20 እመት” እዩ ዚብል። ሓደ ጸሓፊ ብኸመይ ተጋግዩ “120” ኢሉ ኺጽሕፍ ይኽእል፧ እታ “ሚእቲ” እትብል ቃልን እታ “እመት” እትብል ቃልን ኣብ እብራይስጢ ተመሳሰልቲ እየን። ስለዚ፡ ሓደ ጸሓፊ እታ “እመት” እትብል ቃል ኣብ ክንዲ ዚጽሕፍ፡ ተጋግዩ “ሚእቲ” ኢሉ ጽሒፉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ነቲ ዝርዝር ነገራት ክንርድኦ፡ ንቤተ መቕደስ ሰሎሞን ከኣ ብልክዕ ክንስእላ ንጽዕር እኳ እንተ ዀንና፡ እቲ ቐንዲ እነተኵረሉ ግና እታ ቤተ መቕደስ እቲኣ ጽላሎት እታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ምዃና እዩ። የሆዋ ንዅሎም ኣገልገልቱ ኣብታ ቤተ መቕደስ እቲኣ ኣምልኾ ኬቕርቡሉ ምፍቃዱስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ!—እብ. 9:11-14፣ ራእ. 3:12፣ 7:9-17።
a እግረ ጽሑፍ፡ “ገለ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ‘120’ ይብል፡ ካልኦት ኢደ ጽሑፋትን ገለ ትርጉማትን ከኣ ‘20 እመት’ ይብል” ብምባል መብርሂ ይህብ።