ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቀሊል ናብራ ምንባር ዘለዎ ሓጐስ

ቀሊል ናብራ ምንባር ዘለዎ ሓጐስ

ዳንኤልን ሚርያምን ኣብ መስከረም 2000 ድሕሪ ምምርዓዎም፡ ኣብ ስጳኛ ኣብ ከተማ ባርሴሎና እዮም ዝነበሩ ነይሮም። ዳንኤል ብዛዕባ ዝነበሮም መነባብሮ ኺዛረብ ከሎ፡ “ንቡር ዚብሃል ዓይነት ናብራ እዩ ነይሩና። ደሞዝና ኣብ ጽቡቕ ኣብያተ ምግቢ ኽንምገብን ናብ ካልእ ሃገር ኬድና ኽንዛወርን ጽቡቕ ክንክደንን ዜኽእል እዩ ነይሩ። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ድማ ወትሩ ንሳትፍ ነይራ ኢና” ይብል። ጸኒሑ ግና እዚ ተቐየረ።

ብ2006 ኣብ እተገብረ ኣኼባ ዞባ፡ ኣብ ሓደ መደረ ዝቐረበ፡ “ነቶም ‘ሰንከልከል እናበሉ ናብ ማሕረዲ ዚኸዱ’ በታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ መገዲ ንኺመላላሱ ምእንቲ ኽንሕግዞም ዚከኣለና ዘበለ ንገብርዶ ኣሎና፧” ዚብል ሕቶ ንዳንኤል ልቡ ተንከዮ። (ምሳ. 24:11) እዚ ኸኣ እቲ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ከነፍልጦም ሓላፍነት ከም ዘሎና ዜጕልሕ እዩ ነይሩ። (ግብ. 20:26, 27) ዳንኤል፡ “ሽዑ የሆዋ ንዓይ ይዛረበኒ ኸም ዘሎ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” ይብል። ኣገልግሎትና ምስ እነስፍሕ ዝያዳ ሓጐስ ከም እንረክብ እውን፡ ኣብቲ መደረ ተጠቒሱ ነይሩ። እዚ ትኽክል ምዃኑ፡ ዳንኤል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ምኽንያቱ፡ ድሮ ሚርያም ፈላሚት ኰይና ተገልግል፡ ብዙሕ ዜሐጕስ በረኸት ድማ ትረክብ ነይራ እያ።

ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዖ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣነ እውን ምሉእ ብምሉእ ለውጢ ኽገብር ወሲነ” ይብል። ከምኡ ኸኣ እዩ ገይሩ። ስራሕ ዚሰርሓሉ ሰዓታት ነከየ፡ ፈላሚ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ንሱን ሚርያምን ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ኸይዶም ብምግልጋል ኪረኽብዎ ዚኽእሉ ሓጐስ እውን ኪሓስብ ጀመረ።

ፈለማ ብድሆታት፡ ደሓር ግና ዜሐጕስ ዜና

ስለዚ፡ ኣብ ግንቦት 2007፡ ዳንኤልን ሚርያምን ስራሖም ሓዲጎም፡ ናብታ ቕድሚኡ በጺሖምዋ ዚፈልጡ ሃገረ ፓናማ ገዓዙ። እቲ ሓድሽ ክሎም ኣብ ባሕሪ ካሪበያ ዚርከባ ደቀባት ንጋቤ ዚነብሩለን እኩባት ደሴታት ቦካስ ዴል ቶሮ እዩ ነይሩ። ዳንኤልን ሚርያምን እቲ ዘዋህለልዎ ገንዘብ ኣብ ፓናማ ሸሞንተ ወርሒ ዚኸውን ኬጽንሖም ዚኽእል መሲልዎም ነበረ።

ኣብተን ደሴታት፡ ብጃልባን ብሽክለታን እዮም ዚጐዓዙ ነይሮም። ነቲ ንፈለማ ግዜ መራር ጸሓይ ከላ ብብሽክለታ ገይሮም ን32 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ንዓቐብ እተጓዕዝዎ ጕዕዞ ፈጺሞም ኣይርስዕዎን እዮም። ሽዑ፡ ዳንኤል ካብ ምሒር ድኻም እተላዕለ ዳርጋ ሃለዋቱ ኣጥፍአ። ብሕልፊ እተወሰነ ቛንቋ እቲ ኸባቢ ኺዛረቡ ምስ ጀመሩ ግና፡ እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ንጋቤ ዚብሃሉ ህዝቢ፡ ኣብ ቤቶም የአንግድዎም ነበሩ። ስለዚ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ 23 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑ ጀመሩ።

ገንዘቦም ምስ ተወድአ ግና ሓጐሶም ናብ ሓዘን ተቐየረ። ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዖም ኪገልጽ ከሎ፡ “እናነባዕና ናብ ስጳኛ ብዛዕባ ምምላስ ክንሓስብ ጀሚርና። ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ሰባት ሓጊድናዮም ምኻድ ኣዝዩ ኸቢዱና ነይሩ” ይብል። እንተዀነ ግና፡ ድሕሪ ወርሒ፡ ዜሐጕስ ዜና ተነግሮም። ብዛዕባኡ ድማ ሚርያም፡ “ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ጻውዒት ቀሪቡልና። ኣብቲ ቦታ ኽንጸንሕ ብምኽኣልና፡ ኣዚና ኢና ተሓጒስና” ትብል።

ካብ ኵሉ ዚበልጽ ሓጐስ

ብምኽንያት እቲ ብ2015 ኣብ ውድብና እተገብረ ለውጥታት፡ ዳንኤልን ሚርያምን ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ሕቶ ቐረበሎም። እሞ ደኣ እንታይ ገይሮም፧ ኣብቲ ኣብ መዝሙር 37:5 ዚርከብ፡ “መገድኻ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ፣ ኣብኡ ተወከል፡ ንሱ እውን ኬስልጠልካ እዩ” ዚብል ቃላት እምንቶ ኣለዎም። ስለዚ፡ ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ዜኽእሎም ስራሕ ረኸቡ። ሎሚ፡ ኣብ ፓናማ ኣብ እትርከብ ቤራጓስ እትብሃል ከተማ የገልግሉ ኣለዉ።

ዳንኤል፡ “ካብ ስጳኛ ቕድሚ ምውጻእና፡ ቀሊል ዓይነት ናብራ ኽንነብር እንኽእል ኣይመስለናን ነይሩ። ሎሚ ግና ቀሊል ናብራ ንነብር ኣለና፣ ካብቲ ብሓቂ ዜድልየና ዘበለ ኸኣ ዝጐደለና የብልናን” ይብል። ካብ ኵሉ ንላዕሊ እንታይ ከም ዜሐጕሶም ምስ ተሓተቱ፡ “እቲ ንትሑታት ብዛዕባ የሆዋ ኺፈልጡ ኽንሕግዞም ከለና ዚስምዓና ሓጐስ መወዳድርቲ የብሉን” በሉ።