ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 46

የሆዋ ነቲ ብዛዕባ ገነት ዘተስፈወና ተስፋ ብኸመይ እዩ ውሑስ ገይሩልና፧

የሆዋ ነቲ ብዛዕባ ገነት ዘተስፈወና ተስፋ ብኸመይ እዩ ውሑስ ገይሩልና፧

“ኣብ ምድሪ ንርእሱ በረኸት ዚደሊ ዘበለ፡ ብኣምላኽ ሓቂ ኺባረኽ . . . እዩ።”—ኢሳ. 65:16

መዝሙር 3 ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና

መላለዪ a

1. ነብዪ ኢሳይያስ ንእስራኤላውያን እንታይ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፈሎም ነይሩ፧

 ነብዪ ኢሳይያስ ንየሆዋ፡ “ኣምላኽ ሓቂ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። እታ “ሓቂ” ተባሂላ እተተርጐመት ቃል፡ ቃል ብቓሉ “ኣሜን” እያ እትብል። (ኢሳ. 65:16፡ እ.ጽ.) እታ “ኣሜን” እትብል ቃል ከኣ፡ “ይኹን፡” “እማን፡” ወይ “ብርግጽ” ማለት እያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ የሆዋ ወይ የሱስ ብዚተሓሓዝ እታ “ኣሜን” እትብል ቃል ኪዕየየላ ኸሎ፡ ንሓቅነት ሓደ ነገር እያ ውሕስነት እትኸውን። ስለዚ፡ እቲ ኢሳይያስ ንእስራኤላውያን ዜመሓላልፎ ዝነበረ መልእኽቲ ንጹር እዩ ነይሩ፦ እቲ የሆዋ እተነበዮ ትንቢት ወትሩ እሙን እዩ። የሆዋ ንዅሉ እቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት ብምፍጻም፡ ነዚ መረጋገጺ ኣቕሪቡ እዩ።

2. ነቲ የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ዘተስፈዎ ተስፋታት ክንኣምኖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ እንታይ ሕቶታትከ ኢና ኽንምርምር፧

2 ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ተመሳሳሊ እምንቶ ኸነሕድር ንኽእልዶ፧ ካብ ግዜ ኢሳይያስ ኣስታት 800 ዓመት ኣቢሉ ምስ ሓለፈ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ወትሩ እሙን ዚዀነሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ ‘ኣምላኽ ኪሕሱ ኸም ዘይክእል’ ሓቢሩ ኣሎ። (እብ. 6:18) ከምቲ ኻብ ሓደ ዓይኒ ማይ ጥዑምን ጨዋምን ማይ ዘይፍልፍል፡ እቲ ምንጪ ሓቂ ዝዀነ የሆዋ እውን ኣይሕሱን እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ኻብ ኣፍ የሆዋ ዚወጽእ ቃል፡ እንተላይ ኣብ ኵሉ እቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት፡ ምሉእ እምንቶ ኸነሕድር ንኽእል ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፦ የሆዋ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚህበና እዩ ኣተስፍዩና ዘሎ፧ እቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጸምከ እንታይ ውሕስነት እዩ ኣትዩልና ዘሎ፧

የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋ

3. (ሀ) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነየናይ ተስፋ እዮም ኣጸቢቖም ዚፈትውዎ፧ (ራእይ 21:3, 4) (ለ) ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ እቲ ተስፋ እቲ ኽንነግሮም ከለና እንታይ እዮም ዚብሉ፧

3 ነቲ ኣብዚ እንምርምሮ ተስፋ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ይፈትውዎ እዮም። (ራእይ 21:3, 4 ኣንብብ።) የሆዋ፡ “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ” ኢሉ ኣተስፍዩና ኣሎ። መብዛሕትና ንኻልኦት ክንሰብከሎም ከለና፡ ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ገነት ዚህሉ ህይወት ዚገልጽ ተስፋ ንጠቕሶ ኢና። እሞ ደኣ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ እዚ ተስፋ እዚ ኽንነግሮም ከለና እንታይ እዮም ዚብሉ፧ “እዚ እሞ ዘይከውን እዩ” ይብሉ እዮም።

4. (ሀ) የሆዋ እንታይ ነገራት እዩ ዚፈልጥ ነይሩ፧ (ለ) የሆዋ ተስፋ ኣብ ርእሲ ምሃቡ፡ እንታይ እውን እዩ ሂቡና፧

4 ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ንሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ ገነት ኪጽሕፍ ብመንፈሱ ኺድርኾ ኸሎ፡ ነዚ ተስፋ እዚ ኣብ ስብከትና ንኻልኦት ከም እንነግሮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዙሓት ሰባት ነዚ “ሓድሽ ነገር” ምእማን ከም ዚጽገሙ እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 42:9፣ 60:2፣ 2 ቈረ. 4:3, 4) እሞ ደኣ እቲ ኣብ ራእይ 21:3, 4 ተጠቒሱ ዘሎ በረኸት ከም ዚፍጸም ከመይ ጌርና ኢና ንኻልኦት ኰነ ንርእስና መረጋገጺ ኸነቕርብ እንኽእል፧ የሆዋ ነዚ ልቢ ዚትንኪ ተስፋ ኣብ ርእሲ ምሃቡ፡ ክንኣምኖ ዜኽእለና ምኽንያታት እውን ሂቡና እዩ። እሞ ደኣ እንታይ ምኽንያታት እዩ ሂቡና፧

የሆዋ ንተስፋኡ ዝኣተወልና ውሕስነት

5. ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ገነት ዘተስፈዎ ተስፋ ኽንኣምኖ ዜኽእል እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧ ነዚ ምኽንያታትከ ኣበይ ንረኽቦ፧

5 ኣብዛ እትስዕብ ጥቕሲ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ገነት ዘተስፈዎ ተስፋ ኽንኣምኖ ዜኽእለና ምኽንያታት ንረክብ ኢና። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትንበብ፦ “እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ ‘እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ’ በለ። ‘እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሓፍ’ ድማ በለኒ። ከምዚ እውን በለኒ፦ ‘ኰይኑ! ኣልፋን ኦሜጋን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ።’”—ራእ. 21:5, 6ሀ

6. እቲ ኣብ ራእይ 21:5, 6 ተመዝጊቡ ዘሎ ውሕስነት፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ዘተስፈዎ ተስፋ ዘሎና እምነት ዜደልድሎ ስለምንታይ እዩ፧

6 እዛ ጥቕሲ እዚኣ ነቲ ኣብ ተስፋታት ኣምላኽ ዘሎና እምነት እተደልድለልና ስለምንታይ እያ፧ ራእይ ፍጻሜኡ እትብሃል መጽሓፍ ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸምዚ ትብል፦ “የሆዋ ባዕሉ ንእሙናት ደቅሰብ ናይዚ በረኸታት እዚ ውሕስነት ወይ ናይ ስምምዕ ሰነድ ከም ዝፈረመ ኢዩ ዝሕሰብ።” b ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ኣብ ራእይ 21:3, 4 ተመዝጊቡ ኣሎ። ድሕሪኡ ግና፡ ኣብ ፍቕዲ 5ን 6ን፡ የሆዋ ብምሳሌያዊ መገዲ ፈሪሙልና፡ ወይ ንሓቅነት እቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ውሕስነት ኣትዩልና ኣሎ። እምበኣር፡ ነቲ የሆዋ ዝሃበና ውሕስነት ብደቂቕ እስከ ንመርምሮ።

7. ኣብ መእተዊ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውሕስነት እንታይ ፍሉይ ነገር እዩ ዘሎ፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

7 እቲ ኣምላኽ ዝኣተወልና ውሕስነት፡ “እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ” ብዚብል ቃላት እዩ ዚጅምር። (ራእ. 21:5ሀ) እዚ ቓላት እዚ፡ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ የሆዋ ኣብቲ ራእያት እተዛረበሉ ሰለስተ ኣጋጣሚታት ዚርከብ እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ውሕስነት እዚ ሓደ መልኣኽ ወይ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ባዕሉ እዩ ኣትዩልና። እዚ ድማ እቲ ስዒቡ ዘሎ ቓላት እሙን ምዃኑ የጕልሓልና። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ “ኺሕሱ ዘይክእል ኣምላኽ” እዩ። (ቲቶ. 1:2) እዚ ድማ ነቲ ኣብ ራእይ 21:5, 6 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት ምሉእ ብምሉእ ዜተኣማምን እዩ ዚገብሮ።

“እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ”

8. የሆዋ፡ እቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛ ምዃኑ ንምጕላሕ እንታይ እዩ ዝበለ፧ (ኢሳይያስ 46:10)

8 ድሕርዚ፡ ነታ “እንሆ” እትብል ቃል እስከ ነተኵረላ። (ራእ. 21:5) እታ “እንሆ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ብተደጋጋሚ ተጠቒሳ ኣላ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ እዛ ቓል እዚኣ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣንባቢ ናብ ዚስዕብ ከም ዜተኵር ንምግባር” ከም ዚዕየየላ ይሕብር። እሞ ደኣ ነዛ ቓል እዚኣ ስዒቡ እንታይ እዩ ዘሎ፧ ኣምላኽ፡ “ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” እዩ ኢሉ። ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚግበር ለውጥታት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ተስፋ እዚ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ይፍጸም ከም ዘሎ ገይሩ እዩ ተዛሪቡ።—ኢሳይያስ 46:10 ኣንብብ።

9. (ሀ) እታ “ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” እትብል ሓረግ ነየናይ የሆዋ ዚገብሮ ኽልተ ነገራት እያ እተመልክት፧ (ለ) እዚ ሕጂ ዘሎ ‘ሰማይን ምድርን’ እንታይ ኪኸውን እዩ፧

9 ሕጂ ነታ ኣብ ራእይ 21:5 ዘላ፡ “ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” እትብል እትቕጽል ሓረግ ንመርምራ። ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ እዛ ሓረግ እዚኣ ነቲ የሆዋ ዚገብሮ ኽልተ ነገራት ተመልክት፣ ንገሊኡ ኸም ዚትክኦ፡ ንገሊኡ ኸኣ ናብ ዝነበሮ ኸም ዚመልሶ ተመልክት። ፈለማ፡ የሆዋ ነየናይ እዩ ዚትክኦ፧ ኣብ ራእይ 21:1፡ “እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሓሊፎም” ዚብል ነንብብ ኢና። “እቲ ቐዳማይ ሰማይ” ነቲ ብሰይጣንን ብኣጋንንቱን ዚጽሎ ፖለቲካዊ መንግስትታት እዩ ዜመልክት። (ማቴ. 4:8, 9፣ 1 ዮሃ. 5:19) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ምድሪ” ኺብሃል ከሎ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት ኬመልክት ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 11:1፣ መዝ. 96:1) ስለዚ፡ “እታ ቐዳመይቲ ምድሪ” ነዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ሰብኣዊ ሕብረተ ሰብ እያ እተመልክት። እምበኣር፡ የሆዋ ነዚ ሕጂ ዘሎ ‘ሰማይን ምድርን’ ኬዐርዮ ወይ ኬመሓይሾ ኣይኰነን ሓሲቡ ዘሎ። የግዳስ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣጥፊኡ ብሓድሽ ኪትክኦ እዩ። እወ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ሰማይን ምድርን ‘ብሓድሽ ሰማይን ብሓዳስ ምድርን፡’ ማለት ብሓድሽ መንግስትን ብሓድሽ ሰብኣዊ ሕብረተ ሰብን ኪትክኦ እዩ።

10. የሆዋ እንታይ እዩ ዚሕድስ፧

10 ኣብ ራእይ 21:5፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኸም ዚሕድሶ እተዛረቦ ነገራት ነንብብ ኢና። ኣብዚ የሆዋ፡ “ሓድሽ ዘበለ ዅሉ እገብር ኣለኹ” ኸም ዘይበለ ነስተብህል። የግዳስ፡ “ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” እዩ ኢሉ። ስለዚ፡ ንምድርን ንደቂ ሰብን ናብ ፍጽምና ብምብጻሕ፡ ኪሕድሶ እዩ። ከምቲ ኢሳይያስ እተነበዮ፡ ብዘላ ምድሪ ኸም ገነት ኤደን ክትከውን እያ። ንሕና እውን ነፍሲ ወከፍና ኽንሕደስ ኢና። ሓንካሳትን ዕዉራትን ጸማማትን ኪሓውዩ እዮም፣ ምዉታት እውን ከይተረፉ ኺትንስኡ እዮም።—ኢሳ. 25:8፣ 35:1-7

“እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ። . . . ኰይኑ!”

11. የሆዋ ንዮሃንስ እንታይ ትእዛዝን እንታይ ምኽንያትን እዩ ሂብዎ፧

11 ኣብቲ ኣምላኽ ዝኣተወልና ውሕስነት እንታይ ተወሳኺ ቓላት ኢና እንረክብ፧ የሆዋ ንዮሃንስ፡ “እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሓፍ” በሎ። (ራእ. 21:5) የሆዋ “ጽሓፍ” ዚብል ትእዛዝ ጥራይ ኣይኰነን ሂቡ። ከምኡ ዝበለሉ ምኽንያት እውን ገሊጹ እዩ። “እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ” ብምባል ምኽንያቱ ገሊጹ እዩ። እምበኣር፡ ኣምላኽ ዚዛረቦ ቓላት ዜተኣማምንን ልክዕን እዩ። ዮሃንስ ነቲ “ጽሓፍ” ዚብል ትእዛዝ ሰሚዑ ኸምቲ እተባህሎ ስለ ዝገበረ ሕጉሳት ኢና። ሳላ እዚ ድማ ብዛዕባ ተስፋ ገነት ከነንብብን ብዛዕባ እቲ ዚጽበየና ዘሎ ዜደንቕ በረኸት ከነስተንትንን ክኢልና ኣለና።

12. የሆዋ፡ “ኰይኑ!” ኺብል ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

12 ቀጺሉ ኣምላኽ እንታይ እዩ ኢሉ፧ “ኰይኑ!” ኢሉ እዩ ተዛሪቡ። (ራእ. 21:6) በዚ ኸምዚ፡ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ገነት ዘተስፈዎ ተስፋ ኸም ዝዀነ ወይ ከም እተፈጸመ ገይሩ እዩ ተዛሪቡ። ዕላማኡ ንምፍጻም ዋላ ሓደ ኺዓግቶ ስለ ዘይክእል ከኣ፡ ከምኡ ኢሉ ኺዛረብ ይኽእል እዩ። ድሕርዚ ድማ፡ እቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ኸም ዚፍጸም፡ ካልእ ሓያል መረጋገጺ ሃበ። እዚ እንታይ እዩ፧

“ኣልፋን ኦሜጋን . . . ኣነ እየ”

13. የሆዋ፡ “ኣልፋን ኦሜጋን . . . ኣነ እየ” ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧

13 ኣቐዲምና ኸም ዝጠቐስናዮ፡ ኣብቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእያት፡ የሆዋ ባዕሉ ሰለስተ ሳዕ ተዛሪቡ ኣሎ። (ራእ. 1:8፣ 21:5, 6፣ 22:13) ኣብ ሰለስቲኡ እዚ ኣጋጣሚታት እዚ ድማ፡ “ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ” ኢሉ ኣሎ። እታ ኣልፋ እትብሃል ፊደል፡ ናይ መጀመርታ ናይ ግሪኽኛ ፊደል እያ፣ እታ ኦሜጋ ኸኣ ናይ መወዳእታ እያ። የሆዋ በቲ “ኣልፋን ኦሜጋን” ዚብል መግለጺ ገይሩ፡ ሓደ ነገር እንተ ጀሚሩ፡ ናብ መወዳእታኡ ኸም ዜብጽሖ እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

የሆዋ ሓደ ነገር እንተ ጀሚሩ፡ ናብ መወዳእታኡ የብጽሖ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 14, 17 ርአ)

14. (ሀ) የሆዋ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ “ኣልፋ” ዝበለሉ ኣብነት ሃብ። መዓስ “ኦሜጋ” ኸም ዚብል እውን ኣብነት ሃብ። (ለ) ኣብ ዘፍጥረት 2:1-3 እንታይ ውሕስነት እዩ ዘሎ፧

14 የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ምስ ፈጠሮም፡ ንደቂ ሰብን ንምድርን እንታይ ዕላማ ኸም ዘለዎ ገሊጹ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “ኣምላኽ ከኣ ባረኾም፣ ኣምላኽ ድማ፡ ‘ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ግዝእዋን . . .’ በሎም።” (ዘፍ. 1:28) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ “ኣልፋ” ኢሉ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ዕላማኡ ብንጹር ገሊጹ እዩ፦ ፍጹማትን እዙዛትን ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ንምድሪ ዚመልኡሉን ናብ ገነት ዚቕይሩሉን እዋን ከም ዚመጽእ እዩ ሓቢሩ። ኣብ መጻኢ እዚ ምስ ተፈጸመ ድማ የሆዋ “ኦሜጋ” ኺብል እዩ። “ሰማያትን ምድርን ኵሉ ኣባታቶም ዘሎን” ፈጢሩ ምስ ወድአ፡ ውሕስነት ኣትዩልና እዩ። እቲ ውሕስነት እቲ ኣብ ዘፍጥረት 2:1-3 ይርከብ። (ኣንብብ።) ኣብኡ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ ነታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ቐደሳ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ንደቂ ሰብን ንምድርን ዘለዎ ዕላማ ብርግጽ ከም ዚፍጽሞ እዩ ውሕስነት ኣትዩ። እቲ ዕላማኡ እቲ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጸም እዩ።

15. ሰይጣን ነቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኸም ዘፍሸሎ ዝመሰለ ስለምንታይ እዩ፧

15 ኣዳምን ሄዋንን ምስ ዓለዉ፡ ሓጥኣን ኰኑ፣ ሓጢኣትን ሞትን እውን ንዘርኦም ኣመሓላለፉሎም። (ሮሜ 5:12) ስለዚ፡ ሰይጣን ነቲ ኣምላኽ ንምድሪ ብፍጹማትን ብእዙዛትን ደቂ ሰብ ንምምላእ ዘለዎ ዕላማ ኸም ዘፍሸሎ መሰለ። ንየሆዋ፡ “ኦሜጋ” ኺብል ከም ዘይክእል ዝገበሮ መሰለ። ምናልባት ሰይጣን፡ የሆዋ ሒደት ኣማራጺታት ጥራይ ከም ዝተረፎ መሲልዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብናቱ ኣተሓሳስባ፡ ሓደ ኣማራጺ፡ ንኣዳምን ንሄዋንን ቀቲሉ ነቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኺፍጽሙ ዚኽእሉ ሓደስቲ ፍጹማት ሰብኣይን ሰበይትን ምፍጣር እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ከምኡ እንተ ዚገብር ነይሩ ግና፡ ድያብሎስ ንኣምላኽ ከም ዝሓሰወ ገይሩ ምኸሰሶ ነይሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብ ዘፍጥረት 1:28 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን፡ ዘርኦም ንምድሪ ኸም ዚመልእዋ እዩ ነጊርዎም።

16. ሰይጣን ንየሆዋ፡ ዕላማኡ ኺፍጽም ከም ዘይክእል ገይሩ ኪኸስሶ ሓሲቡ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

16 ኣምላኽ እንታይ ካልእ ኣማራጺ ኺሓሪ ኸም ዚኽእል እዩ ሰይጣን ሓሲቡ ኪኸውን ዚኽእል፧ የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን፡ ዘይፍጹማት ዘርኢ ኺወልዱ ኸም ዚሓድጎም፡ እቶም ዘርኦም እውን ፈጺሞም ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ ኸም ዘይክእሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መክ. 7:20፣ ሮሜ 3:23) ከምኡ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ንየሆዋ ዕላማኡ ኺፍጽም ከም ዘይክእል ገይሩ ምኸሰሶ ነይሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እዚ ኣማራጺ እዚ ነቲ ንገነት ብፍጹማትን ብእዙዛትን ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ንምምላእ እተገብረ ዕላማ ዚፍጽሞ ኣይኰነን።

17. የሆዋ ንዕልወት ሰይጣንን ንዕልወት እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ብኸመይ እዩ ፈቲሕዎ፧ ኣብ መወዳእታኸ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

17 የሆዋ ንዕልወት ሰይጣንን ንዕልወት እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን፡ ሰይጣን ብዘይተጸበዮ መገዲ እዩ ፈቲሕዎ። (መዝ. 92:5) ኣዳምን ሄዋንን ውሉዳት ኪወልዱ ብምፍቃድ፡ ሓሳዊ ዘይኰነስ፡ ሓቀኛ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ዕላማኡ ኸም ዘይፈሽል፡ የግዳስ ዕዉት ምዃኑ እውን ኣርእዩ እዩ። ንእዙዛት ደቂ ኣዳምን ሄዋንን ዜድሕን “ዘርኢ” ብምሃብ እውን፡ ዕላማኡ ንቕድሚት ከም ዚግስግስ ገይሩ እዩ። (ዘፍ. 3:15፣ 22:18) ሰይጣን በቲ የሆዋ ዘሰናደዎ በጃ ተዓኒዱ ኪኸውን ኣለዎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እዚ መሰናድዎ እዚ ኣብ ንጹህ ፍቕሪ እተመስረተ እዩ። (ማቴ. 20:28፣ ዮሃ. 3:16) ሰይጣን ፈታው ርእሱ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ባህርይ እዚ የብሉን። እሞ ደኣ ሳላ እቲ በጃ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት፡ ፍጹማትን እዙዛትን ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ከምቲ የሆዋ ኣብ መጀመርታ ዝዓለሞ ነታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኺመልእዋ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ “ኦሜጋ” ኺብል እዩ።

ኣብቲ የሆዋ ብዛዕባ ገነት ዘተስፈዎ ተስፋ ዘሎና እምነት ብኸመይ ነደልድል፧

18. ኣምላኽ እንታይ ሰለስተ መረጋገጺ እዩ ሂቡና ዘሎ፧ (“ ነቲ የሆዋ ዘተስፈወና ተስፋ እንኣምነሉ ሰለስተ ምኽንያት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

18 ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ፡ ነቶም ኣምላኽ ብዛዕባ ገነት ዘተስፈዎ ተስፋ ዚጠራጠሩ ሰባት እንታይ መረጋገጺ ኽንነግሮም ንኽእል፧ ቀዳማይ፡ ነቲ ተስፋ እቲ ዘተስፈወና፡ የሆዋ ባዕሉ እዩ። መጽሓፍ ራእይ፡ “እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ ‘እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ’ በለ” ይብል። ነዚ ተስፋ እዚ ንምፍጻም ከኣ፡ ጥበብን ሓይልን ድሌትን ኣለዎ። ካልኣይ፡ የሆዋ ነዚ ዘተስፈወና ተስፋ ኸም ዚፍጽሞ ርግጸኛ ኻብ ምዃን እተላዕለ ድሮ ኸም ዝዀነ ገይሩ እዩ ተዛሪቡሉ። ስለዚ ድማ፡ “እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ። . . . ኰይኑ!” ኺብል ክኢሉ እዩ። ሳልሳይ፡ የሆዋ ሓደ ነገር እንተ ጀሚሩ፡ ብርግጽ ናብ መወዳእታኡ የብጽሖ እዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ፡ “ኣልፋን ኦሜጋን . . . ኣነ እየ” ኢሉ ኣሎ። በዚ ኸምዚ፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ፡ ንየሆዋ እውን ዕላማኡ ኸይፍጽም ኪዓግቶ ኸም ዘይክእል ኪረጋገጽ እዩ።

19. ሰባት ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ገነት ዘተስፈዎ ተስፋ እንተ ተጠራጢሮምዎ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

19 እምበኣር፡ ነቲ ኣምላኽ ዝኣተወልና ውሕስነት ኣብ ኣገልግሎት ንሰብ በብዝነገርካ እዋን ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ዘሎካ እምነት ኪድልድል እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ዚቕጽል ንሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ራእይ 21:4 ብዛዕባ ገነት ዚገልጽ ተስፋ ምስ ኣንበብካሉ፡ “እዚ እሞ ዘይከውን እዩ” እንተ ኢሉካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ንምንታይ ፍቕዲ 5ን 6ን ኣንቢብካ ዘይትገልጸሉ፧ የሆዋ ነቲ ዘተስፈወና ተስፋ ብፊርማኡ ውሕስነት ከም ዝኣተወልና ኣርእዮ።—ኢሳ. 65:16

መዝሙር 145 ኣምላኽ ዘተስፈወና ገነት

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ነቲ ብዛዕባ ገነት ዘተስፈወና ተስፋ ብኸመይ ውሑስ ከም ዝገበረልና ኽንርኢ ኢና። ነዚ ውሕስነት እዚ ንኻልኦት በብዝነገርና እዋን፡ ኣብ ተስፋታት የሆዋ ዘሎና እምንቶ ነደልድል ኢና።