ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 48

ኣብ ኣጸጋሚ እዋን፡ ተኣማሚንካ ኽትነብር ትኽእል ኢኻ

ኣብ ኣጸጋሚ እዋን፡ ተኣማሚንካ ኽትነብር ትኽእል ኢኻ

“‘በርትዑ። . . . ኣነስ ምሳኻትኩም እየ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።”—ሃጌ 2:4

መዝሙር 118 “እምነት ወስኸና”

መላለዪ a

1-2. (ሀ) ኣብ መንጎ እቲ ንዓና ዜጋጥመና ዘሎ ዅነታትን ኣብ መንጎ እቲ ናብ የሩሳሌም ንእተመልሱ ኣይሁድ ዘጋጠሞም ኵነታትን እንታይ ምስስል እዩ ዘሎ፧ (ለ) ገለ ኻብቲ ንኣይሁድ ዘጋጠሞም ጸገማት ጥቐስ። (“ ብግዜ ሃጌን ዘካርያስን እዝራን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

 ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ መጻኢ ትጭነቕዶ፧ ምናልባት ካብ ስራሕ ወጺእካ ትኸውን፣ ንስድራ ቤትካ ብኸመይ ከም እትናብዮም እውን ትጭነቕ ትኸውን። ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ መስጐጕቲ፡ ወይ ኣብ ዕዮ ስብከትና ዜጋጥም ተቓውሞ ናይ ስድራ ቤትካ ድሕንነት የተሓሳስበካ ይህሉ ይኸውን። እሞ ደኣ ገለ ኻብዚ ጸገማት እዝስ የጋጥመካዶ ኣሎ፧ ጥንታውያን እስራኤላውያን ተመሳሳሊ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ብምምርማር ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

2 ኣብ ባቢሎን ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ንዅሉ እቲ ምሹእ መነባብሮኦም ሓዲጎም ናብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ንምግዓዝ እምነት የድልዮም ነይሩ እዩ። ናብታ ዓዲ እቲኣ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ዘይተረጋግአ ቝጠባን ፖለቲካን ጸልይዎም፡ ተቓውሞ እውን ኣጋጢምዎም እዩ። ስለዚ ገሊኦም ኣብ ዳግመ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኼተኵሩ ኣይከኣሉን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሆዋ ንቕንኣት እቶም ህዝቢ ዳግም ንምጕህሃር፡ ብ520 ቅ.ክ. ኣቢሉ ንነብዪ ሃጌን ንነብዪ ዘካርያስን ለኣኸሎም። (ሃጌ 1:1፣ ዘካ. 1:1) ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ እቲ በዞም ነብያት እዚኦም ኣቢልካ እተዋህበ መተባብዒ ኣዝዩ ውጽኢታዊ እዩ ነይሩ። ድሕሪ 50 ዓመት ኣቢሉ ግና ኣይሁድ ከም ብሓድሽ መተባብዒ ኣድልይዎም ነበረ። ሽዑ ድማ፡ እቲ ኽኢላ ቐዳሒ ሕጊ ሙሴ ዝዀነ እዝራ ኻብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጸ፣ ንህዝቢ ኣምላኽ ድማ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐዳምነት ኪህቡ ኣተባብዖም።—እዝ. 7:1, 6

3. እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧ (ምሳሌ 22:19)

3 ከምቲ ትንቢት ሃጌን ትንቢት ዘካርያስን ንህዝቢ ኣምላኽ፡ ነቲ ዜጋጥሞም ዝነበረ ተቓውሞ ሰጊሮም ኣብ የሆዋ ዝነበሮም እምንቶ ኼደልድሉ ዝሓገዞም፡ ንዓና እውን ኣብ ህይወትና ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ ኣብ ደገፍ የሆዋ ኽንተኣማመን ይሕግዘና እዩ። (ምሳሌ 22:19 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ነቲ ሃጌን ዘካርያስን ካብ ኣምላኽ ዘብጽሕዎ መልእኽቲ ዀነ ነቲ እዝራ ዝሓደጎ ኣብነት ክንምርምር ከለና፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበሉ ኢና፦ እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኣይሁድ በቲ ኣብ ህይወቶም ዘጋጠሞም ጸገማት እተጸልዉ ብኸመይ እዮም፧ ኣብ ኣጸጋሚ እዋን፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ከነተኵር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ኣብ እዋን ጸገምከ፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ኽንሃንጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

እቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ኣይሁድ በቲ ጸገማት ብኸመይ ተጸልዮም፧

4-5. ነቲ ኣይሁድ ንቤተ መቕደስ የሆዋ ንምህናጽ ዝነበሮም ውዕዉዕ ስምዒት ከም ዚቕህም ዝገበሮ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

4 እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ፡ ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ ነበሮም። ስለዚ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ንመሰውኢ የሆዋ ሰርሕዎ፣ መሰረት እታ ቤተ መቕደስ እውን ኣንበሩ። (እዝ. 3:1-3, 10) እቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበሮም ውዕዉዕ ስምዒት ግና ነዊሕ ከይጸንሐ ቐሃመ። ስለምንታይ፧ ኣብ ርእሲ እቲ ዕዮ ቤተ መቕደስ፡ ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኺሃንጹ፡ ግራውቶም ኪዘርኡ፡ ንስድራ ቤቶም እውን ኪምግቡ ነበሮም። (እዝ. 2:68, 70) ብዘይካዚ ድማ፡ ካብቶም ነቲ ዳግመ ህንጸት ቤተ መቕደስ ደው ንምባል ውዲት ዚኣልሙ ዝነበሩ ጸላእቶም ተቓውሞ ኣጋጠሞም።—እዝ. 4:1-5

5 እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኣይሁድ በቲ ዘይተረጋግአ ቝጠባን ፖለቲካን እውን ተጸልዮም እዮም። ዓዶም ክፋል ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ እያ ነይራ። ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ብ530 ቅ.ክ. ምስ ሞተ፡ ንዕኡ ተኪኡ ዝነገሰ ካምባይሲስ ንግብጺ ንምውራር ወተሃደራዊ ወፍሪ ገበረ። ሰራዊቱ ናብ ግብጺ ኣብ ዝገበርዎ ጕዕዞ፡ ካብ እስራኤላውያን ምግብን ማይን መዕቀልን ጠሊቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ ሽግራት እዩ ዚፈጥር። ኣብ መጀመርታ ግዝኣት እቲ ንካምባይሲስ ተኪኡ ዝነገሰ ቐዳማዊ ዳርዮስ እውን ናዕብን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ነይሩ እዩ። እዚ ዅነታት እዚ ነቶም ካብ ምርኮ ናብ ዓዶም እተመልሱ ኣይሁድ ንስድራ ቤቶም ዜደሊ ኸመይ ገይሮም ኪምእርሩ ኸም ዚኽእሉ ኣጨኒቕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ገሊኦም ኣይሁድ ብሰንኪ እዚ ዅሉ ጸገማት፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ እትህነጸሉ ግዜ ገና ኸም ዘይመጸ ይሓስቡ ነበሩ።—ሃጌ 1:2

6. ብመሰረት ዘካርያስ 4:6, 7፡ ኣይሁድ እንታይ ካልእ ጸገማት እዩ ኣጓኒፍዎም፧ ዘካርያስከ እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂብዎም፧

6 ዘካርያስ 4:6, 7 ኣንብብ። ኣይሁድ፡ ቍጠባዊ ጸገማትን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ጥራይ ዘይኰነስ፡ መስጐጕቲ እውን ኣጓኒፍዎም ነይሩ እዩ። ብ522 ቅ.ክ.፡ ጸላእቶም፡ እቲ ንቤተ መቕደስ የሆዋ ዳግም ንምህናጽ ዚግበር ዕዮ ኸም ዚእገድ ገይሮም ነይሮም እዮም። እንተዀነ ግና፡ ዘካርያስ ንኣይሁድ፡ የሆዋ በቲ ሓያል መንፈሱ ገይሩ ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት ከም ዜወግድ ኣረጋገጸሎም። ብ520 ቅ.ክ.፡ ንጉስ ዳርዮስ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ ቤተ መቕደስ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ኣልዓሎ፣ ካብኡ ሓሊፉ እውን ንኣይሁድ ገንዘብን ወግዓዊ ደገፍን ሃቦም።—እዝ. 6:1, 6-10

7. እቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ኣይሁድ መዓስ እዮም ንፍቓድ የሆዋ ቐዳምነት ዝሃብዎ፧ እንታይ በረኸትከ እዮም ዝረኸቡ፧

 7 የሆዋ ብሃጌን ብዘካርያስን ኣቢሉ ህዝቡ ንዳግመ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ቀዳምነት እንተ ሂቦም፡ ንሱ ኸም ዚድግፎም ቃል ኣተወሎም። (ሃጌ 1:8, 13, 14፣ ዘካ. 1:3, 16) እቶም ኣይሁድ ከኣ በቶም ነብያት ተተባቢዖም ንዕዮ እታ ቤተ መቕደስ ብ520 ቅ.ክ. ዳግም ጀመርዎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት እውን ዛዘምዎ። ጸገማት እናሃለዎም ክነሱ፡ ፍቓድ የሆዋ ስለ ዘቐደሙ፡ ብስጋዊ መዳይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ እውን ደገፍ የሆዋ ረኸቡ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ንየሆዋ ብታሕጓስ ኣምለኽዎ።—እዝ. 6:14-16, 22

ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ኣተኵር

8. ኣብ ሃጌ 2:4 ዘሎ ቓላት፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ከነተኵር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

8 እቲ ብርቱዕ ጸበባ እናቐረበ ምስ ከደ፡ ነቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ክንሳተፍ እተዋህበና ትእዛዝ ብህጹጽ ክንትግብሮ ኸም ዘሎና ነስተውዕል ኢና። (ማር. 13:10) እንተዀነ ግና፡ ቍጠባዊ ጸገማት እንተ ኣልዩና፡ ወይ ኣብ ዕዮ ስብከት ተቓውሞ እንተ ኣጋጢሙና፡ ኣብ ኣገልግሎት ምትኳር የጸግመና እዩ። እሞ ደኣ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምቕዳም እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት” b ኣብ ጐድንና ኸም ዝዀነ ኽንተኣማመን ኣሎና። ካብ ጥቕምና ንላዕሊ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ኣቐዲምና፡ ንሱ ኺድግፈና እዩ። ስለዚ፡ ዜፍርህ የብልናን።—ሃጌ 2:4 ኣንብብ።

9-10. ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር እቲ ኣብ ማቴዎስ 6:33 ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃላት የሱስ ሓቂ ምዃኑ ብኸመይ እዮም ርእዮም፧

9 ፈለምቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ኦሌግን ኢሪናን c ዝስሞም ሰብ ሓዳር እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። ንሓንቲ ጉባኤ ኺሕግዙ ኢሎም ካብቲ ዝነበርዎ ናብ ካልእ ቦታ ምስ ገዓዙ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ቝጠባዊ ጸገማት ምንጪ ኣታዊኦም ሰኣኑ። ንዓመት ዚኸውን ቀዋሚ ስራሕ እኳ እንተ ዘይረኸቡ፡ ፍቕራዊ ደገፍ የሆዋ ግና ብቐጻሊ ረኣዩ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት እውን፡ ካብ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ደገፍ ረኸቡ። እሞ ደኣ ነቲ ጸገማት ብኸመይ ሰገርዎ፧ ኣብ መጀመርታ ጭንቀት ኣሕዲሩ ዝነበረ ኦሌግ፡ “ብኣገልግሎት ትሑዛት ምዃንና፡ ኣብቲ ኣብ ህይወት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ከነተኵር ሓጊዙና እዩ” ይብል። ንሱን ሰበይቱን ስራሕ እናኣናደዩ፡ ብኣገልግሎት ትሑዛት ነበሩ።

10 ሓደ ግዜ ኻብ ኣገልግሎት ናብ ገዛ ምስ ተመልሱ፡ ሓደ ናይ ቀረባ ፈታዊኦም ኣስታት 160 ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ ኽልተ ሳንጣ ኣስቤዛ ሒዙሎም መጸ። ኦሌግ ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዖ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚሓልየልናን ጉባኤና ኽሳዕ ክንደይ ከም እትሓልየልናን ዳግም ርኢና። ተስፋ ኣብ ዜቝርጽ ኵነታት እኳ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኸቶ ኸም ዘይርስዖም ንኣምን ኢና።”—ማቴ. 6:33

11. ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር እንተ ኣተኲርና እንታይ ኢና ኽንጽበ እንኽእል፧

11 የሆዋ ኣብቲ ህይወት ዜድሕን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኸነተኵር እዩ ዚደልየና። ኣብ  ሕጡብ ጽሑፍ 7 ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ ሃጌ ንህዝቢ የሆዋ፡ ነቲ ቕዱስ ኣገልግሎቶም ከም ብሓድሽ ኪጅምርዎ እዩ ተማሕጺንዎም። መሰረት እታ ቤተ መቕደስ ዳግም ይስርቱ ኸም ዘለዉ ገይሩ እዩ ተማሕጺንዎም። የሆዋ ድማ ከምኡ እንተ ገይሮም፡ “በረኸት ክሰድደልኩም እየ” ኢሉ ቓል ኣተወሎም። (ሃጌ 2:18, 19) ንሕና እውን ነቲ ንሱ ዝሃበና ዕዮ ቐዳምነት እንተ ሂብና፡ ንጻዕርታትና ኸም ዚባርኾ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ኣብ የሆዋ ዘሎካ እምንቶ ብኸመይ ክትሃንጽ ትኽእል፧

12. እዝራን እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኣይሁድን ሓያል እምነት ዜድልዮም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

12 ብ468 ቅ.ክ.፡ እዝራ ኻልኣይ ጕጅለ ኣይሁድ ሒዙ ኻብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ተጓዕዘ። እዝራን እቶም ምስኡ እተመልሱ ኣይሁድን ነዚ ጕዕዞ እዚ ንምግባር ሓያል እምነት የድልዮም ነበረ። ምኽንያቱ፡ ነታ ቤተ መቕደስ እተወፈየ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ሒዞም ብሓደገኛ መገዲ እዮም ተጓዒዞም። ዕላማ መጥቃዕቲ ዘረፍቲ እውን ኪዀኑ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። (እዝ. 7:12-16፣ 8:31) ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ድማ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ኣብ የሩሳሌም እውን ሓደገኛ ዅነታት ከም ዘሎ ፈለጡ። ኣብታ ኸተማ ብዙሓት ተቐማጦ ኣይነበሩን፣ መካበብያኣን ኣፍ ደገታታን እውን ገና ኣይተጸገነን ነይሩ። እሞ ደኣ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ብዛዕባ ምህናጽ፡ ካብ እዝራ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

13. እዝራ ነቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ ዝሃነጸ ብኸመይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

13 እዝራ፡ ኣብ ግዜ ፈተና የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዚድግፎም ርእዩ ነበረ። ዓመታት ኣቐዲሙ ብ484 ቅ.ክ.፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኣብ ብዘሎ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ዚነብሩ ኣይሁድ ኪጸንቱ ትእዛዝ ኣብ ዘውጸኣሉ እዋን፡ እዝራ ኣብ ባቢሎን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ኣስ. 3:7, 13-15) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ህይወት እዝራ ኣብ ሓደጋ እዩ ነይሩ! ኣብቲ ሓደገኛ ዅነታት ከኣ፡ ትእዛዝ ንጉስ “ኣብ ዝበጽሓ ዘበለት ኣውራጃ” ዚነብሩ ኣይሁድ ጾሙን ሓዘኑን፣ በዚ ኸምዚ ድማ ብጸሎት ካብ የሆዋ መምርሒ ደለዩ። (ኣስ. 4:3) ድሕርዚ፡ እቲ ጸገም ምስ ተገልበጠ እሞ እቶም ውዲት ዝኣለሙ ጸላእቲ ምስ ጠፍኡ፡ እዝራን ካልኦት ኣይሁድን ከመይ ከም እተሰምዖም እሞ ገምቶ! (ኣስ. 9:1, 2) እቲ እዝራ ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋናት ዘሕለፎ ተመክሮ ነቲ ኣብ መጻኢ ዜጋጥሞ ፈተናታት ኣዳልይዎ ኪኸውን ኣለዎ፣ የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዜዕቍቦም ዘለዎ እምንቶ እውን ኣደልዲሉሉ ኪኸውን ኣለዎ። d

14. ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ኣጸጋሚ እዋን ሓልዮት የሆዋ ብምርኣያ፡ ካብዚ እንታይ ተማሂራ፧

14 ኣብ ኣጸጋሚ እዋን፡ ሓልዮት የሆዋ እንተ ርኢና፡ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ ይውስኽ እዩ። ኣብ ምብራቓዊ ኤውሮጳ እትነብር ኣናስታሲያ ዝስማ ሓብቲ ዘሕለፈቶ ተመክሮ እስከ ንርአ። ንሳ ገለልትነታ ምእንቲ ኽትሕሉ ኢላ ስራሓ ሓደገት። ይኹን እምበር፡ “ገንዘብ ስኢነ ኣይፈልጥን እየ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ነቲ ጕዳይ ናብ የሆዋ ሓዲገዮ፡ ብኸመይ ከም ዚሓልየለይ እውን ርእየ። ድሕሪ ሕጂ ስራሐይ እንተ ስኢነ፡ ኣይክፈርህን እየ። እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ሎሚ እንተ ሓልዩለይ፡ ጽባሕ እውን ኪሓልየለይ እዩ” ትብል።

15. እዝራ ነቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ ንምዕቃብ እንታይ ሓጊዝዎ፧ (እዝራ 7:27, 28)

15 እዝራ፡ ኢድ የሆዋ ኣብ ህይወቱ ኸም ዘላ ይፈልጥ ነበረ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዕኡ ዝረድኣሉ እዋን ይሓስብ ብምንባሩ፡ ኣብኡ ዘለዎ እምንቶ ኺዕቅብ ከም ዝኸኣለ ዜጠራጥርን ኣይኰነን። “ኢድ የሆዋ ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ ስለ ዝነበረት” ኢሉ ኸም እተዛረበ ነስተብህል። (እዝራ 7:27, 28 ኣንብብ።) እዝራ ኣብታ ብስሙ እትጽዋዕ መጽሓፍ፡ ሽዱሽተ ሳዕ ምስዚ ዚመሳሰል መግለጺ ተጠቒሙ ኣሎ።—እዝ. 7:6, 9፣ 8:18, 22, 31

ኣብ ምንታይ ኵነታት ኢና ኢድ የሆዋ ብንጹር ኣብ ህይወትና እንርኢ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ) e

16. ኣብ ምንታይ ኵነታት ኢና ኢድ የሆዋ ኣብ ህይወትና ብንጹር ክንርኢ እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

16 ጸገም ኬጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣኼባ ዞባ ምእንቲ ኽንእከብ ኢልና ኻብ ኣስራሒና ዕረፍቲ ኽንሓትት ከለና፡ ወይ ኣብ ኵሉ ኣኼባታትና ምእንቲ ኽንእከብ ኢልና ኣብ ሰዓታት ስራሕና ምትዕርራይ ንምግባር ክንሓትት ከለና፡ ኢድ የሆዋ ኣብ ህይወትና ንምርኣይ ኣጋጣሚ ኢና እንፈጥር ዘለና። ሽዑ ዘይተጸበናዮ ነገር ክንረክብ ንኽእል ንኸውን። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ብዝያዳ ይድልድል።

እዝራ ብሓጢኣት ህዝቡ ስለ ዝጐሃየ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ይበክን ይጽልን። እቶም ህዝቢ እውን ይበኽዩ። ሸካንያ፡ “ንእስራኤል ገና ተስፋ ኣሎ። . . . ንሕና እውን ምሳኻ ኢና” ብምባል ንእዝራ የጸናንዖ።—እዝ. 10:2, 4። (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. እዝራ ኣብ ኣጸጋሚ እዋን ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ ገበር ርአ።)

17 እዝራ ብትሕትና ኻብ የሆዋ ሓገዝ ለመነ። ሓላፍነታቱ ዝኸበዶ ዀይኑ ኣብ እተሰምዖ እዋን፡ ብትሕትና ናብ የሆዋ ጸለየ። (እዝ. 8:21-23፣ 9:3-5) እዚ ድማ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት፡ ኪድግፍዎን ኣስኣሰር እምነቱ ኺስዕቡን ኣለዓዓሎም። (እዝ. 10:1-4) ንሕና እውን ብዛዕባ እቲ ዜድልየና ስጋዊ ነገራት ወይ ብዛዕባ ድሕንነት ስድራ ቤትና ክንጭነቕ ከለና፡ ከይተወላወልና ብጸሎት ናብ የሆዋ ኽንቀርብ ኣሎና።

18. ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ንምዕባይ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

18 ብትሕትና ኻብ የሆዋ ሓገዝ እንተ ለሚንናን ክርስትያናት ብጾትና ዚህቡና ደገፍ እንተ ተቐቢልናን፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ይዓቢ እዩ። ኣደ ሰለስተ ዝዀነት ኤሪካ ኣብ ትሕቲ ኣመና ዜሕዝን ኵነታት ኣብ የሆዋ ዘለዋ እምንቶ ኽትዕቅብ ክኢላ እያ። እዛ ሓብቲ እዚኣ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ገና ዘይተወልደ ሕጻናን እትፈትዎ ሰብኣያን ሰኣነት። ብዛዕባ እቲ ዅነታት ምልስ ኢላ ኽትሓስብ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “የሆዋ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ኣቐዲምካ ኽትፈልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብዘይተጸበኻዮ መገድታት እዩ ሓገዝ ዚመጽእ። መብዛሕትኡ ጸሎተይ ብቓላትን ብተግባራትን ፈተውተይ ከም እተመለሰ ርእየ እየ። ኣብ ህይወተይ ዜጋጥመኒ ዘሎ ንፈተውተይ እንተ ገሊጸሎም፡ ብቐሊሉ ኺሕግዙኒ ይኽእሉ እዮም።”

ክሳዕ መወዳእታ ብየሆዋ ተኣማመን

19-20. ካብቶም ናብ የሩሳሌም ኪምለሱ ዘይከኣሉ ኣይሁድ እንታይ ንምሃር፧

19 ካብቶም ናብ የሩሳሌም ኪምለሱ ዘይከኣሉ ኣይሁድ እውን ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ገሊኦም ብሰንኪ እርጋን፡ ከቢድ ሕማም፡ ወይ ሓላፍነታት ስድራ ቤት፡ ዓቕሞም ድሩት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ወፈያታት ብምግባር፡ ነቶም ናብ ዓዶም ዚምለሱ ብፍታዎም ደጊፎምዎም እዮም። (እዝ. 1:5, 6) ካብቲ እቶም ቀዳሞት ጕጅለ ናብ የሩሳሌም እተመልሱሉ ግዜ ኣስታት 19 ዓመት ምስ ሓለፈ እኳ፡ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝተረፉ ናብ የሩሳሌም ወፈያታት ይልእኩ ነበሩ።—ዘካ. 6:10

20 እቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ክንገብሮ እንኽእል ድሩት ከም ዝዀነ ዀይኑ እኳ እንተ ተሰምዓና፡ የሆዋ ነቲ ንዕኡ ባህ ንምባል እንገብሮ ጻዕርታት ከም ዜማስወሉ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እዚ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ብግዜ ዘካርያስ፡ የሆዋ ንነብዪኡ፡ ካብቲ ኻብ ምሩኻት ባቢሎን እተላእከ ወርቅን ብሩርን ዘውዲ ኺገብር ኣዘዞ። (ዘካ. 6:11) እቲ “ዓብዪ ዘውዲ” ኸኣ ነቲ ብልግሲ ዝገበርዎ ወፈያ “ንመዘከርታ” ኪኸውን እዩ ተሓሲቡ። (ዘካ. 6:14፡ እ.ጽ.) ስለዚ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ኣጸጋሚ እዋን ብምሉእ ልብና ንምግልጋል እንገብሮ ጻዕሪ ኸቶ ኸም ዘይርስዖ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—እብ. 6:10

21. ኣብ መጻኢ ንዜጋጥመና ጸገማት ብምትእምማን ክንሰግሮ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

21 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ጸገማት ከም ዜጋጥመና፡ ኵነታት እውን እናገደደ ኸም ዚኸይድ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (2 ጢሞ. 3:1, 13) ይኹን እምበር፡ ብጭንቀት ክንወሓጥ የብልናን። የሆዋ ነቶም ብግዜ ሃጌ ዝነበሩ ህዝቡ፡ “ኣነስ ምሳኻትኩም እየ። . . . ኣይትፍርሁ” ኸም ዝበሎም ኣይንረስዕ። (ሃጌ 2:4, 5) ፍቓዱ ንምግባር ዚከኣለና ኽሳዕ ዝገበርና፡ የሆዋ ምሳና ኸም ዚኸውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነቲ ኻብ ትንቢት ሃጌን ካብ ትንቢት ዘካርያስን ካብቲ እዝራ ዝሓደጎ ኣብነትን ዝረኸብናዮ ትምህርትታት እንተ ተግቢርናዮ፡ ዝመጸ ፈተና እኳ እንተ መጸ፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ኽንዕቅብ ንኽእል ኢና።

መዝሙር 122 ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ!

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ቍጠባዊ ጸገማት፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ወይ ተቓውሞ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ብኸመይ ከነደልድል ከም እንኽእል ንምሕጋዝ እያ ተዳልያ።

b እቲ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት” ዚብል ቃላት ኣብ መጽሓፍ ሃጌ 14 ሳዕ ይርከብ፣ እዚ ድማ ንኣይሁድ ኰነ ንዓና፡ የሆዋ ደረት ኣልቦ ሓይሊ ኸም ዘለዎን ዓብዪ ሰራዊት መንፈሳውያን ፍጡራት ከም ዚእዝዝን ዜዘኻኽር እዩ።—መዝ. 103:20, 21

c ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

d እዝራ ኽኢላ ቐዳሒ ሕጊ ኣምላኽ ስለ ዝነበረ፡ ናብ የሩሳሌም ጕዕዞ ቕድሚ ምጅማሩ እኳ ኣብ ትንቢታዊ ቓል የሆዋ ድልዱል እምነት ነበሮ።—2 ዜና 36:22, 23፣ እዝ. 7:6, 9, 10፣ ኤር. 29:14

e መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ኣብ ኣኼባ ዞባ ምእንቲ ኺእከብ ኢሉ ኻብ ኣስራሒኡ ዕረፍቲ እኳ እንተ ሓተተ፡ ኣይፍቀደሉን። ዳግም ነቲ ኣስራሒኡ ንምዝርራብ ዜኽእሎ ሓገዝን መምርሕን ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ ይጽሊ። ንኣስራሒኡ ወረቐት ዕድመ ኣኼባ ዞባ የርእዮ፡ ኣገዳስነት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ይገልጸሉ። እቲ ኣስራሒ ኸኣ፡ በቲ ዝረኣዮ ስለ እተደነቐ፡ ውሳነኡ ይቕይር።