ዓንቀጽ መጽናዕቲ 47
ነታ ኣብ ንሓድሕድና ዘላ ፍቕሪ ብኸመይ ወትሩ ኸነሐይላ ንኽእል፧
“ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር።”—1 ዮሃ. 4:7።
መዝሙር 109 ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ
መላለዪ a
1-2. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ካብዚኣተን እትዓቢ . . . ፍቕሪ እያ” ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧
ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ድሕሪ ምግላጹ፡ “ካብዚኣተን እትዓቢ ግና ፍቕሪ እያ” ብምባል ዛዘመ። (1 ቈረ. 13:13) ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዝበለ፧ ኣብ መጻኢ እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓዳስ ዓለም ዘተስፈዎ ተስፋታት ምስ ተፈጸመ፡ እምነትን ተስፋን ኣይኬድልያናን እየን። ንየሆዋ ዀነ ንሰባት ዘላትና ፍቕሪ ግና ወትሩ ኸተድልየና እያ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ እታ ንዓታቶም ዘላትና ፍቕሪ ንዘለኣለም ክትዓቢ እያ።
2 እምበኣር፡ ፍቕሪ ንሓዋሩ እትቕጽል ካብ ኰነት፡ ቀጺልና ሰለስተ ሕቶታት እስከ ንመርምር። ቀዳማይ፡ ስለምንታይ ኢና ንሓድሕድና ኽንፋቐር ዘሎና፧ ካልኣይ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንሓድሕድና ኽንፋቐር እንኽእል፧ ሳልሳይ፡ ነታ ኣብ ንሓድሕድና ዘላ ፍቕሪ ብኸመይ ወትሩ ኸነሐይላ ንኽእል፧
ስለምንታይ ኢና ንሓድሕድና ኽንፋቐር ዘሎና፧
3. ስለምንታይ ኢና ንሓድሕድና ኽንፋቐር ዘሎና፧
3 ስለምንታይ ኢና ንሓድሕድና ኽንፋቐር ዘሎና፧ ሓደ ኻብቲ ምኽንያታት፡ ፍቕሪ መለለዪት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብምዃና እዩ። የሱስ ንሃዋርያቱ፡ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኢልዎም እዩ። (ዮሃ. 13:35) ብተወሳኺ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር እንተ ዄንና፡ ሓድነት ይህልወና እዩ። ጳውሎስ ንፍቕሪ፡ “ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት” ኢሉ ገሊጽዋ ኣሎ። (ቈሎ. 3:14) ብዘይካዚ ግና፡ ንሓድሕድና ኽንፋቐረሉ ዚግባእ ካልእ ኣገዳሲ ምኽንያት ኣሎ። ሃዋርያ ዮሃንስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ “እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅር፡ ንሓዉ እውን ኬፍቅሮ . . . እዩ” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። (1 ዮሃ. 4:21) ንሓድሕድና እንተ ተፋቒርና፡ ንኣምላኽ እውን ከም እነፍቅሮ ነርኢ ኢና።
4-5. ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ምስታ ንሓድሕድና ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ከም እትተኣሳሰር ብምሳሌ ኣረድእ።
4 እሞ ደኣ እታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ምስታ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ እያ ኣጸቢቓ እትተኣሳሰር፧ ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ኣብ መንጎ ልብን ካልእ ኣካላት ሰብነትናን ዘሎ ምትሕሓዝ እስከ ንርአ። ሓኪም ኣብ ጉምቦ ኢድና ሒዙ ንብርታዐ ህርመት ልብና ብምምርማር ብዛዕባ ዅነታት ልብና ኺፈልጥ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ምሳሌ እዚ ምስ ፍቕሪ ብእተተሓሓዘ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧
5 ከምቲ ሓኪም ንህርመት ልብና ብምምርማር ብዛዕባ ጥዕና ልብና ዚፈልጥ፡ ንሕና እውን ነታ ንሰባት ዘላትና ፍቕሪ ብምምርማር ብዛዕባ እታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ንክርስትያናት ብጾትና ዘላትና ፍቕሪ እንተ ደኺማ፡ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ትደክም ከም ዘላ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንክርስትያናት ብጾትና ኣዘውቲርና ፍቕሪ ነርእዮም እንተ ዄንና ግና፡ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ሓያል እያ ማለት እዩ።
6. ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘላትና ፍቕሪ እንተ ደኺማ፡ እዚ ኼተሓሳስበና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (1 ዮሃንስ 4:7-9, 11)
6 ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘላትና ፍቕሪ እንተ ደኺማ፡ እዚ ነገር እዚ ኼተሓሳስበና ኣለዎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እዚ ኣብ መንፈሳዊ ሓደጋ ኸም ዘለና እዩ ዜመልክት። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይክእልን እዩ” ብምባል ነዚ ንጹር ገይሩልና ኣሎ። (1 ዮሃ. 4:20) ካብዚ እንታይ ኢና እንምሃር፧ ‘ንሓድሕድና እንፋቐር’ እንተ ዄንና እዩ የሆዋ ባህ ዚብሎ።—1 ዮሃንስ 4:7-9, 11 ኣንብብ።
ከመይ ጌርና ኢና ንሓድሕድና ኽንፋቐር እንኽእል፧
7-8. ንሓድሕድና ፍቕሪ ኸነርእየሉ እንኽእል ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧
7 ኣብ ቃል ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ‘ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ’ ዚብል ትእዛዝ ንረክብ ኢና። (ዮሃ. 15:12, 17፣ ሮሜ 13:8፣ 1 ተሰ. 4:9፣ 1 ጴጥ. 1:22፣ 1 ዮሃ. 4:11) ይኹን እምበር፡ ፍቕሪ ኣብ ውሽጢ ልቢ ዘሎ ስምዒት ወይ ውሽጣዊ ስብእና እዩ። ዋላ ሓደ ሰብ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ኺርእዮ ኣይክእልን እዩ። እሞ ደኣ ንኻልኦት ዘሎና ፍቕሪ ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧ ብቓልናን ብግብርናን ኣቢልና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል።
8 ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ፍቕርና ኸነርእየሉ እንኽእል እተፈላለየ መገድታት ኣሎ። ገለ ኻብቲ ኸምኡ ኽንገብረሉ እንኽእል መገድታት፡ በዚ ዚስዕብ ተገሊጹ ኣሎ፦ “ንሓድሕድኩም ሓቂ ተዛረቡ።” (ዘካ. 8:16) “ንሓድሕድኩም . . . ብሰላም ንበሩ።” (ማር. 9:50) “ንሓድሕድኩም ኣብ ምክብባር ቀዳሞት ኩኑ።” (ሮሜ 12:10) “ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ።” (ሮሜ 15:7) “ንሓድሕድኩም . . . ይቕረ ተባሃሃሉ።” (ቈሎ. 3:13) “ከቢድ ጾር ሓድሕድ ጹሩ።” (ገላ. 6:2) “ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ።” (1 ተሰ. 4:18) “ንሓድሕድኩም . . . ተሃናነጹ።” (1 ተሰ. 5:11) “ምእንቲ ሓድሕድኩም . . . ጸልዩ።”—ያእ. 5:16።
9. ንኻልኦት ምጽንናዕ ኣገዳሲ መግለጺ ፍቕሪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
9 ሓደ ኻብቲ ኣብ ዝሓለፈት ሕጡብ ጽሑፍ እተገልጸ መግለጺታት ፍቕሪ እስከ ንርአ። ነቲ ጳውሎስ፡ “ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ እስከ ንመርምር። ንኻልኦት ምጽንናዕ ኣገዳሲ መግለጺ ፍቕሪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ ጽሑፍ ነታ ጳውሎስ “ተጸናንዑ” ንምባል እተጠቕመላ ቓል፡ “ሓደ ሰብ መሪር ፈተና ኼሕልፍ ከሎ፡ ከተተባብዖ ኢልካ ኣብ ጐድኑ ምዃን” ማለት ከም ዝዀነት ገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ ንሓደ ኣብ ጭንቂ ዘሎ ክርስትያን ብጻይና ኸነጸናንዖ ኸለና፡ ካብቲ ዝወደቐሉ ተንሲኡ ብመገዲ ህይወት ኪመላለስ ኢና እነተባብዖ ዘለና። ንሓውና ወይ ንሓብትና ኸነጸናንዕ ከለና ኸኣ፡ ፍቕርና ኢና እንገልጽ ዘለና።—2 ቈረ. 7:6, 7, 13።
10. ኣብ መንጎ ርሕራሐን ምጽንናዕን እንታይ ምትእስሳር እዩ ዘሎ፧
10 ርሕራሐን ምጽንናዕን ንሓድሕዱ ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር እዩ። ብኸመይ፧ ርሕሩሕ ሰብ ንኻልኦት ንምጽንናዕን መከራኦም ንምፍኳስን ይለዓዓል እዩ። ስለዚ፡ መጀመርታ ርሕራሐ እዩ ዚስምዓና፣ ድሕሪኡ፡ ነጸናንዕ። ጳውሎስ ነቲ የሆዋ ዚስምዖ ርሕራሐ ምስቲ ኻብኡ እንረኽቦ ምጽንናዕ ብኸመይ ከም ዘተኣሳሰሮ እሞ ነስተብህል። ንየሆዋ፡ “ኣቦ ርሕራሐን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን” ኢሉ እዩ ገሊጽዎ። (2 ቈረ. 1:3) ስለዚ፡ ኣምላኽ ኣቦ ርሕራሐ ወይ ምንጪ ርሕራሐ እተባህለ፡ ርሕራሐ ኻብኡ ስለ ዚምንጭው እዩ። እቲ ርሕራሐ እቲ ድማ “ኣብ ኵሉ ጸበባና” ኼጸናንዓና የለዓዕሎ። (2 ቈረ. 1:4) ከምቲ ኻብ ዓይኒ ማይ ዚፍልፍል ጽሩይ ማይ ንዝጸምኡ ዜርውዮም፡ የሆዋ እውን ንእተጨነቑ መንፈሶም የሐድሰሎምን የጸናንዖምን እዩ። እሞ ደኣ ርሕሩሓት ብምዃንን ንኻልኦት ብምጽንናዕን ከመይ ጌርና ኢና ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል፧ ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ኽንገብረሉ እንኽእል መገድታት ምስ ምጽንናዕ ዚዛመድ ባህርያት ኣብ ልብና ብምዅስኳስ እዩ። ገለ ኻብዚ ባህርያት እዚ እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧
11. ብመሰረት ቈሎሴ 3:12ን 1 ጴጥሮስ 3:8ን፡ ንኻልኦት ንምጽንናዕ ምእንቲ ኽንለዓዓል እንታይ ተወሳኺ ባህርያት ኢና ኸነማዕብል ዘሎና፧
11 እሞ ደኣ መዓልቲ መዓልቲ ፍቕርና ዓቂብና ንምምልላስን ‘ንሓድሕድና ንምጽንናዕን’ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ከም ድንጋጸን ሕውነታዊት ፍቕርን ለውሃትን ዝኣመሰለ ባህርያት ከነማዕብል ኣሎና። (ቈሎሴ 3:12፣ 1 ጴጥሮስ 3:8 ኣንብብ።) እዚ ባህርያት እዚ ብኸመይ ይሕግዘና፧ ርሕራሐን ምስኡ ዚዛመድ ባህርያትን ክፍሊ ስብእናና ምስ ዚኸውን፡ ኣብ ጭንቂ ንዘለዉ ንምጽንናዕ ንለዓዓል ኢና። ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ “ኣፍሲ ኻብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ። ሕያዋይ ሰብ ካብ ጽቡቕ መዝገቡ፡ ጽቡቕ የውጽእ።” (ማቴ. 12:34, 35) ብሓቂ እምበኣር፡ ንእተሸገሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምጽንናዕ፡ ኣገዳሲ መግለጺ ፍቕሪ እዩ።
ነታ ኣብ ንሓድሕድና ዘላ ፍቕሪ ብኸመይ ወትሩ ኸነሐይላ ንኽእል፧
12. (ሀ) ስለምንታይ ኢና ኽንጥቀቕ ዘሎና፧ (ለ) ቀጺልና እንታይ ሕቶ ኢና ኽንምርምር፧
12 ኵላትና ነቲ፡ “ንሓድሕድና ንፋቐር” ዚብል ማዕዳ ኽንትግብሮ ንደሊ ኢና። (1 ዮሃ. 4:7) ይኹን እምበር፡ የሱስ “ናይ መብዛሕትኦም ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ” ኢሉ ኸም ዘጠንቀቐ ክንርስዕ የብልናን። (ማቴ. 24:12) ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ናይ መብዛሕትኦም ደቀ መዛሙርቱ ፍቕሪ ኸም እትዝሕል ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብታ ኣብ ከባቢና ዘላ ዓለም ፍቕሪ ስለ እትጠፍእ፡ እዚ ንዓና ኸይጸልወና ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነዛ እትስዕብ ኣገዳሲት ሕቶ እስከ ንመርምራ፦ ንኣሕዋትና ዘላትና ፍቕሪ ሓያል ምዃና ወይ ዘይምዃና ብኸመይ ክንምርምር ንኽእል፧
13. እንታይ እዩ ንፍቕርና ኺፍትና ዚኽእል፧
13 ሓደ ኻብቲ ንብርታዐ ፍቕርና እንምርምረሉ መገዲ፡ ኣብ ህይወት ንዜጋጥም ገሊኡ ዅነታት ብኸመይ ከም እንሕዞ ብምምርማር እዩ። (2 ቈረ. 8:8) ሓደ ኻብዚ ዅነታት እዚ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ጠቒስዎ ኣሎ፦ “ፍቕሪ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ንሓድሕድኩም ሓያል ፍቕሪ ትሃሉኹም።” (1 ጴጥ. 4:8) ስለዚ፡ ድኽመት ወይ ናይ ካልኦት ዘይፍጽምና ንፍቕርና ኺፍትና ይኽእል እዩ።
14. ብመሰረት 1 ጴጥሮስ 4:8፡ እንታይ ዓይነት ፍቕሪ እያ እተድልየና፧ ብምሳሌ ኣረድእ።
14 ሕጂ ነቲ ጴጥሮስ እተጠቕመሉ ቓላት ብደቂቕ ንመርምሮ። ኣብ ፍቕዲ 8 እንታይ ዓይነት ፍቕሪ ኽትህልወና ኸም ዚግባእ ኪገልጽ ከሎ፡ “ሓያል ፍቕሪ” እዩ ኢሉ። እታ ጴጥሮስ “ሓያል” ንምባል እተጠቕመላ ቓል፡ ቃል ብቓሉ “እተመጥጠት” ማለት እያ። ኣብቲ ዝተረፈ ኽፋል እታ ጥቕሲ ኸኣ፡ ሓያል ፍቕሪ እንታይ ከም እተፍሪ ተጠቒሱ ኣሎ። ብዙሕ ሓጢኣት ኣሕዋት ከም እትኸድን ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ ከምዚ ዚስዕብ ጌርና ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና፦ ንፍቕርና ኸም ዚምጠጥ ዓለባ ጌርና እሞ ኣብ ኣእምሮና ንስኣሎ። ነዚ ብኽልተ ኢድና ድሕሪ ምሓዝ፡ ሓደ ወይ ክልተ ሓጢኣት ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ብዙሕ ሓጢኣት” ክሳዕ ዚኸድን ንመጥጦ ማለት እዩ። ትኸድን ኪብሃል ከሎ ድማ፡ ሕድገት ትገብር ማለት እዩ። ልክዕ ከምቲ ቝራጽ ዓለባ ንርስሓት ዚኸድን፡ ፍቕሪ ድማ ንድኽመትን ንዘይፍጽምናን ካልኦት ትኸድን እያ።
15. ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘላትና ፍቕሪ ሓያል እንተ ዀይና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ (ቈሎሴ 3:13)
15 ሓያል ፍቕሪ እንተ ኣልያትና፡ ኣብ ገሊኡ እዋናት ብዙሕ ጻዕሪ ዚሓትተና እኳ እንተ ዀነ፡ ንዘይፍጽምና ክርስትያናት ኣሕዋትና ይቕረ ኽንብል ንኽእል ኢና። (ቈሎሴ 3:13 ኣንብብ።) ንኻልኦት ይቕረ ምስ እንብለሎም ከኣ፡ ፍቕርና ሓያል ምዃናን ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ኸም እንደልን ነርኢ ኢና። እሞ ደኣ ነቲ ቕጭ ዜምጽኣልና ጠባያትን ጌጋታትን ካልኦት ሰባት ይቕረ ንምባል እንታይ ተወሳኺ ነገራት ኪሕግዘና ይኽእል፧
16-17. እንታይ ተወሳኺ ነገር እዩ ነቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ንኣሽቱ በደላት ዕሽሽ ክንብል ዚሕግዘና፧ ብምሳሌ ኣረድእ። (ስእሊ እውን ርአ።)
16 ኣብ ኣሉታዊ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣወንታዊ ባህርያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነተኵር። ነዚ ምሳሌ እሞ ሕሰበሉ። ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ግዜ ተሕልፍ ኣለኻ ንበል። ባህ ዜብል ግዜ ድሕሪ ምሕላፍኩም፡ ኣብ መወዳእታ ተኣኻኺብኩም ትስኣሉ። እታ ቐዳመይቲ ስእሊ ጽቡቕ እንተ ዘይወጸት ኢልካ ኽልተ ተወሳኺ ስእልታት ትስእል። ስለዚ፡ ብድምር ሰለስተ ስእሊ ኣሎካ። ኣብ ሓደ ኻብቲ ስእልታት ግና፡ ንሓደ ሓው ተጸዊጉ ትርእዮ። ነታ ስእሊ እቲኣ እንታይ ኢኻ እትገብራ፧ ኵሎም ፍሽኽ ኢሎም እተሳእሉሉ ኽልተ ኻልእ ስእሊ ስለ ዘሎካ፡ ብኡብኡ ኢኻ እትድምስሳ።
17 ሕጂ ነቲ ኣብ ተዘክሮና ዝዓቀብናዮ ስእልታት እስከ ንመርምሮ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሕለፍናዮ ጽቡቕ ተዘክሮታት ኣሎና። ኣብ ሓደ ኻብዚ ኣጋጣሚታት እዚ ግና፡ ሓውና ወይ ሓብትና ሕማቕ ገይሩ ንበል። እሞ ደኣ ነቲ ተዘክሮ እቲ እንታይ ኢና ኽንገብሮ ዚግባእ፧ ከምቲ ንገሊኡ ስእልታት እንድምስሶ፡ ንምንታይ ነዚ እውን ዘይንድምስሶ፧ (ምሳ. 19:11፣ ኤፌ. 4:32) ምስቲ ሰብ እቲ ብዙሕ ጽቡቕ ተዘክሮታት ስለ ዘሎና፡ ነዚ ንእሽቶ በደሉ ኻብ ተዘክሮና ኽንሓክኮ ንኽእል ኢና። ነቲ ጽቡቕ ተዘክሮታት ኢና ኽንዕቅቦን ኣብ መዝገብና ኽንዓቝሮን እንደሊ።
ምናዳ ሎሚ ፍቕሪ ኣድላዪት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
18. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ ፍቕሪ እንታይ ቀንዲ ነጥብታት ኢና መርሚርና፧
18 ስለምንታይ ኢና ነታ ኣብ ንሓድሕድና ዘላ ፍቕሪ ወትሩ ኸነሐይላ እንደሊ፧ ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ፍቕሪ እንተ ኣርኢና፡ ንየሆዋ ኢና ፍቕሪ እነርእዮ። እሞ ደኣ ንክርስትያናት ብጾትና ዘሎና ፍቕሪ ብኸመይ ኢና እንገልጽ፧ ሓደ ኻብቲ ኸምኡ እንገብረሉ መገዲ፡ ንዓታቶም ብምጽንናዕ እዩ። ርሕራሐ እንተ ኣልዩና፡ ‘ንሓድሕድና ኽንጸናናዕ’ ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ንፍቕርና ኸነሐይላ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ጌጋታት ይቕረ ንምባል ዚከኣለና ብምጽዓር ኢና ኸምኡ እንገብር።
19. ምናዳ ሎሚ ንሓድሕድና ኽንፋቐር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
19 ምናዳ ሎሚ ንሓድሕድና ኽንፋቐር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ጴጥሮስ ናይዚ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ ኣሎ። እምበኣር፡ . . . ንሓድሕድኩም ሓያል ፍቕሪ ትሃሉኹም” እዩ ኢሉ። (1 ጴጥ. 4:7, 8) መወዳእታ እዛ እክይቲ ዓለም እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ፡ እንታይ ኢና እንጽበ፧ የሱስ ብዛዕባ ሰዓብቱ ኺዛረብ ከሎ፡ “ስለ ስመይ ብዅሎም ኣህዛብ ክትጽልኡ ኢኹም” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:9) ነዚ ጽልኢ እዚ ንምጽዋር፡ ሓድነት ኪህልወና ኣለዎ። ሓድነት እንተ ኣልዩና ኸኣ፡ እቲ ሰይጣን ኪኸፋፍለና ኢሉ ዚገብሮ ጻዕርታት ኪፈሽል እዩ። ስለምንታይሲ፡ በታ “ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት” ዝዀነት ፍቕሪ ንሓድሕድና ኽንተኣሳሰር ኢና።—ቈሎ. 3:14፣ ፊል. 2:1, 2።
መዝሙር 130 ይቕረ በሃልቲ ንኹን
a ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ፍቕሪ ኸነርእዮም ኣሎና። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ፍቕርና ብዝያዳ ኽንገልጽ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧